ዓለምና ብመምርሒ መንገዲ ብፅዕና እምበር ብሓይሊ ኣይክትልወጥን እያ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 6 መጋቢት 2021 ዓም ኣማስያኡ ኣብ ከተማ ባቅዳድ ዝርከብ ናይ ከለዳውያን ካተድራል ቅዱስ ዮሴፍ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንከዕርጉ ነቲ ጐይታ ኣብ ኩርባ ዘስተምሃሮ መንገዲ ብፅዕና ኣብዚ ዘሎና ግዜ ከመይ ገቢርና ክንምስክሮ ንኽእል! ድሕሪ ቢሎም መልሱ ብፍቅሪዩ! ብፍቅሪ ምስ እንምስክሮ ጥራሕ እዩ ተስፋ እግዚአብሔር ንክፍጸም እንሕግዝ ኢሎም።

ናይ ሎሚ ቃለ እግዚአብሔር ብዛዕባ ጥበብ ምስክርነትን ቃል ተስፋን ይናገረና። ጥበብ ኣብዚ ከባቢ እዚ ካብ ጥንቲ ጀሚራ እያ ትዕምብብ ነራ። ንጥበብ ምድላይ ወትሩ ንወዲሰብ ምስ ኣደነቀ ነበረ። እንተኾን ግን ብዙሕ መጋበሪ ዘለዎ ብዙሕ ጥበብ ክድልብን ዝበልጸ ዕድልን እንክህልዎ እቲ ዕድል ዘይነበሮ ግን ወሰኑ ሒዙ ይተርፍ ነበረ። እዚ ሎሚ እውን ሳዕሪሩ ዘሎ ኣብ መንጎ ደቂሰባት ዘሎ ዘይማዕርነት እዩ። ክንበብ ዝሰማዕናዮ መጽሓፈ ጥበብ ግን ‘እቶም ድሕሪ ኩሉ ዝኾኑ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እንተ እቶም ብክእለቶም ዝምክሑ ብክፉእ ክጠፉኡ እዮም’ (ጥበብ 6,6) እንክብል ንኩሉ ይገማጥሎ። ንዓለምና ድኻን ዝተገለለን በቲ ሓደ ወገን እንክስራዕ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ልዕል ዝበሉን ዝተኸብሩን ኣለው። እንተ ንእግዚአብሔር ብኣንጻሩ እዩ። እቲ ብዙሕ ሥልጣን ዘለዎ ተሪር መርመራ እንከጋጥሞ እቶም ኣብ መወዳእታ ዝስርዑ ግን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክብሪ ክለብሱ እዮም።

እቲ ጥበብ ብኣካሉ ዝኾነ ኢየሱስ ብወንጌሉ ንኩሉ ገማጢሉ ይሕድሶ። ነዚ ከኣ ኣብ ማንም ግዜ ዘይኮነ ኣብታ ምጅማር ስብከተ ወንጌል መንገዲ ብፅዕና ብምምሃር ይገብሮ። እቲ ምግምጣል ሱር ነቀል እዩ። ድኻታትስ ይኹኑ እቶም ሕጂ ዝበኽዩ ከምኡ እውን ዝስደዱ ብፁዓን ይበሃሉ። እዝስ ከመይ ቢልካ ይከኣል! ብዓይኒ ዓለምና ብፁዓን ዝበሃሉ ሃብታማት ሰብ ሓይልን ሥልጣንን ከምኡ እውን ውሩያት ሰባት እዮም። ኣብ ዓለምና ዋጋን ክብርን ዝወሃቦ ገለ ዘለዎ ገለ ክገብር ሥልጣንን ክእለትን ዘለዎ እዩ። እንተ ንእግዚአብሔር ከምኡ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኩሉ ክገብር ሥልጣንን ክእለትን ዘለዎ ዘይኮነ ምስ ኩሎም ብትሕትና ዝነብር ከምኡ እውን ክንዲ እቲ ብዙሓት ሆ ሆ ዝብሉሉ ንሓው ብዓይኒ ምሕረት ዝጥምት እዩ። ኣብዚ ገለ ምጥርጣር ክቅጀለና ይከኣል። ከምቲ ኢየሱስ ዝእዝዞ እንተነቢረስ እንታይ መኽሰብ ኣሎኒ! እቶም ካልኦት ኣብ ርእሰይ ሸይሸይ ክብሉዶ አፍቅድ የሎኹን! እዛ መልሲ ኢየሱሲ ዋላ ትወሓጠለይ የላን! እዝስ ፍሽለትዶ ኣይኮነን! ክንብል ንኽእል። እታ መልሲ ግን እዝስ ፍሽለት ወይ ክስረት ኣይኮነን እንታይ ደኣ ጥበብ እዩ ይብል።

