ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ዒርቕ ርእሰ ብሔርን ቃል ቅዱስነቶም ንሰበ ስልጣናትን

ኣይትረፍን። . . . ስለዚ ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካንን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ሕውነታዊ ምትሕብባርን ምትሕልላይን ንኸነቓቕሑ ዝተጸውዑ ምዃኖም ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም፥ እዚ ኸኣ ፍትሕን ሰላምን ሕጋውነትን ብምስፋሕን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ናይ ስልጣን ዓመጽን ዝብሉ መተዓናቖፍታት ብምውጋእ እዩ

ዓርቢ ዕለት 5 መጋቢት ንግሆ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቃን ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ካብ ዓለምሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ፍዩሚቺኖ ሮማ ነቂሎም ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ሰዓትን ፈረቃን ጒዕዞ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ባቕዳድ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባቕዳድ ከምዝበጽሑን ዜና ቫቲካ ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ፍርቂ መዓልቲ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ብናይ ዒራቕ መራሔ መግንስቲ ሙስጣፋ ኣል-ቃድሒሚ ኣቐባብላ ምስ ተገበረሎም ብናይታ ሃገር ክቡር ዘበዐይና ናይ ክብሪ ሰላምታ ቀሪቡን ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ሃገረ ዒራቕ ሃገራዊ መዝሙር ብዝተሰነየ ስነ ስርዓት ወግዓዊ ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ብቐጥታ ብመራሔ መንግስቲ ዒራቕ ኣል ቓድሒሚ ተሰንዮም ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ናይ ዓበይቲ ኣካላት መቐበሊ ኣዳራሽ በጺሖምን ኣብኡ ሓጺር ክሌኣዊ ርክብ ምስ ተኻየደ ብቐጥታ ድሕሪ እዚ ክሌኣዊ ርክብ’ዚ ንኽብሪ ሃገረ ዒራቕን ሕዝብን መንግስትን ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ፍርቂ መዓልትን ዓሰርተን ደቓይቕ ናብ ናይታ ሃገር ቤተ መንግስቲ ርእሰ ብሔር ነቒሎም ሰዓት ሓደ ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስ በጽሑ ብባዕልቲ ቤቶም ብዝተሰነዩ ናይ ረፓብሊካዊት ዒራቕ ርእሰ ብሔር ባርሓም ኣሕመድ ሳሊሕ ቃሲም ኣቀባብላ ተገይሩሎም ንኽብሮም ብክቡር ዘበዐይና ሰላምታ ቀሪቡን ናይ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ዒራቕ ሰንደቓዊ መዛሙር ምስ ተሰምዔ ብርእሰ ብሔር ሳሊሕ ተሰንዮም ኣብ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ብሔር ዒራቕ ተረኺቦምን ምስ ናይ ርእሰ ብሔር ስድራ ቤት እውን ተላልዮም ሰላምታን ናይ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ ምስ ርእሰ ብሔር ግላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ብርእሰ ብሔር ባርሓም ሳሊሕ ተሰንዮም ምስ ናይ ዒራቕ ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ናይ በርገሳዊ ማሕበራት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ወከልትን ኣብ ዒራቕ ናይ ወጻኢ ሃገርት ልኡካንን ናብ ዝርከብዎ ኣዳራሽ በጺሖም፡ ንኽብሪ ቅዱስነቶም ርእሰ ብሔር ባርሓም ሳሊሕ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ወግዓዊ መደረ ምስ ኣስምዑ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ንናይ ረፓብሊካዊት ዒራቕ ርእሰ ብሔርን ንናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ ዓበይቲ ኣካላትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ሓለፍትን ኣብ ዒራቕ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ንዅሎም ነቶም ብዝተፈላለየ ኣርእስቲ ንዝተረኽቡን ሰላምታ ኣቕሪቦም፥

