ክርስትያን ናይ ዓለምና መብራህቲ ወንጌል እዮም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 28 ለካቲት 2021 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ዕለቱ ንዝዝከር በዕለ ደብረ ታቦር ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ቤተክርስትያን ብምጥቃስ ድምቀት ብርሃን ደብረ ታቦር ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ከምዘሎን ክርስትያን ዘቦኡ ንዓለምና ቊልዒ ወንጌል ብምዃን ብርሃን ክርስቶስ ኣብ ኩሉ ንከባጽሕ ካብ መንፈሳዊ ትህኪት ክሕሎ ኣዘኻኺሮም። ተልእኮ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዝኾነ ፍቅርን ተስፋን ናብ ኩሉ ክነባጽሕ ዘዘኻኽር ከኣ በዓለ ደብረ ታቦር እዩ ምስ በሉ ኣብዚ ዘመነ ጾመ አርባዓ ብዛዕባ ሰብ ሕማቅ ካብ ምዝራብን ምምናይን ካብ ሕሜትን ንጹም ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ግጽው ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክልተ ሰናብቲ ንበዓለ ደብረ ታቦር እንክትውስን ሓደ ካብኡ ካልኣይ ሰንበት ዘመነ ጾመ አርባዓ እዩ። ከምቲ ጐይታ ንሓዋርያቱ ንዕንቅፋት ሕማማትን መስቀልን ንከሰናዱ ብርሃን ደብረ ታቦር ዝገለጸሎም ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ እውን ንቀንዲ ጸገም ጾመ አርባዓ ምናዳ መንፈሳዊ ትህኪት ካብ እንብሎ ንምብርባርን ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ናኣሽቱ ብርሃናት ወይውን ቊልዒ ንምብራህን ሰበት በዓለ ደብረ ታቦር ይዝከር። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቶም ብፍሉይ መንገዲ ዘሰናድዎም ዝነበረ ደሓር ኣዕኑድ ቤተክርስትያን ዝኾኑ ሓዋርያት ንጴጥሮስን ያዕቆብን ዮሓንስ ሒዙ ናብ እምባ ታቦር ደዩቡ ትርኢቱ እንክልወጥ ክብሩን ግርማኡን እንክገልጸሎም ዘደንቅ እኳ እንተነበረ ምሳኡ ኣታሓሒዙ ግን ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ይገልጸሎም። እቶም ንኩሉ ምኽታል ክርስቶስ ዓወት ብዓወት ጥራይ ዝሓስቡ ዝነበሩ ሓዋርያት ሕማማትን ሞትን ትንሣኤ ሙታንን ኢሎም ክዛረቦም እንከሎ ኩሉ ገው ኮይንዎም ትንሣኤ ምውታንከ እንታይ እዩ ተባሃሃሉ። ወረ ሕማማትን መስቀልን ሞትን ንየው በሎ ዝዓይነቱ ምኽሪ ክልግሱ ፈተኑ። እቲ ብዓቢ ኣጀብ ክመጽእ ዝብል ሕልሞም ተቈጽየ። እንተኾነ ብርሃን ደብረ ታቦር ነቲ ድቅድቅ ጸልማት ሕማማትን ሞትን ንምስጋር እዩ ተዋሂብዎም።

ንድቅድቅ ጸልማት ንምስጋር ዝተዋበ ብርሃን!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስከስ ኣብ ደብረ ታቦር ማለት እምባ ታቦር ካብ ምድሪ ሓፍ ዝበለ ቦታ ልዑል ኮረብታ ኰይኑ ብኣምሳል ሰማይን ምድርን ዝራኸበሉ ክንብሎ ብእንኽእል ኣገባብ ምስ ሙሴን ኤልያስን ማለት ሕጋጋት ኦሪትን ነቢትን ይዛተ። ከምቲ ሙሴን ኤልያስን ኣብ እምባታት ህላዌ ኣምላኽ ዘስተማቀሩ ብእንግድዓዑ ብምርኣይ ከኣ ዝተደሰቱ ሎሚ ንወዲ ኣምላኽ ብኣካል ኣብ ጎቦ ክረኽብዎ እንከለው ትርኢት ጐይታ ብኡ ንብኡ ይልወጥ።

