ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ፓራጓይ ይጽልዩ፥ ዓመጽ ርእሰ ዕንወት እዩ

በማላድነት ተኣምራዊት ቅድስቲ እመቤት ዘካኦኩፐ ኢየሱስ ጐይታ ናይ ሰላም ንጉስ እቲ ሕዝቢ ነቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ከቢድ ጸገም ዝመዓራረይ መፍትሒ ክርከብ ዝብል ሕቶኡ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምርተ

ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፡ ኣብታ ክፍለ ዓለም ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ሃገረ ፓራጓይ ዝካየድ ዘሎ ብፍላይ መንግስቲ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዘስዕቦ ዘሎ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ክንክን ጥዕና ንምድራት ዘካየዶ ዘሎ ዕዮ ዘይቡቚዕን ንኸመሓደሮ እውን ብቕዓት ኣልቦ እዩ ብዝብል ውሳኔ ሕዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ጸረ መግንስቲ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ተተሓሒዙ ዝርአይ ዘሎ ጽንኩር ኩነት ኣናሓሰቡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ፓራጓይ ተኸሲቱ ዘሎ ንናይ ሕዝቢ ቁጥዔ ዘለዓዓሎ ብጭርሖታት ዝተሰነየ ኣብ ኣደባባያትን ጐደናታትን ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውም ሰልፍታት፡ ኣብ ክፍለ ዓለም ላቲን ኣመሪካ ዝርአይን ነዚ ከምዚ ዓይነት ኩነት ሕፍሽፍሽን ዕንወትን ንጥቕሞም ከውዕሉ ላዕልን ታሕትን ዝብሉን ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ኣድመይናታት ክኣስሩን ከድምዩም ክቐትሉን መገድታት ኵሉ ብንብዓት ክጥልቅን ኣብታ ክፍለ ዓለም ናይ ሓባር ተመክሮ እዩ ክበሃል ዝከኣል ምዃኑን፡ ኣብ ፓራጓይ ርእሰ ከተማ ኣሱንሲዮን ኣብ ቺለ ርእሰ ከተማ ሳንቲያጉነ ኣብ ኮልምቢያ ርእሰ ከተማ ቦጉታን ኣብ ፐሩ ርእሰ ከተማ ሊማን ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ክፍለ ዓለም ላቲን ኣመሪካን ዝረአይ እዩ፡ ኣብ ፓራጓይ ሕማቕን ብልሽውን ምሕደራ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ  ዘሎ  ለብዒ ዝፈጥሮ ዘሎ ኣዚዩ ዘሰክፍ ድሮ ንልዕሊ 3 ሺሕ ናይ ሞት ምኽያት ዝኾነ ሕጹጽ ሓደጋ ክንክን ጥዕና ንምእላይ መንግስቲ ዝፍጽምዎ ዕዮ ዘይብቑዕ እዩ ዝብልን ነቶም ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ላዕለዎት ኣካላት ተሓተቲ ዝገብር ውህሉል ቁጠዔ ሕዝቢ ናብ ኣደባባያትን ጉደናታትን ክውሕዝን ተቓውሞኡ ንኸስምዕን ክምዝዳረገ ክፍለጥ እንከሎ፥

ብዓመጽ ብዙሕ እዩ ዝጠፍእ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ብቋንቋ ስፓኒሽ ነቲ ህልው ኩነታትን ብዛዕባኡ ዝንገር ዘሎ ዘሰክፍ ሓበሬታት መሰረት ገይሮም፥

በማላድነት ተኣምራዊት ቅድስቲ እመቤት ዘካኦኩፐ ኢየሱስ ጐይታ ናይ ሰላም ንጉስ እቲ ሕዝቢ ነቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ከቢድ ጸገም ዝመዓራረይ መፍትሒ ክርከብ ዝብል ሕቶኡ ኣብ ምቕራብ ብጐደና ቅኑዕ ዘተ ክጓዓዝን ብሓባር እቲ ብዙሕ ሃረር ዝበሃሎ ሰላም ክሓንጽ መታን ምርሓዮ፥ ብዓመጽ ዝኽሰብ ሓደ’ኳ የልቦን ንዓመጽ ንኹሉ እይ ዘዕንው!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ህልው ኵነታት ፓራጓይ

