ዓመጽን ጽልእን ምስ እምነት ኣይሳነዩን! ር.ሊ.ጳ ንውሉደ ክህነት ኢራቅ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 5 መጋቢት 2021 ዓም ኣማስያኡ ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን መማህራን ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ካተድራል ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ዘምሕረት ኣብ ከተማ ባግዳድ ተራኺቦም ኣድላይነት ዘርኢ ዕርቅን ሕውነታዊ ሕብረትን ብምግላጽ እንኮ ዳግመ ልደት ተስፋ ነፍስ ወከፍ ምዃነን ኣብሪሆም።

ብፁዓንን ጥቀ ክቡራንን! ዝኸበርኩም ካህናትን ገዳማውያንን ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!

ንኩሉኹም ፍቁር ኣባታዊ ሰላምታይ አቅርበልኩም። ነቲ ብዓቢ ሓልዮቱ በዛ ዕለት እዚኣ ክንራኸብ ዘኽኣለና ኣምላኽ ዓቢ ምስጋና ነቅርበሉ። ብፁዓን አበው ፓትርያርክ ኢግናስ ዩሲፍ ዩናንን ካርዲናል ልዊ ሳኮን በቲ ዘቅረቡለይ ሠናይ ቃላት እንቋዕ ደሓን መጻእኩም አመስግኖም። ሎሚ ኣብዛ ካተድራል እመቤት ድሕነት ዝኾነት ድንግል ማርያም ተጋቢእና ብደም እቶም ንጐይታን ቤተክርስትያኑን ዘርኣይዎ ተኣማንነት ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፈሉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተባሪኽና ኣሎና። ዝኽሪ መስዋዕቶም ኣብ ሓይሊ መስቀልን ናይ ድሕነትን ዕርቀን ዳግመ ልደትን መልእኽቱን ዘሎና ምትእምማን ንምሕዳስ የብርሃልና። ክርስትያን ዘቦኡ ኣብ ዝኾነ ቦታን ግዜን ፍቅሪ ክርስቶስ ክምስክር ዝተጸውዔ እዩ። ኣብዛ ፍቅርቲ ሃገር እዚአ እውን ክስበኽን ሥጋ ክለብስን ዘለዎ እዚ ወንጌል እዚ እዩ።

ኣብዚ ተጋቢእኩም ዘሎኹም ኩልኹም ከም ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስን ሰብ መዚ ምእመናንን ናይ ምእመናን ክርስቶስ ታሕጓስን ስቃይን ተስፋን ሰቆቃን ተኻፈልቲ ኢኹም። እተን ዕለት ዕለት ዘጓንፋኹም ጸገማት ሕዝበ እግዚአብሔርን ጽዑቅ ግድላት ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ኣብዚ ግዜ ብለበዳ ኮቪድ 19 ከምዝጸንከረ ብሩህ እዩ። እንተኾነ ከምቲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ ቤተክርስትያን ኣብ ማእከላይ ምብራቅ እትብል ድሕረ ሲኖዶሳዊ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ዝበልዎ ‘ዝመጸ ይምጻእ ክዕገት ዘይከኣል ዘሎ ቅንኣት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኰይኑ እዚ ከኣ ኣብተን ጥንታውያን ምንጭታት ስለዝምስረትን ኣብዚ ቦታ እዚ ከኣ ቤተክርስትያን ካብ መጀመርያ ምሥረታኣ ጀሚራ ብዘምቊራጽ ኣብዚ ምህላዋ እዩ’ ቢሎም ዝገለጽዎ እዩ ነገሩ። ርግጽ እዩ ክበድ ናይዚ በቲ ኣብ ከባቢና ተዘርጊሑ ዘሎ ናይ ተስፋ ቊርጸት ቫይሩስ ንክትልከፍ ክሳብ ክንደይ ቀሊል ከምዝኾነ ኩልና እንፈልጦ ጉዳይ እዩ። እንተኾነ ጐይታ ነዚ ቫይሩስ እዚ እንከላኸለሉ ክታበት ሂቡና እዚኣ እታ ካብ ቀጻሊ ጸሎትን ዕለታዊ ተኣማንነት ንተልእኮን እትውለድ ተስፋ እያ። በዚ ክታበት እዚ ገቢርና ከኣ ወትሩ ብዝተሓደሰ ሓይሊ ንታሕጓስ ወንጌል ንምክፋልስ ይኹን ከም ሓዋርያት ልኡካነ ወንጌልን ሕያው ምልክት መንግሥቲ ቅድስናን ፍትሕን ሰላምን ዝኾነ መንግሥቲ ኣምላኽ ሕያው ምልክታትን ንቅድሚት ክንግስግስ ንኽእል።

