ከምቲ ናይ ጐ.ኢ.ክ ኣብ ቀራንዮ ዘጋጠመ ኩሎም ጠሊሞምና ንብሕትና ኮይኑ ምስ ዝስምዓና ድንግል ማርያም ኣብጐንና ኣላ! ር.ሊ.ጳ

‘ሽዑ ደብረ ዘይቲ ኻብ ዚብሀል፡ ንኢየሩሳሌም ከኣ መገዲ ሰንበት ዚኣክል ካብ ዚቐርብ ከረን፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ናብታ ደርቢ ደየቡ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን እንድርያስን ፊልጶስን ቶማስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ስምኦን ቀናእን ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ብሓንሳእ ይነብሩ ነበሩ። እዚኣቶም ኲሎም ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ ኢየሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሐቢሮም ይጽልዩ ነበሩ።’(ግሐ 1,12-14)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ሎሚ እነቅርቦ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ጸሎት ኰይኑ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ምስ ቅድስት ድንግል ብምሕባር ንዝግበር ጸሎት ክንምልከት ኢና። ጽቡቅ ኣጋጣሚ ኰይኑ ከኣ ኣብ ድሮ በዓል ትስብእቱ ብሥራት ገብርኤል ንገብሮ ኣሎና። ትስብእቲ ኢየሱስ እቲ ዝዓበየ መምህር ጸሎት ክርስትና ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ስለዝኾነ ኸኣ ኣብ ጸሎት ክርስትና ጥራይ ዝርከብ ፍሉይ ምትእምማን ጸሎት ብዘይ ምሥጢረ ሥጋዌ ትርጉም ኣልቦ ምኾነ ነይሮ። ምሥጢረ ሥጋዌ ካብ ዝዓደለና ዓበይቲ ነገራት ብመንፈስ ቅዱስ ውሉዳዊ ምትእስሳር ምስ እግዚአብሔር ኣቦ ከምዝህልወና ምግባሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ሓዋርያት ምስ ሕያዎት ኣንስትን እኖና ድንግል ማርያምን ብሓባር ድሕሪ ዕርገት ኢየሱስ እንክጽልዩ ዝትርኽ ንሰምዕ ጸኒሕና። እዚኣ እታ ቀዳመይቲ ማሕበረ ክርስትያን ኰይና ነቲ ኢየሱስ ዘተስፈዎም ውህበት ክቅበሉ እናጸልዩ ይጽበዩ ነበሩ።

ክርስቶስ መንጎኛና እዩ። ብኣኡ ኣቢልና ናብ እግዚአብሔር ኣቦ ንምብጻሕ ዝሕግዝ ድልድል እዩ። (ትምህርተ ክርስቶስ ቊ. 2674 ተመልከት) ኢየሱስ እንኮ መድሓኒ እዩ። ብዘይካ ኢየሱስ ኣብ ድሕነት ዝውሰኹ የለውን። ንሱ ንበይኑ እዩ ዝለዓለ መንጎኛ። መማለዲ እዩ። ናብ እግዝአብሔር እነዕርጎ ነፍሲወከፍ ጸሎት ብክርስቶስ ምስ ክርስቶስ ንክርስቶስ እዩ። እዚ ከኣ ነታ መንጎኘቱ ምስጋና ይኹና ተሰማዒ ይኸውን። መንፈስ ቅዱስ ንመንጎኝነት ክርስቶስ ኣብ ኩሉ ቦታን ኣብ ዝኾነ ግዜን የስፍሖ። እትርፊ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክንድሕነሉ እንኽእል ካልእ ስም የለን (ግሐ 4,12)። ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ደቂሰባት እንኮ መንጎኛ ኢየሱስ ጥራይ እዩ።

ካብዛ እንኮ መንጎኝነት ክርስቶስ እቲ ካልእ ኩሉ ክርስትያን ዝገብሮ ጸሎትን ተወፋይነትን ትርጉምን ዋጋን ይረክብ። ቅድሚ ዝኣገረ ነዚ እትቅበልን ምሉእ ብምሉኡ እትጥቀመሉን ድንግል ማርያም ኣደ ኢየሱስ እያ።

