ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣናዛዚ ካህን ሓውን ኣቦን መጸናንዕን እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣናዛዚ ካህን ሓውን ኣቦን መጸናንዕን እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣናዛዚ ካህን ሓውን ኣቦን መጸናንዕን እዩ

ሕያዋይ ኣናዛዚ እቲ ቀዳምነት ፍቕሪ ንብጻይካ ምፍቃር ግድነታዊ ከምዝኾነ ዘመላኽት እዩ፡ ሓውኻ ምፍቓር እግዚኣብሔር ንምፍቃር እንዕለመሉ ኵነት እዩ፡ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበር ማለት ከኣ ምስ እዚ ፍቕሪ ዝመጣጠን ሕይወት ንበር ማለት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ነፍሲ ወከፍና ካልኦት ኣብ ምስጢረ ዕርቂ ናይ ዝማረኸናን ሕይወትና ዝለወጠን ዝተራኸብንዮ ፍቕሪ ንኽራኸቡ መታን ንምግልጋል ስንድዋት ዝኾንና ዝተምሓሩ ሓጥኣን ኢና”፡ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምዕዳን ነቶም ኣብቲ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ኣብ ዘስሰናደዎ ናይ ውሽጢ ዓውደ መጽናዕቲ ንዝሳተፉ ዘለዉ ተቐቢሎም ከምዝለገሱን፡ ኣናዛዚ ካህን ኣብቲ ዝናዘዝ ከቢድ ስቓይ ዝተመልኦ ምጥዓስ ክርእይ እንከሎ ካልእ ዝሓትቶ ነገር ኣይሃሉ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ኣብ ዘሰናደዎ መበል 31 ውሽጣዊ ግባኤ መደብ ሕንጸት ንዝሳተፉ ዘለዉ 870 ካህናት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡ እዚ ዓይነት መደብ ሕንጸት በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ዝሰናደው ምዃኑ ክዝከር እንከሎ፡ “ዓቢይ ጸሞ ናይ ንስሓን ናይ ምብድረ በዳን እዋን እዩ፡ ምሕረት እግዚኣብሔር እንቕበለሉ” እዋን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዝልውጠና ፍቕሪ ንኻልኦት ምፍቃር ኣብ ዝብል ሕይወት የዕብየና፡ እግዚኣብሔር ንኣና ዘለዎ ፍቕርን ምሕረትን ንኻልኦት ኣብ ምፍቓርና እዩ ሚዛኑ። ንሱ ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ ፍጹም እዩ፡ ነዚ ፍቕሪ እዚ እንህቦ ፍቕራዊ መልሲ ንኽልኦት ኣብ ምፍቃር ብግብሪ ይምስከር ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣናዛዚ ካህን ሓውን ኣቦን መጸናንዕን እዩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣናዛዚ ካህን ሓውን ኣቦን መጸናንዕን እዩ

እናዛዚ ብፍቕሪ ተኣንጊደ ዝብል ሓዉ ንዘይ-ምፍቃር ኣይከኣሎን! ገዛእ ርእሱ ንፍቕሪ ዝሃበ ኣብ ጭንቅን መከራንንዝርከቡ ዘየአንግድ ክኸውን ኣይኽእልን፡ ብእዝግዚኣብሔር ዝተመሓረ ንሓዉ ዘይምሕር ክኸውን ዝከኣሎ ኣይኮነን፡

ቢሎም ቅድም ቀዳድም ገዛእ ርእስኻ ንኽትፍቀር ሕራይ ምባል ግብረ እምነት እዩ፡ እግዚኣብሔር ይጽውዕ ሰብ ድማ ይምልስ፡ ናብ ምስጢረ ንስሓ ምቕራብ ማለት ንጣር ርስሓት ንምእላይ ናብ ቤት ሕጽቦ ምኻድ ማለት ኣይኮነን፥

እምነት ምስ ምሕረትን ምስቲ ምሕረት ዝኾነ እግዚኣብሔር ምርኻብን ማለት እዩ፡ ስም እግዚኣብሔር ምሕረት እዩ፡ ኣብቲ ኣዚዩ ዘድልየናን ኣብ ገለ ገለ እዋን እነኹልካ ንምባል እንፈርሓሉ ኣብ ሕቕፎ ፍቕሩን ምሕረቱን ሓልዮቱን ገዛእ ርእስኻ ምቕራብ ማለት እዩ፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣናዛዚ ካህን ሓውን ኣቦን መጸናንዕን እዩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣናዛዚ ካህን ሓውን ኣቦን መጸናንዕን እዩ

እቲ ሓደጋ በተን ጓህን ምረትን ብሕትውናን ዘስዕባ ምስ ናይ ዓለም ኣተሓሳስባ ኣእዳው ምርኻብ እዩ፡ ኣናዛዚ ካህን ምስጢረ ንስሓ፥ እቲ ስለ ሓጢኣቱ ዝስምዖ ሓዘን ዘስተርእይ ምሕረት ዝቕበለሉ ስፍራ ከምዝኾነ ብዘመስክር ብቕዓት ዘገርመና እዩ ክኽውን ዝለዎ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣናዛዚ ካህን ሓውን ኣቦን መጸናንዕን እዩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣናዛዚ ካህን ሓውን ኣቦን መጸናንዕን እዩ

ኵሉ ክመሓር መታን ኵሉ እነሀ ቢልካ ምቕራብ

እቲ ካልኣይ ቅዱስነቶም ዘመላኸትዎ ሓሳብ፥ “ብፍቕሪ ንኽትልወጥ ምፍቃድ” ዝብል እዩ፡ . . . ናይዚ ጭቡጥ ኣብነት ከኣ ስቑል ኢየሱስ እዩ፡ “ኵሉ ይቕረ ከበሃለልና መታን ኵለንተናኻ ምቕራብ” . . .