እዚ ከቢቡና ዘሎ ዓለም ነዚ መልእኽቲ እዚ ንክሰምዕ ክንደይ ዘይህንጠ! ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምስክርነት ብታሕጓስ ወንጌል ዝተለወጣ ነፍሳት ከምዝሰበኸ ፈጺምና ክንርስዕ የብልናን። ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ቤተክርስትያን ናይዚ ቦታ እዚ ከም እንግንዘቦ ኣብ ኢየሱስ ዘሎካ ሕያው እምነት ንመላእ ዓለም ክልውጥ ዝኽእል ተመሓላልፊ ጸጋ ምዃኑ ንግንዘብ። ከምቲ ኣብ ሓዋርያዊት ምዕዳን ሓሴት ወንጌል ዝገለጽክዎ እቲ ብዙሓት ቅዱሳን ንኢየሱስ ብምስዓብ ዝሃቡና ኣብነት ክንገብሮ ዘሎና ሓቀኛን ቅኑዕን ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መንጎ ብርቱዕ ፈተናታት እውን ከይተረፈ ሓዲስ ብርሃንን ዓሚቊ ደስታን ብምሃብ ንሕይወት ዘዕግብ ሠናይ ነገረ እውን እዩ።

ጸገማት ኣካል ዕለታዊ ተመኲሮ ኢራቃውያን እዮም። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሠርተ ዓመታት ንስኹም ዜጋታትኩምን ሳዕቤን ውግእን ስደትን ተኣፋፍነት መሠረታውያን ተቊዋማትኩምን ነቲ ብዙሕ ግዜ ብዙሓት ተፈናቀልቲ ውሽጢ ሃገርስ ይኹን መርበቶም ሓዲጎም ኣብ ካልእ ክፍሊ ዓለምና ዝኸዱ ስደተኛታት ክርስትያን ከይተረፉ ዝገደደ ቊጠባውን ኣካላውን ውሕስነት ንምርግጋጽ ዝግበር ቀጻሊ ቃልስን ፊት ንፊት ክትገጥምዎ ተገዲድኩም። ኣሕዋተይ ጳጳሳትን ካህናትን ኣብ ጐድኒ ሕዝብኹም ብምዃንኩም አመስግነኩም። ነዚ ከኣ እናደገፍኩምዎም ንጸገማቶም ክትፈትሑ ዝተኻእለኩም እናኣበርከትኩም ነፍሲወከፎም ከኣ ንኣገግሎት ሓባራዊ ሠናይ ነገር ዝተኻእሎ ከበርክት እናሓገዝኩም ኢኹም ፈጺምኩምዎ። ኣብያተ ክርስትያናትኩም ኣብ ዓውዲ ትምህርትን ምግባረ ሠናይን ዝገብራኦ ሓዋርያዊ ተልእኮ ንሕይወት ማሕበረሰብ ቤተክርስትያንን መላእ ማሕበረሰብን ዓቢ ምንጪ እዩ። ነዚ ተግባር እዚ ሽሕ’ኳ ከም ፍረ ኣድሪ እኳ ደቂቅ እንተኾነ (ማቴ 13,31) ንሓባራዊ ጒዕዞ እታ ሃገር ንምህብታም ብኡ ኣቢሉ ከኣ ካቶሊካዊት ማሕበር ክርስትያን ሃገረ ኢራቅ ንምውሓስ ንክትቅጽሉ ኣተባባዓኩም።

