ቅዱስ ዮሴፍ ዓቢ ልቦና ዝውንን ዘተኣማምን ጻድቅ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓመት መጸ በዛ ዕለት እዚኣ ማለት 19 መጋቢት በዓለ ቅዱስ ዮሴፍ እንክትዝክር ምሳኡ ኣተሓሒዛ ከኣ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብነታዊ ኣቦ ብምዃኑ በዓል ኣቦታት እውን ይውስኹሉ። ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ፍጻሜ ትምህርተ ክርስቶስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንቅዱስ ዮሴፍ ‘ንወንጌል ክርዳእን ኣብ ግብሪ ከውዕልን ዝኸኣለ’ እንክብሉ ቀንዲ መጋበሪ ዓወቱ ምስ ገለጹ ፍሉይ ዓመት ሥድራቤት በዚ በዓል ከምዝጅምርን ብኣስተንትኖ ሓሴት ፍቅሪ እትብል መልእኽቶም ከምዝስነ እውን ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!  

ቅዱስ ዮሴፍ ዓቢይ ቅዱስ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነዚ ቅዱስ እዚ መነባብሮኻ ክተረክቦ ምንም ዘሰክፍ የለን ተኣማሚንካ ሕይወትካ ኣብ ትሕቲ ሓለዋኡ ኣወፊ ኢሎም። ትምህርቲ ክርስቶስ ፈጺሞም ንዝተፈላለዩ ሰባት ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ግዜ ካብ ቅዱስ ዮሴፍ እንመሃሮ ብዙሕ ጉዳያት ኣሎ ብቀንዱ ግን ከማኡ ጥበበኛታት ኩኑ ኢሎም እዚ ጥበብ እዚ ከኣ ንቃል ወንጌል ተረዲኡ ኣብ ተግባር ከውዕሎ ብምኽኣሉ ከምዝተዓወተ ንሕና እውን ካብኡ ነዚ ጥበብ እዚ ተማሂርና ንወንጌል ተረዲእና ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሉ ክንዕወት ንኽእል ኢሎም።

“ኣብ መነባብሮ ሕይወት ኣብ ሥራሕ ኣብ ስድራቤት ኣብ ግዜ ሓጐስስ ይኹን ኣብ ግዜ ጸገም ቅዱስ ዮሴፍ ብቀጻሊ ንጐይታ ክደልን ከፍቅሮን ተራእዩ። በዚ ከኣ ቅዱስ መጽሓፍ ጻድቅን ጥበበኛን ዝብል ስም ሃቦ። ኣብ መነባብሮኹም ምናዳ ኩነታት ከጸግሙኹም እንከለው ተማሕጸንዎ። ንኩሉኹም ቡራኬየይ እህበኩም ኢሎም።”

ቀጺሎም እውን ነቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣዊጆሞ ዝነበሩ ዓመት ሥድራቤት ኣብ ዕለተ ቅዱስ ዮሴፍ ከምዝጅምረን ከም መምርሒ ከኣ እታ ድሕሪ ክልተ ዓበይቲ ሲኖዶሳት ኣበው ንሥድራቤት ብዝምልከት ዝጸሓፍዋ ሓሴት ፍቅሪ ኣትብል ድሕረ ሲኖዶሳዊት መልእኽቶም ክንጥቀም ንደቂ ፖላንድ ኣብ ዘቅረብዎ ሰላምታ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ንግሥተ ፖላንድ ዝኾነድ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥድራቤታት ቃል ወንጌላዊ ራእይ ሓዳር ክተብርሃሎም ንሕይወት ሰብ ክርድኡን ክከላኸሉን ትደግሮም። ንኩሉኹም ብምሉእ ልበይ እባርኸኩም። ነዚ ዓመት ስድራቤት ንምድንፋዕ ዝተፈላለየ ተበግሶ ንእትወስዱ ኩሉኹም እባርኽ ኢሎም።”

ልቢ ኣቦ! ብኣባታዊ ልቢ (PATRIS CORDE)

ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ጽማቊ ዘቅረብናልኩም ፓትሪስ ኮርደ ልቢ ኣቦ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ቅዱስነቶም ንመበል 150 ዓመት ኣዋጅ ቅዱስ ዮሴፍ ጠበቃ ቤተክርስትያን ብምዝካር ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ እውን ክኸውን ወሲኖም። እዚ ሰነድ እዚ ቃል ብቃሉ ብአባ ኣማኑኤል ምስጉን ተተርጒሙ ቀሪቡ ስለዘሎ በብክፋል ክነቅርበልኩም ንሎሚ ቀዳማይ ክፋል ነቅርበልኩም።

ብኣባታዊ ልቢ ኢዩ ቅዱስ ዮሴፍ ንኢየሱስ ዘፍቀሮ። ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን ከኣ “ወዲ ዮሴፍ”1 ቢሎም ይጽውዕዎ። እቶም ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ዝያዳ ዚዛረቡ ክልተ ወንጌላውያን ማቴዎስን ሉቃስን እውን እንተኾነ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ውሑድ ኢዮም ዚገልጹልና፥ እንተኾነ እንታይ ዓይነት ኣቦ ከምዝኾነን ብመለኮታዊ ኃልዮ ከኣ ንኣኡ ዝተዋህበ ተልእኾ እንታይ ከምዝነበረን ንኽንግዘብ፡ እዞም ክልተ ወንጌላውያን ዝትርኽዎ ንዓና እኹል ስለዝኾነ ከነመስግኖም ይግባእ። ዮሴፍ ንማርያም ዝተሓጽየ (ማቴ. 1፡18: ሉቃ. 1፡27 ርአ) ትሑት ጸራቢ ዕንጨይቲ ከምዝነበረ (ማቴ. 13፡ 55 ርአ) ንፈልጥ። “ጻድቕ ሰብ” ከምዝነበረ (ማቴ. 1፡19) እውን ንፈልጥ። ንሱ እቲ ኣብ ኣርባዕተ ሕልምታቱ (ማቴ.1፡20፡ 2፡13፡ 19፡22 ርአ)፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሕጊ ንዝተገልጸሉ ፍቓድ እግዚኣብሔር ንኺፍጽም ወትሩ ስንድው ነበረ (ሉቃ. 2፡2፤27፤.39 ርአ)።

ድሕሪ ነዊሕን ኣድካምን ጉዕዞ ካብ ናዝሬት ናብ ቤተልሔም፡ ኣብ ካልእ መሕደሪ ስለዝተሳእነ (ሉቃ. 2፡7 ርአ)፡ ልደት መሲሕ “ኣብ መብልዒ ማል” ከምዝተፈጸመ ተዓዘበ። ጓሶት (ሉቃ. 2፡8 ርአ)፡ ከምኡ’ውን ሰብኣ ሰገል ነቲ ዝተወልደ ሕጻን ኪሰግዱሉ ከለዉ ረኣየ (ማቴ፡ 2፡ 1-12 ርአ)፦ እዞም ሰጋድያን እዚኣቶም ንሕዝበ እስራኤልን (ጓሶት) ነሕዛብን (ሰብኣ ሰገል) ኢዮም ዚውክሉ። ዮሴፍ ሕጋዊ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኪኸውን ሓቦ ዝበለ ሰብ ኢዩ። “ንሕዝቡ ካብ ኃጢኣቶም ኬድኅኖም ስለዝኾነ፡ ኢየሱስ ኢልካ ክትሰምዮ ኢኻ” (ማቴ. 1፡21) ስለ ዝተባህሎ፡ ነቲ ብመልኣኽ ዝተገልጸሉ ስም ሃቦ። ካብ ጥንታውያን ሰባት ከምእንፈልጦ፡ ስም ምሃብ ማለት፡ ከምቲ ኣዳም ኣብ ዛንታ ኦሪት ዘፍጥረት ዝገበሮ (ዘፍ. 2፡ 19-20 ርአ)፡ ዝምድና ምፍጣር ማለት ኢዩ።

