2021.03.13 ር.ሊ.ጳ ምስ መንእሰያት ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ፓናማ 2019 2021.03.13 ር.ሊ.ጳ ምስ መንእሰያት ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ፓናማ 2019 

ሾመንተ ዓመታት ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ! ታሕጓስ ወንጌል ንመላእ ዓለም!

ሾመንተ ዓመት ይገብር ልክዕ በዛ ዕለት እዚኣ ማለት ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓም ብፁዕ ካርዲናል ኾርገ ማርዮ በርሎጝልዮ ቀዳማይ ኢየሱሳዊ ቀዳማይ ኣመሪካዊ ቀዳማይ ፍራንቸስኮስ ዝብል ዝመረጸ ኮይኖም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ ተመርጹ። እዘን ዝሓለፋ ሾመንተ ዓመታት ር.ሊ.ጵጵስና ፍራንቸስኮስ ንመላእ ዘመደ ኣዳም ፍቅሪ ኢየሱስ ንምብጻሕ ብዝብል ዓለማ ንኩሎም ሕዝበ ክርስትያን ኣብ ወፍሪ ስብከተ ወንጌል ብዝተሓደሰ መንፈስ ንምስታፍ ዝተፈላለየ ተበግሶን ተሓድሶን ዝተፈጸመለን ዓመታት እየን።

ዜና ቫቲካን!

ቅርበት ሲኖዶሳውነትን ተበግሶ ስብከተወንጌልን ብዝብላ ሠለስተ ቃላት ክጠቃለል ዝኽእል ተበግሶ ነበረ። ኣመለኻኽታ ቅዱስነቶም ካብ ላዕሊ ዘይኮነ ካብ ታሕቲ ካብ ሱር መሠረት ዝነቅል ካብቲ ናብራን ኣቀማመጣ መሬትን ወሰን ዘትሓዞም ጀሚሩ ንማእከል ገጹ ዝጐዓዝ እውን እዩ። ነዚ ንምግባር ብቀንዱ ምንጪ ኩሉ ንዝኾነ ሕዳሴ ወንጌል ዳግም ንምብርባር ንኩሎም ምእመናን ፍቅሪ ኢየሱስ ናብ ኩሎም ዘመደ ኣዳም ንክበጽሕ ብውዕውዕ መንፈስ ክቅበልዎን ንስብከተወንጌል ክወፍሩን ዓዲሞም። እታ ቅዱስነቶም ዝብህግዋ ቤተክርስትያን ካብ ገዛእ ርእሳ ዝወጸት መዓጹኣ ንኩሉ ርሑው ዝኾነ መሕከሚ ዳስ ኰይና ኣብ ኩሉ ጎላጉል ክትርከብ ነዚ ንምግባር ከኣ ሰውራ ርሕራሔን ተኣምር ምቅሉልነትን ከፍርሃ ከምዘይብሉ ገለጹ። ነዚ ከኣ ኣብታ ኢቫንጀሊ ጋውድዩም ሓሴት ወንጌል ኣብ ትብል መልእኽቶም ኣነጺሮም ኣስፈርዎ።

ሕዳሴን መሪሕ መደብ ር.ሊ.ጵጵስና ዝኾነ ሰነድ ሓሴት ወንጌልን!

