2021.03.22 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኮለጅ ፊሊፒኖ አባላት 2021.03.22 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኮለጅ ፊሊፒኖ አባላት  

ክርስትያን ማለት ናይ ዘይብጻሕ ጽባሕ ዘይኮነ ናይ ሎሚ ሰብ እዩ! ስለዚ ሎሚ ሠናይ ነገር ይግበር! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኮለጅ ፊሊፒኖ ድንግል ማርያም ንግሥተ ሰላምን ሠናይ ጒዕዞን አባላት ዕለት 22 መጋቢት 2021 ዓም ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ እምነቶም ከደልድሉ ዋጋ ግዜ ተረዲኦም ከኣ ይጽንሓለይ ዘይብሉ ጭቡጥ ኣገልግሎት ክህቡ ካብቲ ሕማም ነፍሲ ዝበልዎ ምጒርምራምን ዕሚም ምባልን ክጥንቀቁ ሓደራ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

 ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ከምዝገለጽናዮ ቅዱስነቶም ኣብ ሮማ ምስ ዝርከቡ ማሕበረ ክርስትያን ሃገረ ፍሊፒን ብምርኻብ ንዝኽሪ መበል 500 ዓመት ስብከተወንጌል ሃገሮም ንምዝካር መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ዝዝከር ኰይኑ ንዝመጽእ በዓለ ፋሲካ ከኣ እቲ ብዕለት 31 መጋቢት ብ1561 ዓም ኣብ ሃገረ ፍሊፒን ዝተቀደሰት ናይ መጀመርያ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክዝክሩ እዮም። እዚ ብንወስትራ ሰኞራ ደላ ፓዝ ኢ ብወን ቭያኸ ማለት እመቤትና ድንግል ማርያም ንግሥተ ሰላምን ሠናይ ጒዕዞን ዝፍለጥ ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኮለጅ ፍሊፒን ናይ ሎሚ ስሳ ዓመት ይገብር ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዝቆመ ኮይኑ ቅዱስነቶም ከምዝገልጽዎ እዚ ኮለጅ እዚ ንብዙሓት ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ካህናትን ሃገረ ፍሊፒን ንኣገልግሎት ሕዝበ እግዚአብሔር ሃገረ ፍሊፒን ከም ልቢ ኢየሱስ ንክኲስኰሱ ብዙሕ ኣበርክቶ ዝገበረ እዩ።

ቅዱስነቶም ንኣባላት እዚ ታሪኻዊ ኮለጅ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ኣብ ኣጠቃቅማ ግዜ ኣተኲሮም ምናዳ ኣብ ኲስኰሳ ግዜ ዓቢይ ጸጋ ምዃኑ ብምርዳእ ነቲ ግዜ ዝሃበ ጐይታ ምምስጋኑ ብቀንዱ ከኣ ኣብ ጒዕዞ ኲስኰሳ ወትሩ ስለዘሰንን ንቅድሚት ንክትጥምትን ትንቢታዊ ዝኾነ ተስፋ ሰኒቅካ ንክትጐዓዝን መንፈሱ ብምዓዳሉ ኣጸቢቆም ከመስገኑ ኣዘኻኺሮም።

“እግዚአብሔር ኣብዛ ዘሎና ግዜ እዩ ዝጽውዓና እምበር ንዝሓለፈ ትማሊ ወይውን ንዝመጽእ ጽባሕ ኣይኮነን! በቃ ሎሚ ነዛ ሎሚ ንክነብር እዩ ዝጽውዓና። እዚ ግን ንጠጥዑም ዘይኮነ እንኮላይ ነቲ ዘጋጥመና ዘይምርድዳእስ ይኹን ስቃይን ሓሳረ መከራን እቲ ወትሩ ዘሰንየና ክንሃድመሉ ወይውን ክነውግዶ ዘይንኽእል ሓጢኣትና ከይተረፈ ከምዘሎ ፈሊጥና እንተኾነ ብእግዚአብሔር ዝተሓረናን ዝተፈቀርናን ምዃና ዘኪርና ነቲ ንሱ ኣብ ዕጸ መስቀል ከይተረፈ ዘወፍየና ንሕና እውን ምስኡ ጥቡቅ ርክብ ክህልወና ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ክሳብ መስቀል እውን እንተኾነ ክንስዕቦ ኣሎና። ነዚ ንምግባር ግን ወለዶና ክንርስዕ የብልናን ኣሰር ቀዳሞት ኣቦታት ወትሩ ምዝካር የድሊ ኢሎም።”

ዝኽሪ ኣበው ስድራቤት!

