ጸሎት ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ  

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣጽዋር ውግእ ምምራት ዘይኮነ ሕይወት ምድሓን እዩ ግቡእና

. . . ውልቃዊ ተግባር ኣብ ልዕሊ ካልኦት እውን ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል እዩ ምኽንያቱ ኵሉ ዝተሟራኾሰ ስለ ዝኾነ . . . ኣብ ምጥቃም ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ማዕርነት ክህሉን ቍጡብ ኣብነት ኣነባብራን . . . ማዕርነት መሰልን ክብርን

ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ኢጣሊያ ላ ስታምፓ ምስ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ጋዜጠይና ዶመኒኮ ኣጋሶ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት “እግዚኣብሔርን መጻኢ ዓለምን ብዝብል ኣርእስቲ ብቤት ማሕተም ፒየመን ቤት ማሕተም ሃገር አቫቲካን ተሓቲቱ ዕለት 16 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔ ዜና ቫቲካን ኣሊጡ።

እግዚኣብሔርን ዝመጽእ ዓለምን
እግዚኣብሔርን ዝመጽእ ዓለምን

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ንንባብ ዝበቕዔ መጽሓፍ ጽማሬ ከምዚ ስዕብ ነቕርበልኩም፥ ቅዱስነኵም እቲ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ መላዕ ዓለም ርእደ - መሬት ክትብሎ ዝከኣል ዝተኸስተን ገና ዘይተኣልየን ኮቪድ - 19 ዘስዕቦ ዘሎ ኵለ ህጹጽ ኩነት ብኸመይ ትትንትንዎ? ኣብ ሕይወት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ጽሉም ኵነት የጋጥም እዩ፡ ብዙሕ እዋን ከኣ እዚ ሓደገይና ኵነት’ዚ ንኣይ ዘይኮነ ንኻልኦት ወይ ንኻልእ ሃገርን ኣዚዩ ርሑቕ ንዝኾነ ክፍለ ዓለምን ዘጋጥም ገርና ንሓስቦ፡ ስቓይን ድነን ኣባይትናን ካብ ሱሩ ከዕንዉን ኣተሓሳስባና ክወርን ሕልምናን መርሓ ግብርታትናን የጥቅዕን፡ ሎሚ ሓደ’ኳ ኣብ ርግኣት ክህሉ ከቢድ እዩ፡ ዓለም ከምቲ ዝነበሮ ክኸውን ዘይሕሰብ እዩ፡ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሕጹጽ ሓደጋ መፍትሒ ንኽርከቦ ምዕያይ እዅል ኣይኮነን፡ . . . እቲ ለብዒ ሰብኣዊ ፍጥረት ብጥልቂ ንኸስተንት ይድርኽ፡ እዚ ናይ ፈተና እዋን’ዚ ጥበባውያንን ንርሑቕ ዝኣመቱን ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ረብሓ ዝብሉ ምርጫታት ንምኽዋንን፡ ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝብል ኪደት ይጠልብ።

እትርእይዎ ሕጹጽ ሓደጋታት? እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ኢማዕርነትን ኣብ ልዕሊ ማሓድሮ ዝወርድ መጉዳእትን ድሕሪ ደጊም ብሱቕታ ክንቕበሎ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ንናይ ሰብኣዊ ፍጥርት ናይ ድሕነት ጐደና ኣብ መንጐ ሕዝብታት ስኒትን ምስ ፍጥረት ዘይገራጭውን ሓድሽ ናይ ምዕባለ ኣብነት መጻኢ ምሕሳብ ዘይከኣል እዩ። . . . ውልቃዊ ተግባር ኣብ ልዕሊ ካልኦት እውን ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል እዩ ምኽንያቱ ኵሉ ዝተሟራኾሰ ስለ ዝኾነ . . . ኣብ ምጥቃም ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ማዕርነት ክህሉን ቍጡብ ኣብነት ኣነባብራን . . . ማዕርነት መሰልን ክብርን ናይ ኵሉ ሰብኣዊ መሰል ንታሕቲ ምውራድ ዘይኮነ ናይቶም ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ዝገሃሶም ክኽበረሎም ብምግባር ማዕርነት መሰልን ክብርን ውሑስ ምግባር ኣገዳሲ እዩ . . .