እቲ ሕዳሴ ብዓንዱ ርእሱ በተን ቀዳማይ ዝበልናየን ሠለስተ ነጥብታት ማለት ፍራንቸስኮስ ዝብል ስም ዝመርጽ ኢየሱሳውን ኣመሪካውን ዝብላ እኳ እንተኾነ እታ ዝዓበየት ግን ዋላውን ቀዳመይቲ እንተዘይኮነት ኣብ ታሪኽ ሳሕቲ ዝፍጸም ክድገም እውን ዘይትጽበዮ እቲ ዝቀደመ ር.ሊ.ጳ ብሕይወቱ እንከሎ ካልእ ር.ሊ.ጳ ናይ ምምራጽ ፍጻሜውን ካብቶም ክሳብ ሕጂ ንብዙሓት ዘስደመመ ፍጻሜ እዩ። ከመይ እቶም ኣይክእልን ዝበሉ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ጐድኖም ኰይኖም ብብሕትውና እናነበሩ ብጸሎቶምን ምኽሮምን ይድግፍዎም ኣለው። እዚ ቀዳማይ ከምዚ ዝገበረ ወይ ዝበለ ር.ሊ.ጳ ዝብል ሃንደበትነት ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዝቅጽል ዘሎ ኰይኑ ኣብቲ መጀመርታ ግን ዋእ እዝስ ከመይ ኢሉ ብዘብል መንገዲ ነቲ ንነዊሕ ዘመናት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተቀመጡሉ ሓዋያርያዊ ኣዳራሽ መንበሪ ገዲፎም ከም ማንም ኣብ መቀበል ኣጋይሽ ቅድስት ማርታ ምስ ሓመድ ሓፋሽ ክቅመጡ ምምራጾም ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ናብ ኩሎም ዝዝርጋሕን በብጒጅለ ምሳኦም ብኁባሬ ክቅድሱ ንዝደልዩስ ይኹን ኣብ ቅዳሴኦም ክሳተፉ ምስ ዝደልዩ ምእመናን ንግሆ ንግሆ ከም ማንም ቆምስ ክቅድሱን ክሰብኩን ድሕሪ ቅዳሴ ነቶም ምሳኦም ዝቀደሱን ዘቀደሱን በብሓደ ረኺቦም ከዛርቡ ምጅማሮም ነበረ። እዚ ጥራይ ከይኣክል ንነዊሕ ዝጠመተ ዳርጋ ምሉእ መደብ ሓዋርያዊ ተልእኮኦም ዝሓዘ ሰነድ ክትፍሎ ዘድፍር ኢቫንጀሊ ጋውድዩም ሓሴት ወንጌል እትብል ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳን ብኡ ንብኡ ብ2013 ዓም ምስ ጸሓፉ ብኡ ኣቢሎም ከኣ ንወፍሪ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ንኩሎም ኣካላት ቤተክርስትያን ምስ ጸውዑ እዩ። ምሳኡ ብዝተታሓዘ ከኣ ኣብቲ ቅድሚ ምምራጽ ር.ሊ.ጳ ዝተግብረ ሓፈሻዊ ዕጽው ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ኩሎም ዝሠመሩሉ ሕዳሴ መላእ ቤተክርስትያን ምናዳ ኸኣ ነቲ መማርኽትን መሣርሕትን ር.ሊ.ጳ ዝሓዘ ብኩርያ ሮማና ዝፍለጥ ምምሕዳር ቅድስት መንበር ካብታ ተኣፋፊት ናይ ገንዘብ ጉዳይ ጀሚርካ ክሳብ ዝተሓተ ጉዳያት ናይ ኩሉ ሕዳሴ ንምትእትታው ካብ መላእ ዓለም ብዝተዋጽኡ ትሽዓተ ካርዲናላት ዝቆመ ቤትምኽሪ ካርዲናላት ብምቋም ለይትን መዓልትን ክሰርሑ ጀመሩ። እዚ ጉባኤ ቤትምኽሪ ካርዲናላት ከኣ በታ ብ1988 ዓም ዝተሓደሰት ፓስቶር ቦኑስ ሕያዋያ ጓሳ እትብል ሓዋርያዊት ቅዋም ብምሕዳስ ጀመርዎ። ምስ እዚ ብዝተታሓሓዝው ከኣ ናይ ኩሉ ምንጪ ዝኾነት ሥድራቤት ምስ እትጥዒ ሃገርን ቤተክርስትያን ብዓንዲ ርእሳን ክጥዕዩ ከምዝኽእሉ ብምእማን ብኡ ንብኡ ፍሉይ ሓዋርያዊ ተልእኮ ንሥድራቤት ጀመሩ።

ሥድራቤት!

ንመረጻኦም ኣብ ዝሰዓበ ዓመት 2014 ዓም ቅዱስነቶም ኣብ ሥድራቤት ዘተኮረ ፍሉይ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ክግበር ወሰኑ። ከም ትዕዝብቲ ቅዱስነቶም እቲ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ግላዊ መንፈስ ዝወረሮ ናይ ግዜኡ ማሕበረሰብ ንሥድራቤት ብዘይመጠን የጥቅዕ ከምዘሎን መሰል ሕጻናትን ወለድን ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ብሕልፊ ከኣ ትምህርተ ክርስቶስን ትምህርቲ ሞራን ይጉዳእ ከምዘሎ ነበረ። እዚ ብካልእ ሥሩዕ ሲኖዶስ ብ2015 ዓም ዝቀጸለ ጉዳይ ሥድራቤት በታ ብዙሕ ዘዛረበት ኣሞሪስ ለቲስያ ሓሴት ፍቅሪ እትብል ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳኖ ብዕለት 8 ሚያዝያ 2016 ዓም ጽባቄን ኣድላይነትን ናይታ ብሰብኣይን ሰበይትን ብቃል ኪዳን ዝቆመት ሥድራ ብምግላጽ ዛዘምዎ። እንተኾነ ነቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝቆሰለ ሥድራቤታት ዝተፋትሑ ተፋቲሖም እንደገና ካልእ ዝተመርዓው ጓሶት ፍሉይ ኣቃልቦ ክገብሩሎም ብሓባር ፍቃድ ኣምላኽ ናይ ምልላይ መንፈሳዊ ጒዕዞ ክገብሩ ተማሕጺኖም። ምስ`ዚ ብዝተታሓሓዘ ኣብቲ ብ2014 ዓም ዝጀመርዎ ተሓድሶ ተመርኲሶም ንትሕቲ ዕድሚ ፍሉይ ቆላሕታን ሓለዋን ክግበር ጳጳሳዊ ኮሚሽን ንክንክን ትሕቲ ዕድመ ብምቋም ኣብያተክርስትያን ፍሉይ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ክገብሩ ከምኡ ሓገዝ ንዘድልዮም ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ሽማግለታት ክገብሩ ተማሕጺኖም።

