ብምሥጢረ ኑዛዜ ወዲሰብ ካብ ሕስረት ናብ ምሕረት ይሰጋገር! ር.ሊ.ጳ

ወርሒ መጸ ኣብ ምጅማር ወርሒ ዝግለጽ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ መጋቢት ዝኸውን እውን ብቅድስት መንበር ተገሊጹ። ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ መጋቢት ምሥጢረ ኑዛዜ ብዝተሓደሰ ዕምቈትን ክዝውተር በዚ ከኣ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረት እግዚአብሔር ንክነስተማቅር ንጸሊ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ዝግበር ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ብኣኦም ኣቢሉ ከኣ መላእ ቤተክርስትያን ክትጽልዮ ዘለዋ ስለ ምሥጢረ ንስሓ እዩ። እዚ ምሥጢር እዚ ብለውጢ ንስሓን ጣዕሳን ዝፍለጥ ኮይኑ ብቀንዱ ከኣ ምሥጢረ ዕርቂ ተባሂሉ እውን ወዲሰብ በዚ ምሥጢር እዚ ኣቢሉ ምስ ፈጣሪኡ ዝዕረቀሉ ዓቢ ጸጋ ከምዘውህብ እዩ። ብቀንዱ ከኣ ዘሐድስ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ስለዘለዎ ነዚ ዳግም ንክንረኽቦ ብጸሎት ክንደጋገፍ የድሊ። ኣብ ምሥጢረ ንስሓ ብዙሕ ግዜ ከም ኣብ ቅድሚ ሓደ ዳኛ ዝቅረብ እሞ ብፍርሕን ሽቊረራን ሕፍረትን ከም እትሽመም ዝገብር ትርጉሙ ብዝግባእ ሰኣን ምርዳእ ንዘጋጥም ጸገም ንክእርሙ ቅዱስነቶም ብዙሕ ግዜ ኣብ ኣስተምህሮታቶም እዚ ምሥጢር እዚ ነቲ ኣብ ምሳሌ ጥፉእ ወዲ ተገሊጹ ዘሎ መሓሪ ኣቦ እሞ ናብኡ ንክንምለስ ብፍቅሪ ዝጽበ ምርካብ ምዃኑ በዚ ከኣ እቶም ዘናዝዙ ካህናት ብምፍርራህ ዘይኮነ ብፍቅሪ ንኩሎም ናብ ኣቦ ከቅርቡ ዘዘኻኸርዎ ኣብ ቦታኡ እንከሎ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ከኣ ‘እግዚአብሔር ንቤተክርስትያኑ ዘሳቅዩ ካህናት ዘይኮነስ ምሕረት ዝመልኦም ካህናት ክህባ ንለምን’ እንክብሉ እቲ ሰማያዊ ምሕረት ኣብ መንበረ ኑዛዜ ክጅምር ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም።  በዚ ከኣ ካህናት ኣገልግሎቶም ተልእኮ ምሕረት እግዚአብሔር ምዃኑ ክዝንግዑ ከምዘይብሎም ክስቈሮም ንጸሊ ኢሎም።

ልኡካነ ምሕረት!

ቅዱስነቶም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝጨበጡላ ዕለት ጀሚሮም ወግሐ ጸብሐ ብዛዕባ ምሕረት እግዚአብሔር ከስተምህሩ ብዓቢኡ ከኣ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ብምእዋጅን ሓዋርያት ምሥጢረ ንስሓ ብምሥራዕን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ዘናዝዙ ካህነት ምሕረት ዘዘውትሩ ልኡኻት ምሕረት ኣምላኽ ክኾኑ ተማሕጺኖም። ኣብ ፍጻሜ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት እውን ሚዘሪኮርዳይ ኤት ሚዘራ ብእትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ከም ኢየሱስ ምሉኣት ምሕረትን ዕጉሳትን ክነከውን ሓደራ ኢሎም። ምናዳ ካህናት ምሥጢረ ንስሓ ኣብ ዝሠርዑሉ መሳኻኽር ርሕራሔ እግዚአብሔር ብምዃን ለጋሳት ዓደልቲ ምሕረት እግዚአብሔር ክኾኑ ተማሕጺኖም ነበሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት እውን ብዕለት 14 ለካቲት 2021 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘቅረብዎ ኣስተምህሮ ጉባኤ መልአከ እግዚአብሔር ነቶም ሕያዎት መናዘዝቲ ዓደልቲ ምሕረት እግዚአብሔርን ድሕሪ ኣመስጊኖም ‘እግዚአብሔር ካብ ምምሓርና ፈጺሙ ከምዘይደክም’ ገሊጾም ነበሩ። ንመላእ ወርሒ መጋቢት ኩልና ምሳኦም ሓቢርና ንእንጽልየሉ ሓሳብ ጸሎቶም ከኣ ወዲሰብ ወትሩ ኣድላይነት መለኮታዊ ፍቅሪ ከምዘለዎ ብምዝካር ሕመረት ምሥጢረ ንስሓ ከኣ ናብቲ በዚ ፍቅሪ እዚ ዝጽበየና ኢየሱስ ከምዝበጽሓና ንምብራህ ነዚ ዚስዕብ መልእኽቲ ርእየት ወይውን ቪድዮ ሰዲዶም።

