ቤተክርስትያን ኢራቅ ሕያው እያ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቀቅድሚ ምዝዛም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሃገረ ኢራቅ ሰንበት ዕለት 7 መጋቢት 2021 ዓም ኣብ ቅርዓት ፍራንሶ ሓሪሪ ከተማ ኤርቢል ኣብ ዘዕረግዏ ቅዳሴ ‘ካብ ፈተና ሕነ ምፍዳይ በቲ ካብ ኢየሱስ ዝመጽእ ይቅረ ምባል ህደሙ’ እንክብሉ ነታ ብዝረኤን ዘይረኤን ኣቊሳል ትሳቀ ዘላ ሃገረ ኢራቅ ብሓቂ ሕይወት ዘለዋ ቤተክርስትያን ከምዘላ ብምግላጽ ነዚ ዝስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ቆሮ 1,24 ‘ኢየሱስ ክርስቶስ ሓይልን ጥበብን እግዚአብሔር እዩ’ እንክብል የዘኻኽረና። ነዛ ጥበብ እዚአን ነዛ ሓይሊ እዚኣን ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዝኣገረ ብምሕረትን ይቅረ ብምባልን ገሊጹልና። ድምጹ ካብ ላዕሊ ብምንጒድጓድ ሓይሉ ከርእየና ኣይደለየን! ከምኡ እውን ብዙሕ ብዘይትርድኦ ጥበብ ብዝቀረበ ዘሰልቹ ነዊሕን መትሓዚ ኣልቦን መደረ ክገብሮ ኣይደለየን። ሕይወቱ ኣብ መስቀል ብምውፋይ ደኣ ፈጸሞ። ናይቲ ኣብ ኪዳን እሙን ዝኾነ ኪዳኑ ዘይጠልም እግዚአብሔር ተኣማንነት ኣባታዊ ፍቅሪ ክሳብ መወዳእታ ብምግላጽ ነቲ መለኮታዊ ሓይልን ጥበብን ገለጸልና። እዚ ከኣ እቲ ንሕዝቡ ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ዘውጸኤን ኣብ ጒዕዞ ምድረበዳ ዘሰነየን እምነት ኪዳን እዩ (ዘጸ 20.1-2)።

ንካልኦት ሓያልትን ጥበበኛታታን ምዃን ንክነርኢ ናይ ምሕሳብ ፈተና ብጣዕሚ ቀሊል እዩ። ከም ሕዝበ እስራኤል ኣብ መጻወድያ ፈተና ውሕስነት ዝህቡና ኣማልኽቲ ጣዖት ምሥራሕ ክትወድቅ ቀሊል እዩ (ዘጸ 20.4-5)።  ከም ሓቂ እንተኾይኑ ግን እቲ ዘድልየና ጥበብን ሓይልን ብኣንጻሩ እተን ኣብ መስቀል ክርስቶስ ዝተግልጻ እየን። ኣብ ቀራንዮ ኢየሱስ ነተን ካብአን ዝፈወሰናን ዘሕወየና ኣቊሳል ንእግዚአብሔር ኣቦ ወፍዩ (1 ጴጥ 2.24)። ኣብዚ ኣብ ሃገረ ኢራቅ ክንደይ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ክንደይ ኣዕሩኽትኹምን ዜጋታትኩምን ብሰንኪ ዓመጽን ውግእን ዝሰዓበ ዝረኤን ዘይረኤን ኣቊሳል ሒዞም ይጐዓዙ ኣለው! ኣብዚ ቅጅል ዝብል ፈተና ነዝን ንካልኦት ስቃያትን ብጥበብን ሓይልን ደቂሰባት ግብረ መልሲ ናይ ምሃብ ፈተና እዩ። እንተ ኢየሱስ ግን ነታ ንሱ ባዕሉ ዝፈጸማን ክንክተላ ዝጽውዓናን መንገዲ እግዚአብሔር ክንስዕብ እዩ ዝሕብረና።

