ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ዑር ርክብ ናይ ዘፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዕለት 6 መጋቢት 2921 ዓ.ም. ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ዑር ርክብ ናይ ዘፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዕለት 6 መጋቢት 2921 ዓ.ም.  ርእሰ ዓንቀጽ

ናይ ዒራቕ መጻኢ ስላምን እቶም ታሪኽ ዝልውጡ ወጅህታትን

እውነተይና ሃይማኖት ንእግዚኣብሔር ምምላኽን ምስጋንን ንጻይካ ምፍቕርን እዩ፡ ጸረ ካልእ ዝቐውም ቃል ኪዳናዊ ጥምረትን ምጉጅጃልን ክሳብ ዘሎ ሰላም ኣይክህልውን እዩ፡ ምኽንያቱ ጸረ ካልእ ዝኾነ ቃል ኪዳናዊ ጥምረት ምግምማዕ ጥራሕ ክብ ዘብል ብምዃኑ . . . ሰላም ሰዓርን ተሳዓርን ኣየድልዮን ኣይሓትትን እውን

ራፋሕ ዳውድን ሃሳንን፥ ኣብ ቅድሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዑር ዘቕረብዎ ታሪኽ ዝቕየረ ብናይ ውሳጣዊ ፍቕሪ  ትረኻን ቃል ምስክርነትን፥ ዝብል ሓሳብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ጠቒሶም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዒራቕ መጻኢ ሰላም ናይ ራፋሕ ሑሳይንን ከምኡ ኣውን ናይ ባሐር ዕራቓዊት ናይ ሳበኣ ማንደኣ ሃይማኖት ሰዓቢቲ ደቓን ኣሕዋታን ብምኽንያት ዓመጽን ግብረ ሽበራን ክስደዱ ዝረኣየት ወጅሂ ዘለዎ እዩ፡ ንሳ ኣብ ቅድሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተረኺባ፥ “እቲ ፍርሒ ካብ ነፍሱ ምሕዩ ዘጥፍእ ዝተባርከ እዩ፡ . . . ሎሚ  ንሳ ፍቅሪ ዘሪኣ እያ፡ ቅዱስነትኵም ሎሚ ፍቕርን ሕውነትን ዘሪእኩም ኢኹም ብሓይሊ በቲ - ኵላትኩም ኣሕዋት ኢኹም - ዝብል  ናይቲ እተካይድዎ ዘለኹም ሓዋርያዊ ምብጻሕ መርሕ ቃል፡ ኣብዛ ሃገረይ መሬት ኣቦታተይ ምንባረይ ከምዝቕጽል ከረጋግጽ እፈትው . . . ” ዝበለቶ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የዘኻኽሩ።

ናይ ዒራቕ መጻኢ ሰላም ናይ ዳዎድን ሓሳንን፥ እቲ ቀዳማይ ክርስቲያን እቲ ካልኣይ ከኣ ኣስላማይ፥ መማህርትን የዕሩኽን ንትምህርቶም ዘድልይ ወጻኢ ንምሽፋን ብሓባር ናይ ክዳውንቲ መሸጣ ዝተኻረዩ፡ “ብዙሓት ዒራቓውያን ልክዕ ከምቲ ናይ ዳዎድን ሓሳንን ተመክሮ ክነብሩ ንደልይ”፡ ናይ ዒራቕ መጻኢ ሰላም፥ ናይቶም ሓንቲ ስድራ ቤት ሰዓብቲ ምስልምና ጉረቤቶም ንምድሓን ገዛእ ርእሶም በጃ ዝኸፈሉ ናይ ሳበኦ ማንደኣ ህይማኖት ሰዓቢ ናጃይ ወጅሂ ዘለዎ እዩ።

ናይ ዒራቕ መጻኢ ሰላም ብብሓባርን ኣብ ሓባራውይነት ጥራሕ እዩ ዝሕነጽ ምኽንያቱ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ንሕና ዘይኮነ ክሳብ ንሳቶም ዝብል ምፍልላይ ዝህልው ሰላም ኣይክህሉን እዩ፡ ኩላትና ኣብ ንሕና በዓል ቤት ክንጠራነፍ ሰላም ዝጠልቦ ኵነት ስለ ዝኾነ።

ካብታ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወለደላ . . . ካብታ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ኢየሱስ ምውላዱ ኣቐዲሙ ዝተሓንጸ ከተማ ዑር እታ ኣብቲ እዋን ኣብ ዓለም ብዙሕ ሕዝቢ ዝነብረላን ብብዝሒ ሕዝቢ ቀዳመይቲ ዝነበረትን ኣብራሃም ናብ ናይ ተስፋ ምድሪ ዝነቐለላ ከተማ እያ ዝነበረት። ካብ ዘይምርግጋእን ኢውሕስነትን ካብ ምግምማዕን ጽልእን ጸንፈይናነትን ምልቓቕ ወገዳሲ እዩ፥ ምስትውዓል የድሊ፡ እውነተይና ሃይማኖት ንእግዚኣብሔር ምምላኽን ምስጋንን ንጻይካ ምፍቕርን እዩ፡ ጸረ ካልእ ዝቐውም ቃል ኪዳናዊ ጥምረትን ምጉጅጃልን ክሳብ ዘሎ ሰላም ኣይክህልውን እዩ፡ ምኽንያቱ ጸረ ካልእ ዝኾነ ቃል ኪዳናዊ ጥምረት ምግምማዕ ጥራሕ ክብ ዘብል ብምዃኑ . . . ሰላም ሰዓርን ተሳዓርን ኣየድልዮን ኣይሓትትን እውን እዩ፡ ናይ ዝሓለፈ ዘይምርድዳእን በሰላን ይሃልው ካብ ግጭት ናብ ሓድነት ንጓዓዝ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብ ዑር ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከምዘስመሩሉ ምዃኑ ቶርኒየሊ የዘኻኽሩ። ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ዑር ርክብ ናይ ዘፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዕለት 6 መጋቢት 2921 ዓ.ም.

እዚ ነታ ሰማእት ንዝኾነት ዒራቕ መልእኽቲ’ዚ ንሶርያን ንማእከላይ ምብራቕን ንመላእ ዓለምን እዩ፡ ምኽንያቱ ታሪኽ ዝልወጥ በቲ “ትሑት ናይ ፍቕሪ ሓይሊ ጥራሕ እዩ” ከምቲ ፍራንቸስኮ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ ትኽተል ካቶሊካዊት ቅዱስ ዮሴፍ ቤተ ክርስቲኢያን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዖተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ዝበልዎ፡ እዚ ኡጦቢያ ኣይኮነን ምኽንያት እዚ ሓቂ እዚ ኣብቶም ቃል ምስክርነት ዝሃቡ ራፋሕን ኣብ ወጅሂ ዳዉድን ሓሳንን ናጃይን ኣብ ካልኦት ኵሎም እቶም ናይ ሰላም ኣንጠይረይናታት ኣብ ዝኾንኑ ዝርአይ እዩ፡ ፈጺሙ ዘይዝርበሎምን ዘይንገረሎምን ግና ኣብ ልቢ እግዚኣብሔር ዝኩራት ኣብ ዝኾኑ ኣንጠረይናታት ሰላም ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ዝርአይ እዩ፡ ንሳቶም ኣብ ልቢ እግዚኣብሔር ጽሑፍ እዩ፥ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

07 March 2021, 14:01