ቅዱስነቶም ዝገብርዎ ተበግሶ ካብ ምብዛሑ ኣየናይ ኣጋዊሕካ ኣየናይ ክትገድፍ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ ምስተን ንመጀመርያ ግዜ ዝበልናየን ዝሥራዓ ስለ ሰላም ኣብ ዝገብርዎ ምህለላ ንመጀመርያ ግዜ ጸሎት ኣስላም ኣብ ቫቲካን ዝተስምዓሉ ስለሰላም ቅድስት መሬት ብዕለት 8 ሰነ 2014 ዓም ኣብ ቦታ ኣታኽልቲ ቫቲካን ፕረሲደንት እስራኤል ነበር ሺሞን ፐረዝን ፕረሲደንት ሃገር ፍልስጥኤም ማሕሙድ ዓባስን ምስ መራሕቲ እምነት እስልምና መሻይኽን እምነት ኣይሁድ ረበናትን ብሓንሳብ ዝገብርዎ ጸሎት እንክትከውን ካብኣ ዘይትሰንፍ ከኣ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መንጎ ክዩባን ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ሓሽኪሩ ብዙሕ ዘዘራረበ ጽልኢ ተኣምር እምበር ካልእ ክትብሎ ብዘድፍር መንገዲ ዕለት 17 ታሕሳስ 2014 ዓም ዝገበርዎ ዕርቂ ነበረ።

ምክንኻን ተፈጥሮ!

ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ በቲ ዝኾነ ነገር ኣድናቆት ከይወዳእካ ኣብ ካልእ ዘሰጋግሩ ቅዱስነቶም ኣብ 2015 ዓም ከኣ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዕለት 24 ትኽክል ንምዃን፡ እንትርፊ ቅድሚ 800 ዓመት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘአሲዚ ማንም ሓሲብዎ ዘይፈልጥ ናይዛ ሓባራዊት ገዛና ዝኾነት መሬት ኩነትን ዕንወትን ኣተሓሳሲብዎምስ ዳርጋ ምስ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ‘ኦ ጐይታ ስለ ሓውትና መሬት ዝተመስገንካ ኩን’ ብዘስምዕ ቃና ላውዳቶ ሲ ስቡሕ ኣንተ እትብል ነዛ ሓባራዊት ገዛና ዝኾነት መሬት ክንከናኸን እትጽውዕ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ሒዞም በሎዂ በሉ። ዕሽነትዶ ክትብሎ ስስዔ ደቂ ሰባት ኣብታ መንበሪ ገዛኡ ዝኾነት ዓለም ብዘውረዶ ዕንወት ንገዛእ ርእሱ ክጸንት ቁሩብ ተሪፍዎ ከምዘሎ እንተወሓደ ነቲ ምልክታት ተፈጥሮ ርእዩ ክግንዘብ ‘እግዚአብሔር ኩሉ ግዜ ይምሕር ሰብ እውን ከም ዓቅሙ ሓንሳእ ሓንሳእ ስሕት ኢሉ ክምሕር ይኽእል እዩ እንተ ተፈጥሮ ፈጺሙ ኣይምሕርን። ዝኸውን ዘሎ ምንዋጽ ተፈጥሮ ረኣዩ’ እንክብሉ ተማሕጸኑ። ዓለም ብዓለሙ ኣሜን ኢሉ ተቀቢሉ መራሕቲ ካልኦት እምነታት ምናዳድ ብክርስትያናዊ ሓድነት ምሳኦም ዝጐዓዙ ሃንጐፋይ ኢሎም ስለዝተቀበልዎ ዓመት መጸ ባሕቲ መስከረም ዕለተ ተፈጥሮ ክትከውን ተወሲናስ ዓመት ዓመት ዝተፈላለየ መደባት ጸሎትን ኣስትምህሮን እናተገብረ ይዝከር ኣሎ። 

