ንሕልና ደቂ ሰባት ካብ ድንዛዜ መንፈስ ኣይሙቅ ኣይዝሑል ምዃን ኣነቃቅሑ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 1 መጋቢት 2021 ዓም ኣባላት ናይቲ ብ1983 ዓም ኣብ ከተማ ፍሎረንስ ሃገረ ጣልያን ዝተመሥረተ ድኻታት ሥድራቤታትን ሽማግለታትን ስንኩላንን ዝኣልን ዝድግፍን ማሕበር ደገፍ ወለንተኛታት ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ‘ምልክት ናይቲ ብክበድ ሕይወት ተጸቂጡ ንዘሎ ክድግፍ ብርሕራሔ ድንን ዝብል ጐይታ ኩኑ’ እንክብሉ ብኣብነቶም ነቶም ብመንፈስ ዛሕሊ ፍቅሪ ደንዚዞም ዘለው ከነቃቅሑ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ነታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኩሎም ተኸተልቱ ሓደራ ዝበላ ምርዳእ ጽጉማትን ድኻታትን ከም ቀንዲ ተልእኮ ተቀቢላ ቤተክርስትያን ወትሩ ንድኻታት ኣብ ምርዳእ ምስ ተጸምደት እያ። ነዚ ከኣ ብዝተፈላለዩ ማሕበራታን ግለሰባታን ትገብሮ። በዚ መንፈስ እዚ ተደፋፊኦም ኣብ ከተማ ፍሎረንስ ወይውን ከም ኣባሃህላ ጣልያን ፊረንዘ ቅድሚ አርባዓ ዓመት ኣቢሉ ብተበግሶ ቅሩባት ዝጀመረ ረዳኢ ደጋፊ ንዘይብሎም ድኻታት ሥድራቤታትን ሽማግለታትን ስንኩላንን ንምድጋፍ ማሕበር ምድግጋፍ ብዝብል ስም ንዝንቀሳቀሱ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ቅዱስነቶም ‘ነዞም ንስኹም እተገልግልዎም ድኻታትን ሽማግለታትን ስንኩላንን ነቲ ክብሪ ነፍሲወከፍ ወዱን ጓሉን ክሕሉን ክከላኸለን ከድንፍዕን ዝደሊ ልቢ ሰማያዊ ኣቦ ናይ ምግላጽ ሥራሕኩም ብዝበለጸ ኣገባብ ቀጸልዎ’ኢሎሞም። ነቲ ማሕበር ወኪሎም ናብ ቅዱስነቶም ዝመጸ ሓምሳ ኣባላት እንክኾኑ መራሓቶም ዝመጸት ከኣ ፕረሲደንት ናይቲ ማሕበር ማርያ ኤውጀንያ ራለቶ ምዃና ናይ ቅድስት መንበር ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።

ሓገዝ ምእካብን ማእከል ምጽንናዕ ንሽማግለታትን ስንኩላንን!

