ኣህጉራዊ መዓልቲ ማይ፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ሃብቲ ማይ ጸጋ እምበር ናይ ሸቐጥ ንብረት ኣይኮነን ኣህጉራዊ መዓልቲ ማይ፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ሃብቲ ማይ ጸጋ እምበር ናይ ሸቐጥ ንብረት ኣይኮነን 

ኣህጉራዊ መዓልቲ ማይ፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ሃብቲ ማይ ጸጋ እምበር ናይ ሸቐጥ ንብረት ኣይኮነን

“ንኣና ንኣማንያን፥ ማይ ‘ሓብትና’ እምበር ናይ ሸቐጥ ንብረት ኣይኮነ፥ ኵላዊ ናይ ሕይወትን ናይ ጥዕናን ትእምንርቲ እዩ . . .

ኣብ ዓለም ልዕሊ ክልተ ሚሊያርድ ዝግመት ህዝቢ ኣልቦ ቀረብ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ከምዝኾነን ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊያርድ ዝግመት እውን ብዘይ ኣገልግሎት መሕወይነት (ብዘይ ኣገልግሎት መውሃቢ ክንክን ጥዕና) ዝነብር እዩ። ዕለት 21 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሃብቲ ማይ” ምዃኑ ዘኪሮም፡ ብዛዕባ እዚ እጹብ ድንቅን ዝኾነ መተካእታ ዘይብሉ እግዚኣብሔር ዝዓደለና ጸጋ ዘለዎ ክብሪ ንኸነስተንትን ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

“ንኣና ንኣማንያን፥ ማይ ‘ሓብትና’ እምበር ናይ ሸቐጥ ንብረት ኣይኮነ፥ ኵላዊ ናይ ሕይወትን ናይ ጥዕናን ትእምንርቲ እዩ፡ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናይዚ ጸጋ ተኻፈልቲ ካብ ምዃን ተነጺሎም እንተገደደ እውን ዝተበከለ ማይ ዝበጽሖም ኮይኖም ከምዝርከቡ እንርእዮ ሓቂ እዩ፡ ናይ ሕዝቢ ጽሩይ ማይ ናይ ምርካብ ፍጡራዊ መሰሉ ውሑስ ክኸውን ጻውዒት ዘቕረቡ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ነቶም እዚ ኵላዊ ናይ ሕይወትን ጥዕናን ትእምርቲ ዝኾነ ጸጋ ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ዝዓዩ ብፍሉይ እዝክር፡ ነቶም ኣብዚ ሰናይ ተግባር ተዋፊሮም ዘገልግሉ አመስግን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ልዕሊ ክልተ ሚሊያርድ ዝግመት ሕዝቢ ኣልቦ ዝስተይ ጽሩይ ማይ እዩ

እቶም ብስእነት ማይ ዝሳቐዩ ዘስምዕዎ ገዓር ንምቅላሕ ኣብ ኣደባባይ ዝቐርቡ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ብሰንኪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19 ምፍጻም ዘይከኣል ብምዃኑ ብመራኸቢ ብዙሓንን ብመርበብን ብማሕበራዊ መረብትን ይሳለጥ ከምዘሎን፡ እቲ ገዓር መንግስታትን ናይ መንግስቲ ተቕዋማትን ሰማዒ እዝነ ልቢ ክህብሉን ር.ሊ.ጳ. ከይተሓለሉ በቢ ዓመት ብምኽንያት እቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ 1992 ዓ.ም. ዕለት 21 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማይ ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን ኣብ ዘወሰነሉ ዕለት ነቲ ገዓር ናቶም ገይሮምን ዘቕርብዎ ጻውዒት እዩ።

እቲ ናይ ለምዘበን 2021 ዓ.ም. መዓልቲ ሃብቲ ማይ ዕለት 21 መጋቢት “ሃብቲ ማይ ዘለዎ ግቡእ ክብሪ ምሃብ” ዝብል ከምዝኾነን፥ ሎሚ እውን ኣብ ብዙሓት ዞባታት ከባቢ ዓለም ስእንት ዝስተይ ጽሩይ ማይ ከምዘሎን ልዕሊ 2.2 ሚሊያርድ ዝግመት ሕዝቢ ዓለም ዝስተይ ጽሩይ ማይ ዘይረክብን ልዕሊ 4.2 ሚሊያርድ ዝግመት ሕዝቢ ዓለም እውን ኣልቦ ኣገልግሎት መውሃቢ ስነ ጥዕና ከምዝኾነ ይንገር።

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ መደባት ጐስጓስ

ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማይ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 26 መጋቢት ብመረብታዊ ውሕዘት ዝካየድ ሓሙሽተ መደባት ዓውደ ዘተ ከምዘሰናደወን፡ ናይዚ መደብ’ዚ ቀንዲ ዕላማ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ምርምር ጨናፍርን ዛዕባ ሃብቲ ማይ ዝምልከቶም ኣካላትን ዝምልከተን ትካላትን ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ስእነት ማይን ኣብ ልዕሊ እዚ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ዝፍጸም ምዝመዛን ምብኻንን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ናይ ሓባር ዘተ ብምክያድ ናይ ሓባር መልሲ ምቕራብ ዝብል ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ እውን ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ድሕረ ባይታ ዝገበረን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝርከቡ ልኡካነ ወንጌልን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣባላትን ወለንተይናታትን ስእነት ማይ ንምብዳህ ዘካይድዎ ጻዕሪ ድጋፍ ንምቕራብ ዝኽእል መገዲ ንምሕባር እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ዘተን ተግባርን

ማይ ናይ ሕይወት ምንጪ እዩ፥ እዚ እቲ ምሉእ ኵለንተናዊ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገግልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ናይ ዘዳለዎ ዛዕባ ማይ ናይ ዝመያየጥ ብመረብታዊ ውሕዘት ናይ ዘካይዶ ሓሙሽተ ዓውደ ርክብ መርሕ ቃል ክኸውን እንከሎ፥ ኣተሓሒዙ እውን ብዛዕባ ቀረብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና እውን ዝመያየጥን ኣብ ዓለም ዘሎ መደብ ምዕባለ ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ማይ ዘስዕቦ ጸገማት ብምልላይ ተቐባልነት ዘለዎን ሰብኣዊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘኽብር መደብ ልምዓት ዘነቓቕሕን ክብሪ ማይ ኣብ ሃይማኖታትን ባህልታትን ማሕበራዊ መዳያትብ ዝቐርብ ሓሳብ እውን ብዝርዝር ዘመላኽት ምዃኑ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዛዕባ ሕቶ ማይ ናይ ዝምልከት ክፍሊ ሓላፊ ተባልዶ ቪንቺጒወራ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የብርሁ።

22 March 2021, 13:53