ኣብ ፓራጓይ ካብ ዝሓለፈ መጋቢት ወርሒ መባእታ ነቶም ብተኸታታሊ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ጓስጓስ ክትባት ብዝተራእየ ዘይልሙድ ተግባራት ምኽምንያት ሰለስተ ናይ ክንክን ጥዕና ሚስትራት ብተኸታታሊ ካብ ስልጣኖም ክለቁ ዝረኣዩ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ርእሰ ብሔር ማሪዮ ኣብዶ በኒተዝ ተቓውሞ ይቕርብ ምህላዉ ክንገር እንከሎ፡ እቲ ሕዝባዊ ጸረ መንግስቲ ኣድማ እናበርትዔ ይኸይድ ከምዘሎን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ኣብቲ ናይ ደቡብ ኣመሪካ ናይ ግስጋሰን ምዕባለ ዓውደ ጉባኤ ብመረብት ውሕዘት ዕለት 15 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኮቪድ 19 ንምብዳህ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ብዝሓ-ጉድናውነት ውዳቤ ዘለዎ ክኸውንን ምዕቡላት ሃገራት ኣብ ምብጻሕ ክትባት ጸረ ኮቪድ ፍትሕን ማዕርነትን መሰረት ንናይ መላእ ዓለም ሕዝብታት ረብሓ ብዝኣመተ ኣሰራርሓ ዝምራሕ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ እውን ዘኪሩ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓራጓይ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሁከት ብዘይ ጐነጽ ብዘተን ምንጽጻርን መልሲ ንኽርከብ ዝገብር ጻዕሪ ኣብ ግብሪ ክውዕልን ህዝቢ ብሰላማዊ መገዲ ሓሳቡ ክገልጽን መንግስቲ እውን ንናይ ሕዝቢ ሕቶ ብቑዕ መልሲ ኣብ ምቕራብ ክተግህ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ለበዋ መሰረት ገይራ ትሽምግል ከምዘላ ኣፍሊጡ።

ዋሕዲ ናይ ክትባት መድሃኒት ጸረ ኮቪድ-19

ኣብ ፓራጓይ ካብ ቺለ ዝተለገሰ 23 ሺሕ መድሃኒት ክትባት ጸረ ኮቪድ ከምዘሎን እዚ ዋሕዲ መድሃኒት እዚ እውን ንከቢድ ሕዝባዊ ተቓውሞ ከምዝደረኸ ናይ ስነ ላቲን ኣመሪካ ሊቅ ጋዜጠይና ኣልፍረዶ ልዊስ ሶሞዛ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ መንግስቲ ፓራጓይ ዝጠለቦ ናይ ክትባት መድሃኒት ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣቢሉ ክበጽሕ ዝነበሮ ናይ ተቐባሊ ኣድራሽ ዝተጋገየ ብምንባሩ ከይበጽሔ ከምዝተረፈን እዚ ኹሉ ነታ ኣብ ተወሸብ ዘላ ሃገረ ፓራጓይ ምኽንያት ብርቱ ቁጥዐ ከምዝኾነ የመላኽቱ።

ፓራጓይ ድኻ ሃገር እያ፡ እቲ ዅሉ ዝተፈጥረ ጸገም ሕዝቢ ርእሰ ብሔር ሃገሩ ካብ ስልጣኖም ክለቁ ክሓትት ተገዲዱ እዩ፡ ተመሃሮን ገባሮትን ኵሉ ብሓባር ምስ ሓረስቶትን ማሕበር ሰራሕተይናታትን እውን ናብ ኣደባባይ ወጺኡን ርእሰ ብሔር ማሪዮ ኣብዶ በኒተዝ ካብ ስልጣኖም ክለቁ ዝብል ሕቶ ኣብ ህዝባው ባይቶ ዝቐረበ እውን እንተኾ፥ ኣብላጺ ኣባል ሕዝባዊ ባይቶ ርእሰ ብሔር ካብ ስልጣን ክለቁ ዝብል ሕቶ ውድቂ ክገብሮ ድልው ምዃኑ የፍልጥ፣

ኣብ ኣርጀንቲና ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊዮን ዝግምት ሕዝቢ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ተኸቲቡ እዩ፡ ኣብ ቺለ እውን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ እቲ 40 ሚእታዊ ዝሽፍን ተኸቲቡ እዩ ኣብ ብራዚል እውን ኣብታ ሃገር ዘሎ ጽንኩር ህልው ኩነታት ከምዘሎ ኮይኑ ወፍሪ ክትባት ይካየድ ኣሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

18 March 2021, 11:30