2018 ዓ.ም. ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ማክሮን 2018 ዓ.ም. ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ማክሮን 

ስልካዊ ርክብ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳጳሳትን ርእሰ ብሔር ፈረንሳን

ኣብቲ ዕለት 21 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ዝተኻየደ ክሌኣዊ ስልካዊ ርክብ፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ኣጓኒፉ ዘሎ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ክንክን ጥዕናን

ዕለት 21 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ.ን ርእሰ ብሔር ፈረንሳን ብስልኪ ክሌኣዊ ርክብ ከምእተካየደን፥ እቲ ብስልኪ ዘካየድዎ ዘተ፥ ካብቲ ኣብዚ  እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝተበገሰ ኣህጉራውያንን ኣብ ኣፍሪቃ ምስፋሕ ጅሃዳውያንን ዝብሉ ዓበይትን ሕቶታት ኣማእኪሎም ከምዝዘተዩን ከምኡ እውን እቲ ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 5 መጋቢት ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝዘከረ እውን ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ብስልኪ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ካብቲ ቅዱስነቶም ኣብ ዒራቕ ካብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝተበገሰ ምንባሩን ቅድም ክብል እውን ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ቅዱስ ኣቦና ዕለት 13 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ዝኽሪ ሻምናይ ዓመት ሕርየቶም ምኽንያት ናብ  ቅዱስነቶም ናይ እንቋዕ ኣብቅዓኵም መልእኽቶ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ከባቢ ወሽመጥ ኣብ እትርከብ ሃገር ዘካየድዎ ምብጻሕ ንማእከላይ ምብራቕ ንዓቢይ ለውጢ ዝድርኽ ተባዕ ምብጻሕ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ኣመላኺቱ፥

ኣብቲ ዕለት 21 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ዝተኻየደ ክሌኣዊ ስልካዊ ርክብ፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ኣጓኒፉ ዘሎ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ክንክን ጥዕናን በዚ ምኽንያት’ዚ እውን ቅዱስነቶም ዕለት 20 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ነዚ ጉዳይ እዚ ብቐረባ ዝከታተል ብናይ ምሉእ ኵላዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ብዝሓልይ ላዕለዋይ ቤተ ጽህፈት ዝመሓደር ኣብዚ እዋን ለብዕን ዛዕባ ድህረ ለብዒ ኮቪድን ኣብ ዝብል መዳይ ዝዓዪ ፍሉይ ድርገት ክቐውም ከምዝገበሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ከምቲ ቅዱስነቶም ምስ ተወላዲ ዓባይ ብሪጣኒያ ኣውስተን ኢቨራይት ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ደሓር ኢቨራይት ንንባብ ኣብ ዘብቅዕዎ መጻሓፍ ከምዝብልዎ፡ ናብ ምሕላም ንኽንምለስ የድልየና እንክብሉ ዘስመሩኡ ሓሳብ ዘቃልሕ ምዃኑ ዜና ቫቲክን ኣዘኻኺሩ፡ ኣብቲ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳጳሳትን ማክሮንን ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ዓለም ምርግጋእ ዝህውዅ ንኣብነት ኣብ ኣፍሪቃ ዝረአይ ዘሎ ምስፍሕ ጅሃዳውያንን ብፍላይ ኣብ ዞባ ሳሔልን ህልው ኩነታት ሊባኖስን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ሓሳብ ንሓሳብ ከምእተለዋወጥ ካብ መንግስቲ ፈረንሳ ዝወጸ ምንጪ ዜና የመላኽት።

እዚ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ ናይ ፈለማ ከምዘይኮነን ቅድም ክብል እውን ዕለት 30 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ባዚሊካ ኖትረ ዳም ዘኒስ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ምኽንያት ብስልኪ ተራኺቦም ከምዝነበሩን ዕለት 26 ሰነ 20218 ዓ.ም. ርእሰ ብሔር ማክሮም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዶ ብቕዱስ ኣቦና ኣቀባብላ ተገይሩሎም ከምዝነበረ እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

24 March 2021, 13:08