ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ምያንማር፥ ጽልእን ኢፍትሓውነትን ንዕርቂ ቦታ ይሕደጉ

ንመንእሰያት ደቃ እታ ፍቕርቲ ሃገር ጽልእን ኢፍትሓውነትን ንምርኻብን ዕርቅን ቦታ ዝሓድገሉ መጻኢ ዘማዕድው ተስፋ ክይንፈጐም እላበው

ዕለት 3 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ኣብ ምያንማር ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ዝፈጠሮ ጽንኩር ህልው ኩነታት እታ ሃገር እናሓሰቡ፡ እታ እስያዊት ሃገር ብዘተን ብሕድሕዳዊ ምርድዳእን ናብ ምሉእ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንኽትጓዓዝ ከምእተላበዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብታ ነበር ቢርማኒያ ብርቱዕ ውጥረትን ሁከትን ይስማዕ ከምዘሎን፡ እቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ዝሓለፈው ወርሒ ለካቲት ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ዝቃወም ሕዝቢ ኣብቲ ናይታ ሃገር ጐደናታት ዘካይድዎ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎን ክሳብ ሕጂ እውን ዕስራ ሰባት ከምእተቐትሉን እዚ ኹሉ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዙሕ ከምዘሰከፎምን ሓሳቦም እውን ናብታ ሃገር ሕዝቢ ኣቕኒዖም ዝኾነ ይኹን ምስሕሓብን ውጥረት ብሰላም ክፍታሕ ዘለዎም ተስፋ ክገልጹ እንከለዉ፥

ኣብ ምያንማር በቲ ተኽሲቱ ዘሎ ኣድማይ ግጭት ክሳብ ናይ ሰብ ሕይወት የጥፍእ ምህላዉ ዘሕዝን ዜና ይስማዕ ከምዘሎን እቶም ኣብቱ ጉዳይ ሓላፍነት ዘለዎም ሰበ ስልጣናት ኣብ ልዕሊ ጸቕጢ ዘተ ኣብ ልዕሊ ዘይምስምማዕ ስኒት ንኽዕብልል ኣቃልቦ ክገብሩ ጻውዒት አቕርብ፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እውን ናይ ሕዝቢ ምያንማር ኣስተንፍሶ ብዓመጽ መታን ከይተዓናቐፍ ኣብዚ መዳይ ክዓዪ እምሕጸን፡ ንመንእሰያት ደቃ እታ ፍቕርቲ ሃገር ጽልእን ኢፍትሓውነትን ንምርኻብን ዕርቅን ቦታ ዝሓድገሉ መጻኢ ዘማዕድው ተስፋ ክይንፈጐም እላበው፡ ኣብ መወዳእታ ደጊመ ከምቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ዝተበገሰ ናብ ደሞክራሲ ዝግበር ጉዕዞ እቶም ዝተኣስሩ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ናጻ ብምልቓቕ ብጭቡጥ ወስታ ዳግም ክቕጽል እላበው፡

ከምዝበሉ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ቤተ ክርስቲያን ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ተነቓቕሕ

እቲ ቅልውላው ካብ ዝተበገሰሉ ዕለት ኣትሒዛ ቤተ ክርስቲያን ዓመጽ ከብቕዕ ጻውዒት ካብ ምቕራብ ከምዘይቦኸረት ክንገር እንከሎ፡ ናይ ሃንጎን ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ምያንማር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ብጹዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ፥ ምያንማር ናብ ናይ ውግእ ዓውዲ ዝተለወጠት ተመስል ኣላ ከምዝበሉን፥ እቲ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝዓተረን ተቓወምትን ናይ ዘተን ዕርቅን መረሓ ግብሪ ከነቓቕሑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቲ በቲ ዝተኸስተ ዕልዋ መንግስቲ ዝተኾልፈ ናይ ደሞክራሲ ስርዓት ሕንጸት ኪደት ዳግም ክብገስን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከባ ናይ ደሞክራስያዊ ማሕበር መራሒት ኣኡንግ ሳን ሱ ክዪ ናጻ ክልቀቓን ከምዝሓተቱ ላ ቨላ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝተዘርገሔ ናይ ምያንማር ትእምርተ ምስላ ኮይኑ ዘሎ ተወላዲት ምያንማር ኣባል ማሕበር ደናግል ሳቨሪያን እናቴ ኣን ኑ ይዋንግ ኣብ ቅድሚ እቶም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ በታኒ ፍልዩ ሓይሊ ጸጥታ ፊት ተንበርኪኸን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ከይትኩሱን መጋበርያ ዘተ ክኾኑን ጻውዒት እንከቕርባ ዘርእይ ስእሊ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዘቕረበኦ ምሕጽንታ እወታዊ መልሲ ክረክብ ናይ ኩሉ ተስፋ ኮይኑ ከምዘሎ እውን ላ ቨላ ሓቢሮም።

03 March 2021, 23:50