2019.07.05 አቡናትን ካህናትንዓደልቲ ሥጋሁ ወደሙ 2019.07.05 አቡናትን ካህናትንዓደልቲ ሥጋሁ ወደሙ 

ካህናት ርሕሩሓት ናይ እግዚአብሔር ሰባት እምበር ኣኽረርቲ ክህነት ኣይኹኑ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሮማ ናይ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኮለጅ መክሲኮ ካህናት ተመህሮ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዜ ብዛዕባ ጸዋዕታ ክህነትን ኣገልግሎት ልኡኻት ኣብ ቤተክርስትያንን ብሕልና ክምርመር ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ብምምልካት ኣብዚ ግዜና ንዘሎ ፈተና መንፈስ ዓለማውነት ንምስዓር ብፍቅሪ እግዚአብሔር ክትኲስኰስን ክትህነጽን ፈቂድካ ከምቲ ፍቃዱ ልብኻ ምስፋሕን ነቶም ዚኣልዮም ዘይብሎም ንክትሕግዝ ምብጋስን የድሊ እንክብሉ ካህናት ናይ እግዚአብሔር ሰባት ክኾኑ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ከም ኩለን ኣብ ሮማ ዝርከባ ጳጳሳውያን ኮለጃት ጳጳሳዊ ኮለጅ መክሲኮ እውን ካብ መክሲኮ ንዝመጹ ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ካህናትን ዝኲስኲስ ዓቢ ገዳም ኰይኑ ንሃገረ መክሲኮን ካልኦትን ዘገልግሉ ብዙሓት ካህናት ዝፈረየ እዩ። ቅዱስነቶም ብኩሉ ኣመስጊኖም እንከብቅዑ ኣብ ዘመንና ንዘሎ ሻቅሎቶም ግን ኣይሓብኡን። ማሕበረሰብ ዓለምና ብዝተፈላለየ ጸገማት ከም እኒ ዓመጽን ዘይማዕርነትን ፍትሒ ምስኣንን እንክሳቀ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመትን ሕጅን ግን በቲ ንመላእ ዓለም ኣምበርኪኹ ዘሎ ሕማም ለበዳ ኮቪድ 19 ይልብለብ ስለዘሎ ኩሉ ዘመደ ኣዳም እኳ ዝተኻእሎ ክገብር እንተለዎ ካህን ግን ፍሉይ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ስለዝኾነ ተልእኮኡ ርሕራሔን ዕርቅን ሕውነትን ናብ ኩሉ ንከባጽሕ ከምዝተጸውዔ ክዝንግዕ የብሉን ኢሎም።

ቅዱስነቶም በቲ ቀንዲ ቋንቋ ብላቲን ኣመሪካ ዝፍለጥ ደቡብ አመሪካ ዝኾነ ቋንቋ እስፓኒሽ ኣብ ዘቅረብዎ ቃለ ምዕዳን ኣብዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናየን ሰለስተ ቃላት ርሕራሔን ዕርቅን ሕውነትን  በብሓደ ተንቲኖም። እዘን ባህርታት እዚኤን ከኣ ንተልእኮ ሕያዋይ ጓሳ ዘመልክታ ስለዝኾና ‘ኣብ ነፍሲወከፍ ካህን ክርከባ ኣለውን ማለት ነፍሲወከፍ ካህን ነቶም ሓደራ ዝተዋህባኦ ኣብ ትሒቱኡ ዝርከባ መጓሰስ ይኹን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ጠፊኤን ዘለዋ መጓሰ ነቲ ሓቀኛ ርሕራሔ ሕያዋይ ጓሳ ከርኢ ኣለዎ ከምኡ ኣብ ዕርቅን ሕውነትን። ምናልባት ኣብዘን ጉዳያት እዚኤን ዘይተዓወተ እንተሎ ሕጂ ጽጹይ መርመራ ሕልና ገሩ ጒድልነታቱ ክእርም ልዕሊ ኩሉ ከኣ ካብ ፈተና መንፈስ ዓለም ክርሕቅ ኣለዎ` ኢሎም።  ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ ከም ዝበሃል እቲ ብቀደሙ ብድኽነትን ካልእ ዓመጽን ፍትሒ ምጒዳልን ዝሳቀ ዝነበረ ሕዝቢ ሎሚ ከኣ ለበዳ ኮቪድ 19 ይድህኾ ስለዘሎ ነዚ ግዜ እዝን ድሕሪኡ ንዝመጽእ ግድልን ብከመይ ዝበለ መንፈስ ክገጥምዎ ከምዘለዎም ኣብሪሆምሎም።

ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘሎ ግድል!