ማዕረ ማዕረ እዚ እቲ ንተሓድሶ መሪሕነት ኩርያ ሮማና ዝሰርሕ ቤትምኽሪ ብፁዓን ካርዲናላት `ወንጌል ስበኹ’ ብዝብል ዝሰናዶ ግዝያዊ ሓዋርያዊ ኣውጅ ኣብ ምርቃቅ እንከሎ ብቫቲሊክስ ዝፍለጥ ሰነዳት ቫቲካን እናሰረቁን ንዘየድልዮም ሰባት ብምሃብን ላሕ ምስ ኣበሉዎም፡ ብዕለት 8 ሕዳር 2015 ዓም ኣብ ኣስተምህሮ ጉባኤ መልአከ እግዚአብሔር ‘ዘይምልከተካ ምሥጢራዊ ሰነዳት ካልእ ምስራቅ መቅጻዕቲ ዝግብኦ ገበን እዩ’ ምስ በሉ ብኡ ንብኡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርእሱ ዝኸኣለ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብምቋም ብወርሒ ሓምለ 2016 ዓም ንገበነኛታት ዝግባእ ፍርዲ ብምሃብ ከምዝዛዘም ገበሩ።

ፍሉይ ዓመት ኢየቤል ምሕረት!

ቅዱስነቶም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙላ ዕለት ጀሚሮም ዝደጋገምዋን ገና ዝደጋግምዋን ቃል እንተላ ምሕረት ኣምላኽ እትብል እያ። ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽን ናብኡ ተመሊስና ክነስተማቅሮን ንክልተ ዓመት ምስ መመላእታኡ ድሕሪ ኣስተምሂሮም ን2016 ዓም ፍሉይ ዓመት ምሕረት ኢዮቤል ክኸውን ምስ ኣወጁ ንብዙሓት እኳ እንተኣደንጸወ ብዙሕ ፍረ ዝተረኽበሉ ዓመት ምንባሩ ኣብ እዋኑ ብዙሕ ተዘሪቡሉ እዩ። እዚ በተን ‘ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም መሓሪ ዝኾነ መሓርቲ ኩኑ’ ዝብላ ቃላት ጐይታ ዝተኣወጀ ዓመት ምሕረት ንብዙሓት ኣብ ልቦም ተመሊሶም ምሕረት ኣምላኽ ከስተማቅሩ ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ ፍሉያት መናዘዝቲ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ኣብ መላእ ዓለም ብምምዛዝን እንኮላይ እቲ ንኣኦም ጥራይ ተሓዚሑ ዝነበረ ሓጢኣት ንክፈትሑን ሥልጣኖም ብዘይ ምንም ተጒላባነት ምስ ካህናት ተኻፊሎም። ዓለም ለኻውነት ናይዚ ኢዮቤል ንምግላጽ ቅድሚ መንበረ ጴጥሮስ ኣብታ ኣይትኺዱ እናተባህሉ ሓውጾተ ኖልዎ ክበጽሑ ዝኸድዋ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ባንጊ ቀዳማይቲ ብቅድስት ማዕጾ እትፍለጥ ማዕጾ ምሕረት ናይታ ዓዲ ካተድራል ብምፍኽፋት ምጅማር ዓመት ኢዮቤል ድሕነት ኣወጁ።  ሚዘር አት ሚሰሪኮርድያ ሕስረትን ምሕረትን ብእትብል ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳኖም ከኣ ዛዘምዎ። ንምሕረት እግዚአብሔር ንኩሉ ንምዕዳል ከኣ ንሶም ንባዕሎም ዓርቢ ሥራሕ ምሕረት እትብል ዕለት ብምውሳን ዓርቢ ዓርቢ ናብተን ንድኻታትን ሕሙማትን ስደተኛታትን ተቀቢለን ሓገዘን ዘወፍያ ዝተፈላለያ ትካላት ብኣካል ብምብጻሕን ብምትብባዕን ብተግባር ኣርእዮም።

እቲ ዘድንቅ ሃንደበታዊ ተግባራቶም ወትሩ ቀጻሊ ብምዃኑ ከኣ ዕለት 12 ለካቲት 2016 ዓም ኣብ ከተማ ሃቫና ሃገረ ክዩባ እቲ ዘመናት ዘቊጸሩ ኣብ መንጎ መንበረ ሮሜን መንበረ መስኮ ኦርቶዶካሳዊት ቤተክርስትያንን ዝነበረ ምስሕሓብ ምስ ፓትርያርክ ሞስኮን መላእ ሃገረ ሩስያን ብፁዕን ቅዱስን ክሪል ሓባራዊ መግለጺ ብምውጻእ ስምምዕ ንስምምዕ ገበርዎ። ብሓባር ከኣ ንስደት ክርስትያንን ውግእን ኣወጊዞም ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ንክድንፍዕን ስደተኛታን ሓተቲ ዑቚባን ንምርዳእ ሕይወት ስድራ ቤት ንምሕጋዝ ዘሰማማዕ ሰነድ ከተሙ።

ዓለም ሓቆፍ ዕለተ ድኻታት!

