ሶሙነ ሕማማት ብመስቀሉ ንዝዕወት ኢየሱስ ምስትንታን እዩ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰንበት ዕለት 28 መጋቢት 2021 ዓም በዓለ ሆሳዕና እንክትዝክር ሽሕ’ኳ ከተማ ሮማ ኣብ ፍጹም ውሸባ እንተላ ኣይከም ናይ ዓሚ ሎምዘመን ኣብያተ ክርስትያን ይከፈታ ስለዝተባህለ ርሕቀትካ ሓሊኻ ዘድሊ መከላኸሊ ገርካ ቅዳሴ ምስታፍ ስለዝተኻእለ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ውሱናት ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ዑደተ ሆሳዕና ብምፍጻም መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። እምነትና ዝጸንዓሉ ብምስትንታን ኢየሱስ ስቁል ምዃኑ እንተዘየለ ሕጊ ንምምላእ ዝግበር ሥርዓት ኰይኑ ይተርፍ እንክብሉ ዓሚቊ ስብከት ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

በዓለ ሆሳዕና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓቢይ ዓጀብ ናብ ኢየሩሳሌም ብምእታው ንጉሥን መሲሕ መድሓንን ምዃኑ ዝተጋህደሉ ዓቢይ በዓል እንክኸውን በቲ ካልእ ወገን ግን ብዕሊ ሶሙነ ሕማማት ዝጅምረሉ ስለዝኾነ ብክልተ ሥርዓታት ይፍጸም። መጀመርያ ነቲ ዘሐጒስ ፍጻሜ ንምዝካር ዑደተ ሆሳዕና ብምፍጻም ንኩሉ እቲ ዘሕጉስ ፍጻሜታት ትትንትን ስዒቡ ከኣ ሕማማቱ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ተነቢቡ ብዕሊ ሶሙነ ሕማማት ይጅምር።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ‘ምሥጢረ መስቀል ልብና ዘይትንክፍ እንተዀይኑ እቲ ንገብሮ ጸሎታትን እንፍጽሞ ሥርዓታትን ካብ እምነት እንሃድመሉ ክህነታውን ሕጋውን ሥርዓታት ኰይኑ ይተርፍ። ስለዚ እምነትና ነዚ ምሥጢር እዚ ክትዝንግዕ የብልናን። እቲ ምሥጢር ከኣ መግለጺ ዓወት ዝኾነ ሆሳዕና ሒዝካ ዓወት ንክትዝምር ብዕጸ መስቀል ቀራንዮ ክሕልፍ ግዲ ምዃኑ እዩ’ ኢሎም።  ወዲሰብ ናብ ምሥጢር ጐይታ ንምስታፍ ኣብ ልቡ ዝስቈሮ ቀንዲ ጒዳይ ሃሰስ ክብል ግዲ ስለዝኾነ ነዚ መልሱ እቲ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ጐይታ ዘርኣዮ ፍቅሪ እዩ። ነዚ ከኣ እዩ ዮሓንስ ኣብ ወንጌል እግዚአብሔር ንዓለም ክሳብ ክንድዙይ ኣፍቀሮ እንክብል ጥርዚ ወፈያ እንኮ ወዱ ከኣ ኣብ ቀራንዮ ኣብ ዕጸ መስቀል ስለዝግለጽ ነዚ መስቀል እዚ ብምጥማት ንኢየሱስ ክንፈልጥ ፍቅሩ ክንርዳእ በዚ ከኣ ክንድነቅን ክነመስግንን ይግባእ። ልብናን ኣእምሮናን በዚ ምስ ዘይትንከፍን ዘይልብለብን እምነትና ኣጠራጣሪ ይኸውን።

“እዚ ዘርዕድ ኣድናቆት እዚ ብቀንዱ ጸጋ እግዚአብሔር ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ንሕና እውን ብግደና ከምቲ ናይ ኢየሱስ ኣብ ውርደት ንዝርከቡ ኣሕዋትና ብምቅባልን ብምክንኻንን ኣብ ኢየሱስ ንዘሎና ፍቅሪ ክንገልጽ ከም እንኽእል ናይዚ ምኽንያት ከኣ እዞም ሎሚ ኣብ ስቃይ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምቲ ናቱ እዛ መዳለዊት ዝኾነት ዓለምናን ባህልታታን ዝኰነነቶም ስለዝኾኑ ኢሎም።”