ጳጳሳዊ ኮለጅ መክሲኮ ብ1967 ዓም ክምስረት እንከሎ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ጥራይ ንምኲስኳስን ንምምሃርን ነበረ እንተኾነ ኣብ ዝሰዓበ ዓመታት ኣድላይነት ዝለዓለ ሥልጠና ካህናት ስለዘድለየ ኣብ ዘርአ ክህነታት መክሲኮ ዘድሊ ትምህርትን ኲስኰሳን ተቀቢሎም ክህነት ዝተቀበሉ ንዝለዓለ ትምህርቲ ከካብ ሰበኻታቱ ክልኣኹ ጀሚሮምስ ብዙሓት ካህናት ትምህርቶም ወዲኦም ናብ ሕዝቦም ብምምላስ ዓበይቲ ኣገልግሎታት ኣወፍዮም ገና እውን የወፍዩ ኣለው። ብሽም ዝቀደሙን ዘለውን ተመህሮ ካህናትን ሓገዝቶምን ናይቲ ኮለጅ ሓላፊ ኣባ ቪክቶ ኡሊሰስ ቫስኰስ ሞረኖ ኣብ ዘቅረብዎ ቃል ሰላምታን ኩነታት ስብከተ ወንጌል ሃገረ መክሲኮን ዘሎ ግድላትን ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19 ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ኣብ ርእሲ ምሃቦም ለበዳ ኮቪድ 19 ከም ኣብ ኩሉ መሳርዕ ኅብረሰተብ ኣብ ኲስኰሳ ካህናት ጳጳሳዊ ኮለጅ መክሲኮ እውን ዓቢ ተጽዕኖ ከምዝፈጠረ ዝሃብዎ መርሂ ብምዝካር ቅዱስነቶም ንሓለቃ እቲ ኮለጅ ኣመስጊኖም። ነዚ ግድል እዚ መፍትሒ ብቀንዱ ካብ እግዚአብሔር እንክኸውን ካህናት እውን ከም ኣገልገልትን ጓሶትን መጠን ትሕትና ተላቢሶም ፊት ንፊት ክገጥምዎ ከምዘድሊ ገሊጾም ‘ኣነ ካህን እየ ዝብል ኣነነት ዝዓብለሎ ዝንባሌን ክውገድ ኣለዎ ካብ ሓላፍነት ከኣ ክሃድሙ የብሎምን ‘ኢሎም።

ብድዔን ካብ ሓላፍነት ምህዳምን ካብ ካህናት ይወገድ!

ቅድሚ ዝኣገረ እቶም ኣብ ኲስኰሳ ዝርከቡ ካህናት ዚኣክል መሠረታዊ ኲስኰሳ ትምህርትን መንፈሳውነትን ከምኡ እውን ሰብኣውን ጒስነታውን ስልጠና ብግቡእ ክወሃቦም ከምዘለዎ ዘመልከቱ ቅዱስነቶም ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ዘይዕበን ካብ ሓላፍነቱ ዘይሃድምን ሕልና ካህን ክውንኑ ሓደራ ኢሎም። ሕልና ካህን ዝውንን ጓሳ ቅድሚ ኩሉ ስራሑን ኣብ ፍጻሜ ስራሑን ሕልና መርመራ ይገብር እሞ እንተስ ካብኡ ዝጐደለ እንተስ ካብ ማህበሩ ዝጐደለ ጉዳያት ከይህሉ ጽጽይ ርእሰ ፈተሻ የካይድ። እዚ ከኣ እንተስ ብሸለልትነት እንተስ ብድኻምነት ዝረኤ ጉድለት እንተ ኣልዩ ኣብ ዝቀልጠፈ ግዜ ምእራሙ ይከኣል ኢሎም። ቅዱስነቶም ቀጺሎም ቀንዲ ውሉደ ክህነት ሎሚ ክጥንቀቁሉ ዘለዎም ፈተና እዚ ከኣ መንፈስ ዓለማውነት ኰይኑ ብቀንዱ እታ ሕልና ካህን ንዝበልዋ ብምድኻም ኣብ ደረጃ ዘይብቅዓት ኣውሪዱ ኣብ ብድዔን ሓላፍነት ከምዝግባእ ካብ ዘይምፍጻም ጀሚርካ ካብ ሓላፍነት ክሳብ ምህዳም ከብጽሕ ይኽእል። እዚ ህድማ እዚ ዝተፈላለየ ምስምስ ብምፍጣር ዝግበር ኮይኑ ነዚ መንፈስ እዚ ብዝበለጸ ዝገልጾ ዓቢ ሊቅ ደ ሉባክ ዝበሃል ‘መንፈስ ዓለማውነት ኣለው ካብ ዝበሃሉ ክፍኣታት ዝሓሰመ ክፍኣት ኰይኑ ክሳብ ዕሱባት ኣንስቲ ዘለዋኦም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዝህልው ዝገበረ እዩ ብዝኸፍአ ጐድኑ ከኣ ናብ ብልሽውና ዝመርሕ ማዕጾ እዩ’ ይብሎ። ስለዚ ካብዚ መንፈስ እዚ ክርሕቁ ሓደራ ኢሎምዎም። ካብዚ ፈተና እዝን ካልእን ንምድሓን ነንሕድሕዶም ክተሓጋገዙ ማንም ከይንጸልን ብሕትውና ጒስነት ከየጋጥሞን ክደጋገፉ ኣዘኻኺሮሞም።