ዕለት ዕለት ሓዲስ ነገር ዘምጽኡ ቅዱስነቶም ኣብ 2017 ዓም እውን ነቲ ካብ ሳክርስቲ ወጺኣ ኣብ ሻውላትን ዝተረስዑ ከባቢታትን ብምግልጋል ጀሚራ ናብ ማእከል ገጻ ክትመጽእ ዝተመነይዋ ቤተክርስትያን ንምምራሕ ነቲ ታሪኻዊ ዕርቂ ክዩባን ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ምስ ፈጸመ ዓመት ስድራቤት ንምብዓልን ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ሕቡራት ኣመሪካ ብዙሕ ዘደንቅ ማዕዳ ምናዳ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጠንቂ ኩሉ ቅልውላውን ግጭታትን ዓለምና ኰይኑ ዘሎ ኣጽዋር ምናዳ ኸኣ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ብምዝርኢ ኣብ ዝሃብዎ መደረ ተመርኲሳ ቅድስት መንበር ብዕለት 20 መስከረም 2017 ዓም ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከተማ ኒው ዮርክስ ንምውጋድ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ዝርኢ ስምምዕ ካብ ዝከተማን ዘጽደቃን ቀዳመይቲ ኮነት። እዛ ዓመት እዚኣ ካልእ ሓዲስ ነገር እውን ተጀሚሩላ። ነቶም ማንም ዝዝክሮም ዘይብሎም ድኻታት ንምዝካርን ንምሕጋዝን ተልእኮ ናይቲ ስሙ ዝወስዱ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣሰር ብምስዓብ ዓለም ለኸ ዕለተ ድኻታት ተኣዊጁ ተጀሚሩ ቀንዲ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ከኣ ኢየሱስ ኣብ ድኻታት ተሰዊሩ ከምዘሎ ነቲ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ ምዕራፍ 25 ዝበልዎ ብምጥቃስ ድኻታት ናይ መንግሥተ ሰማይ ፓስፖርትና ኰይኖም ንመንገዲ ሰማይ ዝኸፍቱልና ስለዝኾነ ንሕለየሎም ዝብል ነበረ።

ስምምዕ ምስ ቻይና!

ኣብ 2018 ዓም እውን ካብቲ ብዙሕ ተግባራት ቅዱስነቶም ጐሊሐን ዝራኣያ ክልተ ጉዳያት ነበራ። ብወገን ሓዋርያዊ ተልእኮ ዝምልከት ብዛዕባ መንእሰያትን ጸዋዕታኦምን ዘጽንዕ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ተኻዩዱ። ኣብዚ ቅዱስነቶም ዝተላበውዎ ‘ንመንእሰያትና ጽን ኢልና ንስመዓዮም ኣብ ጐድኖም ንኹን ንምስክርነት ነብቅዓዮም ምኽንያቱ እምነት ብኣእምሮ ጥራይ እትገብሮ ጉዕዞ ዘይኮነ ምስ ኢየኡስ ምርኻብ እዩ እሞ ምስ ኢየሱስ ነራኽቦም` ብምባል ነቲ ሲኖዶስ ምስ ኣሰነዩ ‘ክሪስቱስ ቪቪት ክርስቶስ ሕያው እዩ’ ብእትብል ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ከኣ ብ2019 ዓም ብምኽታም ‘መንእሰያት ናይ ክርስቶስ ህልው ግዜ ኢኹም ብግዝያዊ ጸገም ዓለምና ተሻቂልኩም ኣይተድሓርሕሩ ቀንዲ ቈላሕታኹም ከኣ ኣብቶም ዝተሓቱ ክፍሊ ሕብረሰብ ይኹን’ እንክብሉ ዛዘምዎ። እታ ካልአይቲ ጉዳይ ከኣ ንዲፕሎማስያዊ ርክባት ትምልከት ኰይና ምስ ቻይና ክኸውን ይከኣል ኢልካ ዘይሕሰብ ዝነበረ ስምምዕ ብምብጻሕ ግዝያዊ ስምምዕ መንጎ ቅድስት መንበር ሕዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ብዕለት 22 መስከረም 2018 ዓም ተኸቲሙ። ቀጺሉ ከኣ ብ2020 ዓም እንደገና ንክልተ ዓመጽ ዝጸንሕ ስምምዕ ተኸቲሙ።

ግድል ጾታዊ ዓመት ብዝምልከት!