ኣደ ኢየሱስ ብምዃና ከኣ ኣብ ጸሎት ክርስትያንን ኣብ ሕይወት ዘመደ ኣዳምን ፍሉይ ናይ ክብሪ ቦታ ትውንን። ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ኦዲጂትርያ እንክብሉ ይሰምይዋ እዚ ከኣ ሓባሪት መንገዲ ማለት ኰይኑ እቲ መንገዲ ከኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብዚ ቅጅል ዝብለኒ ኣብ ካተድራል ባሪ ሃገረ ጣልያን ዝርከብ እኖና ድንግል ማርያም ናብቲ ክዳውንቲ ተገፊፉ ዕራቁ ዘሎ ኢየሱስ እንክተመልክት ዘላ ስእሊ እትምህሮ እዩ። ንዕርቃኑ ክሽፍኑ ኣብ ዝሰዓበ ዘመናት ሰደርያ ገሮምሉ እንተ እቲ ሓቂ ኣብ መጀመርታ ኢየሱስ ካብ ድንግል ማርያም ዝተወልደ ሰብ ምዃኑ ንምግላጽ ዕራቁ እዮም ስኢሎም ነሮም። ንሱ እንኮ መማለዲ ምዃኑ እኖና ድንግል ናብኡ እንክተመልክት ሓባሪት መንግዲ ኰይና ትቀርብ። ኣብ ኣሳእል ኢቆናታት ክርስትና ንሳ ኣብ ኩሉ ትርከብ ሓንሳእ ሓንሳእ ዕብይ ብዝበለ ስእሊ እንተኾነ ወትሩ ምስለ ፍቁር ወልዳን ምሳኡ ብምውህሃድን እያ ትቀርብ። ኣእዳዋ ኣዕይንታ ኣቀማምጥኣ ህያው ትምህርቲ ክርስቶስ ኰይኑ ወትሩ ነቲ ሕመረት ድሕነት ማለት ንኢየሱስ የመልክት። እኖና ድንግል ማርያም ምሉእ ብምሉኡ ናቱ ነራ ይብል (ትምህርተ ክርስቶስ 2674)። ኣብዚ እኖና ድንግል ልዕሊ ኣደ ምዃና ሓዋርያ ምዃና ክንምልከት ንኽእል። እታ ኣብ ቃና ዘገሊላ ዝሃበታ ሓበሬታኸስ ነዚ የመልክት። ነቶም ተለኣኣኽቲ `ንሱ ዝበልኩም ኩሉ ግበሩ’ ትብሎም። ወትሩ ናብ ኢየሱስ ምስ ኣመልከተት እያ በዚ ከኣ ቀዳመይቲ ሓዋርያ ንብላ።

ኣብ ምሉእ መነባብሮ ሕይወት ኣብዚ ምድሪ እዚ ድንግል ማርያም ዝገበረቶኸስ እዚ ነበረ ንወትሩ ከኣ ትዕቅቦ። ማለት ትሕቲ ኣገልጋሊት እግዚአብሔር ኰይና ትቅጽል ኣላ። ክንዮ ኣገልጋሊት እግዚአብሔር ምዃን ካልእ ዋላ ሓንቲ የብላን። ኣብ ወንጌላት ሓንሳእ ሓንሳእ ዳርጋ ዘየላ ክትመስል ትጸንሕ እሞ ጽንሕ ኢላ ከኣ ኣብ ወሳኒ ፍጻሜታት ቅልቅል ትብል። ከም ኣብ ቃና ዘገሊላ ነቲ ሓልዮታዊ ኣማልድነታ ምስጋና ይኹኖ ወዳ ቀዳማይ ተኣምሩ ዝፈጸመሉ (ዮሓ 2.1) ከምኡ እውን ኣብ ፍጻሜ ኩሉ ኣብ እግሪ መስቀል ኣብ ጎልጎልታ ትቅልቀል።

ኣብ ጎልጎልታ ኣብታ መራር ግዜ ስንብት ኢየሱስ ቀቅድሚ ሞቱ ኣደነት ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ንዘፍቅሮ ሓዋርያ ናብኣ ብምምዕቋቡ ንመላእ ቤተክስትያን ኣስፍሖ። ካብታ ግዜ እቲኣ ጀሚርና ንሕና ኩልና ከምቲ ኣብ ገሊኡ ስእልታት ማእከላይ ዘመን ዝግለጽ ኣብ ትሕቲ ባርኖሳ ተማዕቊብና ኢና። እታ ንመጀመርያ ዝተደርሰት ማህሌት ላቲን እውን ኦ ወላዲተ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ክንፍኺ ንምሕጸን ይብል። ቅድስት እኖና ድንግል ማርያምከስ በቲ ኢየሱስ ዝሃበና ሓደራ ኣደነት ንዓና ንኩልና ብባርኖስና ተጽልለና። ነዚ ግን ከም ኣምላኽ መድሓኒት ኰይና ዘይኮነ ከም ኣደ ትገብሮ። ርግጽ እዚ መንፈሳውነት ክርስትና ዝተፈላለየ ምሩጽ ቅጽላት ይሽልማ። እዚ ግን ከምቲ ሓደ ውሉድ ንኣዲኡ ፍቅሩ ክገልጽ ዝጥቀመሉ ቃላት እዩ። ኣብዚ ክንጥንቀቀሉ ዘሎና ጉዳይ ኣሎ። ክርስትያን ብፍቅሪ ተደፊኦም ዝበሉ ይበልዋ ናይቲ እንኮን ፍሉይን ዝኾነ ንኢየሱስ ጥራይ ዝወሃብ ድሕነት ዘጒድሎ የብሉን። እዚ ኣይትንከፍን እዩ። ንሱ እቲ እንኮ መድሓኒ እዩ። ብዘይካኡ ካልእ መድሓኒ የልቦን። ንእኖና ድንግል ማርያም እነቅርቦ ሽሕ’ኳ ሓንሳእ ሓንሳእ ዝተጋነነ እንተኾነ መግለጺ ፍቅሪ ኣደ እዩ። እንተኾነ ፍቅሪ ብዙሕ ግዜ ዝተጋነኑ ነገራት ንክንብልን ንክንገብርን ይደፋፍኣና እንተኾነ ወትሩ ብፍቅሪ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።