ቅዱስነቶም ነታ ዘላትኩም ግዜ ሕጂ ሎሚ እያ ንእትብል ሓረግ ከይገደፉ ‘ኣብ ሎሚ ኰንካ ብዙሕ ነገር ትፍጽም። እንተኾነ ኣሰር መን ሒዝካ ከምዘሎኻ ንምፍላጥ እውን ዝኽሪ ቀዳሞት ክህሉ እሞ ንስጉምታት ዝቀደሙን ዝገደፍዎ ኣሰርን ብምርኣይ ብቀዳምነት ንምምስጋን ስዒቡ ድማ ኣድናቆትን ትምህርትን ንምቅሳም ይጠቅም’ ኢሎም።

“ሎሚ ናይ ዝኽሪ በዓል ክንገብር እንከሎና ንኣሳእል ቤተሰብና በብሓደ ምግንጻሉን ካበይ ከምዝበቆልና ንምዝካርን ግዜ ንፍለ። እዚ ከኣ እዞም ኣበው ዘጽንሑልና እምነት ብከመይ ይነብርዎ ነበሩ ነዛ ሎሚ ዘሎናያ ኩነት ዝገልጽ ኣየኖት ምስክርነታት ወንጌል ገዲፎምልና ኢልና ክንሓትት እዋኑ እዩ። እዚ ዝኽሪ ይበሃል። ከምቲ እስራኤላውያን ንዝኽሪ ጒዕዞኦም ኣብ ኦሪት ዘዳግም ገሊጾሞ ዘለው ዓይነት ዝኽሪ ጒዕዞ እምነት ኮይኑ ንዝኽሪ ጥራይ ዝግበር ዘይኮነ ዝንበር ዝነበረን ገና ዘሎን ጒዕዞ ሕይወት እዩ።”

ብዙሕ ግዜ ኣብ ታሪኽ ተመሊስካ እንክትገናጽል በዓል ሠናይ ዝኽሪ ኣባ እከል ዝበሃሉ ቆሞስ ወይውን እምነት ዘውረሰትኒ ኣደ ዓባያይ ፍቅሪ ክርስቶስ ዘትሓዙ ወለዲ መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስ ወይውን ብፍቅሪ ክርስቶስ ተደሪኾም እሺ ሓራይ ኢሎም ጒዕዞ ኲስኰሳ ክህነቶም ፈጺሞም ዕለተ ክህነት ገሊኦም ካህናት ጐሊሑ ክረኤ ይከአል። ካብኡ ኩነታትካ ርኢኻ ከመይ ኣሎኻ ኣየናይ ክእርም ኣየናይከ ከደንፍዕ እናበልካ ንምእራምስ ይኹን ንምትብባዕ ዳግም ንምጅማርስ ይኹን ንምንቅቃሕ ሕይወት ንምዝራእስ ይኹን ብይቅረታ ንምምሕሓር ልዕሊ ኩሉ ግን ወላውን እንተዘይኣስተብሃልናሉ ብኢድና ሒዙ ዘታተየናን ዘሰነየናን ወትሩ ዘይሓድገና ኣምላኽ ከምዘሎ ንምዝኽኻር ይጠቅም።