“ነዚ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘ ዝተጸበኽዎን ዝተመነኽዎን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብ ረፓብሊካዊት ዒራቕ ክውን ኮይኑ ብምርኣየይ አምስግን፡ ናብዛ ናይ ስልጣነ መርክብን ምስታ ኣብ ዅሉ ዝኾነ ምስ ታሪኽ ኣብርሃምን ብዙሓት ነቢያትን ምስ ናይ ድሕነት ታሪኽን ምስተን ዓበይቲ ሃይማኖታት ኣይሁድን ምስልምናን ክርስትናን ዝተኣሳሰረት ታሪኻዊት ሃገር ክበጽሕ ብምኽኣለይን ንኽበጽሕ እውን ርእሰ ብሔር ሳሊሕ ንዝገበሩለይ ዕድመን፡ ብስሞምን ብስም መላእ ሕዝቢ ሃገሮምን ንዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃሎም አመስግን” . . . ቢሎም ነቶም ኣብቲ ርክብ ንዝተረኽቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን ንኹሎም ብዝተፈላለየ ኣርእስቲ ንዝተረኽቡን ሰላምታኦም ምስ ኣቕረቡ፡ ነቶም ኣብኡ ንዝተረኽቡ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያንትን እውን ከም መንፈስዊ ነጋዲ ኮይኖም ንኽበጽሕዎምን ኣብቲ ዘቕርብዎ ናይ እምነትን ፍቕርን ተስፋን ምስክርነቶም ንኸበረታትዕዎምን ከምዝኾኑ እውን ምስ ኣዘኻኸሩ፥ ንዅሎም ንናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት መራሕትን እውን ሰላምታኦም ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የምላኽት።

እቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ምብጻሕ እውን ዓለም ብኽቢድ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝተጠቕዓሉን ካብዚ ለብዒ እዚ ንምልቓቕ ብዙሕ ጻዕሪ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋንን ብዙሕ ሞትን ማሕበራውን ስብኣውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ኣብ ዘስዓበሉ እዋን እውን ምዃኑ ዘኪሮም፥ . . . እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ማዕርነትን ሕውነትን ውህደትን ዝጠልብ ምዃኑ እውን ከምዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዒራቕ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ብውግእን ግብረ ሽበራን በቲ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝዝርግ ኣኽራርነትን ብዝፈጥሮ ምስሕሓባትን ምግምማዕን ብዙሕ ተሳቕያን ናይቲ ዓመጽ በሰላ እውን ኣብ ዝባነ ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘስዓቦ ከቢድ ኣሳዶ እውን ዘኪሮም፡ በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ኣብ ልዕሊ ያዚዲ ሃይማኖት ሰዓብት ዝተፈጸመ ዓመጽ ጠቒሶም . . . “እቲ ናይ ዒራቕ ናይ ዘመናት መለለዪ ዝኾነ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ዓሌትን ሰላማዊ ናይ ብሓባር ንቕድሚት ንምባል ዝድርኽ ክቡር ሓይሊ እዩ ከምዝበሉን ፍልልያት ንግጭት ዘይኮነ ብውህደትን ንስኑይ ማሕበራዊ ናብራን መሰረት ምዃኑን ዒራቕ ነዚ ክብሪ እዚ እውን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንኽትምስክሮ ዝተጸውዐት እያ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ሕውነታዊ ህድነት ኣሰር ዘለዎ ማሕበረሰብ ብምትሕልላይ ዝነብር እዩ፡ እዚ ኸኣ ንሓድሕድካ ጭቡጥ ብዝኾነ ኣገልግሎትን ብምትሕልላይን ብፍላይ ነቶም ዝተናዕቁን ድኻታትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎም ፍልዩ ቆላሕታ ክግብረሎም ዘተባብዕ ክቡር ዋጋ እዩ፡ ኵሉ ናይቶም ተኣፋፍያን ሓላፍነት ክስምዖ ይግባእ። . . . ናይ ሓባር ቤትና ኣብ ምክንኻን እውን ከምኡ። . . . ስለዝህ እቲ ዳግማይ ሕንጸት ንዅሉን ናይ ኵሉን እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ካብ ሓደ ቅልውላው ወይ ዝሓሸ ወይ ከኣ ዝበኣሰ ኮይንካ እምበር ከምቲ ዝነበርካዮ ኮይንካ ኣይትረፍን። . . . ስለዚ ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካንን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ሕውነታዊ ምትሕብባርን ምትሕልላይን ንኸነቓቕሑ ዝተጸውዑ ምዃኖም ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም፥ እዚ ኸኣ ፍትሕን ሰላምን ሕጋውነትን ብምስፋሕን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ናይ ስልጣን ዓመጽን ዝብሉ መተዓናቖፍታት ብምውጋእ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