ኣብዚ መዳይ እዚ ዘተባብዑ ምልክታ ይረአይ ኣሎ ዶ? ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ታሕቲ ዝነቕሉ ናይ ሕዝብታት ምንቅስቓሳት ኣለዉ፥ ገለ ገለ ተቕዋማትን ማሕብራትን እውን፡ እዚኣቶም ነቲ ናይ ሓባር ቤትና ከም ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ መኽዘን ዝምዝመዝ ዘይኮነ ዝተባርከን ክፍቀርን ክኽበርን ዝግብኦ ናይ ኣታኽትሊ ስፍራ ምዃኑ ዘመላኽት ብሓድሽ መገዲ ክርእይዎ ዝፍትኑ እያቶም፥ እዚ ጉዳይ እዚ እውን ኣብ መንእሰያትን ኣብቶም ብዛዕባ ማሓድሮ ግዳሰ ኣብ ዝግበሩ ስቑር እዩ፡ ብናይ ግልን ፖለቲካውን ምርጫታት ሱር በተኽ ውሳኔ ገርና ቁጠባዊ ለውጢ ምኽዋንን ናብ ሓማልይ ቁጠባ ንኽንቅይርን እደ ጥበባዊ ምዕባለ እውን ነዚ ዘተኩር ክኸውን መታን እጅገና ዓጺፍና እንተድኣ ዘይተዓጠቕና . . . ጽባሕ ናይ ሓባር ቤትና ክትተፍኣና እያ . . . ስለዚ ግዜ ከነባኽን ኣይግብእን።

ብዛዕባ ቁጠባን እዚ እውን ምስ ህዝባዊ ምምሕዳራት ዘለዎ ርክብን? ቁጠባ ካብ ተጻናጻኒ ኣመለኽኽታ ምእላይን ኣብ መንጐ ርኹባትን ስኡናትን ዘሎ ጋግ ንምጽባብ ብዝኣመተ ኣመለኻኽታ ማዕርነት ክምራሕን ብሳልሳይ ደረጃ ብስነ ምግባርን ሓላፍነትን እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘስዕቦ ማህሰይቲ ከይህሉ ንምግባር እዩ፡ ዘይጽምብር ማለት ዘይሓቍፍን ቁጠባ ጽባሕ ንኹሉ እዩ ዝልክም፡ ምእንቲ’ዚ ሓቛፋይን ነቶም ኣዚዮም ኣብ ትሑት ደረጃ ዝርከቡን ንናይ ሓባር ረብሓን ምክንኻን ተፈጥሮን ብዝብሉ መምዘንታት ክምራሕ ኣለዎ።

ድሕሪ ካልኣይ ወግእ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣዚዩ ጽንኵር ዝኾነ ሰብኣዊ ቅልውላው ይረአይ ኣሎ፡ ሃገራት ለብዒ ኮቮድ-19 ንምብዳህ ሓዲሽ ማዕቅናት የንብራን ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው ኤኮኖሚ ይርአይ እውን ኣሎ፡ ካብ መንግስታት እንጽበዮ? ሎሚ ካብቲ ፍርስራስ ንሕንጸት እንዕጠቐሉን እዚ ሓላፍነት’ዚ ብዓቢዩ ንመንግስታት ዝምልከት እዩ፡ . . . ኣብዚ ስራሕን መጻኢ ኵሉን ዘይውሑስን ንሓደጋን ኣብ ዝተቓልዓሉ እዋን. . . ግልጽነትን ቅንዕናን ንርሑቕ ዝኣመተን ምሕደራ ዝጠልብ ኩነት እዩ። መግንስታት ጥራሕ ዘይኮኑ ነፍሲ ወከፍና ምስ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ምስ ገበይናነትን ሓባራዊ ናብራ ምልምማድ ኣይፋል ክንብል ዝጠልብ እውን እዩ . . .

ኣብ ምንታይ መሰረታዊ መትከል ኢና ኣስተንፍሶ ክንገብር እንኽእል? እቲ ዝኽሰት ዘሎ ንዅላትና ዘነቓቕሓና እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ማሕበራዊ ፍትሕን ተነጽሎን እነወግደሉ እዋን እዩ፡ ስለዚ እቲ  ኣጋጢሙ ዘሎ ኵነት ከም ዕድል እንተድኣ ተጠቒምናሉ ኣብ መጻኢ ናብ ሰብኣዊ ሕውነት ዝመርሕ እዩ ዝኸውን፡ ካብዚ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ የብልናን፡ ብዘይ ናይ ሓባር ራእይ መጻኢ ከህልው ዝኽእል ሓደ’ኳ የልቦን፡ መራሕቲ ሃገራትን ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላትን ኵሎም ነዚ ትምህርቲ እዚ ርእሰ ማል ብምግባር ነዛ ናይዛ መሬትን ሕዝብታትን ናብ ምዕቡልን ሃብታምን መጻኢ ከምርሑ ይኽእሉ፡ መራሕቲ ሃገራት ንሓድ ሕዶም ክዝትዩን ክነጻጸሩን ነዚ ስዒቡ ኣብ ናይ ሓባር ሜላ ክሓብሩን መታን፡ . . . ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው እቲ ዘጋጥም ሕሱም መዓት ነዚ እዋን’ዚ ንሰናይ ተጠቂምካ ዘይምኽኣልን ምብኻንን እዩ፡ ካብ ዝኾነ ይዅን ቅልውላው ከምዝነበርካዮ ኮይንካ ኣይውጻእን ወይ ብሉጽ ወይ ክፉእ ኰይንካ ጥራሕ እዩ ዝውጻእ። . . .

