ፍራንቸስኮ፥ ኣነ እውን ኣብ ጐደናታት ምያንማር እምብርከኽ

ሎሚ እውን ደጊመ ብዓቢይ ሓዘን እቲ ኣብ ምያንማር ንብዙሓት ዜጋታት ብፍላይ መንእሰያትን ጽባሕ ንሃገሮም ተስፋ ከስንቑ ሕይወቶም ዝስውኡ ዘለዉ እዝክር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፡ እቲ ወርሕን ፈረቓን ዘቑጽር ዘሎ ኣብ ምያንማር ብወተሃደራዊ ሓይሊ ስርሒት ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስትቲ ዝቃወም ሕዝባዊ ኣድማ ንምፍሻል ሓይሊ ጸጥታን ሓይሊ ምክልኻልን ዝወስድዎ ዘለዉ ዘይተመዓራረየ ስጉምቲ 150 ዜጋታት ንሞት ከምዝዳረገን ብሓፈሻኡ ቅዱስነቶም እቲ ጽንኩር ኵነት ምያንማር ጠቒሶም፡ ኣነ እውን ኣእዳወይ ሓፍ አብል ዓመጽ ከብቅዕ ጻውዒት አቕርብ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ልዕሊ ዓፈና ዘተ ኣብ ሎዕሊ ምቕሕሓር ስኒትን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነቲ ብዓመጽ ተጸቒጡ ንዘሎ ሕዝቢ ዘድሊ ሓገዝ ከቕርብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 17 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ደጊሞም ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ተወላዲት ምያንማር ኣባል ማሕበር ደናግል ሳቨሪያን እናቴ ኤን ኑ ታውንግ ኣብ ቅድሚ እቶም ናይ ሕዝቢ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክብትኑ ዝተላእኩ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ፊት ተምበርኪኸን ሕዝብኹም ኣይትቕተሉ ዓመጽ የብቅዕ እንክብላ ዝተማሕጸና ዘኪሮም ኣብ ምያንማር ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣዚዩ የሰክፈኒ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሎሚ እውን ደጊመ ብዓቢይ ሓዘን እቲ ኣብ ምያንማር ንብዙሓት ዜጋታት ብፍላይ መንእሰያትን ጽባሕ ንሃገሮም ተስፋ ከስንቑ ሕይወቶም ዝስውኡ ዘለዉ እዝክርን ዓመጽ የብቅዕ እብል! ኣነ እውን ኣእዳወይ ሓፍ ኣቢለ ዘተ ክሰፍን እላበው፡ ምፍሳስ ደም ዝፈትሖ ነገር የልቦን፡ ዘተ ይተዓወት!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ምያንማር ዕለት 1 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ወተሃደራዊ ሓይሊ ናይ ሕዝቢ ድላይ ዝሓረየን ኣብ ስልጣን ዝነበራ ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት ኣውንግ ሳን ሱ ክዪ ዝምራሕ  መንግስቲ  ክእለይ ገይሩን ንማእሰትሪ ከምዝዳረገንን ካልኦት ብዙሓት ናይ ይፖለቲካ ኣካላት እውን ፍጻሜኡን ከምኡ ይኸውን ከምዘሎን ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ተኣታትዩ ዘሎ ቅልውላው ህዝቢ ነቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ዝቃወም ዘካይዶ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ንምብታን ሓይሊ ምክልኻል ብዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ክሳብ ሕጂ 150 ዜጋታት ከምእተቐትሉ ዘይመንግስታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ይሕብራ።

ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለምን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን እቲ ኣብ ምያንማር ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ከብቕዕን እቲ ብግብረ ዕልዋ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቓዕቲ ደው ከብል ጻውዒት ይመሓላለፍ ከምዘሎን ዕለት 15 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምያንማር መዓልቲ ጸሎት ኣብ ዝኻየደሉ ዕለት ናይ ምያንማር ርእሰ ከተማ ያንጎን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ ኣብቲ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ተሳቲፎም እቲ ኣብ ምያንማር ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት ብዘተን ብፍትሕን መልሲ ክረክብ ጻውዒት ከምዘቕረቡ የዘኻኽር።