“ዝኸበርኩም ርእሰ ብሔርን ክቡራትን ክቡራንን፥ ናብዚ ከም ናይ ንስሓን ደላይ ምሕረትን ነጋዲ ኮይነ እየ ዝመጻእኵ” ቢሎም፥ “ስለ እቲ ኵሉ ዘጋጠመ ዕንወትን ሞትን ስደትን መከራን ብስም ክርስቶስ ናይ ሰላም ንጉስ ናይ ሰላም ነጋዲ ኮይነ ካብ ሰማየ ሰማይ ምሕረትን ይቕረታን እልምን። ምእንቲ ሰላም ኣብ ዒራቕ ብዙሕ ጸሊናን ንጽልይን ኣሎና . . . ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብነት እዮም። እግዚኣብሔር ሰማዒ እዩ፡ ንሕና ኢና ንኣኡ ክንሰምዖ ዘሎና፡ ዓመጽን ኣሳዶን ይኣክል፡ . . . ብሓባር ሃገሮም ንኽሃንጹ ንዝደልዩ ዜጋታት ዕድል ምሃብን ኩሉ ናይ ሰላምን ዘተን ምክብባርን ኣንጠረይና ኮይኑ ብሓባር ኣብ ሕንጸት ሃገር ክዋሳእ ዝተጸውዔ እዩ፡ ዜጋዊ ማዕርነት ዝተረጋገጸላ ሓደ’ኳ መጻእተይና ኮይኑ ዘይረኣየላን ቀዳማይ ዳሕረዋይን ዜጋ ዘይበሃለላ ሃገር ብሓባር ንሕነጽ” . . . ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ዒራቕን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰላም ንምንቕቓሕ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እውን ዓቢይ ሓላፍነት ከምዘለዎ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ እዚ ናይ ሰላም ኪደት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ምትሕብባር ዝጠልብን ብሓባር ኤኮኖሚያዊ ኢማዕርነትን ዞባዊ ምስሕሓባትን ካልኦት ምርግጋእ ዝህውኹ ብድሆታት ብሓባር ምግጣም የድሊ፡ ኣብ ዒራቕ ውሽጢ ንዝተመዛበሉን ኣብ ከቢድ ጸገም ንዝርከቡን ዘድሊ ሓገዝን መሰረታዊ ኣገልግሎትን ውሑስ ኣብ ምግባርን ኣብ ናይ ዒራቕ ንዳግመ ሕንጸት ዝዓዩ ኣብ ሕንጸት ሰላም ዝዋስኡ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፥ ንናይ ኣሕዋትን ኣሓትን መሰረታዊ ድላይ ውሑስ ምግባር ናይ ፍቕርን ሓልዮትን ፍትሕን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋጽ ዝድግፍን ዓቢይ ተግባር እዩ . . . ሓደራ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ንዒራቕ ሕቖኡ ከይህብ ተላብዮም` ስልጣናትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ውልቃዊ ፖለቲካውን ህልዮኣውን ረብሓታት ሰገር ንሓባር ጥቕሚ ክዓዩ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሃይማኖት ብባህርይኡ ኣገልጋሊ ሰላም እዩ፡ ስም እግዚኣብሔር ንቕትለትን ጽልእን ኣሳዶን ግብረ ሽበራን ዓመጽን መጋበርያ ምጥቓም ጸረ እግዚኣብሔርን ጸረ ሰብኣዊ ፍጥረትን ምቛም እዩ ቢሎም፡ ሃይማኖት ኣብ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ሕንጸት ሰላምን ምትሕብባርን ስኒትን ዘለዎ ዓቢይ ግደ ኣብሪሆም ክቡራትን “ክቡራን ኣብ ሕውነታዊ ሓድነትን ምትሕብባርን ልባዊ ምቅርራብን ስኒትን ኣሰር ዝገበረ ሕብረተሰብ ኣብ ምሕናጽ ንእተካይድዎ ጻዕሪ ልባዊ ምስጋናይ አቕርብ፡ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዝሃቀነ ኣገልግሎትኩም ልዑል ክብሪ ዘለዎ እዩ፥ ከሃሌ ኵሉ ኣብዚ ኣገልግሎትኵም ክድግፈኩምን ብጥብን ብፍትሕን ሓቅን ክመርሓኩም እምሕጸን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍኩምን ኣባይት ስድራኹም ፈተውትኹምን ኣብ ልዕሊ መላእ ሕዝቢ ዒራቕን ፍድፍእድ መለኮታዊ ቡርኬ ኣምህለል፡ የቀንየለይ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣

05 March 2021, 15:47