እዚ ማሕበር እዚ ብሣልሳይ ማሕበር ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ፍዮረንቲኒ ሥርዓት ዝተጐስጐሰን ብ1983 ዝቆመን ብቀንዱ ካብተን ቀንድን ሠለስተን ሥርዓታት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዝኽተላ ዓባይ ሥድራቤት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዝኾና ንኡሳን ኣሕዋትን ገዳማውያንን ካፑቺኒን ዝበሃላ ቅርንጫፋት ዘጠቃልል ኰይኑ እቲ ምንቅስቃስ መጀመርያ መንፈሳውን ስጋውን ጸገም ንዘጓንፎም ንምርዳእ ዝነቀለ ኰይኑ ኣገልግሎት ብጥርኑፍ ማሕበር የካይድ። ሎሚ ከም ሎሚ ከኣ ብለበዳ ኮቪድ 19 ንዘጋጠመ ጸገማት ንምብዳህ ካብቶም ዘለዎም ክዳውንቲ ብምእካብ ንጽጉማት ብምብጻሕ ከምኡ እውን እቲ ቀንዲ ተጽዕኖኡ ኣብ ኣረጋውያንን ስንኩላን ስለዝኾነ ነዞም ሰባት እዚኦም ጭንቀትን ተጽዕኖን ስለዘስዓበሎም ንሽማግለታትን ስንኩላንን ተቀቢለን ጸገሞም ሰሚዔን ምጽንናዕን ዘድሊ ምኽርን ዝህባ ማእከላት ብምቋም ዓቢ ኣገልግሎት ከምዘወፊ እውን ተመልኪቱ። ቅዱስነቶም ንኩሉ ኣገልግሎቶም እንከመስግኑ ምናዳ እዛ ዳሕረይቲ ማለት ንሰብ ጸገሙ ጽን ኢልካ ሰሚዕካ ቅርበትካ እንክትገልጸሉ ዝዓበየ ምዃኑ ንምግላጽ ‘እዚ ብሓቂ ክቡር ኣገልግሎት እዩ። ቁጠባውስ ይኹን ማሕበረሰባዊ ጸገም ኣጥቂዕዎም በይኖም ንዝሳቀዩ ስድራቤታትስ ይኹን ሽማግለታት ከምኡ እውን ዝተፈላለየ ጸገማት ዘጥቅዖም ስንኩላን ቅድሚ ዝኣገረ ዘድልዮም ደገፍን ኣብ ጐድኖም ምሳኦም ኰንካ ኣጆኹም ምባልን እዩ’ ኢሎም። ቀንዲ ኣብ መንጎና ፍልልይ ዝፈጥር ዘሎን ብክልተ ዝተፈላለየ ናህሪ ከምእንጐዓዝ ዝገብረና ሱር ኩሉ ክፍኣት ዝኾነ ሃብቲ ምዃኑ ከኣ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣብዚ ብክልተ ናህሪ ክሕንበብ ዘንቀደ ዓለምና በቲ ሓደ ወገን ሃብቲ ክድለብ እንክንርኢ በቲ ሓደ ወገን ግን ዘይማዕርነት ከምዝስዕርር ብምግባር ንብዙሓት የሳቂ ኣሎ። እንተ ንስኹም ብወለንታኹም ንጡፍ ሓገዝ ምውፋይኩም ብዓይኒ እምነትን ወንጌልን ወገን ናይቶም ዘርኢ መንግሥቲ ኣምላኽ ኣብዚ ዓለምና ዝዘርኡ ኢኹም። ሓደራ ዝብለኩም ማንም ካብዞም ንስኹም እተገልግልዎም ከይንጸል ወይውን መሰል ከይንፈጎ ኢሎም።”

ማንም ሰብ ክይንጸል ወይውን መሰል ከይንፈጎ!

ቅዱስነቶም ናብታ ደጋጊሞም ዝብልዋ ቊስልታት ደቂ ሰብን ቅርበት ኢየሱስን ብምጥቃስ ‘ኢየሱስ ኣብ ቊስልታት ደቂሰባት ብርሕራሔ ቀሪቡ። ነዚ ከኣ ቀረባና ብምዃን ምናዳ ንድኽታትን ነቶም ዝተገለሉን ኣይረብሑን እዮም ተባሂሎም ዝተወሰኑን ነቶም ኩሎም እምነት ዝነፈጉሎም ዝተጠንጠኑን ዝተጨቈኑን ቀሪቡ ብምርዳእ ገሊጽዎ። ንኩልና ከኣ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ክንገብር ልኢኹና። ኣነጺሩ ከኣ ጠምየ ነረ ዝብላዕ ሂብኩምኒ ጸሚኤ ነረ ዝስተ ሂብኩምኒ ዓርቀ ነረ ከዲንኩምኒ ወዘተ እናበለ ነዚ ብምግባር ለውሃት ልቢ ሰማያዊ ኣቦና ነቶም ናቶም ወኪላት ዝኾነ ድኻታትን ጽጉማትን ክንገልጾ ከምእንኽእል ገሊጹልና’ ኢሎም።