ኣብ ጒስነት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማንም ከይንጸል!

ኣብ ዘመንና ጐሊሖም ካብ ዝረኣዩ ጸገማት እቲ ዘሰክፍ ኣብ መንእሰያት ዝረኤ ተስፋ ቊርጸትን ብልሽውናን ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ካብዚ ጸገማት እዚ ንምውጻእ እንትርፊ ኣብነት ማርያም ካልእ ኣብነት የለን ኢሎም። ናይ እኖና ድንግል ማርያም እናታዊ ርሕራሔ ነቲ ሰማያዊ ርሕራሔ እግዚአብሔር ኣቦና ዘንጸባርቅ ኰይኑ እዚ ከኣ ንኩሉ ብሰፊሕ ልቢ ምቅባል እዩ። ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ስለዚ ፍቅሪ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ጒስነትና በዚ መንፈስ ፍቅሪ እዚ ንክሃንጾ ንጐይታ ክነፍቅደሉ ኣሎና። ነዚ ምስ እንገብር ማንም ጓሳ ካብ ምሕጽንታናን ካብ ጸሎትናን ክንጸል ኣይኮነን። ከምዚ እትገብሮ ኣብ ገዛኡ ተዓጽዩ ዝንጸል ካህን ወይውን ኣብ ቤትጽሕፈቱ ተዓጽዩ ዝዕነድ ካህን ወይውን ኣብ ዝረብሕን ዘይረብሕን ጉዳያት ግዜኡ ብከንቱ ዘሕልፍ ካህን ኣይክህሉን እዩ። ሽዑ ብትብዓት ኣብ ጐዳናታትን ሻውላትን ወጺእካ ሰባት ክትጓሲ ይከኣል። ስለዚ ኣነ ካህን እየ ብማለት ካብ ኣክራርነት ክህነት ህደሙ። እዚ ግጉይ ኣተሓሳስባ እዩ። ስለዚ ናብ ኩሉ ብጽሑ ምናዳ ፍሉይ ቆላሕታ ኣብቶም ዝተናዕቁ ደቂ ኣባትን ህዝባዊ መግለጺ እምነታትን ምግባር የድሊ’ ኢሎም።

ፍሉይ ቆላሕታ ኣብቲ ዝተናዕቀ መበቆላውን ህዝባውን መንፈሳውነት!

ካብዚ ብምቅጻል ቅዱስነቶም ኣብ ዕርቂ ትብል ቃል ይሓልፉ እሞ ጓሶት ነፍሳት ‘ምክብባርን ምትህንናጽን ዝመልኦ ርክባት ንምድንፋዕን ከምቲ ኣብቲ ቲልማ ዝበሃል ናይቲ ሃገር ዝተኣልመ ክዳን ዘሎ ኣፍታል ብዝመስል ኣገባብ ኣብቲ ባህሊ ንዝርከብ ማሕበረሰባውን እምነታውን ሃብታት ምናዳ ነቶም መበቆላዊ ባህሊ ደቂኣባት ብምዃኖም ዝተናዕቁ ባህልታትን ህዝባዊ መንፈሳውነትን ዳግም ብመንፈስ ዕርቂ ምትእሳሮም የድሊ። ቅድሚ ዝኣገረ ኩሎም ብእግዚአብሔር ክዕረቁ ምዕዳሞም ምስዚ ብዝተታሓሓዘ ከኣ ፍትሒ ንክነግሥ ዝተኻእለኩም ኩሉ ምግባር የድሊ። ነዚ ብዝግባእ ምስ እትፍጽሙ ሕውነት ይፍጠር’ ኢሎም።

ሕውነት ምፍጣር!

