ንኢራቅስ ይኹን ንመላእ ዓለም ሎሚ ዝዓበየ ግድል ምድንፋዕ ሕውነት እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘እግዚኣብሔር ድማ ንኣብራም በሎ፤ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ። . . . ኣብራም ከኣ ከምቲ እግዚኣብሔር ዝበሎ ኸደ፡ . . . እግዚአብሔር ንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ ንሰማይ ጠምት፡ ምቝጻሮም እትኽእል እንተዄንካ፡ ከዋኽብቲ ቝጸር፡ በሎ። ዘርእኻውን ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ በሎ። ብእግዚኣብሔር ከኣ ኣመነ፡ ንሱ ድማ ንጽድቂ ቘጸረሉ።’ (ዘፍ 12,1.4፡ 15,5-6)

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሕልሚ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ንዝነበረ ክፍጽም ጐይታ ንኢራቅ ክበጽሕ ፍቃዱ ኰይኑ። ኣብዛ መበቆል ኣቦና ኣብርሃም ዝኾነት መሬት ማንም ር.ሊ.ጳ ቅድሚ ሕጂ ኣይበጽሐን። ሓልዮት ኣምላኽ ግን ድሕሪ ዓመታት ናይ ውግእን ራዕድን ብተወሳኺ ለበዳ ኮቪድ 19 በርቲዑሉ ኣብ ዘሎ ሕጂ ክፍጸም ፈቂዱ።

ነዚ ምብጻሕ እዚ ምስ ፈጸምኩ ልበይ ብምስጋና መሊኡ።  ንልዑል እግዚአብሔር ምስጋና ይኹኖ ከምኡ እውን ነቶም እዚ ምብጻሕ ክውን ክኸውን ዘበርከቱ ፕረሲደንት ሪፓብሊክ ኢራቅን መንግሥቱን ከምኡ እውን ንብፁዓን ፓትርያርክታትን ኣቡናትን ናይታ ሃገር ምስ ኩሎም ልኡኻትን ምእመናን ናይ ኩለን ኣብያተ ክርስትያንን ሰብሥልጣን እምነትን ካብቶም ምሳኦም ዘይርሳዕ ርክብ ኣብ መንበሪኦም ኣብ ናጃፍ ዝገበርኩ ዓቢይ ኣያቶላህ ኣል ሲስታኒ ጀሚርካ ንኩሎም አመስግን።

 ናይዚ መንፈሳዊ ንግደትዚ ናይ ንስሓ መንፈስ ብሓይሊ ተሰሚዑኒ። ናብዚ ብዓመጽ ዝተዳህኸ ህዝብን ኣብ ሰማዕትነት ዘላ ቤተክርስትያንን ከምቲ ኣብ ኣፋፌት ቃራቆሽ ተጻሒፉ ዝነበረ ነቲ ንሶም ዝስከምዎ ከቢድ መስቀል ብስም ቤተክርስትያን ከይጾርክዎ ናብኦም ክቀርብ ኣይክኣልን ነረ። ክበድ ናይዚ መስቀል እዚ ከኣ ብዕንወት ዝሰዓበ ቊስልታት ገና ክደሚ እንከሎ እንክዕዘብ ዝገደደ ከኣ ምስክርነት ናይቶም ግዳይ ዓመጽን ስደትን ዝኾኑ እንክሰምዕ ነበረ። ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ታሕጓስ ናይቶም ልኡኽ ክርስቶስ ክቅበሉ ከቢቦምኒ ዝነበሩ ምስ ተዓዘብኩ ነቲ ናይዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መሪሕ ቃል ጐይታ ‘ንስኹም ኩሉኹም ኣሕዋት ኢኹም’ (ማቴ 23,8) እተጠቃልል ናብ ሰላምን ሕውነትን ዝኽፈት ማዕጾ ተስፋ ተዓዚበ። ነዚ ተስፋ እዚ ኣብ መደረ ፕረሲደንት ሪፓብሊክ ከምኡ እውን ኣብ መዛሙርን ምንቅስቃስን ናይቲ ሕዝቢ ርእየዮ። ኣብ ፍሕሽው ገጻት መንእሰያትን ዘብረቅርቃ ኣዕይንቲ ሽምግለታትን ኣንቢበያ። እቲ ሕዝቢ ንር.ሊ.ጳ ንልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓታት ተጸብዮም ብዘይ ኰፍ መበሊ ደው ቢሎም! ነዚ ኸኣ ሕጻናት ዝሓቈፋ ኣንስቲ እውን ገረንኦ! እወ ይጽበዩ ኣዕይንቶም ከኣ ብተስፋ መሊኤን ነበራ።

