ናይ ኣቦ ልቢ ናይ ኣቦ ልቢ 

ናይ ኣቦ ልቢ

ኣብታ Patris Corde – ብልቢ ኣቦ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መሰረት ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ቅዱስ ዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ሓላዊ ኢየሱስን ጠበቓ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ምዃኑ ኣብ ዝብል ተክለ ሰብነቱ ዘማእከለ መብርህን ኣስትንትኖን ከቕርብን ኣብ ወንጌል ዝንገርን ኣብታ ቅዱስ ኣቦና ብልቢ ኣቦ ዘርእስታ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 8 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም.  ፒዮስ ታሽዓይ ቅዱስ ዮሴፍ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ቅዱስ ቡሎም ዝኣወጅሉ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ምኽንያት Patris Corde – ናይ ኣቦ ልቢ ብዝብል ኣርእስቲ ብዝለገስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቢሎም ካብ ዕለት 8 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 8 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ከምዝኣጁ ዝዝከር ኮይኑ፡ ናይዚ ሕጹይ ማርያም ተክለ ሰብነት መንፈሳዊ ኣባታውነት ብዕምቆት ንምስትንታን ዝድግፍ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ፍሉይ ጽሑፍ ክቕርብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ Patris Corde – ብልቢ ኣቦ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መሰረት ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ቅዱስ ዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ሓላዊ ኢየሱስን ጠበቓ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ምዃኑ ኣብ ዝብል ተክለ ሰብነቱ ዘማእከለ መብርህን ኣስትንትኖን ከቕርብን ኣብ ወንጌል ዝንገርን ኣብታ ቅዱስ ኣቦና ብልቢ ኣቦ ዘርእስታ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ እትዛረብ ሓዋርያዊት መልእኽቶም ሓጻር እውን እንተኾነት ቅዱስ ዮሴፍ መን ምዃኑን ስነ ቅዱስ ዮሴፍን ዘነጽርን ንዘቕረብዎ ጽዑቅ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘብርህ መደብ ኮይኑ፡ እቲ ካልእ ኩሉ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ክበሃል ዝኽእል ኣብቲ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝጸንዔ ክኸውን ከምዘለዎ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብዚ ርድኢት እዚ ከሰንየና ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ከምቲ ኣብ ወንጌልን ከም ሓዋርያዊ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ብልቢ ኣቦን፥ ኣብዚ ውንጩፍ ዝኾነ ኩሉ ኣብ ጉያ ጉያ ዝነብረሉ ዓለም’ዚ ትርጉም ኣቦን ሓሴትን ድኻምን ወለድን ውላድን ኣደነትን ዘብርህን ብዘይ ውላድነት ኣደነትን ኣቦነትን ክህሉ ከምዘይኽእልን ኣደነት እውን ከምኡ ስለዚ ነዚ መሰረት ብምግባር እቲ ብዮሴፍ ዝግለጽን ኣብ ዮሴፍ ብቓልን ተግባርን ዝንበር ኣቦነት እዋናዊ ኣቦነት ንምንባብን ኣቦነት ናብ ተክለ ሰብነት ቅዱስ ዮሴፍ ከመስርቕ ሓናጺ ትምህርቲ ከቕርበልና እዩ።

19 March 2021, 15:15