እነባኽኖ ክበሃል እንከሎ እንታይ ማለት እዩ? ኣክንዲ ኣብ ምትሕብባር ዝጸንዐ ሓድሽ ስርዓት ዓለም ምሕናጽ ወይ ከኣ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጹው ምዃን እዩ እቲ ምርጫ ሓደ እዩ፡ ድኽነትን ትምክሕተይናነትን ብላዕን ኩላትና ከከም ሓላፍነትና ብዘይ ውክልና ብምቅዋም ካብ ተሓታትነት ገዛእ ርእስና ብዘይምእላይ - ብሓባር ንኽንዋግኦ ሓድሽ ኣገባብ ምሕላንን በዚ ኣገባብ እዚ ኢፍትሓውነት ዘበለ ኩሉ ነወግድ፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንኹሉን ናይ ኵሉን ክኸውን ምዕያይ፡ በዚ ኪደት እዚ ብዝቐውም ጥምረት ኣቢልና ጥራሕ እዩ ዳግም ክንትንስእ እንኽእል . . .

ብጭብጥ ካበይን ካብ ምንታይን ክጅምር ኣለዎ ትብሉ? ምህርትን ዝውውርን ኣጽዋር ውግእን ክንጻወሮ የብልናን . . . ሕይወት ንምድሓንን ሰባትን ንምክንኻንን ክንጥቐመሉ ዝግብኣና ሃብቲ ገንዘብ ዝምንዝዕ እዩ፡ . . . ኣብ መንጐ ዕጥቓዊ ዓመጽን ድኽነትን ማሓድሮኣዊ ምዝመዛን ዘይተገዳስነትን ሰላሕታዊ ኣመለይና ዒንኪላሎ ዕሽሽ ቢልና ገዛእ ርእስና እናታለልና ክንነብር ዝከኣል ኣይኰነን፡ ዕርቂ ዝገትእን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ዘየደልድልን ዘላቒ ምዕባለን ዘሰናኽል እዩ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ናይ ሰብእውነት ዝዓሰሎ መጻኢ ገና ኣብ ምብቋሉ ዝሓንቆ ዓለም ለኻዊ ክርዳድ ከይህሉ ዝገብር ዓለም ሓቆፍ ስምምዕ ዘፍርይ ፖለቲካ ኣገዳሲ እዩ፡ . . . ሕውነታዊ ሓድነትን ናይ ሓባር ማሃድዳት ብዘይ ጸቢብ ብሔራውነት ኣብ ገዛእ ርእስኻ ንኽትዕጸው ብዝገብር ኤጐነታዊ ፖለቲካን ንሓድ ሕድካ ካብ ምውቕቓስን ውልቃዊ ረብሓን ካብ ዝብል ንኣይነት  ብምልቓሕቕ ብሓባር ንምግጣምን ንምእላይን ምትጋህ . . .

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ ደቀንትዮ . . . እዚ ኩነት’ዚ ብዝልዓለ ደረጃ ተዓደይቲ ዝገብር ንደቀንስትዮ እዩ፡ ውላድ ኣብ ምእላይ ክድገፋን ኣብ ልዕሌና ኣብ ሞያውን ወርሓዊ ክፍሊትን ኣድልዎ ከይፍጸምን ደቀንስትዮ ብምዃነን እውን ካብ ስራሕ ንናይ ምስጓግ ሓደጋ ብዝያዳ ዘጋጥመን ክኾና የብለንን . . . ብቕዓተን ግብኡ ሚዛን ሂብካ ዝለዓለ ሓላፍነት ምሃብ፡ ንጓለንስተይቲ ዓቢይ ሓላፍነት ምሃብ፡ ሓቋፍን ፍትሓውን ጽቡቕን ዓለም ኣብ ምቛም ዝለዓለ ክእለትን ብቕዓትን ዘለወን እያተን፡ ሰብኣውነት ምቛም ክበሃል እንከሎ ካብ ጓለንስተይቲ እዩ ዝብገስ፡ ድሕነት ካብ ድንግል ማርያም እዩ ዝተወልደ፡ ስለዚህ ብዘይ ደቀንስትዮ ድሕነት ዘይሕሰብ እዩ፡ መጻኢ ዘገድሰና እንተድኣ ኮይኑ ብሉጽ ጽባሕ ክህልወና መታን ንጓለንስተይቲ ግብእን ቅኑዕን ቦታ ምሃብ ወሳኒ እዩ . . .