ዝኾነ ፈተና ግላዊ ረብሓን ውድድርን ንክነርሕቅ ፍቅሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ይግድደና። ናብ ሓባራዊ ውህደት ገጹ ብምድፋእ ከኣ ማሕበር ኣሕዋትን ኣሓትን ፈጢርና ነንሕድሕድና ክንቀባብልን ክንተሓላለን ከኣ ይጽውዓና (ኩልና ኣሕዋት 95-96)። ምሳሌ ሓደ መንጸፍ ይቅጀለኒ። ኣብ ሃገር ኢራቅ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ነፍሲ ወከፈን ነናይ ግለን ውርሻ ታሪኽን ሥርዓተ ኣምልኾን መንፈሳውነትን ሒዘን ከምተን ንመንጸፍ ምሥራሕ ዘገልግላ ዝተፈላለያ ሕብርታት ዘለው ኣፍታል ኮይነን ብሓንሳብ ተኣሊመን ሓደ ፍሉይን ጽቡቅን መንጸፍ የቊማ። እዚ ከኣ ናብ ሕውነትና ጥራይ ዘይኮነ ናብቲ ሓባራዊ ምንጪ ሕውነትና ይወስደና። ምኽንያቱ ከኣ ነዚ መንጸፍ እዚ ዝሃንደሰን ብትዕግስቲ ዝዓለምን ዝሓልየሉን ወትሩ ከም ደቁ ኣብቲ ዝተተታዕናሉ ክንነብር ዝደሊ ባዕሉ እግዚአብሔር ስለዝኾነ እዩ። ምሕጽንታ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘኣንጾክያ ወትሩ ኣብ ልብና ንሓዞ። ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘኣንጾክያ ‘ኣብ መንጎኹም ምንም ዝመቃቅል ነገር ኣይሃሉ […] እንታይ እንኮ ጸሎት እንኮ መንፈስ እንኮ ተስፋ ኣብ ፍቅርን ሓጐስን ይሓሉኹም’ (ኣድ ማግነዝዮስ 6-7) ይብል ነበረ።  ኣብዛ ብውግእ ትመቃቀልን ትሕመስን ዘላ ዓለምና ከምዚ ዓይነት ምስክርነት ውህደትን ሕውነትን ብጣዕሚ ኣድላዪ እዩ። ኣብ መንጎ ማሕበረሰባትስ ይኹን ተቊዋማት ቤተክርስትያን ከምእውን ኣብ መንጎ ሰበኻታትን ቊምስናታትን መራኸቢ ድልድላት ንምህናጽ እትግበር ነፍሲወከፍ ጻዕሪ ነታ ጐይታና ኢየሱስ ኩሎም ሓደ ክኾኑ ክብል ዘዕረጋ ጸሎት ኣብ ቤተክርስትያን ኢራቅ ንክትፍጸም ትንቢታዊ ተግባር እያ ትኸውን። (ዮሓ 17,21. ቤተክርስትያን ኣብ ማእከላይ ምብራቅ 37 ተመልከት)

ሽሕ’ኳ ብዝተፈላለየ መልክዕ እንተኾነ ጓሶትን ምእመናንን! ካህናት ገዳማውያናን ገዳማውያትን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ንተልእኮ ቤተክርስትያን ንከገስግሱ ሓሓላፍነቶም የበርክቱ። ሓንሳእ ሓንሳእ ነታ ዝበልናይ ማእለማ ሕውነት ክዕንቅፉ ዝኽእሉ ቊጻራት ብምስሕሓብ ዝፍጠሩ ዘይምርድዳእ ከጋጥሙ ይኽእሉ። እዚ ቊጻራት እዚ ነፍሲወከፍና ኣብ ውሽጥና ሒዝናዮም እንጐዓዝ እዮም ከመይ ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና። እንተኾነ እዘን ቊጻራት እዚአን ብጸጋ ክፍታሓ ይኽእላ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ብትዕግሥቲ ነንሕድሕድና እናተጸዋወርና (ገላ 6,2) ኣብ ግዜ ፈተናን ጸበባን ከኣ ነንሕድሕድና እናኣጸናናዕና ብምሕረትን ሕውነታዊ ዘተን ክፍትሑ ይኽእሉ።

ሕጂ ንኣሕዋተይ ጳጳሳት ሓንቲ ፍልይቲ ቃል ክብል ኣፍቅዱለይ። ኤጲስቆጶሳዊ ኣገልግሎቶም ብቅርበት ክገልጾ ደስ ይብለኒ። እዚ ቅርበት እዚ ብቀዳምነት ብጸሎት ምስ እግዚአብሔር ቅርበት ብግዲ የድልየና። ነዚ ከኣ ምስቶም ክንጓስዮም ሓደራ ዝተዋህቡና ምእመናንን ካህናትን ቀረባ ብምዃን ኢና ክንገብሮ ዘሎና። ልዕሊ ኩሉ ግን ኣብ ጐድኒ ካህናትኩም ቀረባኦም ኩኑ። ከም ኣመሓደርቲ ወይ ዕሱባት ከይምልከትኹም ሓደራ እንታይ ደኣ ሠናይ ሃለዋት ደቆም ዘተሓሳስቦም ኣቦታት ኰይንኩም ብክፉት ልቢ ደገፍን ምትብባዕን ክትህብዎም እላቦ። ብኩሉ ኩሉ ክተሰንይዎም ምናዳ ከኣ ብጸሎት ክተሰንይዎም ግዜኹም ብትዕግሥቲ ክትልግሱሎም ንዝገብርዎ ሥራሕ ክትቅበልዎን ዋጋ ክትህብዎን ኣብ ዕብየቶም ከኣ ክትመርሕዎምን ክትኩስኩስዎምን ሓደራ። በዚ ከምዚኸስ ንካህናትኩም ናይቲ ንኣባግዑ ዝፈልጥ ምእንታአን ከኣ ሕይወቱ ዘወፊ ሕያዋይ ጓሳ ዝረአ ምልክት ኢየሱስ ክትኮንዎም ኢኹም (ዮሓ 10,14-15)።