ቅድሚ ቅዱስነቶም ንዝነበሩ ብወለንታኦም ሥልጣን ክሓድጉ ካብ ዝገደዱ ቈጺርካ ዘይውድኡ ግድላት እቲ ሓደን መሪርን ቊስሊ ቤተክርስትያን ብገሊኦም ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ዓመጽ ኰይኑ ዝገደደ ከኣ ክተዕንዎ ንዝደለኻ ኣባል ቤተክርስትያን ብሓሶት ንምጥቃንን ንምኽሳስን መጋበሪ ሠይጣን ኰይኑ ንበደለኛታት ጥራይ ዘይኮነ ከም ናይ ኢየሱስ ንንጹሓት እውን ብዘወዓልዎ ግዳይ ዝገበረ ነበረ። በቲ ዳሕራይ ንምጅማር ንተሓድሶ ቤተክርስትያን ኢሎም ኣብ ዘቈሙዎ ቤትምኽሪ ካርዲናላትን መሪሕ ተሓድሶ ክኸውን ዝወሰንዎ ቤትምኽሪ ቊጠባ ቅድስት መንበር ሓላፍን ገሮም ዝመርጽዎም ብፁዕ ካርዲናል ፐል ብዘይወዓልዎ ብውሽጥን ብደገን ብዝተኣልመ ሽርሒ ኣብ ጾታዊ ዓመጽ ውዒሎም ቢልካ ናይ ሓሶት መሰኻኽር ብምስንዳውን ክሲ ብምጥጃእን ወራር መራኸቢ ብዙሓንን ተጽዕኖ ኣምሰሉታትን ምስ ተላዕለ ነቲ ንጾታዊ ዓመጽ ንምክልኻል ምናዳ ኸኣ ንትሕቲ ዕድመ ንዘመሓላለፍዎ ውሳኔታት ኩሉ በብሓደ ኣብቲ የማናይ ኢዶም ዝነበረ ብምትጋብር ን13 ወርሒ ዚኣክል ኣብ ተነጽሎን ወግሔ ጸብሔ ቆጸራታት ቤትፍርድን ቀለብ ዜናን ምስ ኮኑ ነጻ እዮም ካብ ዝተባህሉሉ ጀሚርካ ገበን ዝተረኽቦ ካህን ሃገረ ቺለ ፈርዲናንዶ ካራዲማ ካብ ማዕረገ ክህነቱ ባዕሎም እንክቅንጥጥዎ ብጸብጻብ ፐንሲልቨናይ ዝፍለጥ ሰፊሕ ሰነድ ምግዋሕ እውን ተሪር ስጉምቲ ንምውሳድን ሰፍ ዘይብል ውሳኔታት ንምግባርን ደፊእዎም። ኣብ ሃገረ ኣየርላድ ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብስም ቤተክርስትያን ምሕረት ንምሕታት ዝጸልይዎ ናይ ንስሓ ጸሎት ልቢ ብዙሓት ተንከፈ። ዝቀጸለ ጉዳይ ካርዲናል ነበር ማክካሪክ ነዊሕ ኣከራኸረ ብ2019 ዓም ናብ ደረጃ ምእመን ኣውረድዎ። ብ2020 ዓም ከኣ ምሉእ ጸብጻቡ ብቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ከምዝቀርብ ገበሩ። ኣማስያኡ ከኣ ቮስ ኤስቲስ ሉክስ ሙንዲ ንስኹም ብርሃን ዓለም ኢኹም ብእትብል ሓዋርያዊት ኣዋጅ ውሉደ ክህነት ዝኾነ ዓመጽ ትሕቲ ዕድመ ብዘይወዓል ሕደር ከመልክቱ ነፍሲወከፍ ሰበኻ ከኣ ንኩሉ ማሕበረሰብ ግልጺ ዝኾነ ጸብጻብ ጾታዊ ዓመጻት ከሰናድው ኣዚዞም። ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ከኣ ንጾታዊ ዓመጽ ብዝምልከት መንበረ ጴጥሮሳዊ ምዕቃብ ምሥጢር ኣለዩ።

ሕውነት ሰላምን ሓድነትን ክርስትያን!

ዓመተ 2019 እውን ካብተን ዝቀደማ ዓመታት ብዘይፍለ መንገዲ ንዝርዝር ናይተን ንመጀመርያ ግዜ እናበልና ክንዛረበለን ዝጀምርና ዘብዝሓ ክልተ ፍጻሜታት ክጥቀሳ ይከኣላ። እቲ ሓደ ቀዳማይ ሰነድ ብዛዕባ ሕውነት ሰብኣውነት ስለ ሰላም መላእ ዓለምን ሓቢርካ ምንባርን ዝብል ብዕለት 4 ለካቲት ብቅዱስነቶምን ብናይ ኣል ኣዝሃር ዓቢይ ኢማም ኣሕመድ ኣልጣይብን ኣብ ኣቡዛቢ ተኸተመ። ንርክብ ክርስትያንን ኣስላምን እምኒ ኩርናዕ ኰይኑ ንውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተን ምክብባርን ብምድንፋዕ ብሓባር ንግብረሽበራን ዓመጽን ንምኩናን ኣኽኢሉ። እቲ ካልኣይ ከኣ ንመራሕቲ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ዘሰናደውዎ መንፈሳዊ ሱባኤን ኰይኑ ዓለም ምሉእ ዘንቀጥቀጠ ኣብ እግሪ ተቀንቀንቲ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ወዲቆም በጃኹም ተዓረቁ እንክብሉ ጫማ ሳልቫ ኪር ማያርዲትን ምኽቶምን ብምስላም ንሓዊ ውግእ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ኣጥፍኡ ክብሉ ለመኑ። ካልእ ከም ሳልሳይ ዝጥቀስ እውን ኣሎ። እዚ ከኣ ንሓድነት ክርስትያን ዝምልከት እንክኸውን ኣብ በዓለ ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ናብ ብፁዕን ቅዱስ ፓትርያክ በርጠለሜዎስ ኣብ ዝጸሓፍዎ ከም ዘመልከትዎ እንገብሮ ጒዕዞ ሓድነት ሓቀኛ ምዃኑ ንምግላጽ ንተወከልቲ ኢኩመኒካዊ ፓትርያርክ ቊስጥንጥንያ ክፍሊ ቅዱስ ቅርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ምሃቦም ነበረ።