ድሕሪ 40 መዓልቲ ልደት ኢየሱስ፡ ዮሴፍን ማርያምን ንወዶም ኣብ ቤተ መቕደስ ናብ ኣምላኽ ምስ ኣቕረብዎ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጻንን ማርያምን ዝተባህለ ትንቢት ስምኦን፡ ብምግራም ሰምዑ (ሉቃ. 2፡22-35 ርአ)። ካብ ሄሮድስ ንኢየሱስ ንምክልኻል፡ ዮሴፍ ስደተኛ ኮይኑ ኣብ ግብጺ ተቐመጠ(ሉቃ.2፡13-18)። ናብ ገዛእ ዓዱ ምስ ተመልሰ፡ ካብ ቤተልሔም ዓዲ ኣቦታቱን ካብ ኢየሩሳሌምን ቤተ መቕደስን፡ ኣብታ ንእሽቶን ዘይትፍለጥን ናይ ገሊላ ዓዲ ናዝሬት፡ ሕቡእ ዝኾነ ሕይወት ኣሕለፈ። ብዛዕባ ናዝሬት ብሓቂ “ካብ ናዝሬት ገለ ሠናይ ኪወጽእዶ ይከኣክል ኢዩ፧” (ዮሓ. 1፡46) ተባሂሉ ከምዝተሓተ፡ “ካብኣ ነቢይ ዚበሃል ኣይክወጽእን ኢዩ” (ዮሓ.7፡ 52 ርአ) ተባሂሉ ነበረ። ማርያምን ዮሴፍን ናብ ኢየሩሳሌም ኪነግዱ ከለዉ፡ እቲ ወዲ 12 ዓመት ዝነበረ ኢየሱስ ሕጻን ኣብ መንገዲ ምስ ጠፍኤ፡ እናተሸገሩ ደለይዎ’ሞ፡ ኣብ’ቲ ቤተ መቕደስ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ መማህራን ሕጊ ኪዋሳእ ረኸብዎ (ሉቃ. 2፡ 41-50 ርአ)።

ኣብ ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ድሕሪ ማርያም ኣደ ኣምላኽ፡ ቅዱስ ዮሴፍ ሕፁያ ኢዩ እቲ ብብዝኂ ተጠቒሱ ዚርከብ። ኣብ ታሪኽ ድኅነትና ግደ ቅዱስ ዮሴፍ ዓቢይ እጃም ከምዝነበሮ ኣጸቢቕና ምእንቲ ክንግንዘቦ፡ እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ካብ ወንጌል ዝተመሓላለፈልና ውሑድ ሓበሬታ ብዙኅ ጽሒፎም ኢዮም። ብጹዕ ር. ሊ. ጳጳሳት ፒዮስ 9ይ፡ ንቕዱስ ዮሴፍ “ሓላዊ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን” ከምዝኾነ ኣወጁ2። ኅሩየ ኣምላኽ ዝኾኑ ር. ሊ. ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12፡ “ሓላው ሰራሕተኛታት” ቢሎም ሰመዩዎ3። ቅዱስ ር. ሊ. ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከኣ “ሓላዊ መድኃኒና” ኢሎም ሰመይዎ4። ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ምሉእ ዓለም “ጠበቓ ሕጉስ ሞት”5 ተባሂሉ ይጽዋዕ።