ሕዝቢ ኢራቅ ብሰላም ክነብር መሰል ኣለዎ! ዝግብኦ ክብሪ ክረክብ መሰል ኣለዎ! ናይ እምነትን ባህልን ሰራውሩ ኣሽሓት ዓመታት ዘቊጸረ እዩ። መሶጰጣምያ መበቆል ምዕባሌ እያ። ባቅዳድ ኣብ ታሪኽ ቀዳማይ ኣድላይነት ዝነበራ ከተማ ነበረት። ናይ ዓለምና ዝሃብተመ መዝገበ መጻሕፍቲ ትውንን ነበረት። እንታይ ኣዕነዋ! እንተበልና መልሱ ውግእ እዩ። ውግእ ኩሉ ግዜ መዕነዊ ኣራዊት እዩ። ምስ ዘመናት እናተቀያየረ ንዘመደ ኣዳም ምዕናው ይቅጽሎ ኣሎ። እንተኾነ ንውግእ ዝወሃብ መልሲ ካልእ ውግእ ኣይኮነን ንኣጽዋር ዝወሃብ መልሲ ኣጽዋር ኣይኮነን። ኣብዚ ቅጅል ዝበለትኒ ሕቶ ነቶም ፈጠርቲ ራዕዲ መን እዩ ኣጽዋር ውግእ ዝሸጠሎም! ነዞም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰፍ ዘይብል ዕንወት ዘውርዱ ዘለው ከም በዓል ኣፍሪቃ እንተሓሰብና ንኣብነት መን ሎሚ ከም ሎሚ ኣጽዋር ውግእ ዝሸጠሎም ዘሎ! ነዛ ሕቶ እዚኣ ገለ ሰብ ክምልሸላ ምደለኹ። እታ መልስኸስ ውግእ ኣይኮነትን ሕውነት እያ። ዝዓበየ ግድል ዒራቅከስ እዚ እዩ። ወረ እዚ ግድል ዒራቅ ጥራይ ኣይኮነን፡ ናይ ብዙሓት ኣብ ግጭት ዘለዋ ዞባታት ግድል እዩ፡ ካብኡ ብዝለዓለ ከኣ ናይ መላእ ዓለም ግድል እዩ። ቃልሲ ሕውነት! እስኪ ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ኢልና፡ ኣብ መንጎና ሕውነት ክነንግሥ ንኽእልዶ ንኸውን! ባህሊ ኣሕዋት ክንገብር ንኽእልዶ ንኸውን! ወይስ በታ ብቃኤል ዝጀመረት ኣመክንዮ ንቅጽል ማለት ውግእ! ሓደራኸስ ሕውነት!

ስለዚ ከኣ ኢና ዝተራኸብና። ኣስላምናን ክርስትያንን ምስ ወከልቲ ካልኦት እምነታት ኰና ኣብታ ኣብርሃም ቅድሚ ኣርባዕተ ሺሕ ዓመት መጸዋዕታ እግዚአብሔር ዝተቀበለላ ከተማ ኡር ብሓባር ጸሊና። ኣብርሃም ናይቲ ዓቢ ትውልዲ ክኸውን ተስፋ ዝሃቦ እግዚአብሔር ድምጺ ሰሚዑ ንኩሉ ገዲፉ ብምንቃሉ ኣቦ እምነት እዩ። እግዚአብሔር ኣብ ኪዳኑ እሙን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ሎሚ እውን ገና ነቲ ንኣኡ ኣሚኑ ኣብ መሬት እናተጓዕዘ ንሰማይ ዝጥምት ስጉምታት ይመርሕ ኣሎ። ኣብ ከተማ ኡርከስ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣቦና ኣብርሃም ንዓና ንወለዶኡ ዝኾና ዝረኣየሉ ብሩህ ሰማይ ኰና ብሓባር እንክንጽሊ እታ ጐይታ ንስኹም ኩሉኹም ኣሕዋት ኢኹም ዝበላ ሓረግ ኣብ ኣእዛና ዘአቃልሐት መሰለና።  

ኣብታ ብ2010 ዓም ክልተ ዝቅድሱ ዝነበሩ ካህናት ዝርከብዎም ኣርባዓን ሾመንተን ዝተቀትሉላ ኣብ ባቅዳድ እትርከብ ሲሮ ካቶሊካዊት ካተድራል ካብ ዝገበርናዮ ርክብ ሓደ ናይ ሕውነት መልእኽቲ ልኢኽና። ኣብ ኢራቅ እትርከብ ቤተክርስትያን ኣብ ሰማዕትነት እያ ዘላ፡ ኣብቲ  ቤተ መቅደስ ንዝኽሪ እቶም ሰማዕታት ኣብ ዝቆመ እብነ በረድ ናይዚ ርክብ ሓጐስ ኣጋዊሑ። ኣነ ኣብ መንጎኦም ምህላወይ ከኣ በቲ ንሶም ር.ሊ.ጳ ኣብ መንጎኦም ብምህላው ዝተሰመዖም ሓጐስ ተዀሊዑ ነበረ።

