ትብዓት ኣብ ተነቃፍነት፥ ናይ ሓደ ራእይ ትምቢት ትብዓት ኣብ ተነቃፍነት፥ ናይ ሓደ ራእይ ትምቢት 

ትብዓት ኣብ ተነቃፍነት፥ ናይ ሓደ ራእይ ትምቢት

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በይኖም ክጽልዩ ዘርኢ ምስሊ ምልስ ቢልና እንዝክሮ ኵንነት፡ ጠሪሹ ዘይጠፍእን ጭቡጥ ኵነት ካብ ምዃን ኣይቦኸረን፡ ንዅሉ ዓቢይ ሕቶ ዘቕርብ ምስሊ

ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበ ርዕለታዊ ጋዜጣ ናይ ሮማዊት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ቤተ መዛግብትን ቤተ መጻሕፍትን ብጹዕ ካርዲናል ኾሰ ቶለንቲኖ ደ መንዶዛ ካብ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብቲ ማሕበራዊ ምፍንታት ኣብ ዝንበረሉ ዘሎ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዓቢይ ጥበብ ነቲ ባዶነት ኣክንዲ ውጉዝ ምባል ብጸሎት ኣቢሎም ክሓቕፍዎ ኣብ እንርየሉ እዋን ብዛዕባ ጸሎት ኣብ ዘቕርብዎ ጥልቂ ሓተታ፥

ኣብ ጽሞና እግዚኣብሔር ብጽሞና ናይ ምጽላይ ብርታዐ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 ኣብ ዘመነ ምስልታትን ኣሳእልን ንነብር ከምዘሎና እንርእዮ ሓቂ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ተራእዩ ዘይፍለጥ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ምህርቲ ኣሳዕል ኣዚዩ ዝበዝሓሉን ዝሰፍሓሉን ዝቕባበ ዘርእየሉን ኮይኑ ኣሎ፡ ኣክንዲ ፍሉይን ሓቀይናን ምስልታትን-ኣሳእልን ባዕልኻ ንባዕልካ ብእትስእሎ ናይ ገዛእ ርእስኻ - ርእሰኣዊ መሰረት ኣሳእል ብምምራት ብሓቒ ዝቕባበ ኣሳእልን ቅጽበታውን ቀልጢፉ ተረሳዕን ኣብ ናይ ምዃን ኪደት ንርከብ፡ ናይ ፍልስፍና ሊቅ ዋልተር በንጃሚን፥ ምጥፋእ ኣኽሊል ከምዝብሎ እዩ፡ . . . እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በይኖም እግዚኣብሔር ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ከላቕቐና ክጽልዩ እንከለዉ ዘርእይ ስእሊ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ቤተ ክርስቲያን ክንሓስብ ዝድርኸና ቅጽበታውን ተረሳዕን ምስሊ ኣይኮነን።

ኣብ ጽሞና እግዚኣብሔር ብጽሞና ናይ ምጽላይ ብርታዐ

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በይኖም ክጽልዩ ዘርኢ ምስሊ ምልስ ቢልና እንዝክሮ ኵንነት፡ ጠሪሹ ዘይጠፍእን ጭቡጥ ኵነት ካብ ምዃን ኣይቦኸረን፡ ንዅሉ ዓቢይ ሕቶ ዘቕርብ ምስሊ እውን እዩ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ እንነብሮ ዘሎና ዝውክል ኮይኑ ዝቕጽልን ዝቐርብን ትንቢታዊ ምስሊ ኮይኑ ዝተረፈ እዩ፡ ንኣና እቲ ምስሊ ቅዱስነቶም እንታይ ይምህረናን እንታይ ይዛረበናን ይሓትተናን?

