ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ 

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ታሪኽ ኢራቅ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝገብሩ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ!

ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ሃገረ ዒራቕ ሃገራዊ መዝሙር ብዝተሰነየ ስነ ስርዓት ወግዓዊ ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም

ዓርቢ ዕለት 5 መጋቢት ንግሆ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቃን ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ካብ ዓለምሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ፍዩሚቺኖ ሮማ ነቂሎም ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ሰዓትን ፈረቃን ጒዕዞ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ባቕዳድ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባቕዳድ ከምዝበጽሑን፡ ቅዱስነቶም ኣብዚ ናብ ዒራቕ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ነተን ናይ በረራ ኣየር ዶባተን ንዘቛረጹለን ሃገራት ንናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ማታረላን ንናይ ግሪክ ርእሰ ብሔር ካተሪና ሳከላሮፑሉን ንናይ ቀጵሮስ ርእሰ ብሔር ኒኮስ ኣናስታሲኣደስን ንናይ ፍልስጤም ርእሰ ብሔር ማህሙድ ኣባስን ንናይ እስራኤል ርእሰ ብሔር ሩቨን ሪቭሊንን ንናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ኣብዱላሕ ዳግማውን ናይ ሰናይ ምንዮትን ጸሎቶም ዘረጋግጽ መልእኽቲ ተለግራም ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካ ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ

ዜና ቫቲካን መደብ ቋንቋ ትግርይና

ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ፍርቂ መዓልቲ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ብናይ ዒራቕ መራሔ መግንስቲ ሙስጣፋ ኣል-ቃድሒሚ ኣቐባብላ ምስ ተገበረሎም ብናይታ ሃገር ክቡር ዘበዐይና ናይ ክብሪ ሰላምታ ቀሪቡን ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ሃገረ ዒራቕ ሃገራዊ መዝሙር ብዝተሰነየ ስነ ስርዓት ወግዓዊ ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ብቐጥታ ብመራሔ መንግስቲ ዒራቕ ኣል ቓድሒሚ ተሰንዮም ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ናይ ዓበይቲ ኣካላት መቐበሊ ኣዳራሽ በጺሖምን ኣብኡ ሓጺር ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶም።

05 March 2021, 15:38