ር.ሊ.ጳ. ናብ ዒራቕ ኣብ ዝተጓዑዙላ ነፋሪት ምስ ዘሰንይዎም ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ሰላምታን ናይ ምልላይን ስነ ስርዓት ር.ሊ.ጳ. ናብ ዒራቕ ኣብ ዝተጓዑዙላ ነፋሪት ምስ ዘሰንይዎም ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ሰላምታን ናይ ምልላይን ስነ ስርዓት 

ር.ሊ.ጳ.፥ ናብታ ሰማእት መሬት ዒራቕ ንሓዋርያዊ መገሻ

እቲ ኣብታ ሰማእት ዝኾነት ሃገር ዘካይድዎ ምብጻሕ ትእምርታውን ግቡእን እውን እዩ ቢሎም። ንዅሎም ነቶም ዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት “ስለ ምስናይኵም አመስግን” ከምዝበሉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ናብ ባቕዳድ ኣብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ምስ ዘሰንይዎምን ናይ ወጻእን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝካየድዎ ሰላምታ ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት፥ ነቲ ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣቋሪጾምዎ ዝነበረ ሓዋርያዊ መገሻኦም ድሕሪ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ብምጅማሮም ዝተሰምዖም ሓጐስ ከምዝገለጹን፥ በቲ ኣብ ናይ እምነት ሕውነተን ሰላም ልኡኽነቶም ንዘበርክትዎ ዘለዎ ዓቢይ ግደ ኣፍልጦ ብምሃብ እቲ “ማሪያ ግራዚያ ኩትሊ” እተሰምየ ስልማት ኣብታ ዝተሳፈሩላ ነፋሪቱ ከምእተረከቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማሲሚሊያኖ መኒከቲ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕ! ኣብታ ናብ ባቕዳድ ኣብ ዝተጓዑዙላ ነፋሪት ምስ ዘሰንይዎም ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ሰላምታን ናይ ምልላይን ስነ ስርዓት፥ እቲ ተቛሪጹ ዝነበረ ሓዋርያዊ መገሻኦም ብምጅማሮም ዝተሰምዖም ሓጐስ ገሊጾም፥ እቲ ኣብታ ሰማእት ዝኾነት ሃገር ዘካይድዎ ምብጻሕ ትእምርታውን ግቡእን እውን እዩ ቢሎም። ንዅሎም ነቶም ዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት “ስለ ምስናይኵም አመስግን” ከምዝበሉ መኒከቲ ኣፍሊጦም።

ናብ ዒራቕ ነጋዳይ ምዃን

ቅዱስነቶም ኣቐዲሞም “ኣብዚ ጉዕዞ እዚ እታ ዓባይ ጋዜጠይና ኣብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ጉዕዞ መራሒት ተባሂላ እትግለጽ ጋዜጠይና ቫለንቲና ኣላዝራኪ ዘኪሮም “ምስና ብዘይ ምህላዋ ዝስምዓኒ ጓሂ እገልጽ፥ ኣብ ዝቕጽሉ ሓዋርያዊ መገሻታት ምሳና ክትሓብር ተስፈይና እየ” ከምዝበሉን፡ ኣብታ ዝጓዕዙላ ዝነበረት ነፋሪት እቲ ሓዋርያዊ መገሻን ጉዕዞን ድሕሪ 15 ኣዋርሕ ዝተጀመረ እውን ብምዃኑ ነቲ ዝፈጠሮ ናይ ሓጐስ ሃዋሁ ዳርጋ ክትትክፎ ዝከኣል ምንባሩ ቅድሚ ቅዱስነቶም ሓጺር ዘረባ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ገሊጾም፥ “ቅዱስነትኵም ናብ ዒራቕ ናይ ሰላም ነጋዲ ንምዃን ብምድላይኵም ነመስግን፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2000 ቅዱስ ዓመት ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ ዝነበሮም ድላይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከይተፈጸመ ብምትራፉ ኣብ ሕዝቢ ዒራቕ ዝፈጠሮ ሓዘን ዳግም ክህሉ ኣይደልን ቢልኩም ነዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከተካይዱ ዘለኩም ድላይ ገሊጾኩምን ሎሚ እውን ክውን ይኸውን ብምህላዉ ነመስግን” ቢሎም ኣብታ ነፋሪት ንቕዱስነቶም ዘሰንዩ ካብ 15 ሃገራት ዝተዋጽኡ 14 ጋዜጠይናታት ንፈለማ ግዜን ብጠቕላላ 74 ልኡኻን ጋዜጠይናታት ምዃኖም እውን ከምዝገለጹ መኒከቲ ሓቢሮም።

ኣብታ ነፋሪት ንር.ሊ.ጳ. ስልማት “ማሪያ ግራዚያ ኩቱሊ 2021 ዓ.ም.” ከምእተወሃበ

እቲ ኣብ ኢጣሊያ ብብሔዊ ሓቆፍ ደረጃ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ናይ ሰላም ሕንጸት ዓቢይ ግደ ካብ ዘለዎም ብሉጽ ተባሂሎም ንዝሕረዩ ዝወሃብ ብስም እታ ኣብ 2001 ዓ.ም. ኣብ ኣፍጋኒስታ ዝተቐትለት ናይ ኢጣሊያ ኮረረ ደላ ሰራ ናይ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ልእኽቲ ጋዜጠይና ማሪያ ግራዚያ ኩቱሊ ስም ዝጽዋዕ ናይ 2021 ዓ.ም. ኣብ መበል ዝኽሪ ኩቱሊ ብፍሉይ ብሉጽ ተባሂሎም ተሓርዮምን እቲ ስልማት ኣብታ ነፋሪት ከምእተወሃቦም ዝሓበሩ መኒከቲ ኣስዒቦም፥ ቅዱስነቶም ልኡኽ ጋዜጠይና፥ “ኣብ ናይ ዓለም ናይ እምነትን ሕውነትን ሰላምን ጉደና ኣሳእኑ ዘብልይ እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ትርጉም ብትኽክል ጋዘጠይናን ልኡኽ ጋዝጠይና እንታይ ማለት ምዃኑን ናይ ጋዜጠይና ተክለ ሰብነት ብፍሉይ ዝገልጹ ተባሂሉ ዝንገረሎምን፥ ብምኽንያት ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ-19 ኣብ ዒራቕ ኩሉ ክውሸብ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ዝተደንገገ እውን እንተኾነ እቲ ቅዱስነቶም ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዒራቕ ብመራኸቢ ብዙሓን ብቐጥታ ዝመሓላለፍ እውን ምዃኑ ኣመልኪቶም።

05 March 2021, 21:23