“ክናዘዝ ዝኸደሉ ቀንዲ ምክንያት ንክሓዊ አመት ነፍሰይ ንምግባር እዩ። በዚ ከኣ ድሕሪ ኑዛዜ ዝለዓለ መንፈሳዊ ጥዕና እረክብ። ካብ ሕስረት ናብ ምሕረት እሰጋገር። ኣብ ማእከል ኑዛዜ ቀንዲ እቲ እንዝርዝሮ ሓጢኣት ዘይኮነ እቲ ኣብኡ እንቅበሎ መለኮታዊ ምሕረት እዩ። እዚ ምሕረት እዚ ከኣ ወትሩ የድልየና እዩ። ሕመረት ኑዛዜ እቲ ኣብ መንበረ ኑዛዜ ወትሩ ዝጽበየና ኢየሱስ ተቀቢሉ ከኣ ዝሰምዓናን ዝምሕረናን ንሱ እዩ። ነዚ ዘክሩ! ኣብ ልቢ እግዚአብሔር ቅድሚ ሓጢኣትና ንሕና ኣሎና። ንምሥጢረ ንስሓ ብዝተሓደሰ ዓሚቚ መንፈስ ንከዘውትሮ እሞ ጣዕሚ መወዳእታ ኣልቦ ምሕረት እግዚአብሔር ንምስትምቃር ንጸሊ። እግዚአድብሔር ንቤተክርስትያኑ ዘጨንቁ ካህናት ዘይኮነስ መሓርቲ ካህናት ክህባ ንጸሊ ኢሎም።”

ምሥጢረ ንስሓ ምሥጢረ ዕርቂ!

ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ‘ሓጢኣቱ ዝስቈሮን ነቲ ሓጢኣቱ ዝዂንኖን ዝፍንፍኖን ድሮ ምስ እግዚአብሔር ተሰማሚዑ ማለት እዩ’ ይብል ነበረ። ቀጺሉ ከኣ ‘ሠናይ ተግባራት ንሕማቅ ተግባራት ካብ ምልላይ ይጅምር’ እውን ይብል ነበረ። ዕርቅኸስ ንወዲሰብ ካብ ሰማያዊ ኣቦኡ ምሕረት ከምዝቅበል ይገብሮ። ኣብ ትምህርተ ክርስቶስ ቤተክርስትያን ደጋጊማ እዚ ምሥጢር እዚ ንተንሳሒ ሓጢኣተኛ ምስ እግዚአብሔር ዘተዓርቅ ፍቅሪ እግዚአብሔር ምዃኑ ትገልጽ። ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ምስ እግዚአብሔር ክትዕረቁ ንምሕጸነኩም ኣሎና’ (2 ቆሮ 5.20) ብምድጋም ከኣ ‘ኣብ ፍቅሪ መለኮታዊ ምሕረት እግዚአብሔር ዝነብር ነታ ጐይታ ‘ኪድ ቅድም ምስ ሓውኻ ተዓረቅ’ ንዝብል ትእዛዝ ክፍጽም ስንድ እዩ’ ቢላ ተስተምህር።

ብድምጺ ንምክትታል!
03 March 2021, 19:46