ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናብ ዒራቕ ኣብ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ባዚሊካ ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናብ ዒራቕ ኣብ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ባዚሊካ  

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናብ ዒራቕ ኣብ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ባዚሊካ

ቅዱስነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያን ዓባይ ነጊዶም ኣብ ፊት ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ጸሎት ቅድሚ ምዕራጐም

ዕለት 4 መጋቢት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ነቲ ካብ ዕለት 5 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ዒራቕ ዘካይድዎ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ንግደት ብዝበለጸ ኣገባብ ክፍጸም እቲ ዘድሊ ፍረ እውን ከፍሪ መታን” እንክብሉ ንቅድስተ ማርያም ዘወከፍሉ መልእኽቲ ከምዝፈነዉን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ድሕሪ ምዝዛዞሙን ከምቲ ልሙድ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ነጊዶም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን መገሻኦምን ዝራኸብዎምን ኵሎም ንቕድስተ ማርያም ከምዘወክፉን ምስ ተመልሱ እውን በማላድነታ ንእግዚኣብሔር ናይ ጸሎት ምስጋና ከምዘቕርቡ ዝፈልጥ ኮይኑ፥ ዕለት 4 መጋቢት እቲ ካብ ዕለት 5 መጋቢት ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. መበል 33 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናብ ዒራቕ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያን ዓባይ ነጊዶም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ድሕነት ሮማውያን ከምዘማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቁኑን ዕምባባ ገጸ በረኸት ንቅድስተ ማርያም

ቅዱስነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያን ዓባይ ነጊዶም ኣብ ፊት ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ጸሎት ቅድሚ ምዕራጐም ንኽብራ ቁኑን ዕምባባ ገጸ በረኸት ኣንቢሮም፥ ነቲ ዘይከኣሎ ዘይብሉ እግዚኣብሔር ከምቲ ኣብ ታሪኽ ሕዝቢ ሮማ ኣብ ኣማላድነታ ዝገበሮ ጉዕዞ ሎሚ እውን ቅዱስነቶም በማላድነታ ኣብ ዒራቕ ዘካይድዎ ሓዋራይዊ መገሻኦም የወክፉ።

ተጠዓስን ምሕረት ሓታቲ መንፈሳዊ ነጋዲ

ቅዱስነቶም ኣብታ “ጥንታዊትን ፍልይቲ ናይ ስልጣነ መርክብን” መሬት ሓዋርያዊ መገሻኦም  “ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ውግእን ሽብርተይናነትን ካብ ጐይታ ምሕረትን ዕርቅን ክልምንን ካብ እዚኣብሔር ምጽንናዕ ኣልባባትን ፈውሲ ነቑሳልን ክሓትት ናባኹም” ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

05 March 2021, 00:29