ጸብጻብ ዛዕባ እቲ ኣብ ምያንማር ተኸሲቱ ዘሎ መዓት

ብሰንኪ እቲ ወርሕን ፈረቓን ዘቑጽር ዘሎ ኣብ ምያንማር ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝፈጸሞ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ዝተኣታተወ ሕዝባዊ ናዕብን ተቓውሞን ሓይሊ ምክልኻል ኣድመይናታት ንምብታን ብዝወስድዎ ዘለዉ  ስጉምት ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ደቀንስትዮን ዝርከብዎም 149 ዜጋታት ከምእተቐትሉን ካልኦት 11 ዜጋታት ዕለት 15 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ከምእተቐትሉን ቅድሚ ዕለት 15 መጋቢት እውን 57 ዜጋታት ከምእተቐትሉን እቲ ናይ ዝቕተሉ ዜጋታት ቅጹር ርኢኻ እውን ኣብታ ሃገር ዝነበረ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ዝዓለወ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፍን ሓይሊ ምክልኻል ዝወስዶ ዘሎ ስጉምት እናተበራተዔ ይኸይድ ከምዘሎ ተስተውዕል፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይቶም ዝተቐትሉ ዚጋታት ቅጹሪ ካብቲ ፍሉጥ ኮይኑ ዝተገልጸ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ድርገት ኣብ ምያንማር ወኪል ራቪና ሻምዳሳኒ ሓቢሮም፡ ልዕሊ 2 ሺሕ ዝግመቱ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምእተዳጐኑን መግረፍቲ እውን የጋጥሞም ከምዘሎን ብዙሓት እውን ገና ሃለዋቶም ከምዘትይተፈልጠ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጉተረዝ፥ ኣብ ምያንምር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ግህሰት ክብ ይብል ኣሎ

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ምያንማር ዘሎ ህልው ኵነታት ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ዘካይድ ዘሎ ሕዝቢ ዝፍጸም ዘሎ መቕተልትን ማህሰይትን ማእሰርትን መግረፍትን ገሊጾም ናይቲ ውድብ ላዕለዋይ ናይ ጸጥታን ደህንንት ቤት ምኽሪ እውን ብወገኑ ኣብታ ሃገር ዘተ ክረጋገጽን ኪደት ስርዓት ደሞክራሲ ክብገስን” ከምዝሓተቱን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ እቲ ኣብ ምያንማር ዝርአይ ዘሎ ዓመጽ ክብቅዕ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣውንግ ሳን ሱ ክዪ

ኣብታ ሃገር ናይ መረብታዊ መራኽቦ ስለ ዝተቛረጸ እተን ሰብዓን ሓሙሽተን ዝዕድመኤን ናይ ምያንማር መራሒት መንግስቲ ዝነበራ ኣውንግ ሳን ሱ ክዪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝፈጸመ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዘቕረበለን ክሲ መሰረት ንፍርዲ ቤት ብመረብታዊ ውሕዘት ክሳተፋ ተጸዊዐን ከምዝነበራ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ ናይ መጀመሪያ ክሂሎት ስነ ስርዓት ክፍጸም ስለ ዘይተኻእለ እቲ ጉዳየን ዝከታተል ቤት ፍርዲ ነቲ ክሂሎት ንዝመጽእ ዘሎ ዕለት 24 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ከምዘሰጋገሮ ጠበቓዔን ክሂን ማኡንግ ዛው ከምዝገለጹን እዘን ኣብ ቀይዲ ዘለዋ በቲ ዕልዋ መንግስቲ ብዝፈጸመ ወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ ሓላፍነትን ዝተኣልያ ነበር መራሒት መንግስቲ ሚያንማር ኣውንግ ሳን ሱ ክዪ ኣብ 1991 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት ናጻ ክልቀቓ ሕዝቢ ሕቶኡ የቕርብ ከዘሎን ናይ ሮማ ከንቲባ ቪርጂኒያ ራጂ ብዘይ ቅድመ ኵነት ኣውንግ ሳን ሱ ኪዪ ናጻ ክልቀቓ ንሓትት ቢለን ኣብ ናይ ሮማ ከንቲባ ሕንጻ ስእለን ክስቀል እውን ከምዝገበራ ዜና ቫቲካን ይሕብር።  

18 March 2021, 11:35