ምናልባት ድኻምን ተስፋ ቊርጸትን ክፈታተነና እንከሎ እዚ ንኩሉ ዘጋጥም እዩ ማለት ዝወደቅካ ወረ ሓንሳእ ሓንሳእ ዝፈሸልካ ኰይኑ እውን ክስመዓካ ይከኣል እዩ፡ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ፈታኒ ግዜ ንድሕሪት ቊሊሕ ኢልኩም ታሪኽኩም ተመልከቱ። እዚ ግን ኣብ ታሪኽ ክትሕባእ ብታሪኽ ክትነብር ከምዚ እየ ነረ ንማለት ዘይኮነ እቲ ፈላሚ ፍቅሪ ክርስቶስ ከመይ ነበረ ቢልካ ዳግም ንምብርባርን እንደገና ከምብሓዲሽ ብብርቱዕ ሓይልን ጽንዓትን ንምጅማርን እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ ኤርምያስ ነቢይ ዝብሎ ናብ ቀዳማይ ፍቅሪ ምምላስ እዩ። ከምዚ ብምግባር ቤት ትምህርቲ ተስፋ ንረክብ።

ቤት ትምህርቲ ተስፋ!

ቅዱስነቶም ነታ ሕጂ ሎሚ እትብል መደብ ሕይወት ምስ ዝሓለፈ ብምትእስሳር ከመይ ገቢርካ ከምዝንበር ጸገም እንተገጠመ ድኻም እንተተፈታተነ ዳግም ከምብሓዲስ ንምጅማር ናይ መጀመርያ ፍቅሪ ምዝካርን ምንባሩን ክሳብ ክንደይ ሓጋዚ ምዃኑ ምስ ገልጹ ምስ መጽኢ እውን ንምትእስሳራ መጻኢ ከም ቤት ትምህርቲ ተስፋ ገሊጾማ። እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብዚ እውን ክኽሰት ንዝከኣል ሓደጋ ንምግልጻ ዚኣክል ‘እንተኾነ ከምቲ ብዛዕባ ሕሉፍ ዝኽሪ እንክንዛረብ ከም መንጠሪ ባይታ ንጠቀመሉ መሕብኢ ኣይኮነን ዝበልኩኹም ኣብዚ ሓደጋ ናይ ህድማ ንቅድሚት ስለዘሎ በዚ ፈተና እዚ ከይትጥለፉ እሞ ነዛ ሕጂ ምንባር ከይተምልጠኩም። ርግጽ እዩ ኣብ ኲስኰሳ ዘርአ ክህነት ብዙሕ ድኻም ኣሎ ዝበርትዔ ከኣ ብዛዕባ መጻኢ ዘሻቅል ብዙሕ ጸገማት ይረኤ ምናዳ ኸኣ ብሕሉፍን ዘሎን ግዜ ዝተሓጽረ መጻኢ ንቅድሚት ስለዘየሰጉም ካብቲ ቀንዲ ሕማም ዝኾነ ካብ ምጒርምራምን መውጽኢ ዘይርከቦ ሕልኽላኻት ዘይዕጋበትን ጓህን ውጹ ከመይ እዚ መጀመርያ ሕማም ምረት ነፍሲ ስለዝኾነ ብእዋኑ ህደሙሉ እንክብሉ ሓደራ ኢሎም።

“ዝኸበርኩም ካህናት እዛ ካህናት ትብል ንኩሎም ሰብ ውፉይ ሕይወትን ምእመናን ተጠቃልል! ዝኸበርኩም ካህናት ከምቶም ደሓር ክገብሮ እየ አርከቡሉ እናበሉ ንጉዳይ ይጽናሓለይ ዝብሉ ናይ ዘለዓለማዊ ጽባሕ ሰባት ኣይትኹኑ። እዚ ዘይብጻሕ መጻኢ እዩ። ደሓር ይሓይሽ ዝብል ኣጉል ትስፍውነት እዩ። ስለዚ ሓደ ሠናይ ነገር ንምግባር ምሩጽን ወሳንን ግዜ ሕጂ ሎሚ እያ። ንሎሚ ክትጻወሩ ብምቅላስን ክሳብ ዝሓልፍ ኣብ ምጽባይን ኣይትንበሩ። እወ ኣባቴ ሓቅኹም እንተኾነ ጽባሕ አርክበሉ ዝብል ልማድ ኣሎ እታ ጽባሕ ከኣ ካልእ ጽባሕ ትወልድ እዚ ጽባሕ እዚ ሕሙም ጽባሕ እዩ ኢሎም።”