ተሓድሶ ቊጠባን ኣተሓሕዛ ገንዘብን!

ነቲ ኣብ ጽባሕ ሥልጣኖም ዝጀመርዎ ብላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ከመሓይሽዎ ዝተቃለሱሉ ቊጠባዊ ጉዳይ ኣብ ፍጻሜ 2019 ዓም ንኩነታት ብዮር ዝፍለጥ ባንክ ቫቲካን ካብ ደገ ብዝመጹ ተቆጻጸርትን ኣጻረይትን ክጽናዕ ድሕሪ ምእዛዝ ብ2020 ዓም ውድዓውነትን ግሉጽነትን ብዘለዎ ኣገባብ ንክሰርሕን ንክምራሕን ንቊጠባዊ ሓበሬታ ብዝምልከት ሥልጣን ሓዲስ ቅዋም ኣወጁ። ኣብ ቅድስት መንበር ንዝካየድ ኩሉ ቊጠባዊ ንጥፈታት ዝምልከት ጉዳያት ኣብኡ እንክጠቃለል እቲ ኣብ ምጅማር ተሓድሶ ዝመስረትዎ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቊጠባ ከኣ ብዝለዓለ ሓይሉ ሥራሑ ከምዝቅጽል ገበሩ።

ኣብ ዘመን ውሸባ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝተገብረ ጸሎት!

ብዙሕ ዝተዘርበላ 2020 ዓም ከም ምሕላፋ ደኣ ሓሊፋ እምበር ዝገደፈቶ ስምብራትሲ ገና ይቅጽል ኣሎ። ምናዳ እቲ ብሰንኪ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝሰዓበ ቅልውላው ሕይወትን ቊጠባን መንባብሮን ንብዙሓት ኣብ ሸቀልቀልን ተስፋ ቊርጸትን ኣብ ዘውደቀሉ ግዜ ቅዱስነቶም ዝመርጽዎ መንገዲ ብቀጻልን ጽኑዕን መንፈስ ጸሎት ኣብ ጐድኒ ሕዝቦም ምዃን ነበረ። ኣብ ሕልና ኩሉ ተሳኢሉ ዝተረፈ ከኣ እቲ ብዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓም ኣብ ጭው ዝበለ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንበይኖም ኣብ መንጎ ተኣምራዊ መስቀል ኢየሱስን ጥዕና ሮማውያን እትብል ስእለ ማርያምን ሰማይ ዳቢኑ ማይ ንብዓት ክመስል ጥብጥብ እናበለ ናብ ሰማያዊ ኣቦ ብስም ኢየሱስ ስለኩልና ዘዕረግዎ ጸሎት ልዕሊ ኩሉ ነበረ። እቲ ዝውቱር ምስ ሕዝቢ ዝራኸቡሉ ዝነበሩ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስን ሰንበት ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዚካየድ ዝነበረ ጉባኤ ኣስተምህሮን ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔርን ቅዳሴ ከይተረፈ ብመራኸቢ ብዙሓን ብመስኮት ተለቪዥን ኮነ። ቀቅድሚ እቲ ለበዳ ምብራዑ ከኣ ብወርሒ ለካቲት ናይቲ ኣብ ዘመኖም ካብ ዝተገብሩ ሲኖዶሳት ሓሙሻይን ብዙሕ ዘዘራረበን ሲኖዶስ ዞባ ኣማዞን ንምዝዛም ከሪዳ ኣማዞንያ ዝተፈቀርኪ ኣማዞንያ እትብል ናይቲ ብ2019 ዓም ብዝሰፊሑ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ድሕረ ሲኖዶሳዊ ቃለ ምዕዳን ጽሒፎም። ናይቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ሕውነትን ሰላምን ዘመደ ኣዳም ንምድንፋዕ ኣብ ከተማ ኣቡዛቢ ዝተኸተመ ሰነድ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ስዒቡ ከኣ እዚ እውን ንመጀመርያ ክትብሎ ዘድፍር ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት ብዝብል ኣርእስቲ ሓዋርያት መልእኽቲ ጸሓፉ። እዛ ሰነድ እዚኣን ትምህርታን ከኣ ንኩሎም ዘመደ ኣዳም ኣብ ማሕበራዊ ሕውነት ብምዕዳም ንኩሉ ውግእን ዓመጽን ኣይፋል ቢሎም ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ ኢደይ ኢድካ ንበል ዝብል ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ናብ ኣጽናፍ ዘተኰረ ሓውያዊ ጒዕዞታት!