እምበኣርከስ ካብዚ ዘድንቅ ኣስተንትኖ ዳግም ንበገስ። ነቲ ኣብ መስቀል ተንጠልጢሉ ዘሎ ክርስቶስ ኣትኲርና ንመልከቶ እሞ ‘ኦ ጐይታ ክሳብ ክንደይ ተፍቅረኒ! ክሳብ ክንደይከ ኣብ ቅድሚ ኣዕይትኻ ክቡር እየ’ ንበሎ። ዘርኢ ሕይወት ዳግም ኣብ ነፍስና ክዝራእ እንተኾይኑ በዚ ምሥጢር እዚ እናኣንቀጥቀጥና ንደነቅ። ኢይትነገር ኣላ ይትነከር እዩ ነገሩ። ዕብየት ናይዚ ሕይወት እዚ ኣሎኒ ኢልካ ኣብ ምጅሃር ዘይኮነ ክሳብ ክንደይ ከምዝተፈቀርና ኣብ ምፍላጥ እዩ። ትርጉምን ዕብየትን ሕይወትናኸስ እዚ እዩ። ዝተፈቀርካ ምዃንካ ምፍላጥ። ብካልእ ኣዘራርባ ዕብየት ሕይወት ኣብ ጽባቄ ፍቅሪ እያ ትግለጽ። ኣብ ዕጸ መስቀል ዝተዋረደ ኣምላኽ ንምልከት! እቲ ከኣሌ ኩሉ ዝኾነ ወዲ ኣምላኽ ተናዒቁ ተጓሒፉ ንምልከት። ነዚ ዝተናዕቀን ዝተጓሕፈን ርኢኻ ኢይትነገር ኣላ ይትነከር ብማለት ተረዲእካ ንምቅባልከስ ጸጋ የድሊ። ነዚ መሠረት ብምግባር ከኣ ናብቶም ከም ኢየሱስ ዝተዋረዱን ዝተጓሕፉን ናይ ዘመንና ሰባት ብምኻድ ቅርበትናን ፍቅርናን እንክንገልጽ ፍቅሪ ኢየሱስ ንገልጽ። ከመይ ንሱ ኣብቶም ዝተሓቱን ዝተዋረዱን ፈሪሳዊ ባህልና ዝኰነኖምን ዝጐሓፎምን ተሓቢኡ ኣሎ። ነዚ ዘስተውዓለ ኣብ ሓለዋ መስቀሉ ዝተዋፈረ ሓለቃ ሚእቲ ዝሃቦ ምስክርነት ምስ ምሉእ ኣጽዋሩ እንከሎ ዝማረኾ ፍቅሪ ምዃኑ ገሊጹ ኢሎም።

ዕጥቂ ዘፍትሕ ሓይሊ ፍቅሪ!

ምንም እምነት ዘይነበሮ እሞ ከኣ ናይቶም ናይ ሽዑ ገዛእቲ ሮማውያን ወተሃደር ኮይኑ ብሓላፍነት ሓለቃ ሚእቲ ነቲ መስቀል ዝሕሉ ዝነበረ ዝሃቦ ምስክርነት ክንዮ ማንም ንላዕሊ ናይቲ ወሳኒ ግዜ እንታይነት ይገልጽ። እዛ ኢይትነገር ኣላ ይትነከር ዝበልናዮ ልቢ እትትንክፍ ኣድናቆት ናይዚ ሓለቃ ሚእትኸስ ብቅዕቲ ምስክር እያ። እንታይ ይዕዘብ ነሩ እንታይከ የደንቆ እንተበልና ኣብ ባህሉን ኣተሓሳስባኡን ዘየለ ኩነት ይዕዘብ። እዚ ከኣ እቲ ንሞት ገጹ ዝጸዓር ዝነበረ ኢየሱስ ገና ኣብቲ መግለጺ ኣልቦ ሰብ ክጻወሮ ዘይከኣል ስቃይ እንከሎ ገና ከፍቅር ይርኢ ስለ እቶም ዝሰቅልዎ ምሕረት ክልምን ይዕዘብ እሞ እቶም ቃል ኣምላኽ ንፈልጥ ኢና ንኣምን ኢና ዝብሉ ዘይሃብዎ ምስክርነት እምነት ይህብ። እዚ ሰብዚ ብሓቂ ወዲ እግዚብሔር እዩ ይብል። ዓወት እግዚአብሔር ኣብ ዕጸ መስቀል ይርኢ። ከምዚ ዓይነት ምስክርነት ዝሃበ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያ ነበረ። ኢየሱስ ከኣ ካብ መንፈስ እግዚአብሔር እምበር ካብ ሥጋን ደምን ከምዘይኮነ ገሊጽሉ ነበረ። እዚ ሓለቃ ሚእቲ እዚ እውን ብሓቂ ተዓዊቱ እግዚአብሔር ገሊጽሉ ‘እዚ ሰብዚ ብሓቂ ወዲ እግዚአብሔር ነበረ’ እንክብል እምነቱ ገሊጹ ኢሎም።