ንወለዲ እንታይ ትምዕዱ . . . ? ምስ ደቅኻ እትጻወተሉን እተሕልፎን ግዜ እቲ ዝበለጸ ግዜ እዩ፡ . . . መንእሰይ ወለዶ ምስ ካልኦት ብሓባርን ብሰላምን ምንባር ዝመሃር ሕግን ስርዓትን ምኽባርን ምግልጋልን ኣብ ገዛእ ርእሱ ምትእምማን ክህልዎን እዚ ኸኣ ደጋዊ ጭቡጥ ኩነት ንምግጣም መሰረት ዝህቦ ስለ ዝኾነን እዚ ኵሉ ካብ ወለዱን ኣብ ቤቱን እዩ ዝሕነጾ፡ ውላድ ንወለዱ ዘመላኽቶ ልዑል ክብርን ናይ ሕይወት ግዜን ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ውህድነትን ዝብሉ እያቶም። . . . ውላድ ልዕሊ ኩሉ ዘገድሶ ወለዱዝረኽብዎ ዘይኮነ ኣቡኡን ኣዲኡን ምዃኖም ኣብ ዝብል ዘለዎ ዕቢይ ኣገዳስነት ምሕናጽ ካብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክውደቖ ካብ ዝኽኣል ክቱር ኣንነት (ናርሲስነት) ካብቲ ደረት ኣልቦ ኢጐነትን ዝከላኸል እዩ . . .

ብሰንኪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ ኣብ ዓለም ናይ ብዙሓት ብሚሊዮናት ናይ ዝቑጸሩ ሕጻናት ናይ መጻኢ ዕድል ተቐንጺሉ እዩ፡ መንእሰያት ነቲ መሰሎም ዝክሕድ ናይ ሕንጸትን መኡያውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን መዳያቶም ብዘነኣእስ ዘይምርግጋእ ክቕየዱ ንዝገብሩ መዳያት ይቃለሱ ኣለዉ፥ ኮቪዳዊ ወለዶ ቢልካ ካብ ዝገልጽዮም ፍልይ ብዝበለ ንሱኹም እንታይ ክትብልዎም ትደልዩ? . . . በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይደጋፍን ዘይምቹእን ኩነት ከይሰዓሩ አተባብዖም፡ ብፍሹኻት የዕንቲ ምሕላም ከየቋርጹን፡ ዓበይቲ ነጋራት ምሕላም ከይፍርሖምን አተባብዕ፥ ስለ እቲ ንጽባሕ ዝሓልምዎ ሎሚ ክተግሁን . . . ካብቲ ዓብይ ሕልምታቶም ክኣልዮም ዝፍቱኑ  ጸላማውያንን ዘይቅኑዓትን መዝመዝትን ዝኣመሰሉ መሰናኽላት ገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ አተባብዕ . . . ሎሚ ካብ ቀደም ኣብዚ ሳልሳይ ሽዓዊ ዘመን ብዝለዓለ ደረጃ መንእሰይ ወለዶ ናይ ቁጠባን ስራሕን ክንክን ጥዕናን ግብረ ገባውን ቅልውላው ተዓዳዪ ኮይኑ ተራእዩ ኣይፈልጥን . . . ኣብ ኦርቲ ዘፍጥረት ካልኣይ ምዕራፍ ከም እነንብቦ እዚኣብሔር ሰማይን ምድርን ምስ ፈጠረ ነቲ ዝፈጠሮ ሰብ ኣብ ኤደን የንብሮ፡ ምኽንያቱ ከፍርዮን ክፈልጦን እምበር ጡረተናን ወይ ንዕርፍቲ ግዜን ንበዓልን ከም መዕረፊ መንበር ኩድጭ ንኽብለሉ ኣይኮነን፥ ስለዚ ከጽንዕን ክሰርሕን እዩ ዝልእኾ. . .

እግዚኣብሔር ንሰብ ብቕዓትን ድላይን ዘለዎ ገይሩን ንኽሰርሕን እዩ ፈጢርዎ፥ ንኸፍቅር እውን . . . ብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ኣፍቅር ኢየሱስ ባዕሉ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 12, 31 ካብዚ ዝዓበየ ካልእ ትእዛዝ ከምዘየለ የረጋግጸልና፡ ነቲ እግዚኣብሔር እንክፍጥረና ንዘልበሰና ሓላፍነት ካብ መንእሰያት ንልዕሊ ብቑዕ እየ ዝብል ክህሉ ኣይኽእልን . . . ከምቲ ቅድስ ፊሊፖ ነሪ ዝብል “ብዝተኻእለካ/ኪ መጠን ሕጉስ/ቲ ንምዃን ኣይትረስዕ/ዒ” ክብሎ እፈትው።

16 March 2021, 16:38