ዒራቕ ንር.ሊ.ጳ. ልክዕ ንበዓል ከምዝዳለዉ ሕጻን ትጽበ ዒራቕ ንር.ሊ.ጳ. ልክዕ ንበዓል ከምዝዳለዉ ሕጻን ትጽበ  ርእሰ ዓንቀጽ

ዒራቕ ንር.ሊ.ጳ. ልክዕ ንበዓል ከምዝዳለዉ ሕጻን ትጽበ

ንናይ ዒራቕ ትስፍው መጻኢ፥ ምእንቲ ንሓደ ሰዓቢ ሃይማኖት ንምድልዳል ናይ ካልእ ሃይማኖት ሰዓቢ ማሕበረሰብ ብምህሳይን ወይ ንሓደ ወገን ንምክልኻል ካብ ካልኦት ፈሊኻ ንምዕቃብን ውሑስ ንምግባር ናይ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ድሕንነት ኣዕዲኻ ዘይኮነ

ፓትሪያርክ ሳኮ፥ ናይ ኢራቓውያን ማሕበርሰብ ክርስቲያን ጽሕፍቶ ካብቲ ናይ ካልእ ዒራቓዊ ጽሕፍቶ ወይ ዕጫ ፈሊኻ ዝረአይ ከምዘይኮነ ምስትውዓል ይግባእ፥ ምኽንያቱ ናይ ግብረ ሽብራ ሳዕቤን ስቓይ ንኹሉ እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓ ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ብዛዕባ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዒራቕ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣማእኺሎም ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ኣበጊሶም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ዘካይድዎ ምብጻሕ ጭቡጥ ዝኸውን ዘሎ ሕልሚ እዩ። ንሕና እውን ነዚ ምብጻሕ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሕጻን ንበዓል ብዝነብሮ ናይ ምድላው መንፈስ ኢና እንበሮ ዘሎና። ኣብ ዒራቅ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ክቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን ኣብ ባቢሎም ፓትሪያርክ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኮ ንፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዙሕ ሃረር ዝተባህለ ብዝተፈላለየ መኸላእታ ከይተፈጸመ ዝተረፈ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ዒራቕ ሎሚ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጭቡጥ ዝኸውን ሕልሚ እዩ። እዚ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ዒራቕ፡ ኣብ ልቢ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮን ኣብ ልቢ ኢራቓውያን ክርስቶያንን ዘይክርስቲያንን ዝነበረ ዓቢይ ትጽቢት ምዃኑ ኣብቲ ንቅዱስነቶም ንምቕባል ኣብ ዝግበር ዘሎ ምቅርራብን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩሉ ዜጋ እታ ሃገር ዝርአይ ዓቢይ ሓጐስ ምዃኑ ይረጋገጽ።

ብዙሕ እዋን ፍራንቸስኮ ኣብ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ብዛዕባ እቶም ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝሳቐዩ ማሕበረ ክርስቲያን ክዛረቡን ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋን’ዚ እንርእዩ ዘሎና ለብዒን ናይ ጸጥታን ድሕንነት ስግኣት እውን ይሃልው፡ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅርበት ንኽምስክሩ ናብታ መሬት ኣብርሃም ክነግዱ ድላይ ከምዝነበሮም ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ዝነበረ ዓቢይ ሃረርታ እዩ። ኣብታ ኩሉ ብሳዕቤን ውግእን ኣሸበርትን ዓመጽን ምግምማዕን ጽልእ ምኽንያታዊ ንምግባር ስም እግዚኣብሔር ምዕማጽ ብዘስዓቦ ስቓይ ኣዚያ ኣብ ዝተሃሰየት ሃገረ ዒራቕ ናይ ዒራቓዊ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ስቓይ ካብቶም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ሰዓብቲ ዒራቓውያን ፈሊኻ ዝረኣይ ኣይኮነን።

“ኣቢያተ ክርስቲያናትና ሰሊምና ንርከብ፥ ኩሉ ዒራቓዊ እውን ቅዱስነቶም ንምቕባል ከተማታቱ ሰሊሙ እዩ ዝጽበይ ዘሎ”፥ ነዚ ዝበሉ ብጹዕ ካርዲናል ሳኮ ኣስዒቦም፥ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሰንደቕ ዕላማን ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኵም መግለጽታትን ኣብተን ናይቲ ውግእን ግብረ ሽበራን በሰላ ኣዚዩ ኣብ ዝረኣየለን ከተማታት ናጃፍን ናሲሪያን . . . ሞስዑልን ከይተረፈ። ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና እውን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምቕባል ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ማህሌት ኣዳልዩ ይጽበዮም ኣሎ ከምዝበሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሶም ይሕብሩ።

ኣብ ከተማታት ቅዱስነቶም ንምቕባል ኣብ ዝተሰቕሉ ናይ ሺዓውያን ዓቢይ ስልጣን ኣያቶላሕ ዓሊ ኣል ሲስታኒን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ስእሊ፥ “ንስኹም ኣካልና ንሕና እውን ኣካልኩም” ዝብል ናይ ኣል ሲስታኒ ቃል ዝተነብሮ እዩ፡ እዚ ኸኣ ብኻልኣ ኣዘራርባ “ኵላትና ኣሕዋት” ዝብል እዩ።

ናይ ጥንታዊት ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ መራሒ ናይ ዝኾኑ ብጹዕ ካርዲናል ሳኮ፡ ንናይ ዒራቕ ትስፍው መጻኢ፥ ምእንቲ ንሓደ ሰዓቢ ሃይማኖት ንምድልዳል ናይ ካልእ ሃይማኖት ሰዓቢ ማሕበረሰብ ብምህሳይን ወይ ንሓደ ወገን ንምክልኻል ካብ ካልኦት ፈሊኻ ንምዕቃብን ውሑስ ንምግባር ናይ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ድሕንነት ኣዕዲኻ ዘይኮነ፡ በንጻሩ ምስ ናይ ሓንቲ ሃገር መንነት ዝጋጠም ነቲ ዓሚዩቕ ናይ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣናስር ኣብ ምርካብን ኣብ ምልላይ እዩ ከምዝበልዎ እዩ፥ ኣብ ዑር ኣብ ኣሰር ኣብርሃም ዝኹላዕ ተስፋ፡ ንስኻትኩም ኣካልና ኢኻትኩም ንሕና እውን ኣካልኩም ኢና! ብዝብል ሓሳብ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

04 March 2021, 23:01