ካልእ መልእኽቲ ሕውነት እውን ካብ ከተማ ሞሱልን ቃራቆሽን ኣብ ሩባ ጢግሮስ ኣብቲ ፍርስራስ ጥንታዊት ነነዌ ካብ ዝርከቦ ቦታ ኣመሓላሊፍና።  ዳዕሽ ነቲ ከባቢ ምስ ተቆጻጸርዎ ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ነበርቲ ክሃድሙ ተገዲዶም። ኣብ መንጎኦም ከኣ ብዙሓት ክርስትያን ኣባላት ዝተፈላለያ ኣብያተክርስትያንን ካልኦት ዝተሰዱ ውሁዳን ብሔራትን ብሕልፊ ብሔረ ያዚዲ ይርከብዎ። ጥንታዊ መንነት እታ ከተማ ዓንዩ እዩ። ሕጂ ብብርቱዕ ጻዕሪ ዳግም ንምህናጻ ይሰርሑ ኣሎ። ኣስላም ንክርስትያን ክምለሱ ይዕድምዎም ኣልዎ ብሓባር ከኣ ዝፈረሰ ኣብያተ ክርስትያንን መሳግድን የሐድሱ ኣለው። ሕውነት ኣብኡ ኣሎ። እዞም ብብርቱዕ ፈተና ዝሓለፉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም ብሓዲሽ ንምጅማር ሓይሊ ምእንቲ ክረኽቡ በጃኹም ስለኦም ምጽላይ ንቀጽል። ብዛዕባ እቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኢራቃውያን እንኪሓስብ ከኣ ነዚኣ ክብሎም እደሎ። ከም ኣብራሃም ንኩሉ ሓዲግኩም ተሰዲድኩም ኣሎኹም፡ ከምቲ ናቱ እምነትን ተስፋን ክትዕቅቡ ኣብ ዘዘሎኹም ኣለምቲ ዕርክነትን ሕውነትን ክትኮኑ እላበወኩም። ዝከኣለኩም እንተዀይኑ ከኣ ዓድኹም ተመለሱ።

ካልእ ናይ ሕውነት መልእኽቲ ከኣ ካብተን ብሥርዓት ኬልቄዶን ኣብ ባቅዳድን ኣብታ ብፕረሲደትን ናይቲ ክልን ቀዳማይ ሚኒስተርን ሰበሥልጣንን ብዓጀባ ዝተቀበሉኒ ነቶም ክቅበሉኒ ዝመጹ እንከመስግን ብዙሕ ሕዝቢ እውን ዝተቀበሉኒ ከተማ ኤርቢልን ዘዕረግናየን ክልተ ቅዳሴታት ውሒዘን። ተስፋ ኣብርሃምን ወለዶኡን ኣብዚ ዝሰራዕናዮ ምሥጢር ክውን ኰይኑ ማለት ብኢየሱስ ወልደ እግዚአብሔር ኣብኡ ዘይነሓፎ እንታይ ደኣ ንድሕነት ኩልና ዘወፈዮ ንሱ ብሞቱን ብትንሣኤኡን ናብ ምድሪ ተስፋ ናብታ ንብዓት ኩሉ ዝሕበሰላ ቊስልታት ዝሓውየላ ኣሕዋት ዝዕረቁላ ሓዳስ ሕይወት ዘመሓላልፍ መንገዲ ከፊቱልና።  

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ስለ እዛ ታሪኻዊት ምብጻሕ እዚኣ ንእግዚአብሔር ንወድስ ስለ ቅድስት መሬትን ስለ ማእከላይን ምብራቅን ጸሎትና ይቀጽል። ኣብ ኢራቅ ሽሕ’ኳ ብሰንኪ ዕንወትን ደብዳብ ኣጽዋርን ዝሓለፈት እንተኾነት ምልክት እታ ሃገርን ምልክት ተስፋን ዝኾነ ኣታኽልቲ ተምሪ ምዕባዮምን ፍረ ምሃቦምን ይቅጽሉ ኣለው። ሕውነት እውን ከምኡ ማለት ከምቲ ፍረ ተምሪ  ሽሕ’ኳ ድምጺ እንተዘይሃበ ከምእንፈሪ ገሩ የዕብየና። ሰላም ዝኾነ ኣምላኽ ንሃገረ ኢራቅ ከምኡ እውን ንማእከላይ ምብራቅን ንምሉእ ዓለምን ሕውነት ዝዓሰሎ መጻኢ ይጸጉ።

ብድምጺ ንምክትታል!
10 March 2021, 12:29
ንኩሉ ኣንብብ >