ክንበብ ኣብ ዝሰማዕናዮ ዮሓ 2.13-25፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ንቤተመቅደስ ኣምላኽ ዘራኽሱ መሽረፍትን ንኩሎም ዝዕድጉን ዝሸጡን ዝነበሩ ከመይ ኣቢሉ ከምዘባረሮም ንርኢ። ንምዃን ኢየሱስ ንምንታይ ነዚ ሓያል ተግባር ነዚ ተኹታዂ ዝኾነ ንካልእ ዓመጽ ዝዕድም ተግባር ዝፈጸመ! ቢልና እንተሓተትና መልሱ፡ እግዚአብሔር ንቤተመቅደስ ከጽሪ ልኢኽዎ፡ ነቲ ብኣእማን ዝተሃንጸ ቤተ መቅደስ ጥራይ ዘይኮነ እኳ ደኣ ብዝበለጸ መንገዲ ነቲ ናይ ልብና ቤተ መቅደስ ከጽሪ ልኢኽዎ። ከምቲ ቤት ኣቦኡ ቤት ሸቀጥ ክኸውን ክጻወሮ ዘይከኣለ (ዮሓ 2.16) ልብና እውን መዝገብ ዘይሥሩዕ ናብራን ሕንፍሽፍሽን ክኸውን ኣይጻወሮን እዩ። ልብሲ ክጸሪ ክሥራዕ ክነጽሕ እዩ ዘለዎ ይብለና። ካብ ምንታይ! እንተበልና ካብ ዘርስሕዎ ዘይቅኑዕ ተጋራት ማለት ክልተ ክልተ ካብ ዝገብር ምስሉይነት እዩ መልሱ። ኣብ ኩልና ዘሎ እዩ። ንልቢ ዘሕምሙ ንሕይወት ንየ ነጀው እናበሉ ኣንጭዋ ክልተ ዓንደል ብምግባር ዘርስሑ ሕማማት እዮም። ንግዜኡ ንክጥዕመና ንእምነት እግዚአብሔር ምስ ሓላፊ ነገራት ብምሽቃጥ ዘደናግር ውሕስነት ካብ እንደልየሎም ጉዳያት ልብና ዳግም ክንነጽሕ ኣሎና።  ቅጥዒ ዘይብሉ ሃረርታ ሥልጣንን ገንዝብን ካብ ልብታትናን ካብ ቤተክርስትያናን ክንጸርጎም ኣሎና። ንልብና ክነጽሪ ኣእዳውና ክረስሕ ኣለዎ ማለት ሓውናን ሓፍትናን ክሳቀዩ እንከለው ሱቊ ኢልካ ምጥማት ዘይኮነ ሓላፍነት ተሰሚዑና ክንሕግዞም ወስ ክንብል ኣሎና። እንተኾነ ከመይ ገቢርካ እዩ ልቢ ዝነጽሕ! ንብሕትና ኣይንክእሎን ኢና ኢየሱስ የድልየና! ንሱ ኣብ ልባትና ንዘሎ ክፍኣት ከሸንፍ ሕማማትና ክፍውስ ንቤተመቅደስ ልብና ከሐድስ ሥልጣንን ክእለትን ኣለዎ።