“እዚ ኣቦ እዚ ናይ ነፍሲወከፍ ወዱን ጓሉን ክብሪ ክዕቅብ ክከላኸልን ከደንፍዕን ዝደሊ ኣቦ እዩ። ማንም ካብዞም ደቁ ንከይግለል ወይውን እተን መሠረታውያን መሰላቱ ከይጭፍለቃ ማሕበራውን ቁጠባውን ሰብኣዊ ኩነታት ንክህነጽ ይጽውዓና ኣሎ። ማንም ብስእነት እንጌራን ፍቅርን ክሳቀ የብሉን ኢሎም። ነዚ ኣብነት ዝኾነ ምስቶም ብኩሎም ዝተናዕቁ ብምጉዓዝ ሕይወት ክርስቶስ ዝሰዓበ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ እዩ።”

ጒዕዞ ምስቶም ዝደሓሩ፡ አብነት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ

ቅዱስነቶም ነዞም መንፈሳዊ ወለዶ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ቈጽሮም ንኣብነቱ ንምኽታል ዘንቀዱ ወለንተኛታት እዚ ንሶም ዝገብርዎ ምድግጋፍ ቀንዲ ምንጩ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ዘቅረቦ ብሩህ ምስክርነት ኮይኑ እዚ ከኣ ከምቲ ጸሎቱን ሃረርታኡን ናብ ተግባራዊ ሕውነት ኩሉ ፍጡር ከምዝወስድ ገሊጾም።  ንሶም ንባዕሎም እውን ሽሙ ካብ ምምራጽ ጀሚርካ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ኣብ ኣብነቱ ተመርኲሶም ከምዝጸሓፉን እዚ ንኩሉ ሰላም ዝዘርእ ኣብ ጐድኒ ድኻታትን ማንም ኣላዪ ዘይብሎም ሕሙማትን ብኩሉ ዝተናዕቁ ናይ መጨረሻ መስርዕ ሕብረተሰብ ዝበሃሉን ተሰሪዑ ብምስናዮምን ምሳኦም ብምጒዓዝን ኣብ ኩሉ ሰላም ዘሪኡ። ንስኹም ከኣ ከም ማሕበር ብሓባር ኰንኩም ነዚ ደገፍ እዚ ኣብነቱ ተኸቲልኩም ዳርጋ ንኣርባዓ ዓመታት ንቅድሚት ተሰጒሙ ኣሎኹም እንክብሉ ነቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዝጀመሮ ጭቡጥ ተግባር ተስፋ ምስቲ ኩሉ ዘጋጥሞ ግድላት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ብምግባሮም ኣመስገንዎም።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ከም ልማዶም ሰለስተ ቃላት ከዘኻኽረኩም ይብልዎም እሞ ‘ እግዚአብሔር አባና ዘርእዮ ምሕረት ብሰለስተ ቃላት ክግለጸ ይከኣል ቅርበት ርሕራሔን ለውሃትን እየን። ንስኹም እውን ነዚአን ብምግባር ቅርበትን ርሕራሔን ለውሃትን እግዚኣአብሔር ናብ ኩሎም ክተብጽሑ ሓደራ። ብእትገርዎ ናይ ደገፍ ስራሕ ንቅድሚት ገስግሱ እንተኾነ ሠናይ ድላይናን ተበግሶናን ተግባርናን በይኑ ብዘይ ሓገዝ እግዚአብሔር ምንም ከምዘይብሉ ተረዲእኩም ብጸሎት በርትዑ’ እንክብሉ ንሶም ብጸሎት ከምዝድግፍዎም ብግዲኦም ከኣ ስለኦም ክጽልዩ ብምምሕጻን ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበተዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
02 March 2021, 12:58