ቅዱስነቶም ናብታ ከም ሳልሰይቲ ነጥቢ ዘቅርብዋ ሓሳብ ብምስጋር ዘመኑ ናብ ሕውነት ገጽና ክነድህብ ይዕድመና ኣሎ እንትርፊ ሕውነት ምድንፋዕ ካልእ ፍታሕ የለን። ኣብዚ ዓለምና ብምልእታ ብኩሉ መንገዲ ተራኺባ ኣብ ቊሸት ተለዊጣትሉ ዘላ ዘመን እዚ ሽሕ`ኳ ብዝተፈላለዩ መራኸቢታት ምናዳ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን እንተኣተኣሳሰረና ንኩልና ዝጥርንፍ ኣገባብን መንገዲ ሓድነት ሃሰስ ክብል ኣሎና። በዚ ገቢርና ከኣ ሕውነት ክንፈጥር ክንደፋፋእ ኢና እዚ ሕውነት እዚ ከኣ ኣብ መንጎ ባህልታት ዝግበር ርክብስ ይኹን ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ክርስትያን ክፍጠር ንዘለዎ ሓድነት ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ጉዳይ እዩ። ነዚ ጉዳይ እዚ ኣብ መራሕትን ጓሶትን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ደረጃ ኩሎም ወሪዱ ምእመናን እውን ክዕጠቀሉ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነዛ ሓባራዊት ገዛና ዝኾነት ዓለምን ክንከናኸናን ብግቡእ ክንጥቀመላን እንተኽኢልና ምስ ኩሎም ብምትሕብባር ሓነጽቲ ሓዲስ ዓለም ክንከውን ከም እንኽእል ምርግጋጽ የድሊ። ነዚ ንምግባር ከኣ ትሕትና ተላቢስካ ምሥጢረ እግዚአብሔር ምልክታት ግዝያት ብምርኣይ ንምስትንታን እምነትን ጥበብን የድሊ። ነዚ መንፈስ እዚ ንክነደንፍዕ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ተብርሃልና ኢሎም።

ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ!  

ኣብ ምዝዛም ምኽሮም ቅዱስነቶም ነታ ጠበቃ መክሲኮን መላእ ደቡብ ኣመሪካን ዝኾነ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ኣብነት ወንጌል ብምዃን ዝገለጸትሎም እምነት ጸጸኒሖም ነቲ መሠረት ካብ ምዕማቁ ከይበዂሩ እዚ መሰረታዊ እምነት እዚ ከኣ ኣብ ባህሎም ዝተሰረተ ስለዝኾነ ምናዳ ነቶም ኣብ ክህነቱ ዝሳተፉ ደቃ ብፍሉይ እናታዊ ፍቅሪ ከም እትሓልየሎም ብምርዳእ ወትሩ ናብኡ ክምዕቈቡ ኣዘኻኺሮም።

ቅዱስነቶም ኣብ ምጅማር ቃለ ምዕዳኖም እውን ንድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ንምዝካር ነቲ ብ2016 ዓም ናብ ሃገረ መክሲኮ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ብምዝካር ‘ምስቲ ቅዱስ ሕዝቢ እግዚአብሔር ዝገበርክዎ ርክብ ክሳብ ሎሚ ሕያው ዝኽሪ ኰይኑ ኣብ ልበይ ይመላለስ ኣሎ። ዓመት ዓመት ከኣ ኣብዚ ሃገረ ቫቲካን ኣብ እነብዕሎ ዓመታዊ ዝኽራ ሕያው ይኸውን። ነዚ ክኸውን እትገብር ከኣ እታ ከደረይቲ ኣደ እግዚአብሔርን ኣደናን ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ እያ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ብሓዋርያዊ ቡራኬ እንከፋንውዎም ነቶም ክረኽብዎም ዝመጹ ኣባላት ጳጳሳዊ ኮለጅ መክሲኮስ ይኹን ንምሉእ ውሉደ ክህነት መክሲኮ ኣብ ሓለዋ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐን ቅዱስ ዮሴፍን ብምምሕጻን ኣፋነውዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 March 2021, 12:49