150 ዓመት ድሕሪ ምእዋጅ “ቅዱስ ዮሴፍ ሓላዊ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን” ብብጹዕ ር. ሊ. ጳጳሳት ፒዮስ 9ይ (8 ታሕሣስ 1870)፡ ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ ሰብ፡ ብሰብኣዊ ዝኾነ ሕይወቱ ምሳና ዜመሳስል ተመክሮ ዘለዎ ምርኡይ ሰብ፡ ሓድሓደ ግላዊ ኣስተንትኖይ ከካፍለኩም እደሊ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝበሎ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ ኢዩ’ሞ” (ማቴ. 12፡34)፡ ኣብዘን ሕማም ኮቪድ-19 ዝተላብዓሉ ወርሓት፡ እዚ ሓሳባተይ ናይ ምክፋል ድላይ እናበርትዐ ኸደ። ኣብ ጊዜ ሽግር “እዚ ብስራሕ ተራ ሰብ ዚቖመ ሰብኣዊ ሕይወትና ንሓድሕዱ ዝተሓላለኸ ኢዩ’። ብዙኅ ጊዜ ግን ነዞም (ሕቡኣትን ተራን) ሰባት እዚኣቶም ግዲ ኣይንገብረሎምን። እዚኣቶም ኣብ ጋዜጣን መጽሔታትን ስሞም ኣይጸሓፍን፥ ኣብቲ ዝነኣሰ ተለቪዥን እውን እንተኾነ ስሞም ኣይዝከርን፡፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኢዮም

እምበኣርከስ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ወዲሰብ ወሳኒ ዝኾነ ቕያ ዝሰርሑ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ከኣ ሓኻይም፡ ኣለይቲ ሕሙማን፡ ሓለውቲ መኻዚኖታት፡ ሰራሕተኛ ዓበይቲ ዕዳጋታት (supermarket workers)፡ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ኣገልግሎት ሕዝቢ ዝተጸምዱ ሰባት (caregivers)፡ ናይ መጓዓዚያ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ጸጥታ ዝተዋፈሩ ሰባት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሕዝባዊ ኣገልግሎት ዚነጥፉ ሰባት፡ ብዘይደሞዝ ብድላዮም (volunteers) ኣብ ዝተፈላለዩ ማኅበራዊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ግለ ሰባት፡ ካህናት፡ ሰብ ውፉይ ሕይወት፡ ወ.ዘ.ተ.... ኪኾኑ ይኽእሉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ሰብ ብግሉ ኪድኅን ከምዘይኽእል ኣጸቢቖም ይፈልጡ...። ብዙኃት ሰባት እዮም መዓልቲ መዓልቲ ንሕዝቦም ከየሰንብዱ፡ ብትዕግስትን ብተስፋን እናሰርሑ፡ ኣብ ናይ ኵልና ኃላፍነት ዝኾነ ሕይወት እጃሞም ዜበርክቱ። ብዙኃት ኣቦታት፡ ኣዴታት፡ ኣቦሓጎታት፡ መማህራን፡ ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶም፡ ንዘሎ ሽግርን ጸበባን ኪጻወሩ እሞ ኪቕበልዎ ንደቅና ይምህርዎም። ኣብ እዋን መከራ ኮቪድ-19 ዕለታዊ ሕይወቶም ኪመርሑ፡ ንመጻኢ ብተስፋ ጠሚቶም፡ ጸሎት ከዘውትሩ የተባብዕዎም። ሎሚ ብዙኃት ሰባት ኢዮም ዚጽልዩ፡ ዚጋደሉ፡ ብዛዕባ ሓባራዊ ሠናይና ከኣ ዜማልዱ ዘለዉ”6። ነፍስ ወከፍና ኣብ’ዚ ብስቱር ከይተራእየ ዝናበር ቅዱስ ዮሴፍ፡ ገርህን ምጡንን ሕቡእን ሕይወትን ህላዌን ከነስተውዕል ንኽእል። ንሱ ከኣ ኣብ ጊዜ ጸበባና ዘተባብዓና፡ ዜማልደልና፡ መሪሕ ዝኾነና ሰብ ኢዩ። እቶም ዘይረኣዩን ዚሕብኡን ትሑታት ሰባት፡ ኣብ ታሪኽ ድኅነትና ተወዳዳሪ ዘይብሉ እጃም ኬበርክቱ ከምዚኽእሉ ቅዱስ ዮሴፍ ብሕይወቱ የስተምህረና። ንዅሎም እቶም ከምዚ ዝመሰሉ ሰባት፡ ኣለሊና ቃል ምስጋና ከነቕርበሎም ይግባእ።

ብድምጺ ንምክትታል!

ይቅጽል።

19 March 2021, 12:04