ዝኸበርኩም ካህናት ገዳማውያንን ገዳማውያትን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ንመጻኢ ተልእኮ እትሰናደው ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን: ኩልኻትኩም ድምጺ ጻውዒት ጐይታ ኣብ ልብኹም ዝተቀበልኩምን ከምቲ መንእሰይ ሳሙኤል ዝበሎ ‘እነሆ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ ጐይታይ ተዛረብ’ (1ሳሙ 3,4) ክትብሉ ዝመለሽኩም ኢኹም። ነዛ መልሲ እዚኣ ዕለት ዕለት ክተሕድስዋ እዕድመኩም። ንነፍሲወከፍኩም ከኣ ንሠናይ ዜና ወንጌል ብብርሃን እታ ንክነበሥራ ዝተዓደልናያን መዝነት ዝተዋህበናን ቃል ኣምላኽ እናነበርኩምን እናተጓዓዝኩምን ብሓጐስን ትብዓትን ከምእተካፈልዎ ክትገብረኩም እያ።  ርግጽ እዩ ተልእኮና ናይ ምምሕዳር ክፍሊ እውን ከምዘለዎ ንፈልጥ ኢና እንተኾነ እዚ ማለት ንምሉእ ግዜና ኣብ ኣኼባን ኣብ መንበር ምምሕዳርን ኰፍ ኢልና ክንሕልፎ ማለት ኣይኮነን።  ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ብምኻድ ኣብ መንጎ መጓሰና ክንከውንን ምስኦም ከምዘለና ክነረጋግጸሎምን ክነሰንዮምን ኣሎና። ነዚ ሰኣን ምግባር ካብ መንእሰያትን ኣረገውትን ሕሙማትን ድኻታትን ምስናይ ዝበዂሩ የተሓሳስቡኒ።  ከምዚ ንስኹም ትገብርዎ ዘሎኹም ብለውሃትን ትሕትናን ርሕራሔን ፍቅርን ንብጾትና ብተወፋይነት እንክነገልግል ከምቲ ኢየሱስ (ማቴ 25,40) ዝበለና ንኣኡ ኢና እነገልግል። ንኢየሱስ ኣብ ብጾትና እንከነገልግል ድማ ሓቐኛ ሓጎስ ንረክብ።  ካብቲ ካብ ከርሱ ዝወጻእኩም ቅዱስ ሕዝበ እግዚአብሔር ከይትርሕቁ ሓደራ። ምናዳ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ (2ጢሞ 1,5) ዝብሎ ነተን እምነት ዝቀለባኹም ኣደታትኩምን እኖሓጎታትኩምን ኣይትረስዑ። ጓሶትን ኣገልግልትን ሕዝብኹም እምበር ከም ኣመሓደርቲ መንግሥቲ ኣይትኹኑ። ወትሩ ኣብ መንጎ ሕዝብኹም እምበር ከም ፍሉይ ክብረት ዘለዎም ኣይተፈለዩ።ነዛ ክቡር ወለዶ ዝኾነ ቅዱስ ሕዝበ እግዚአፍብሔር ኣይትዘንግዕዎ።