ኣብ ጽሞና እግዚኣብሔር ብጽሞና ናይ ምጽላይ ብርታዐ

ተነቃፍነት ከም ናይ ሰብኣዊ ፍጥረትን ኣማንን ተመክሮ ናይ ምንባሩ ትብዓትኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ቀንዲ ዝዕብልል ዘሎ ኣገባብ ኣብ ኣህላኽነት ዝጸንዔ፡ ተነቃፍነት ብርሑቕ ዝጥምትን ከምዘየለ ገረካ ንኽትሓስቦ ዝድርኽ ዘዘንግዕን ከም ዘይቕርበና ኣርእስትን ኵነትን ገይርና ንኸይሕሰብ ዝድርኽእ እዩ፡ ክትሓብኦን ክትከዋውሎን ምፍታን፡ እዚ ብኻልእ ኣገላጻ እውን ኣብ ሃይማኖት ዝረአይ ናይ ምእማን ድኽነት ብዝብል ኵነት ዝግለጽ እዩ፡ . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተነቃፍነትካ ክብሉ እንከለዉ፡ ንዓለም ከምዘይምልከቶም ገዛእ ርእሶም ከም ሳልሳይ ኣካል ገይሮም ናይ ዓለም ስቓይ ናይ ካልእ ስቓይ ገይሮም ዘመላኽትዎ ዘይኮነ . . . ገዛእ ርእሶም ተነቃፊ ምዃኖምን ነዚ ተነቃፍነት ንኽነብሩ ተባዕ ምዃን ዝሓትትን እዚ ተነቃፍነቶም ኣብ ምቕባል ንኹሉ ከም ካህን ናይ ምውካል ብቕዓቶም ክብ ኣበሎ።

ነቲ ባዶነት ናይ ምቕባሉ ትብዓትን ዳግም ትርጉም ምሃብን፥ እቲ ኣብዚ እዋን ዝረአይ ዘሎ ለብዒ ገና ክቀላቐል ምስ ጀመረ እቲ ቀደም እንመልኦን እንእከበሉን እንሓልፈሉን እንራከበሉን ዘበለ ስፍራ ኵሉ ጥርሑ - ባዶ ክተርፍ ገይሩ እዩ። ገና እውን ዝርአይ ዘሎ ክውን ስእሊ እዩ፡ ተሰሚዑን ተራእዩን ዘይፈልጥ ባዶነትን ጽምዋን፡ ልክዕ ብገለ ኣካል ዓለም ዝተሃገሮም ከምዝኾንና በመሳዅቲ ኮይና ካብ ቤትና ወጻኢ ንግዳም ክንጥምት፡ ባዶ ዝጥምቱ ክንከው ዝገበረን ኣብዚ ኩነት እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንበይኖም ጸሎት ምህለላ ኣብ ዘዕረግሉ እዋን፡ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 4. 35-41 ክንበብ ክሓርዩ ምግባሮም ብዓቢይ ጥበብ ተመሪሖም እዮም፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ነቲ ባዶ ካም ናይ ህልውናን ናይ ቲዮሎጊያን ስፍራ ክትቕበሎን ብኻልእ መዳይ ከኣ ቃል ኣምላኽ ነቲ ባዶ ትርጉም ከህቦ ዝኽእል መፍትሕ ከምዘቕርበልናን ዝረጋግጽ እዩ፡ . . . እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኵላትና ኣብ ሓንቲ መርከብ ምዃንናን ተነቀፍትን ኢምስሩቓትን ከምዝኾንና ክነስተውዕል ክገብር እንከሎ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ብሓባርን ኣብ ሓባራውነትን ንኽንከውን ኣገዳስን ኣድላይን ኵሉ ምጽንናዕ ዝደልን ንሓድሕዱ ክደጋገፍን ዝጽውዕ ምዃኑ ፍራንቸስኮ ኣዘኻኺሮም እዮም፡ . . . ኣብዛ መርከብ እዚኣ ኩላትና ኣለና”፡ እቲ ባዶነት ዘቕርበልና ሓድሽ ሰዋሱ ከም ቁርጽራጽ ደሴታውያን ዘይኮነ ኵላትና ከም ኣሕዋት ንኽንራኸብ መታን!

