ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኡክራይን መርሔ መግንስቲ ደንይስ ሽምይሓልን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኡክራይን መርሔ መግንስቲ ደንይስ ሽምይሓልን 

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኡክራይን መራሔ መንግስቲ

ብዛዕባ ቅልውላው ክንክን ጥዕናንን ኣብ ሰሜናዊ ኡክራይን ዘሎ ዘሰክፍ ህልው ኩነታትን ኣብ ቀረባ እዋን በጽዋር ውግእ ዝተሰነየ ነቲ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝጠሓሰ ተግባራት ብምውጋድ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኡክራይን መራሔ መንግስቲ ተቀቢሎም ከምዘዘራረቡን፥ ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኡክራይን ዘሎ ዘይምርግጋእ ሰላማዊ መፍትሒ ሓልፋ ዝብል ወስታ የድልዮ እንክብሉ ቅዱስነቶም ከምእተላበዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለኢ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኡክራይን መርሔ መግንስቲ ደንይስ ሽምይሓልን ዕለት 25 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኡክራይንን ዘሎ ዝምድና ሰናይ ምዃኑ ዘረጋገጸን ልብዊ ምቅርራብ ዝተራእየሉ እውን ምንባሩን ብዛዕባ ክሌኣዊ ርክብ ዝምልከቱ እዋናውያን ሕቶታትን ብዝዕባ ሕይወትን ንጥፈትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይንን ኣብ ዝምልት ርእሰ ጉዳይ እውን ከምእተመያየጡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ብዛዕባ ቅልውላው ክንክን ጥዕናንን ኣብ ሰሜናዊ ኡክራይን ዘሎ ዘሰክፍ ህልው ኩነታትን ኣብ ቀረባ እዋን በጽዋር ውግእ ዝተሰነየ ነቲ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝጠሓሰ ተግባራት ብምውጋድ ንሰላማዊ መፍትሒ ሓላፋ ንዝብል መገዲ ቦታ ክወሃብ ዝብል ለበዋ ዝቐረበሉ ምይይጥ እውን ከምእተኻየደን፡ ናይ ኡክራይን ምራሔ መንግስቲ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ኣፍሊጡ።

26 March 2021, 16:32