ሕጂ ኸኣ ናብቶም ቅድሚ ዓሠርተ ዓመት ኣብዛ ካተድራል እዚኣ ብግብረ ሽበራ ዝሞቱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክዝክር እደሊ። ጉዳይ ብፅዕናኦም ኣብ መስርሕ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያት መልእኽቲ 285 ተመልኪቱ ዘሎ ሞት ናይዞም ሰባት እዚኦም ምልዕዓል ውግእን ናይ ጽልኢ ዝንባሌን ዓመጽን ምኽዓው ደምን ምስ ዝኾነ ትምህርቲ እምነት ከምዘይሳነ የዘኻኽረና። ምስ እዚኦም ኣተሓሒዘ ከኣ ንኩሎም ግዳያት ዓመጽን ስደትን ኣባላት ኩለን እምነታት እዝክር። ጽባሕ ኣብ ከተማ ኡር ምስ ኣብዚ ሃገር ናይ ዝርከባ እምነታት መራሕቲ ኩሎም ክራኸብ እሞ፡ እምነት ኣብ መንጎ ኩሎም ደቂ እግዚአብሔር ምኽንያት ሰላምን ሓድነትን ብምዃን ከገልግል ንዘሎና ኣቋዋም እንደገና ክንእውጅ ኢና።  ሎሚ ምሸት ስለቲ ኣብ መንጎ ምእመናንኩምን ተኸተልቲ ካልእ እምነታትን ገበርቲ ሰላም ብምዃን ዳግመ ልደት ተስፋ ንኩሎም ከምዝእእ ዝኽእላ ናይ ሰላም ዘርኢ ብምዝራእን ሕውነታዊ ምጽውዋር ብምድንፋዕን ስለእተበርክትዎ ኣገልግሎትኩም ከመስግነኩም እደሊ።

ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ብዛዕባ መንእሰያት እሻቀል። መንእሰያት ኣብ ኩሉ ቦታ ምናዳ ኸኣ ኣብዚ ሃገር እዚ ተስፋ ዘስንቁ እዮም። ኣብዚ ሃገር ክትግምቶ ዘይከኣል ኣርኪኦሎጂካዊ ውርሻ ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ ዝኸውን እልቢ ዘይብሉ ሃብቲ ኣሎ። እዚኦም ከኣ መንእሰያት እዮም። እዚኦም መንእሰያት እዚኦም መዝገብ እዮም ስለዚ ምክንኻኖም የድሊ። ሕልምታቶም እናቀለብኩምን ጒዕዞም እናኣሰነኹምን ተስፋታቶም እናኣደንፋዕኩምን ክተሰንይዎም የድሊ። ከም ሓቁ እኳ ናይዞም መንእሰያት እዚኦም ትዕግሥቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ብዘጋጠመ ግጭታት ብብርቱዕ ተፈቲኑ እዩ። እንተኾነ ንሶም ምስ ሽማግለታት ኰይኖም ናይዛ ሃገር ሉል ዝጠዓሙ ፍረ ናይታ ኦም ስለዝኾኑ ብጽቡቅ ምዂስኳሶምን ብተስፋ ምስናቆምን ካባና እዩ።  

ኣሕዋተይን ኣሓተይን! ብምሥጢራት ጥምቀትን ሜሮንን ብክህነትን መብጽዓን ንጐይታ ተወፊኹም ኣብዛ ምስ ታሪኽ እምነት ጥቡቅ ምትእስሳር ዘለዋ ምድሪ እዚኣ ከኣ ሓዋርያት ስብከተወንጌል ኰንኩም ተላኢኽኩም። ንስኹም እውን ብተኣማንነት ነቲ ዘይጠልም ኪዳን እግዚአብሔር ብምምስካርን ዝበለጸ መጻኢ ክትሃንጹ ብምጽዓርን ናይቲ ታሪኽ እቲ ኣባላት ኢኹም። ብፈተና ዝበሰለን ብደም ሰማዕታት ዝሓየለን ምስክርነትኩም ኣብ ኢራቅን ክንዮ ኢራቅን ዘንጸባርቅ ብርሃን ኰይኑ ዕብየት ጐይታ ንምስባኽን እዚ ሕዝቢ እዚ ኣብ መድሓኒና ዝኾነ እግዚአብሔር ዘለዎ መንፈስ ንምድንፋዕን ይኹን።

ከምብሓድሽ ክንራኸብ ንዘብበቃዕና ንእግዚአብሔር አመስግን። እኖና ድንግል ማርያም ዘድሕነትን ቅዱስ ቶማስ ሓዋርያን ስለኹም የማልዱ ወትሩ ከኣ ይከላኸሉልኩም። ብምሉእ ልበይ ንነፍስወከፍኩምን ማሕባራትኩምን እባርኽ። በጃኹም ስለይ ጸልዩ። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
05 March 2021, 23:16