ኢየሱስ ዘቅርበልና ምርጫኸስ ጥበብ ዝመልኣ እያ ከመይ ናይ ፍቅሪ ምርጫ እያ። እዚኣ ፍቅሪ እዚኣ ሽሕኳ ብኣመለኻኽታ ዓለም ሕመቅ እንተመሰለ ሕመረት ናይቲ ንሱ ዘቅርቦ ትምህርቲ ብፅዕና እያ። ኣብ መስቀል እዛ ፍቅሪ እዚኣ ካብ ሓጢኣት ኣጸቢቃ ከምእትኽል ኣብ መቃብር ከኣ ሞት ከምዝተሳዕረት ገሊጹ። እዛ ፍቅሪ እዚኣ እያ ነቶም ካብ ቀዳሞት ዘመናት ኣብዛ ዘመንና ብዕጽፍን ድርብን ዝመስከሩ ሰማዕታት ኣብ ፈተነ ብዓወት ከምዝወጹ ዝገበረት።   እዛ ፍቅሪ እዚኣኸስ ሓይልናን ሓይሊ ናይቶም ስለ ስም ኢየሱስ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ዓመጽን ስደትን ዝተቀበሉ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን እያ። እንተ ናይዚ ዓለምዚ ሥልጣንን ክብርን ከንቱነትን ሓለፍቲ እዮም እንተ ፍቅሪ ግን ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝብሎ ነባሪት እያ ‘ፈጺሙ መወዳእታ ኣይክእልዋን እዩ’ (1ቆሮ 13,8)። ብመንገዲ ብፅዕና ወንጌል ምንባርከስ ነቲ ሓላፊ ዘለዓለማውነት የልብሶ። ንመንግሥተ ሰማይ ኣብ ምድሪ ከም ምምጻእ እዩ።

እንተኾነ ነዚ መንገዲ ብፅዕና ከመይ ገቢርና ኢና እንነብሮ! ኣብዚ ክንርድኦ ዘሎና ጒዳይ ብመንገዲ ብፅዕና ምንባር ማለት ክንዮ ነባሪ ነገራት ካልእ ዘደንቅ ክንዮ ዓቅምና ዝኾነ ተኣምር ኣይሓትትን። ዕለታዊ ምስክርነት እዩ ዝሓትት። ብለውሃት ዝነብር ብፁዕ እዩ! ኣብ ዝርከቦ ቦታ ምሕረት ዝገብር ብፅዕ እዩ! ኣብ ዝነብሮ ልቡ ኣንጺሑ ዝነብር ብፁዕ እዩ። ብፁዓን ንምዃን ናይ ዝኾነ ግዜ ጀጋኑ ክንከውን ኣይኮነን ዝድለ እንታይ ደኣ ዕለት ዕለት ምስክር ምዃን እዩ ዘድሊ። ንጥበብ ኢየሱስ ሥጋ እተልብሳኸስ ምስክርነት እያ። ንዓለም ክንልውጦ እንኽእለሉኸስ በዚ መንገዲ ብፅዕና እዚ እምበር ብሥልጣንን ሓይልን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከኣ ኢየሱስ ዝገበሮ እዚ ስለዝኾነ ማለት ነቲ ኣብ ትምህርቲ ብፅዕና ስብከቱ እንክጅምር ዝመሃሮ ክሳብ መወዳእታ ብተግባር ነቢርዎ እዩ። ኩሉኸስ ፍቅሪ ኢየሱስ ኣብ ምምሳክር እዩ። ነዚ ከኣ ሎሚ ክንበብ ኣብ ዝሰማዕናዮ ካልኣይ ንባብ ቅዱስ ጳውሎስ ብዘደንቅ መንገዲ ይገልጾ። እስኪ ከመይ ገቢሩ ከምዘቅርቦ ንመልከት።

ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ ኁ.4 ‘ፍቅሪ ዓቃል እያ’ ይብል። ምናልባት ነዛ ዓቃል ትብል ቅጽል ኣይንጽበያን ነርና ንኸውን። ኣብዚ ፍቅሪ ንሕያውነትን ልግሥን ሠናይ ተግባርን ክትውክል ትኽእል እንተኾነ ቅዱስ ጳውሎ ዓቃል እያ ይብል። እዛ ቃል እዚኣ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ንትዕግሥቲ እግዚአብሔር ተዘንቱ። ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ደጋጊሞም ንኪዳን እግዚአብሔር ክጠልሙ ኣብ ተመሳሳሊ ሓጢኣት ደጋጊሞም ክወድቁ ጐይታ ብኣኦም ቅጭ ክንዲዝመጾን ጠንጢንዎም ክንዲ ምኻድን ወትሩ ኣብ ኪዳኑ እሙን ኰይኑ ይምሕሮም ዳግም ከም ብሓዲስ ይጅምር። ጸጺሕካ ከም ብሓዲሽ ናይ ምጅማር ትዕግስትኸስ ናይ ፍቅሪ ቀድማይ ባህሪ እዩ። ከመይ ፍቅሪ ተስፋ ኣይቆርጽን ጸጸኒሑ ከምብሓዲሽ ይጅምር። ኣይዕገት ኣይኲለፍ ወትሩ ከም ብሓዲሽ ይጅምር! ተስፋ ኣይቆርጽን ወትሩ ሓዲስ መንገዲ ይፈጥር። ኣብ ቅድሚ ክፍኣት ኢዱ ኣይህብን ኣይጸዓድን። ዘፍቅር ሰብ ነገራት ፋሕ ምስ በሉ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣይዕጾን  እኳ ደኣ ነታ ዕውቲ ጥበብ መስቀል ብምዝካር ንክፍኣት ብሠናይ ይምልስ።  ምስክር እግዚአብሔርከስ ነዚ እዩ ዝገብር። ሱቊ ኢሉ ዝዕዘብ ኣይኮነን ተስፋ ዝቈርጽ እውን ኣይኮነን ማዕበል ኩነታት ኣየናውጾን ምኽንያቱ ከኣ መሠረቱ ፍቅሪ እዩ። እዚ ፍቅሪ እዚ ከኣ ኣብ ኁ. 7 ተመልኪቱ ከምዘሎ `ንኩሉ ይቅረ ዝብል ንኩሉ ዚኣምን ንኩሉ ዝትስፎ ንኩሉ ዝጻወር’ እዩ።  

ሕጂ እስኪ ኣብ ሕልናና ምልስ ኢልና ኣነኸ ነገራት ፋሕ ክብሉ እንከለው እንታይ እገብር! ብማለት ነስተንትን። ጸገም እንከጓንፍ ዘጋጥማ ክልተ ፈተናታት ኣለው። እታ ሓንቲ ምህዳም ሕቆኻ ሂብካ ብዛዕባ ምንም ክትፈልጥ ዘይምድላይ። እታ ካልአይቲ ከኣ ብቊጥዓን ብሓይልን ግብረ መልሲ ክትህብ ምፍታን እየን። እዘን ፈተናታት እዚአን ኣብታ ፈታኒት ሁመት ጌተሰማኒ ንሓዋርያት እውን ኣጋጢማቶምስ ገሊኦም እንክሃድሙ ቅዱስ ጴጥሮስ ግን ሰይፊ ክሳብ ምምዛዝ በጺሑ። እንተኾነ ህድማስ ይኹን ሰይፊ ምምዛዝ ፍታሕ ከምጽኡ ኣይከኣሉን። እንተ ኢየሱስ ንታሪኽ ቀዪሩ። ከመይ ገቢሩ እንተበልና! ብሓይሊ ትሕትና ፍቅሪ በቲ ዓቃል ምስክርነቱ እዩ መልሱ። ንሕና እውን ከምኡ ክንገብር ዝተጸዋዕና ኢና። እግዚአብሔር እውን በዚ ኣገባብ እዚ እዩ ንዝሃቦ ቃል ተስፋ ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ።  

