ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ማሪዮ ድራጊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ማሪዮ ድራጊ 

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ማሪዮ ድራጊ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ኣብዚ ስነ ስርዓት’ዚ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ድራጊ ምርኻብኩም ኣመስግን” ከምዝበሉ

ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣባይቲ ፍርዲ መበል 92 ናይ ፍትሕን ሕግን ናይ ዕዮ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብወግዒ መሪቖም ኣብ ዝከፈትሉ ስነ ስርዓት ዝተረኽቡ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ማሪዮ ድራጊ ምስ ቅዱስነቶም ከምእተራኸቡን ናይቲ ኣባይቲ ፍርዲ ናይ ዕዮ ዘመን መኽፈቲ ምኽንያት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ከምእተሳተፉን ኣብ ካፐላ ሲስቲና እውን ምብጻስሕ ከምዘካየዱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣባይቲ ፍርዲ ናይ ለምዘበን ናይ ዕዮ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘስምዕዎ መደረ መሪቖም ኣብ ዝኸፈትሉ ስነ ስርዓት ዝተረኽቡ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ማሪዮ ድራጊ ምስ ቅዱስነቶም ከምእተራኸቡን ማሪዮ ድራጊ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ኮይኖም ካብ ዝተሰምዩ ከም መርሔ መንግስቲ ምስ ቅዱስነቶም ክራኸቡ ንፈለማ ግዜ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ኣብዚ ስነ ስርዓት’ዚ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ድራጊ ምርኻብኩም ኣመስግን” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅድሚ እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣባይቲ ፍርዲ ናይ ለምዘበን ናይ ዕዮ ዘመን መኽፈቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተሳተፉን ቅድም ኣቢሎም እውን ኣብ ሲስቲና ቤተ ጸሎት ሓጺር ዑደት ከምዘካየዱ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብቲ እዋን ናይ ኤውሮጳ ማእከላይ ባንኪ ቤት ኣቦ መንበር ኮይኖም ዘገልግሉ ምስ ዝነበሩ ማሪያ ድራጊን ምስ ስድራ ቤቶምን ተራኺቦም ከምዝነበሩን ኣብ ወርሒ ሓመለ 2020 ዓ.ም. ቅዱስነቶን ንድራጊ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕብረተሰብኣዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣባል እንክብሉ ከምዝሰመይዎም የዘኻኽር።

30 March 2021, 14:50