ድለ

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሶሪያ፥ እቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ቅልውላው ፍታሕ ክረክብ ዓለም ሓገዙ ከቕርብ ሓደራ

እቲ ኣብ ሶሪያ ዕለት 15 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ዝተባርዔን ለምዘበን ዓስራይ ዓመቱ ዘቝጽርሉ ዘሎ ውግእ ንልዕሊ 400 ሺሕ ዜጋትት ሞትን 12 ሚሊዮን ንምዝብልናን 12.4 ሚሊዮን ካብ መላእ ሕዝቢ እታ ሃገር እቲ 60 ሚእታዊ ዝሽፍን ንዘይውሕስነት መግቢ ከምዘቃልዔን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዝለገስዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ነታ “ፍቕርትን ሰማዕት መሬት ሶሪያ” ዘኪሮም ኣብታ እቲ ዝርአይ ዘሎ ቅልውላው ካብ ዝተባርዓሉ ዓስራይ ዓመት ኣብ እተቝጽር ዘላ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ተስፋ ክሰንቕን፡ ውግእን ኣጽዋር ውግእ ክዕበስን፡ እቲ ተበታቲኽኩ ዘሎ ማሕበራዊ ኣካሊት ኩሉ ክላገብን ናብቲ ዝነበሮ ሰላማዊ መነባብሮ ክምለስን ሕንጸት እታ ሃገር ክብገስን ኤኮኖሚ ካብቲ ዘጋጠሞ ቅልውላው ክላቐቕ መታን ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረብ ሓገዝ ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ነቲ ኵሉ ሓይሉ ተጸንቒቑን ኣብ ጽንኩር ኩነት ንዝርከብ ሕዝቢ ሶርያ ተስፋ ክርህው መታን እቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ተጻባእቲ ሓይልታት ጽቡቕ ድልያ ከርእዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዝለገስዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ካብ መዓሙቕ ልቦም ዝፈልፈለ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣተሓሒዞም እውን፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣብታ ሃገር ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ነቲ ዝተበትከ ማሕበራዊ ኣካላት ክላገብን ኤኮኖሚ ዳግም ክነቓቕሕን ቆራጽን ሕዱስን ናይ ሕንጸንት ምትሕብባርን ውሳኔ ከረጋግጽ ተላብዮም፡ ናይታ ፍቕርቲ ሃገር ህልው ኩነታት ኣዚዩ የሳቕየኒ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ዝቖሰሉን ክንደይ ይኹን ዝይፈለጠሉን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዘመዛበለን ብሸሓት ዝቑጸሩ ሃለዋቶም ዘይተፈለጠሉን ዝተፈላለየ ዓይነት ዓመጽን ዕንወትን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ስቓይ ዘንብር ዘሎ ብፍላይ ኣብቶም ተኣፋፍያንን ሕጻናትን ደቀንስትዮን ኣረጋውያንን፥

ቢሎም “ስለምታይ እዩ እዚ ዅሉ ስቓይ ኣብታ ፍቕርቲ ሶሪያ፥ ዝተረሰዐትን ብእነርእዮ ምትሕብባር ዳግም ኣብታ ሃገር ተስፋ ህያው ክኸውን መታን ናብ ጐይታ ስሌኣ ንጸልይ ቢሎም - ብሓባር ምእንቲ ሶሪያ ምስቶም ኣብቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዝሓበሩ ሰላም ለኪ ጸሎት ከምዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዑር ምእንቲ ሶሪያ ዘቕረብዎ ጻውዒት

እቲ ኣብ ሶሪያ ዕለት 15 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ዝተባርዔን ለምዘበን ዓስራይ ዓመቱ  ዘቝጽርሉ ዘሎ ውግእ ንልዕሊ 400 ሺሕ ዜጋትት ሞትን 12 ሚሊዮን ንምዝብልናን 12.4 ሚሊዮን ካብ መላእ ሕዝቢ እታ ሃገር እቲ 60 ሚእታዊ ዝሽፍን ንዘይውሕስነት መግቢ ከምዘቃልዔን ክንገር እንከሎ ቅዱስነቶም ኣብቲ ካብ ዕለት 5 መጋቢት ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ዕለት 6 መጋቢት ኣብ ከለዳዊ ዑር ሰጣሕ ጐልጐል ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ተራኺቦም ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕን ምእንቲ ሶሪያን ጸልዮምን ሶሪያ ናብ ጐደና ሰላምን ሓባራውትን እንገዳን ከተብል ስሌኣ ንጸልይ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዕለት 7 መስከረም 2013 ዓ.ም. ምእንቲ ሶሪያ ዝተኻየደ መደብ ጸሎት

ቅዱስነቶም ካብ ዒራቕ ናብ ሓዋርያዊ መንበር ንኽመለሱ ኣብ ዝተሳተፈሩላ ነፋሪት ምስቶም ዘሰይይዎም ዝነበሩ ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ነተን ንሶሪያ ሓገዘን ዘቕርባ ለገስቲ ሃገራትን ስደተይናታት ሶሪያን ዘአንግዳ ንዘለዋ ሃገራትን ከምዘመስገኑ ክዝከር እንከሎ፡ ዕለት 7 መስከረም 2013 ዓ.ም. ምእንቲ ሶሪያ ዝተኻየደ መደብ ጸሎት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝዓረገ ጸሎት መቑጸርያን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ  ቅዱስ ቁርባንን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኩሉ ከከም እምነቱ ኣብቲ  ናይ መደብ ጸሎት ከምዝሓበረን ብዙሓት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ምእንቲ ሰላም ኣብ ሶሪያ ይጽልዩ ከምዘለዉ እውን ዘኪሮም፡ ሶሪያ ኣብ ልበይ እያ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

15 March 2021, 14:44