እሞኸ ደኣ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ንበል ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ ክመስሉ ቅዱስነቶም ንመጻኢ ‘ትንቢታዊ ራእይ’ ይብልዎ እሞ እዚ ከኣ ካብቲ በታ ዘላትካ ግዜ ብእትገብሮ ይውሰን። ነቲ ናይ ግዜ ጐይታ ዝኾነ ከይረሳዕካ ንኩሉ ኣብ ኢዱ ገዲፍካ ኣብኡ ተስፋ ብምግባር ዝተዋህበካ ጸዋዕታ ክተማዕብል የድሊ ኢሎ።

ግዜ ኣብ ኢድ ኣምላኽ እዩ!   

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ማዕዳኦም ናብታ ሕጂ ሎሚ ትብል ኣጠቃቅማ ግዜ ምልስ ይብሉ እሞ ኣብዛ ሕጂ እንብላ ኣብ ኢድና ዘላ ግዜ ‘ኩልና ጉዕዞ ለውጥን ቅድስናን ክንገብር ዝተጸዋዕና ኢና። ነዚ ከኣ ብተግባር ክነርእዮ ክነብሮ ኣሎና ምናዳ ኣብ ዘርአ ክህነት ንመጽናዕትን ኲስኰሳን ዝነብር ሰብ ቀንዲ ዕለታዊ ሥራሑ እዚ እዩ። ሓደራ ዝብለኩምከስ ምንም ዓይነት ምጒርምራም ዝመጻእኩምሉ ቊምስናስ ይኹን ሕልሚ ቀትሪ ዚዓይነቱ ብዛዕባ መጻኢ ዘይብጻሕ መደባት ምሕንጻጽ ይጽናሓልኩም። ሓቀኛ ጸዋዕታ ኣብታ ዘሎኻያ ማሕበር ብፍቅሪ ምንባር እዩ። ነቶም እግዚአብሔር ምሳኦም ክንነብር ኣብ የማነጸጋምና ዘቀመጠልና ኣሕዋት ብፍቅሪ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብኣገልግሎት ኣሕዋት ነቲ ጽባሕ ክትነብርዎ ተባሂሉ ዝወሃበኩም ኲስኰሳ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ብዝበለጸ ክትሰናደው ኢኹም። ብካልእ ኣዘራርባ ሎሚ ካባኹም ቊምነገረኛታትን ንፉዓትን ተመሃሮ ኰንኩም ምጽናዕ ጥራይ እዩ’ እንክብሉ ንዝተዋህቦም እጃም ተልእኮ ክውፈዩ ኣዘኻኸርዎም።

“ነዛ ሕጂ ተዋሂባትኩም ዘላ እጃም ሥራሕ ኲስኰሳን ቅድስናን ብዝበለጸ ፍርያም ንክትገብሩ ዋላውን ካብቶም እተፍቅርዎም ጉዳያት ፍሊፒን ርሒቅኩም ሃልው ነቲ ጐይታ ሕይወትኩም ብኣኡ ንክትኩስኩስን ንክትክተልዎን ዝሃበኩም ዕድል ተጠቂምኩም ንዝሓለፈ ፈሊጥኩም ንመጻኢ ተሰናዲኹም ነዛ ሎሚ ሕጂ ብግቡእ ተጠቀሙላ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም 60 ዓመት ድሕሪት ምልስ ኢሎም መሥራቲ እቲ ጳጳሳዊ ኮለጅ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ምኽፋት እቲ ኮለጅ ነቶም ናይ መጀመርያ ማሕበር ንዝተላበውዎ ዳግም ብምጥቃስ ‘ናብ ሃገርኩም ክፍሊ ኤሽያ ምስ ተመለስኩም ሓቂ ክተበስሩ ከምዝተመረጽኩም ብእምነትን ባህልን ሕውነትን ከምዝደልደሉም ቀናኣት መሰኻክር ኩኑ’ እንክብሉ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 March 2021, 12:16