ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰብ ኵሉ ክቡር እዩ፡ ንዓይ ሓወይ እዩ ወይ ሓብተይ እያ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰብ ኵሉ ክቡር እዩ፡ ንዓይ ሓወይ እዩ ወይ ሓብተይ እያ 

ፍራንቸስኮ፥ ናይ ድኻታት ገዓር ጽን ምባል ኣብ ግብረ ሕንጸት ብሉጽ ዓለም የሳትፈና

እቲ ናይ ድጋፍን ሓገዝን ተግባርኵም ንናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለን ኣብ ንዋታዊ ሓገዝ ከይተሓጽረ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ሰብኣዊ ክብሩ ክኽበር ብምግባር ማሕበራዊ ውህደትን ትምህርታውን መንፈሳውን ሕንጸት ዘጠቓልል እውን እዩ፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ጸኒዕኵም ...

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ፈረንሳ ዝተመስረተ ኣብ ደቡብ ክፍለ ዓለም ንድኻታት ኣብ ምዕላይ ዝዓዪ FIDESCO - እምነትን ምትሕብባርን እተሰምየ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ናይ ረድኤት/ምሕዝነት ማሕበር ላዕለዎት ሓለፍትን ናይቲ ማሕበር ወለንተይናታት ኣባላት ወከልትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 20 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ተቀቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ቅድም ቀዳድም ስለ ኣገልግሎቶም ንዅሎም ኣመስጊኖምን ብምብርትታዕ እቲ ከም ውልቅን ኤቅለሲያን ዘዕብየና  ሓልዮትን ምሕረትን ኣብ ምብጻሕ ንቕድሚት ክብሉ ከምዝመዓዱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብሞያን ብብቕዓትን ክርስቶስ ኣብ ምምስካር ቤተ ክርስቲያን ኣብ እተካይዶ ኣገልግሎት ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ወለንተናዊ ድጋፍ ምቕራብ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ኣብ ፈረንሳ ብማሕበረሰብ ኣማኑኤል ኣብ 1981 ዓ.ም. ዝተመስረተ FIDESCO - ኣምነትን ምትሕብባርን እተሰምየ ዓለም ሓቆፍ ዘይ መንግስታዊ ካቶሊካዊት ናይ ረድኤት ማሕበር ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣርባዕተ ክፍለ ዓለም ኣገልግሎት ዘቕርብ ምዃኑ ይንገር። ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ናይቲ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ላዕለዎት ኣካላትን ኣባላት ወለንተይናታቱን ዝውክሉ ኣብ ሮማ መንፈሳዊ ንግደት የካይዱ ከምዘለዉን፡ ኣብ ናይ ሓዋርያት ቅዱስ መቓብር ተሳሊሞምን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብቕዱስ ኣቦና ኣቀባብላ ከም እተገበረሎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ቅዱስ መቓብር ሓዋርያት ዘካየድዎ መንፍሳዊ ንግደት - “ኣብቲ ኣብ ክርስቶስ ዘለኩም እምነት ብዝያዳ ክዓዪ ዝገብርን እዚ ኽኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ሞይቱን ዝተንስኤን ክርስቶስ ዘለኩም እምነት ዝያዳ ዘደልድሎን ከምኡ እውን ነቲ ንቤተ ክርስቲያን ዝተወሃበ ተልእኾ ዓቢይ ድጋፍ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡ “እቲ ዘካይድዎ ዘለዉ መንፍሳዊ ንግደት ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ብምዃኑ ናይ ንስሓን ዕርቅን ንግደት እውን እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ዓለም ነሕዋትን ኣሓትን እተቕርብዎ ኣገልግሎት ውዕዉዓትን ፍሱሓንን ይገብረኩም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ FIDESCO ናብ ደቡብ ክፍሊ ዓለም ብእምነት ዝተደረኹን ሙያዊ ብቕዓት ዘለዎም ካቶሊካውያን ወለንተይናታት ኣብቲ ከባቢ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ንእተሳልጦ ተልእኾ ኣብ ዘድልያን ብዘይ ሃይማኖታውን ዓሌትን ባህልን ኣፋላላይ ብፍላይ ንተመዛበልትን ብስእነት መግብን ክንክን ጥዕና ብሓፈሻኡ ነቶም ብስእነት መሰረታዊ ኣገልግሎት ምኽንያት ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ኣብ እተቕርቦ ኣገልግሎት ጠለባቱ ዝዋስኡን እምነት ኣብ ምቕራብን ምውፋርን ፍሉይ ክእለት ዘለዎ ማሕበር ግብረ ሰናይ ብምዃኑ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እውን እዩ Fidesco - እምነትን ምትሕብባርን ዝብል መጸውዕ ስም ዝተወሃቦ።