በዚከምዚኸስ ብገለገለ ቀጥታ ንዓኣ ዝምልከታ ኣብ ወንጌል ዝርከባ ቃላት ገቢርና ክንልምና ጀሚርና። ‘ምልእተ ጸጋ እንካብ ኩለን ኣንስቲ ዝተባረኽኪ’ ዝብላ ቃላት ወንጌል ነዘውትር። (ትምህርተ ክርስቶስ 2676) ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ኣብ ዝድግመሉ እዋን ኣብ ልዕሊ እዘን ቃላት ወንጌል ንጉባኤ ኤፌውሶን ስዒቡ እታ ብግሪኽ ተዮቶኮስ እትብል እኖ ኣምላኽ እውን ከምተወሰኸ ንርኢ። ከምቲ ኣብ ኣቡነ ዘበሰማያት እንገብሮ ማለት ድሕሪ ምስጋናን ውዳሴ ዘድልየና ጉዳይ እንልምኖ ኣብ ምዝዛም ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ እውን ስለ ሓጢኣተኛታት ዝኾና ስለለና ብርሕራሔ ክተማልደልና ነዚ ከኣ ኣብዚ ምድሪ እዚ እንከሎናን ድሕሪ ሞትናን ክትገብሮ ንምሕጸና። ሕጅን ክንብል እንከሎና ኣብዛ ምድሪ ኣብ ጭቡጥ ኩነታት መነባብሮ ሕይወትና ከም ኣደን ቀዳመይቲ ሓዋርያን ክሳብ ንዘለዓለማዊ ሕይወት እንሓልፍ ክተሰንየና ክሳብ ግዜ ሞትና ንምሕጸና።

እኖና ድንግል ማርያምከስ ከም ርእሲ ናይቶም ካብዚ ዓለም እዚ ዚሓልፉ ደቃ ኰይና ወትሩ ህልውቲ እያ። ሓደ ሰብ ኩሎም ገዲፎሞ በይኑ ኣብ ዝርከበሉ ግዜ ንሳ ኣደ ስለዝኾነት ከምቲ ኣብ ቀራንዮ ኩሎም ጠንጢኖም በይኑ ኣብ መስቀል ዝተረፋ ወዳ ዝገበረቶ ወትሩ ኣብ ጐድኑ ኣላ።

ሕጂ እውን እንተኾነ ኣብዚ ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ጐድኒ እቶም ብዘሕዝን ኩነታት ተነጺሎም ጒዕዞ ሕይወቶም ዝዛሙ ዘጸናንዖምን ዝረድኦምን ዘይረኸቡ ወላ እቶም ዝፈትውዎም ቤተሰቦም እውን ክቀርብዎም ኣብ ዘይከኣሉሉ ሕሱም ግዜ ኣብ ጐድኖም ኰይና ትረድእን ተጸናንዕን ኣላ። ማርያምከስ ወትሩ ኣብ ጐድንና ኰይና ብእናታዊ ርሕራሔ ዝመልኦ ፍቅራ ተሰንየና።

ናብ ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ዝቀርቡ ጸሎታትከስ ንከንቱ ኣይኮኑን። ንሳ እሺ ሕራይ ብማለት ንዕድመ ናይቲ መልኣኽ ዝተቀበለት ንድምጽታትና ትሰምዕ ንጸሎትና ኸኣ ትምልሽ። ናይቶም ልቦም ዓጽዮም ክወጹ ዝተጸገሙ ድምጾም ዘየስምዑ እውን ትሰምዕ ከመይ እግዚአብሔር ካብቲ ንሕና ንገዛእ ርእስና ንፈልጦ ኢና እንብሎ ንላዕሊ ናይ ልብናን ውሽጥናን ስለዝፈልጥ ነቶም ድምጾም ከስምዑ ትብዓት ዝሰኣኑ ኣብ ልቦም ዘሎ ይርኢ እዩ። ንሳ እውን ከም ኣደ ትሰምዖም። ከም ማንም ኣደን ልዕሊ ኩለን ኣደታት ሕያወይቲ ብምዃናን እኖና ድንግል ማርያም ካብ ሓደጋ ትኸላኸለልና ስለና ትሻቀልን። ነዚ ዋላ ኣብቲ ንሕና ኣንፈት ኣጥፊእና ብዛዕባ ዘሻቅለና ጒዳያት ጥራይ ብምሕሳብ ተወጢርና ንጥዕና ሥጋና ጥራይ ዘይኮነ ንጉዳይ ድሕነትና እውን ኣብ ሓደጋ ኣብ እንውድቀሉ ግዜ ማርያም ኣብ ጐድንና ኰይና ስለና ትጽሊ ስለቲ ዘይጽሊ ትጽሊ። ስለምንታይ እያ ምሳና ስለና ትጸሊ ቢሉ ንዝሓትት መልሱ ኣደና ስለዝኾነት እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

24 March 2021, 21:56
ንኩሉ ኣንብብ >