ኣብ ሓደ ደቒቕ ኣብ ዒራቕ ናይ ፍራንቸስኮ ውዕሎ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዕለት 5 መጋቢት 2021 ዓ.ም.

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ መገሻ ናይ ዕለት 5 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ቀዳመይቲ መዓልቲ ውዕሎ መርሓ ፍጻሜታት ኣብ ስልሳ ድግሚት . . .

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ካብ ዕለት 5 መጋቢት ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘካይድዎ ዘለዎ መበል 33 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ኣብ ስልሳ ድግሚት ውዕሎ ቀዳመይቲ መዓልቲ ብምስማዐ ርእየት ተመስሎኡ፥

ዜና ቫቲካን - መደብ ቋንቋ ትግርይና

ውዕሎ ቀዳመይቲ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ፥  ኣብታ ጥንታዊት ናይ ኣብራሃም መሬትን ዝተገበረሎም ወግዓዊ ኣቀባብላን ምስ መራሔ መንግስቲ ረፓብሊካዊት ዒራቕ ዘካይድዎ ርክብን ንሃገረ ዒራቕን ህዝብን መንግስትን ክብሪ ኣብቲ ናይታ ሃገር ናይ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ምብጻሕ ኣካይዶምን ምስ ርእሰ ብሔርን ዘካየድዎ ርክብን ኣብታ ሃገር ምስ ናይመንግስትን ናይ ፖለቲካ ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መግንስታትን ናይ ፖለቲካን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ወከልትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕትን ዘካየድዎ ርክብን ኣስዒቦም እውን ኣብ ባቕዳድ ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያንትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ተመሃሮን ኣብ ካቴድራል ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘካየድዎ ርክብን ኣብ ሓደ ደቒቕ ተመስሎኡ።

06 March 2021, 08:24