ቅዱስ ኣልፎንሶ ማሪያ ዘሊጉዎሪ ቅዱስ ኣልፎንሶ ማሪያ ዘሊጉዎሪ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅዱስ ኣልፎንሶ ንዝተናዕቁ ናይ ምሕረት ኣስትፍሆተ ወንጌል መምህር

ናይ ቲዮሎጊያ ስነ ምግባር ምሁራን ልኡካንን ኣበ ነፍሳትን - ኣናዘዝትን ኵሎም ምስ ሕዝበ ኣግዚኣብሔር ህያው ርክብ ክህልዎምን ህይወቶም በቲ ዝሓስብዎን ምርምራቶምን ዘይኮነ በቲ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ህይወት ብምርኣይ

ርር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ ኣልፎንሶ ዘሊጉዎሪ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ተባሂሉ ዝተሰመየሉ መበል 150 ዓምተ ምኽንያት ናብ ማሕበር ረዶንቶሪስት ልኡካነ ወንጌል ጠቕላሊ ሓለቃ ኣባ ሚከኤለ ብርህል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነቲ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ናይ ሓሴት ብዕሎት እንክብሉ ገሊጾም፡ ናይ ቅዱስ ኣልፎንሶ ኣብነት ሕልና ናብቲ ናይ ምሕረት ድሕነቱ ንዘወፍየልና ኣአንጋዲ ዝኾነ ኣቦ ዝመርሕ መገዲ ብምሉእ ሓይሊ ዘመላኽት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣልፎንሲ በዓል ሉጉዎሪ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምሕረት ተግባር ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ምዃኑን እዚ ምሕረት እዚ ንሰብኣዊ ሕልና መገዲ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንሕልና ሰብኣዊ ፍጥረት ሰብኣዊ ዝገብርን ድምጺ እግዚኣብሔርን ምዃኑ ዘብርህን ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ሓቢሮም፥

ነቶም ኣዚዮም ንሓሳርን መከራን ዝተቓልዑ ጠበቓ

ቅዱስ ኣልፎስኖ ዘሊጉዎሪ ጽን በሃልን ሰማዕን ናይ ምሕረት መምህርን ነቶም መንፈሳዊ ትሕዳግ ዘጓንፎም ተኣፋፍያን ዘአንግድ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም፡ ናይ ተኣፋፍያንን ናይ ዝተናዕቁን ብሕብረተሰብ ከም ጓሓፍ ንዝጥመቱን ሓላይን ክንየው ሓልዮት እውን ጠበቓ እንክብሉ ገሊጾም፥ ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተቐበሎ ጸዋዕታ ብምስዓብ፡ ብእምነት እነዅልካ ዝብል መልሲ ብምሃብ፡ ነቲ እግዚኣብሔር ዘቕርበልና ጸዋዕታ ቅዱስና እሙን መልሲ ንምሃብ ዘኽእል ሕልና ንምግልጋል ዘብቕዕ መገዲ ዝሓረየ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ቲዮሎግያዊ ስነ ምግባር

ናይ ቲዮሎጊያ ስነ ምግባር ምሁራን ልኡካንን ኣበ ነፍሳትን - ኣናዘዝትን ኵሎም ምስ ሕዝበ ኣግዚኣብሔር ህያው ርክብ ክህልዎምን ህይወቶም በቲ ዝሓስብዎን ምርምራቶምን ዘይኮነ በቲ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ህይወት ብምርኣይ፡ ናይቶም ዝራኸብዎም ጭቡጥ ጸገማት ኵሉ ኣስተውዒሎም ኣቑሳሎም ክፍጽውሱ ዝኽእሉ ክዅኑ ከምዘለዎም ካብ ኣብነት ቅዱስ ኣልፎንሶ ነስተውዕል፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣልፎንሶ ምስ ሕዝብን ኣብ መንጐ ሕዝብን ንኽኾኑ ኣብቲ ናይ ህዝቢ ጭቡጥ ሕይወት ብምዃን ናይ ዝነብር ሕይወት ኣብነት እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ነቶም ኣብ ጐደና ድሕነት ሕጽረት መንፈሳዊ ሓገዝ ንዘጋጥሞም ንምስናይን ድጋፍ ንምቕራብን ካብቲ ናይ ቲዮሎጊያ ስነ ምግባር ሓዳሲ ቅዱስ ኣልፎንሶ ዘሊጉዎሪ ኣብነት ክንመሃር ቅዱስነቶም ተላብዮም፡ ወንጌላዊ ኣኽራርነት ምስ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ድኻም ዝጻረር ክኸውን የብሉን፥ ኣኽራሪ ወንጌል ምዃን ኣብ ድኻታትን ዝተናዕቁን ኢየሱስ ምግልጋል ማለት ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ኣልፎንሶ ብመንፈሳውን ብስነ ምግባርን ግብረ ገብን ትምህርቱ ዝተፈልየ ዘይኮነ፡ ናይ ኵሉ ልቢ ናብ እግዚኣብሔር ዘቕርብ መገዲ ዘመላኽት እዩ እዚ ኸኣ ብቓልን ሕይወትን የመላኽተና ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ግብረ ገባዊ መገዲ ምትብባዕ