ነዚ ክገብር ከምዝኽእል ከም ምልክት ሥልጣኑ ነቶም ብኣየናይ ሥልጣን ኢኻ ነዚ ትገብር ኢሎም ዝሕተትዎ ‘ነዚ ቤተመቅደስ እዚ ኣፍርውሶ ኣነ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ክሃንጾ እዩ’ (ዮሓ 2.19) እንክብል ይምልሸሎም። እቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ እቲ ጐይታ ኩሉ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ንግብረ እከይ ከጽሪ ዝኽእል። ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን እግዚአብሔር ኣብ ሓጢኣትና ክንመውት ኣይደልን እዩ። ዋላ ሕቈና ሂብና ካብኡ ክንሃድምን ክንሕባእን እንተፈተና እውን በይንና ኣይሓድገናን እዩ። ከምቲ ጐይታ ብኣፍ ሕዝቅኤል ነቢይ ገቢሩ ‘ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፣ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ` (33.11) ዝብሎ ንሕና ንክንሳሕን ንክነጽሕን እግዚአብሔር ወትሩ ሃሰስ ኢሉ ይደልየና! ይስዕበና! እግዚአብሔር ንክንድሕን ሕያው ቤተመቅደስ ፍቅሩ ኰና ብሕውነት ኣብ ኣገልግሎትን ምሕረትን ክነብር እዩ ዝደሊ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሓጢኣትና ኣንጺሑ ጥራይ ኣይኮነን ዝሓድገና እንታይ ደኣ ተሳተፍቲ ጥበቡን ሓይሉን ይገብረና። ካብቲ ዘሎና ርድኢት እምነትን ሥድራቤትን ዘመቃቅልን ዝጐጃጅልን ማሕበረሰብ ሓራ ኣውጺኡ ነቶም ብጣዕሚ ዝተጸገሙ ኣሕዋትናን ኣሓትናን መስተርሆት እትፈጥር ንኩሉ ክፍቲ ዝኾነት ቤተክርስትያን ከም እንሃንጽ ይገብረና።      ማዕረ ማዕረ እዚ ከኣ ካብ ፈተና እታ ንኩነታት መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ሕልኽልኽ እተእቱ ሕነ ምፍዳይ ምውጻእ ምእንቲ ክንክእል ሓይልን ጥበብን ይብበና። ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንካልኦት ኣብ እምነትና ካብ ምስዳዕ ክንቊጠብ ኣብ ክንዳኡ ከም ልኡኻን ስብከተወንጌሉ ቃለወንጌል ንሕይወት ክልውጥ ሓይሊ ከምዘለዎ ክንምስክር ዝተጸዋዕና ምዃና የረጋግጸልና። ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ መጋበሪ ስለማን ምሕረትን እግዚአብሔር ኰና ናይ ሓዲስ ሥርዓት ማሕበር ዕጉሳትን ተባዓትን ሓነጽቲ ይገብረና።  በዚ ከምዚኸስ ብሓይሊ ኤይሱስ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ‘ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፡ ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ’ (1ቆሮ 1,25) ክብል ዝተነበዮ ኣባና ይፍጸም። ብትሑታትን ገርሀይናታትን ኣባላት ዝቆማ ማሕበረ ክርስትያንከስ ናይታ ክትመጽእ ዘለው መንግሥቲ ማለት መንሥቲ ፍቅሪ መንግሥቲ ፍትሕን መንግሥቲ ሰላምን ምልክት ይኾኑ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ነዚ መቅደስ እዚ ኣፍርስዎ ኣነ ከኣ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ክሃንጾ እየ’ (ዮሓ 2.19) ክብል እንከሎ ብዛዕባ ቤተመቅደስ ሰውነቱ እዩ ይዛረብ ነሩ እዛ ሰውነት ክርስቶስ ከኣ ቤተክርስትያን እያ። ጐይታ ንዓናን ንማሕበራትናን ካብቲ ፍትሒ ብምጒዳልን ብምክፍፋልን ብጽልእን ዝዓነወ ፍርስራስ ብሓይሊ ትንሣኤኡ ከተንሰኣና ምዃኑ ቃል ኣትዩልና እዩ። ኣብዚ ቅዱስ ቊርባን እዚ እንሠርዖኸስ እዚ ተስፋ እዚ እዩ። ብዓይኒ እምነት ናይቲ ዝተሰቅለን ካብ ሞት ዝተንሠኤን ክርስቶስ ኣብ መንጎና ምህላው ንርኢ እሞ ነታ ንቊስልታትና እትፍውስን ኣብዚ ዓለም ንእትመጽእ መንግሥቱ ንምግልጋልን ነታ ሓራ እተውጽእ ጥበቡ ንምቅባል ንመሃር። ብኣቊሳሉ ንሕና ኩልና ሓወና (1ጴጥ 2,24)። ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ቅንዋት ኢየሱስ ቅብኢ መሓሪ ፍቅሩ ንረክብ። ምኽንያቱ ከኣ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዘመደ ኣዳም ዝኾነ ክርስቶስ ንነፍሲወከፍ ቊስሊ ክዝንን ንነፍሲወከፍ ዝኽሪ ቃንዛ ከሕዊ ናይዛ መሬት እዚኣ መጻኢ ሰላምን ሕውነትን የስተንፍስ።   

ቤተክርስትያን ሃገረ ኢራቅ ብጸጋ እግዚአብሔር ነዚ ዘደንቅ ጥበብ መስቀል ንምስባኽ ምሕረትን ይቅርታን ክርስቶስ እናኣስፈሐት ምናዳ ኸኣ ነቶም ብጣም ጽጉማት እናረድኤት ብዙሕ ሠሪሓ ገና እውን ትሰርሕ ኣላ። ሽሕ’ኳ ብዓቢ ድኽነትን ጸገማትን ተኸቢባ እንተላ ብዙሓት ካባኹም ጭቡጥ ሓገዝ ደገፍን ንድኻታትን ንዝሳቀዩን ብልግሲ ኣወፊኹም ኢኹም። መንፈሳዊ ንግደት ንክፍጽም ኣብ መንጎኹም ንክርከብ ብኣኡ ኣቢለ ከኣ ንከመስግነኩን ኣብ እምነትኩምን ምስክርነትኩምን ንከጽናዕኩም ካብ ዝደፋፍእኑ ምኽንያታት ሓደ እዚ እዩ። ሎሚ ነታ ህያው ዝኾነት ቤተክርስትያን ኢራቅ ነቲ ኣብ መንጎ እዚ ቅዱስን ተኣማንን ሕዝቢ እዚ ብኣካል ዚዓዪ ክርስቶስ ብዓይነይ ክርኢ ብኢደይ ክድህስስ ክኢለ።   

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ንዓኹምን ንሥድራቤታኩምን ንማሕበራትኩም ኣብ እናታዊ ሓለዋ እታ ኣብ ሕማማትን ሞትን ወዳ ከምኡ እውን ኣብ ሓጐስ ትንሳኤኡ ዝተሳተፍት ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ኣማሕጽን። ናብቲ ሓይልን ጥበብን እግዚአብሔር ዝኾነ ወዳ ስለና ተማልድ ናብኡ ከኣ ትምራሓና።        

ብድምጺ ንምክትታል!
08 March 2021, 11:35