ምሳሌ/ውስጠዘ ናይ ምርካብ ትብዓት፥ ር.ሊ.ጳ. እቲ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንበይኖም ብዘይ ሓደ ምእመን ጸሎት ኣብ ዘዕረግሉ እዋን ዝሓረይዎን ዘንበብዎን ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 35-41 ዝተወስደ ቃል ጐይታ ኣብ ምትንታኖም ዓቢይ ዘአንፍት ወስታ ፈጺሞም እዮም፥ ብዛዕባ እቲ ለብዒ ንዝነበረ ኣመለኻኽታ ዳግም ኣመስሪቖምዎ እዮም፡ ናይ ብዙሓት ሃገራት መራሕቲ እቲ ለብዒ ምስ ተቐላቐለ፥ ውግእ ብዝብል ቃል ክምስልዎን ክገልጽዎን ከምእተራእየን ብዙሕ ሓደጋታት ዘስዕብን ንዅሉ ዘጥቅዕን ምዃኑ ብንውግእ ተላዓል ልሙድ ኣመለኻኽታ ክገልጽዎ እንከለዉ፡ ፍራንቸስኮ ብርቱዕ ማዕበል እንክብሉ እዮም ዝመሰልዎ፡  እዚ ኸኣ ካብቲ ውግእን ሁከትን ቢሎም ዝገለጽዎ ፍልይ ዝበለ ቆስሞሳዊ ትንታኔ ይህብሉ እሞ ነቲ ብዙሓት ናይቲ ለብዒ ተሓታትን ዘተኣትተዎን እቲን እዝን እናተበሃለ ሕድ ሕዳዊ ምውቕቃስን ብሰንኪ እቲ ብሰንኪ እዝን ዝብል ንትርኻ ክሲ ኣልዮም፥ እቲ ብርቱዕ ማዕበል ኵላትና ተነቃፍነትና ካብ ምቕባል ንኽሃድምን ከይንርእዮን ኣብ ሓንቲ መርከብ ምዃንና ብምቕባል ብኣህጉራዊ መደብ እቲ ኣጋጥሚሙ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህ ንምዕያይ እዮ ዝተባብዑ፡ . . . እቲ ናይ ፈተና እዋን ናይ ግጭት ናይ ምጉጅጃልን ስነ ሞገት እነጓሃህረሉ ዘይኮነ ዘዋህደናን ዘጠራንፈናን ነቢያውን ሓድሽ ግዜን ዝውክል ምዃኑ ይምዕዱ።

ኣብ ጽሞና እግዚኣብሔር ብጽሞና ናይ ምጽላይ ብርታዐ፥ ብርቱዕ ህቦባል ነፋስን ማዕበልን ንኣመንቲ ዘጋጥም ተምክሮ ቅልውላው እውን እዩ፡ እቶም ሓወርያት ንጐይታ፥መምህር፡ ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን (ማር. 4,38) እንክብሉ ንኢየሱስ ከተንስእዎ ይፍትኑ፡ ስንባደኦም ደረት ኣነበሮን፥ ኣብዚ ግልጺ ዝኾነ ናይ ተዓንቃፊ ገዓር ከምዘሎ ነስተውዕል፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት ነቲ ናይ ሓዋርያት ሕቶ “ንልቢ ዘቑስልን ኣብ ልቢ ብርቱዕ ንፋስን ማዕበልን ዘለዓዕል ቃል እዩ” ከምዝበልዎ። ኣብ ቅድሚ እቲ ምስፋሕ እከይን እቲ ዘሰንብድን እናቐረበ ዝመጽእ ስቓይን ዝገደደ ኣብዚ ከምዚ ኵነት ናይ እግዚኣብሔር ሱቕታ ዝፈጥሮ ስቓይ ብርቱዕ ኮይኑ ይስምዓና፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ከጋጥም ዝኽእል ፈተና እውን ባዶነትን ኵሉ ትርጉም ኣልቦ ዝብል ኢምንትነትን ምርሓቕን እዩ፡ ብዛዕባ ምስሊ ዘለዎ ሓይሊ፥ ሃይደገር ከምዝብሎ “ናይ ሓደ ምስሊ እንታይነት ኣብ ዘስተርእዮ ነገር እዩ”፡ እቲ ቅዱስነቶ ክጽልዩን ቡራኬ ቅዱስ ቁርባን ክህቡን ዘርእይ ምስሊ ኣብቲ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ናይ ምብዳም ተመክሮ ብኵላውነት ደረጃ ኣብ ዝንበረሉ ዘሎ እዋን እቲ ዘይረአይ እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝተዓረደ መናድቕ ዝኣልይን ኣብቲ ሱቕታ (እግዚኣብሔር) ናይ ኢየሱስ ኣሰር ክንስዕብን ከምቲ ኢየሱስ ብዅሉ ብኣብኡ ከይተረፈ ዝተጠንጠነ ኮይኑ ዝስምዖ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግና ምሉእ እምነት ኣብ ኣቡኡ ዝገበረን ሕይወቱ ኣብ ኢድ ኣቦ ከምዘንበረን ምግባር ከምዘድሊ ዝዛረብ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ካብዚ ንመላ ሮማን ዓለምን ዝሓቁፍ ናይ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መስርዕ ዓንድታት፥ ልክዕ ከምኡ ዘጸናንዕ ሑቕፎን ብራኬ እግዚኣብሔርን ኣብ ልዕለዅም ይኹን” እንክብሉ ከምዝጸለይዎ። ከምኡ ድማ ኮይኑ እዩ።

27 March 2021, 22:40