እንተ ነቶም ካብ ግዝኣት ሮማውያን ሓራ ዘውጽኦም መሲሕ ዝጽበዩ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ግን ኣብ መስቀል ዝዕወት ኣምላኽ የደናግሮም ከመይ ብሓይሊ ሰይፊ እዮም ዓወት ዝጽበይዎ ዝነበሩ። እንተ ነቲ እምነት ዘለዎ ግን እዚ ሓይሊ ፍቅሪ እዚ ማለት ንዕጡቃት ዕጥቂ ዘፍትሕ ምንም ዕጥቂ ዘይብሉ ሓይሊ ፍቅሪ ብጣዕሚ ዘደንቅ ጉዳይ ኰይኑ ይሰኣሎ እሞ ኢይትነገር ኣላ ይትነከር ዝድነቅ እምበር ዝንገር ኣይኮነን ብማለት ዕብየት እቲ ፍጻሜ ይነግር። እታ ኣላትና እንብላ እምነት ነዚ ኣድናቆት እዚ እተኣጥፊኣ ትጸምም ምንም ክትሰምዕ ኣይትደልን ሽዑ ኣብ ሥርዓታት ቤተክህነትን ሕግን ክትሕባእ ትሃድም። እዚ ፍቅሪ ክርስቶስ ምሥጢረ መስቅል እናኣስተንትንካ ዝዝውተር ኣድናቆት እዚ ካብ ማንም ኣድናቆት ዓለምን ፈጺሙ ዝተፈልየ እዩ።

“ከመይ ሎሚ እውን እንተኾነ ንኢየሱስ ብዓለማዊ መንፈስ ዘድንቁ ብዙሓት ኣለው። ጣዕሚ ዘረባኡ ትምህርቱ ኣፍቂሩ ይቅረ ኢሉ ኣብነቱ ታሪኽ ለዊጡ እናበሉ ዘድንቅዎ ብዙሓት እዮም እንተ ጉዳይ ሕይወቶም ምንም ለውጢ የብሉን። እቲ ምኽንያት ከኣ ኣድናቆትን ወረ ኣድናቆትን በይኑ እኹል ኣይኮነን በታ ፍኖተ መስቀል ዝኾነት መንገዱ ክትክተሎ የድሊ ብኣኡ ክትትንከፍ ምፍቃዱ የድሊ ካብ ኣድናቆት ናብ ምስትንታን ምሥጢሩ ክትሓልፍ የድሊ ከመይ ኣብ ዕጸ መስቀል ኰንካ ዝውደ ዘውዲ ክንዮ ማንም ኣድናቆት እዩ ኢሎም።”

ዘውዲ ኣብ ዕጸ መስቀል!

ብኣእምሮ ደቂሰባት ክብጻሕ ዘይከኣል ዘኢትነገር ኣላ ይትነክር ኢልካ ትሓልፎ ከሃሌኩሉ እግዚአብሔር ከም ኢምንትን ምንም ዘይክእልን ኰይኑ ክትርእዩ! እቲ ንጉሥ ነገሥታት ዝኾነ ዘውዱ ኣብ ዙፋኑ ዘይኮነ ኣብ ዕጸ መስቀል ክደፍእ እቲ ብሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር ሆሳእና በኣርያም እናበለ ዝዝምር ዝነበረ ሶሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ስቀሎ ስቀሎ ኢሉ ክግዕር እንክትሰምዕ ብሓቂ ዘደንጹ እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ ናብታ ኣብ ልቢ ኩሉ እተዕገርግር ሕቶ ‘እዚ ኩሉ ውርደትስ ስለምንታይ ኣድልየ!’ እንክብሉ ቶግ የብልዋ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ደረቅ ልቢ ወዲሰብ ንክስምዖ እንታይነት ሰብኣውነት ንክስቆረና በይንና ንከይሓድገና ዝኸፈለ ከፊሉ ንከድሕነና ገበሮ። ኢየሱስ ኣብ ሰውነቱ ነቲ ኣብ ዘመደ ኣዳም ዘሎ ተባላዒ ባህሪ ግጭት ይለብሶ እሞ ይልውጦ በዚ ከምዚ ከኣ የድሕነና። እዚ ብሓቂ ንልቢ ዘንቀጥቅጥን ዘናውጽን ፍጻሜ እዚ ንልብና ክትንክፎን ናብ ምስክርነቱ ዝብገስ እምነትን ክህልወና ክነፍቅድ ኣሎና። ነቲ በዘልማድ ዝኸይድ እምነትን ብምጉርምራምን ዕጋበት ምስኣንን ለሚሱ ዘሎ ሕይወትናን ገዲፍና ንመንፈስ ቅዱስ ክፉታት ኰና ዘነቃቅሕ ጸጋ ክህበና ምልማኑ የድሊ ኢሎም።

“ፍቅሩ ኣብ ተኣፋፍነትና ይቀርብ ኣብ ኣጸቢቁ ዘሕፍረና ነጥቢ ይበጽእ። በዚ ከምዚ ከኣ በይንና ከምዘይኮና ንፈልጥ ማለት ኣብ ነፍሲወከፍ ቊስልና እግዚአብሔር ምሳና ምዃኑ ብምርዳእ ማንም ክፍኣተ ግብሪ ማንም ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ክዕወት ከምዘይክእል ንግንዘብ። ኣብ መወዳእታ ዘሸንፍ ወትሩ እግዚአብሔር እዩ። እንተኾነ እታ ዓወት እተበስር ስየ ብዕጸ መስቀል ኣቢላ ክትሓልፍ ኣለዋ። ስለዚኸስ ናይ ዓወት ስየን መስቀልን ወትሩ ብሓባር እየ ዝጐዓዛ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
29 March 2021, 12:21