ንናይ ካልኦት ረብሓ ሓለፋ ዝብሉ ወለንተይናታት

ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ሰናይ ደለይትን ብፍላይ ነቶም ጽጉማትን ዘይተዓደሉን ተባሂሎም ዝግለጹ እውን እንተኾኑ ፍቝራት ብእግዚኣብሔርን ከም ኩሉ ሰብኣዊ ክብሪ ካብ እግዚኣብሔር ዝተጸገው፡ ካብቲ ዘጓነፎም ድኽነት ንኽላቐቑ እትድግፉን ንናይ ካልኦት ረብሓ ሓለፋ እትብሉን ወለንተይናታት ኢኻትኩም ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ እቲ ዘስምዕዎ መደረ ብሰፊሕ ኣብቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእቱ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ኣወኪሶም፥ “ምፍቓርካን ብእግዚኣብሔር ዝተፈቐርካን ምዃንካ ኣብ ልብና ናይ ካልኦት ጉዳይ ዝስምዓና ንኽንከው ይድርኸና” ከምዝበሉን፡ ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም “እንተስተንትኖ ናይ ክርስቶስ ስቓይ ንድኻታት ሓላፋ ንምባል መሰረት እዩ፥ እቲ ስቑል ኣብ ድኻታትን ዘተነጸሉን ኣብ ዝዓረቑን ብጥምየት ኣብ ዝሳቐዩን ዘሎ - ንምድሓንና ገዝእ ርእሰይ ክሳብ ኣሒሉፍ ምሃብ ኣፍቀረና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኢየሱስ ደሙ ምእንታና ከምዝሃበ ምእማን ብዛዕባ እታ ንዅሉ ሰብ እተተባብዕ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክቡር ኣብ ዝገብር ደረት ኣልቦ ፍቕሪ ኣይንጠራጠርን ኢና፡ ኵሉ ሰብ ነዚ ፍቕሪ እዚ ብቑዕ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኣይ ሓው ወይ ሓብቲ እዩ፡ ኣብቲ ውዕዉዕን ህንጡይን ተልእኾዅም፡ ምስ ጐይታ ኣብ ዘለኵም ብሕታዊ ርክብን ኣብ ናይ እምነት ሕይወትን ከተስምሩ እንከሎዅም ነቲ ናይ ሕውነት ወንጌል ብውዕዉዕ መንፈስ ምንባርን ብኣኡ ምድናቕን ምምራኽን ክትዕቅቡ እዕድመኩም፡ እዚ መንፈስ እዚ ኣብ ጽንኩር ህሞት ብሕትውናን ተስፋ ቁርጸትን ምድንጋራትን ምስ እርከብ ዘድልየና እዩ።

ልውሃትን ርህራሀን ምእንቲ ንጽባቔ ዓለም

እቲ ኣርብዓ ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ብህርኵት ጻዕሪ ምልኵት ዝኾነ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ዘካይዶ ህርኵት ጻዕሪ ዝዘከሩ ቅዱስነቶም ስለ እቲ ለውሃትን ርህራሀን ዘሰብእ ኣገልግሎትኩም ምእንቲ ክርስቶስ ምስክርነትኵምን አመስግን ቢሎም፡ ኣብዚ ጐዳና’ዚ ብሉጽ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ንቕድሚት ክትብሉን ሕንጸት መንግስቲ ኣምላኽ ከተበራትዑን እላበው እንክብሉ፥

እቲ ናይ ድጋፍን ሓገዝን ተግባርኵም ንናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለን ኣብ ንዋታዊ ሓገዝ ከይተሓጽረ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ሰብኣዊ ክብሩ ክኽበር ብምግባር ማሕበራዊ ውህደትን ትምህርታውን መንፈሳውን ሕንጸት ዘጠቓልል እውን እዩ፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ጸኒዕኵም፡ ኣብዚ ጐዳና’ዚ ክትስጉሙ አተባብዓኵም፡ ሎሚ ካብ ቀደም ምእመናን ናይ ክርስቶስ ለውሃትን ርህራሀን መሰኻኽር ክኾኑ ኣገዳሲ እዩ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ድኻ ገዓር ጽን ምባልን ናይ ካልኦት ስቓይ ንኽትንከፍ ብምፍቃድ ነቲ ናይ ክርስቶስ ስቓይን ቁስልን ዝኾነ ስቓዮምን ቁስሎምን ምትንካፍ ሰናይን ዝያዳ ሕውነታውን ወንጌላውን ዝኾነ ዓለም ንምሕናጽ ዝድግፍ ጥራሕ ዘይኮነ ቤተ ክርስቲያን መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምቛም ተልእኾኣ ከተቀላጥፍ ዝድግፍ እዩ።

ብጻይካ ምግልጋል ኣብ እምነት ኣብ ሰብኣውነት የበርኽ

ንናይ ካልኦት ክንክንን ሰናይን ዝብል ተልእኾን ህርኵት ጻዕርን ከምቲ ናይቲ ግብረ ሰናይ ማሕበር ፊደስኮ ዕዮ፡ ኣብ ናይ መንእሰያት ሰብኣዊ ዕብየት ብእምነት ደረጃ እውን ይኹን ኣብ ሰብኣዊ ሕንጸት ጽልዋ ዘለዎ ምዃኑ እንከመላኽቱ፥

እቶም ኣብ ተልእኾዅም ዝዋስኡ ንዓለምን ንዝተፈላለዩ ባህልታትን ክፉታት ዝገብሮም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣምላኽ እተጠቀመሉ ምሕረት መልሲ ዝህብ መጋበርያ ንኽኾኑ ዕድል ዘንብረሎም እውን እዩ፥ “ከምቲ መሓሪ ዝኾነ ኣቦዅም መሓርቲ ኵኑ (ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ)” (ሉቃ. 6,36) ከምዝብሎብጀካ’ዚ ነቲ እግዝብኣብሔር ብናጻ ንዝዓደለካ ጸጋ ሞሳ ንምቕራብ ዝድግፍ መንፈሳዊ መገዲ እውን ዝረኽቡሉ እዩ፡ ከምኡ እውን ብፍላይ ንመንእሰያት- ዘቕርቦ ኣገልግሎት ኣብ እምነትን ሰብኣውነትን ዘዕብይ ዕድል ዘወፍይ ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ፡

ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነው ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 March 2021, 01:37