2020 ዓም ዓለም ብዓለም እንብሎ የብልናን ሰላሕ ኢልኪ ደኣ ሕለፍና ቢሉ ኣብ ዝምህለሉ ግዜ ዘይሕለሎም ቅዱስነቶም ግን ምስ ካልእ ንመርጀመርያ ዘብልን እምበርዶ ዘብልን ዜና ባዕሎም ይገልጾ። ኣብታ ኣደ ሰማዕታት ዘመንና ዝኾነት ሃገረ ኢራቅ እትርከብ ቤተክርስትያን ክበጽሕ እየ ይብሉ። ብዙሓት እምበርዶ እዞም ቅዱስ ኣቦና ክብሉ ጀሚሮም። እቲ ናይ ማእከልነት ግብረ ሽበራን ራዕድን ስደትን ጽልእን ክርስትና ኣብ ቦታኡ ሃልዩ ኣብዚ ቀዳማይ ዙር ለበዳዶ ካልኣይ ዙር ለበዳዶ ዝበሃለሉ ነፍሲወከፍ ሃገር ዶባቱ ዓጽዩ ሙታቱን ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም ኣብ ጻዕሪ ሞት ዝርከቡ ውጹዓትን ኣብ ዝሓስበሉ ግዜ ብሃንደበት ሃገር ኢራቅ ክበጽሕ እየ ምባሎም ንብዙሓት ኣይተዋሕጠሎምን። 15 ኣዋርሕ እዩ ዓለም ብዓለሙ ተዕጽዩ ዘሎ። ነዚ ግን ከምቲ ዕለት 8 ሓምለ 2013 ዓም ናብ ላምፐዱዛ ከይደ ስለ እዞም ኣብ ባሕሪ ዝሃልቁ ዘለው ክጽልን ከልቅስን ዝበልዎ ከምኡ እውን ብ2016 ዓም ንመዓስከታት ስደተኛታት ለስቦ ክበጽሑ ምስ ከዱ ሕጂ ካብዞም ስደተኛታት ምሳይ ትጽዕኑ ኢሎም ብክንደይ ውረድ ደይብ 12 ስደተኛታት ሲርያ ኣብ ነፋሪቶም ሒዞም ዝተመልሱሉ ከምኡ እውን ብ2016 ዓም ማእከላይ ኣፍሪቃ ክኸይድ እየ ምስ በሉ ክሳብ ዘይምልከቶም ዓበይቲ መንግሥታት ኣይፋልኩም ተለመኑ ክብልዎም ዘይተመልሱ ኣብ ዜናታት ከምዝተኸታተልኩምዎ ‘ንሃገር ኢራቅ ዝበጽሑ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ’ ንምዃን ብጸጋ እግዚአብሔርን ብረድኤት ወላዲተ ኣምላኽን በቅዑ።

 ሓጺር ጸብጻብ!

ቅዱሰነቶም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝርከቡ 25 ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ጣልያን 33 ከኣ ካብ ሃገረ ጣልያን ወጻኢ እካዪዶም። ልዕሊ 340 ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ልዕሊ 450 ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣአብሔር ወይውን ንግሥተ ሰማያት ልዕሊ 790 ስብከታት ካብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ከባቢ 900 ሓደስቲ ቅዱሳን ካብዚኦም 800 ሰማዕታት ኦትራቶ እዮም። 101 ሓደስቲ ካርዲናልቲ ዝተፈላለዩ ፍሉይ ዓመታት ዓመት ምሕረት ዓመት ሰብ ውፉይ ሕይወት ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ዓመት ሓሴት ፍቅሪ ወዘተ። ከምኡ እውን ዝተፈላለያ ዓለምለኸ ዕለታት ካብታ መጨረሻ ንምጅማር ዓለም ለኸ ዕለት ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን፣ ዓለምለኸ ዕለት ድኻታት፣ ዓለምለኸ ዕለት ተፈጥሮ ይርከብዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
13 March 2021, 12:50