ኣህጉራዊ መዓልቲ ማይ፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ብዘይ ምድንጓይ ምብኻንን ምብካልን ማይ ብግብሪ ንቃለስ ኣህጉራዊ መዓልቲ ማይ፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ብዘይ ምድንጓይ ምብኻንን ምብካልን ማይ ብግብሪ ንቃለስ 

ኣህጉራዊ መዓልቲ ማይ፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ብዘይ ምድንጓይ ምብኻንን ምብካልን ማይ ብግብሪ ንቃለስ

ነቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ምንጪ ሕይወት ግብኡ ኣገዳስነት ክወሃቦ፡ ንዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ዛዕባ መግባውነት ናብ ዘካየዶ ዓውደ ርክብ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ተላብዮም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ክታሞም ዘንበርሉ መልእኽቲ ናብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብን ንዓለም ሓቆፍ ናይ ሕንጻትን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ውድብ ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዕለት 21 መጋቢት ተዘኪሩ ዝወዓለ ኣህጉራዊ መዓልቲ ማይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ጸጋ ዘለዎ ልዑል ክብሪ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም ነዚ ሃብቲ’ዚ ንምክንኻ ኣገባባትናን ቋንቋታትናን ከነተኻኽልን ብጽራይን ብብዝሕን ብማዕረ ንኹሉ ንኽባጻሕ ብምትሕብባር ክንዓዪ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ሓላፍነት ኣብ ኣጠቓቕማን ምክንኻንን ዝብል ሓሳብ ማእከል ዝገበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብስም ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማይ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ከምቲ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማይ መርሕ ቃል፥ “ግቡእ ክብሪ ምሃብ” ዝብሎ ሓሳብ ነቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ምንጪ ሕይወት ግብኡ ኣገዳስነት ክወሃቦ፡ ንዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ዛዕባ መግባውነት ናብ ዘካየዶ ዓውደ ርክብ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ተላብዮም፡ “ሃብቲ ማይ ከምቲ ዝጠልቦን ዝግብኦን ኣተኵሮን ክንክንን ኣይተገበረሉን፡ ክምቲ ብዙሕ ግዜ ዝፍጸም ምብኻንን ብምብካልን ዕሽሽ ምባሉን ዓቢይ ጌጋ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣልቦ ውሑስ ክንክንን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ምዝመዛን

ኣብዚ ናይ “ምዕባለን ዕደ ጥበባዊ ግስጋሰን” ዕስራ ክፍለ ዘመን’ዚ ምስ ማይ ዝተተሓሓዘ ብዙሕ ጸገም ዘስዓበ እዩ፥ ብቐዳምነት ድኻታት ሃገራት ተዓደይቲ ዝገብር ሕጽረት ተጠቓምነት ማይን ዝስተይ ጽሩይ ማይን ዘይውሕስነት ክህሉ ዝገብርን ኣብ ዓለም ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ማይ ጠቒሶም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቶም፥ ማይ ንሰብኣዊ ፍጥረት መሰረታዊ መሰልን ኵላውን ዓንዲ እዩ . . . ካልኦት መሰላት ንምንባር ቅድመ ኵነት እዩ”፡ ብዘይ ኣፈላላይ ኩሉ ክረኽቦ ዝግብኦ ንመላ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝተዓደለ ጸጋ እዩ . . . ሎሚ እዚዩ ጐዳኢ ዝኾነ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ምዝባዕ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየርን ደርቕን ምሕቓቕ ሃብቲ በረድን ኣዝዩ ንኸቢድ ሓደጋ ተቓሊዑን እናወሓደ ዝኸይድ ዘሎ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ሃብቲ ማያትን ጽርየት ማይን ዝተረጋግኤን ፈራይን ሕይወት ዘሰናኽል እዩ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ እውን ይብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብ መልእኽቶም፥ ምስፋሕ ናይ ምብኻን ባህልን ዓውሎማዊ ሸለልትነትን ሰብኣዊ ፍጥረት ተፈጥሮ ክምዝምዝን ክዘምቶን ሓላፍነት ዝተወሃቦ ኮይኑ ክስምዖን ዝገብሮ እዩ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ እውን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንማሕበራውን ቁጠባውን ዘይምዕሩይነት የብእሶ ኣሎ፡ ቢሎም ኣተሓሒዞም እውን “ስእነትን ዋሕዲ ማይ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዚዩ ኣድላይነት ዘለዎም ኣገልግሎት መውሃቢ ማይ ዘስዕቦ ጸገም ኣብ ልዕሊ ስኡናትን ድኻታትን ከቢድ መጉዳእቲ የስዕብ ኣሎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቁጥብነትን ሓባራውነትን ናይ ሕይወት ኣገባብን ቋንቋን ክኸውን

ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ማያት ዝፍጸም ብከላን እቲ ንናይ ሓባር ረብሓ ዘይብል ኣገባብ ሕይወት የብቅዕ! ዝበሉ ብጹዕነቶም ኣብ መልእኽቶም፥ ንመጻእን ኣገባብ ሕይወትን እናማዕደዉ፡ ናይ ሓባር ረብሓን ሓቅን ጽባቔን ሓላፍነት ንዝተመልኦ ኣህላኽነትን ቑጥብነትን ባይታ ምግባር ዝብል ሕንጸት ንመንእሰይ ወለዶ ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ተላብዮም፡ ከምኡ እውን ሃብቲ ማይ ነቲ ብኑባሬ ዘለዎ ክብሪ ንምኽባር ዘተባብዕ ቋንቋ ምጥቓም ንናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ምኽባር ኣገዳሲ እዩ . . . ቑጥብነትን ሓባራውነትን ናይ መምዘንታትና ማእከል ምስ እንገብር ሃብቲ ማይ ብኣምክንዮ ንጥቀምን ኣይነባኽኖን፡ ምስቶም እዚዩ ዘድልዮም ንካፈሎን። ንኣብነት ነቲ ጠላዊ ዞባ እንተድኣ ተኸላኺልና ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ዝብክል ጋዝ ክንክይ እንተድኣ ጌርና ናይ ነኣሽቱ ምስኖኣዊ ልምዓትን ኣብ ገጠራት ተጻዋርንት ክመሓየሽ እንተድኣ ጌርናን እቶም ንዋሕዲ ቀረብ ናይ ማይ መወሃቢ ኣገልግሎት ዝተቓልዑ ብንኡስ እቶት ዝመሓደሩ ናይዚ ኣገልግሎት’ዚ ተጠቐምቲ ክኾኑ እንተገርና ካብ ተመጽዋትነት ክላቐቑን ከባቢኦም ሓዲጐን ንኸይስደዱን ንድግፎምን ነተባብዖምን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካ ሓቢሩ።

ማይን መግብን፥ ጥብቂ ርክብ ዘለዎን መሰረታውን እዩ

ነቲ ማይ ዘለዎ ዓቢይ ናይ ተፈጥሮ ክቡር ሃብቲ ግቡእ ዋጋ ምሃብ ክበሃል እንከሎ ኣብ መንጐ ቀረብ መግባውነት ዘሎ ምትእስሳር ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ፡  እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ንስንቅን ንኽንክን ጥዕናን መሕይወትን ዝምልከት እውን እዩ፡ ውሑስ መግብን ክንክን ጥዕናን ምርካብ ንናይ መግቢ ምክፋልን ናይ ሕማምት ምትሕልላፍ ሓደጋ ይንኪ፡ ስለዚህ ማይን መግብን ክንክን ጥዕናን ጥብቂ ምትእስሳር ከምዘለዎም ብጹዕነቶም ኣመላኺቶም፥

ንዝጸምኡ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ምቕራብ ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ ተግባር እዩ

ኵሉ ብማዕርነት ዝስተይ ጽሩይ ማይ ክረክብ ብዘይ ምድንጓይን ይጽሓለይን ምዕያይ የድሊ፡ ኣብዚ ኪደት እዚ ኣብ መንጐ መንግስታትን ሕዝባውያን ናይ ግልን ተቕዋማትን ምትሕብባር ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብ ዓለም ናይ ኩሉ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ናይ ምርካብ መሰልን ክብረትን ውሑስ ክኸውን ስሩዕን ውጽኢታውን መደብ ወሳኒ እዩ፡ ስለዚህ ንዝጸምኡ ስዝተይ ጽሩይ ማይ ኣብ ምቕራብ ምቅልጣፍ የድሊ፡ እዚ ንምፍጻን ኣብ ዓለም ማይ ምብኻንን ምብካልን ከይህሉ ህርኵት ጻዕሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል ይሓትት፡ እዚ ኸኣ ከምቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝብሎ፥ ሓብትና ማይ ዝብል ዓይነት ርክብ ክህልወና ዝድርኽ ተግባር እዩ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

23 March 2021, 12:21