እቲ ዝናዘዝ ኣብቲ ናይቲ ዘእንግድ ፍቕርን ጸጋን መግለጺ ጮራ ዝኾነ ምስጢረ ንስሓ ዘካይዶ ዘተ ዝተለወጠ ህይወት ንምብጋስ ኣብ ንስሓ ናይ ዝዕደል እምኒ ዝኾነ ልቢ ናብ ስጋዊ ልቢ ምስ ዝልውጥ ጸጋ እዩ ዝራኸብ።

ኣብ ፍቕሪ ዘሰልጥን ስፍራ

ቅዱስነቶም ብሳልሳይ ደረጃ፥ እቲ ኣናዛዚ ካህና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣናዛዚ ካህን ሓውን ኣቦን መጸናንዕን እዩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣናዛዚ ካህን ሓውን ኣቦን መጸናንዕን እዩ

ሕያዋይ ኣናዛዚ እቲ ቀዳምነት ፍቕሪ ንብጻይካ ምፍቃር ግድነታዊ ከምዝኾነ ዘመላኽት እዩ፡ ሓውኻ ምፍቓር እግዚኣብሔር ንምፍቃር እንዕለመሉ ኵነት እዩ፡ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበር ማለት ከኣ ምስ እዚ ፍቕሪ ዝመጣጠን ሕይወት ንበር ማለት እዩ፡

እንክብሉ ኣብሪሆም፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣናዛዚ ካህን ሓውን ኣቦን መጸናንዕን እዩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣናዛዚ ካህን ሓውን ኣቦን መጸናንዕን እዩ

ናይ እምነት ቤት-ትምህርቲ

ብቐጻሊ ምትዕራቕ ንተናዛዚ ኮነ ነናዛዚ ካህን ናይ ቅድስና መገድን ናይ እምነት ቤት ትምህርትን እዩ፡ . . . ስለዚህ ምስጢረ ንስሓ ነቲ ቕዱስ ዝኾነ ህዝበ እግዚኣብሔር ንቕድስናኡ ዝግልገለሉ ቅዱስ መጋበርያ እዩ።

ዝተፈተኹም ኣሕዋተይ ነፍሲ ወከፍና ዝተመሓረ ሓጥእ ኢና፥ እዚ ክንርስዕዕ የብልናን፥ ዝተመሓሩ ሓጥኣን ከምዝኾንና እንተድኣ ዘንጊዕናን ዘይንናዘዝ እንተድኣ ኮይንና. . . ዘናዝዝ ካህን ኣይንኹን፥ ኣናዛዚ ካህን ሓጢኣቱ ዝተመሓረን ብምስጢረ ንስሓ ኣቢሉ ካልኦት ምስቲ ዝማረኸናን ሕይወትና ምስ ዝለወጠልና ፍቕሪ ክራኸቡ ዝድግፍ እዩ!

ኣብ ልዕሊ ስቓይ ስቓይ ኣይትወስዅ

ኣናዛዚ ካህን፥ መሓርን ኣቦን ዘጸናንዕን እምበር ኣብ ልዕሊ ስቓይ ስቓይ ዝውስኽ ክኸውን የብሉን፡ . . . ሃይማኖታዊ ባህርይ ዝነቕል ካብቲ ዝተመሓረ ሓጥእ ኣብ ምዃካ ካብ ዘሎ ኣፍልጦ እዩ፡ ኣናዛዚ ካህነት እዚ ኣፍልጦ’ዚ ክህልዎ ይግባእ፡

ብሰላምን ብኣባትዊ መንፈስን ብፍሽኽታን ብሰላማውያን የዕንቲ . . . ነቲ ንኽናዘዝ ዝመጽእ ሓጥእ ምቕባል፡ ዘረጋግኦ ሃዋሁ ምፍጣር ደሓር ንሱ ባዕሊ ንኽዛረብ ምሕዳግ፡ ኣብ ገለ ገለ እዋን እቲ ንኽናዘዝ ዝመጽእ ዝተጣዕሰ ግና ምዝራብ ዝተሳእኖ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እቲ ዘናዝዝ ካህን ዘየድሊ ሕቶ ካብ ምቕራብ ይቆጠብ፡

ኣብ ልዕሊ ስቃዩ ካልእ ስቓይ ንኸይውስኽ መታን ቢሎም ኣናዘዝቲ ከም ቅዱስ ዮሴፍ ቅኑዓትን ናይ እምነት ሰባትን ክኾኑ ሓደራ ቢሎም ኣብ ዒራቕ ብዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ኣብ ኣጋሮም ገና ድኻም ይስምዖም ስለ ዘሎ ነቲ ቃለ ምዕዳን ኮፍ ኢሎም ስለ ዘቕረብዎ ይቕረታ ኣሕትት ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

13 March 2021, 23:25