ከምቲ ዓቢይ ቅዱስ ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝተጠንጠኑ እሞ ደሓር ዝደሓኑ ሓዋርያዊ ማሕበርሰብ ኣብ መንጐ እቶም ዝተጠንጠኑ በጃ ንኽኾኑ ዝተጸውዑ፥ ኮይንና ንኽንበር ዝተጸዋዕና ኢና፡ ሕሩያት ምዃን ኣብ መንጐ ሕሩያት ዝንበር ዘይኮነ ኣብ መንጐ ሕሩያት ምዃኖም ገና ዘይፍፈለጡ ሕሩያት ኢኹም ዝብሉ ብምዃን ምንባር ዝሓትት እዩ፡ ነቲ መንፈሳዊ ድጋፍ ዝጐድሎ ንምድጋፍን ነቲ ስነ ምግባራዊ ውልቃውነት ብምስናፍ እውነተይና ሰናይ ዝኾነ ንምሕራይ ብቕዓት ዘለዎ ብሱል ግብረ ገብ ንምንቕቓሕ ዝተጸዋዕና ኢና እዚ ኸኣ፥ ሓላፍነት ዝስምዖን መንግስተ ሰማይ ኣብ ግምት ብምእታው ርሕሩሕ ሕሊና ምሕናጽ ንሕብረተሰብ ዝለዓለ ሓናጺ መልሲ ንምሃብ ብቕዓት ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ክህልወና ይገብር ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብድሆታት ኣብ እዋናዊ ሕብረተሰብ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ እዋናዊ ሕብረተሰብ ዝተዓረዶ ብድሆታት፥ ንኣብነት ለብዒ ኮቪድ - 19ን ድህረ ለብዒ ኮቪድ ናይ ስራሕ ዓለም ጉዳይን ንኹሉ ክንክን ጥዕና ምቕራብን ሕይወት ምክልኻልን ሰብ ሰርሖ ቀልባዊ መሳርዕን ፍጥረትን ተፈጥሮን ምክልኻልን ጸረ ደሞክራሲያዊ ትኩቶኻን ሕጹጽ ጉዳይ ኵላዊ ሕውነተን ዝብሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ጠቒሶም፥ “ኣስፍሆተ ወንጌል ካብ ናይ ድኻታትን ናይ እንነብረላ መሬትን ገዓር ፈሊና እንርእዮ እንተድኣ ኰይንና ወይለና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጥምረት ቲዮሎጊያዊ ግብረ ገብ ኣስተንትኖን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን

ር.ሊ.ጳ. መልእኽቶም፥ ነቶም ተኣፋፍያን ኣሕዋትናን ኣሓታናን ንኽንራኸቦም ምውጻእን ናብ ክንብል ከምዝግብኣናን እተሓሳሲቦም፥ ንናይ ሓባር ረብሓ ህርኵት ጻዕሪ ዘሳልጥ ኣብቲ ሕይወትን ፍጥረትን ሕውነትን ምክልኻል ዝብል ኣስፍሆተ ወንጌል-ቃል ብስራት ዝሰረተ ምዕቡል ኣስተንትኖ ቲዮሎጊያዊ ግብረ ገብን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። ና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 March 2021, 13:02