ቃል ተስፋ!  እታ ብመንገዲ ብፅዕና ሥጋ ዝለበሰት ጥበብ ኢየሱስከስ ከምዚ ዓይነት ምስክርነት ብምሕታት ኣብ መለኮታዊ ቃል ተስፋ ዘሎ ካሕሳ ተወፊ። ኣብ ትምህርቲ ብፅዕና ኣስተውዒልና እንተተመልከትና ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ሓንቲ ቃል ተስፋ ኣላ። እዚ ከኣ ኣብ ሰማያዊ መንግሥቲ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ኰይኑ ምጽንናዕን ጽጋብን ርውየትን ገጽ እግዚአብሔር ምርኣይን ወዘተ እየን (ማቴ 5.3-12)። ቃል ተስፋ እግዚአብሔር ዝወዳደሮ ዘይብሉ ሓጐስ ዘይጥለም ኪዳን የተስፍው። እንተኾነ እዚ ተስፋ እዚ ከመይ ቢሉ እዩ ዝርከብ እንተበልና! ብድኻምነትና እዩ እቲ መልሱ። እግዚአብሔር ነቶም ውሳጣዊ ድኽነቶም ክሳብ ፍጻሜ ንዝጐዓዙ ብፁዓን ይገብሮም። እታ እንኮ መንገዲ እዚኣ እያ ካልእ መንገዲ የለን። ንኣቦና ኣብርሃም ንመልከት። እግዚአብሔር ዓቢ ሕዝቢ ክገብረካ እየ ኢሉ ቃል ይኣትወሉ እንተ ንሱን ሳራን ዕድመኦም ዝሓለፈ ብዘይውሉድ ነበሩ። ኣብዛ ዓቅልን እምነትን ዝዓሰላ ሽምግልናኦም እግዚአብሔር ተኣምር ይገብር ሓደ ወዲ እውን ይህቦም። ከምኡ እውን ንሙሴ ንመልከት ንሕዝቢ እስራኤል ካብ ባርነት ሓራ ከውጽእ ምዃኑ እግዚአብሔር ቃል ተስፋ ይህቦ ከይዱ ንፈርዖን ከዘራርቦ ኸኣ ይእዝዞ። እግዚአብሔር ከኣ ከም ቃሉ ነቲ ዝሃቦ ተስፋ ይፍጽሞ። ንእኖና ድንግል ማርያም ንመልከት ሕጊ ተፈጥሮ ውላድ ክህልዋ ኣይክእልን እናበለ ኣደ ትኸውን። ንቅዱስ ጴጥሮስ ንመልከት ንጐይታ ይኽሕድ ኢየሱስ ግን ንኣሕዋትን ኣሓትን ከጸናንዕ ንኣኡ ይሓሪ።  ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ሓንሳእ ሓንሳእ ምንም ክንገብር ዘይንኽእል ዘይንረብሕ ኰይኑ ክስማዓና ይኽእል። ምኽንያቱ ከኣ እግዚአብሔር ብድኻምነትና ተኣምር ክገብር ስለዝደሊ እዩ።

 ጐይታ ከምኡ ክገብር እዩ ዝደሊ! ስለዝኾነ ከኣ ሎሚ ምሸት ክንበብ ዝሰማዕናዮ ቃል ወንጌል ሾመንተ ግዜ ጡባዕ ማለት ብፁዓን እንክብል እንተደኣ ምሳኡ ኣሊና ብሓቂ ብፁዓን ምዃና ከረድኣና ይደሊ። ርግጽ እዩ! ንፍተን ብዙሕ ግዜ እውን ንወድቅ እንተኾነ ምስ ኢየሱስ ብፁዓን ምዃና ክንዝንግዕ የብልናን። ዓለም ነታ ዘላትና ከግድፈና እንከሎ ምስቲ ጐይታ ቃል ተስፋኡ ዝፍጽመሉ ለዋህን ዓቃልን ፍቅሪ ኣነጻጺርካ ምንም ኣይኮነን። ዝኸበርኪ ሓውተይ! ዝኸበርካ ሓወይ! ምናልባት ኣእዳውካ ትጥምት እሞ ባዶ ኰይኑ ክስመዓካ ይከኣል! ኣብ ልብኻ ምጥርጣር እናኣዕገርገረ ኣብዚ ሕይወት እዚ ምንም መኽሰብ ዘይብልካ ኰይኑ ክስመዓካ ይኽእል ይኸውን። ከምዚ እንከጋጥም ኣይትፍራህ! ከመይ እዘን መንገዲ ብፅዕና ንዓኻ እየን።  ንዓኻ ንዝሓዘንካ! ንዓኻ ንጽድቂ እትጠምን እትጸምእን ንዓኻ ንእትስደድ እየን። ጐይታ ስምኪ ኣብ ልቡ ኣብ ሰማይ ከምዝተጻሕፈ ቃል ይኣትወልካ ኣሎ! ኣነ ኸኣ ሎሚ ምሳኹም ኰይነ ነቲ ብዛዕባኡ ምንም ዘይውረ ኣብ ቅድሚ ኣዕይቲ እግዚአብሔር ክቡር ዕንቊ ዝኾነ ብመንገዲ ብፅዕና እናነበሩ እግዚአብሔር ናይ ሰላም ተስፋታቱ ንክፍጽም ዝምስክሩላ ኣብዛ ኣብ ዘመነ ጥንቲ ጥበብ ዝወጸትላ ኣብ ዘመንና ከኣ ምስክርነት ዝዓምበበላ ቦታ ኰይነ ስለኹም አመስግኖ።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 March 2021, 21:18