“ትርኢት ገጹ ዘንጸባርቅ ኮነ ክዳውንቱ ጻዕዳ ኰነ ይብል! እዚ ከኣ ነቲ ድሕሪ ትንሣኤኡ ክረኤ ዘለዎ ኢየሱስ ኣቅዲሞም ይርእዩ ማለት እዩ። እዚ ነቶም ብፍርሃት ተዋሒጦም ዝነበሩ ሓዋርያት ሓደ ትእምርቲ እዩ። ትእምርቲ ድሙቅ ብርሃን። እዚ ብርሃን እዚ ብርሃን ተስፋ ኰይኑ ንዝኾነ ድቅድቅ ጸልማት ንምስጋር ዝሕግዝ ብርሃን ነበረ። ደጊም ሞት ናይ ኩሉ መወዳእታ ኣይክትከውንን እያ ከመይ ክብሪ ትንሣኤ ሙታን ክግለጽ እዩ። መወዳታኸስ ጸልማት ኣይኮነን። ተሳዒሩ እዩ።”

መወዳእታ ጸልማት ኣይኮነን!

ኣብ ማእከል ዘመነ ጾመ አርባዓ ንብርሃን ደብረ ታቦር ምዝካርከስ ከምቲ ናይ ሽዑ ምስ ኢየሱስ ኣብ ጎቦ በይንና ብምዃን ንእንረኽቦ ብርሃን ንምስትምቃር እዩ። ዕድመ ዝቀርበልና ዘሎ። ምናዳ ጸገም ከጓንፈና ዘይስገር ዝመስል ጸልማት እንክጋጥመና እቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ መወዳእታና ጸልማት ከምዘይኮነ ከም እንሰግሮ የረጋግጸልና።  ሓንሳእ ሓንሳእ ኣብ ሕይወትና ዘይስገር ዝመስል ጸልማት እንከጓንፈና መዋጽኦ ዘይርከቦ ዝመስል ጸገም እንከጓንፈና ኣብ ቅድመና ነቅ ዘይብል ክበድ ከም ሕማም ስቃይ ንጹሓን ሰባት ምሥጢረ ሞት ኣብ ቅድመና ግትር እንክብሉ መዋጽኦ ዘይብሉ ጸልማት ኰይኑ ይስመዓና። ኣብ ጒዕዞ እምነት እውን ጠለፋን ዕንቅፋትን ከጋጥም ይኽእል እዩ። እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ኰይኑ ዝስመዓና ጒዳይ መስቀል እንክኸውን እቲ ወንጌል ዝእዝዞ ተሓድሶ ብሉይ ኪዳን ከም ንጸላእትኻ ምፍቃርን ስለኦም ምጽላይን ንሕይወትካ ክንዲ ንገዛእ ርእስኻ ክትከውን እትከላኸለላን እትዕቅባን ስለኣገልግሎት ካልኦት ኣወፊ ዝብል ትእዛዝን ክኸብድ ይከኣል። ኣብዚ ግዜ እዚ ኢና እምበር ደው ክንብል እሞ ክነስተንትን ዘሎና።

“ካልእ መንገዲ ጠመተ ከምዘድልየናኽስ ኣብዚ እዩ ዝግለጽ! ነዚ ጠመተ እዚ ንምብራህ ከኣ ኣብቲ ዓሚቚ ክፍሊ ምሥጢር ሕይወት ዘብርህ እሞ ክንዮ መደባትናን ሕልምታትና መዓቀኒ እዚ ዓለም እዝን ሰጊርና መብራህቲ የድልየና። ንሕና እውን እንተኾነ ምስ ጐይታ ናብ ደብረ ታቦር ክንድይብ ዝተጸዋዕና ኢና። ኣብኡ ኰና ከኣ ኣብ ክፍሊ ነፍሲወከፍ ጒዕዞ ሕይወትና ቊልዒ ብርሃን እናሰደደ ንዘብርሃልናን ንታሪኽ ካብ ዓወት ፋሲካ ክንትርጉም ዘኽእለና ኣስተንትኖ ጽባቄ ትንሣኤ ክነስተንትን ንጽዋዕ ኣሎና። እዚ ሓንሳእ ደው ምባል እዚ ሓደገኛ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።”

ሓደጋኛነት ደው ምባል!

እንተኾነ እዚ ምስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ኰንካ ጽባቄ ትንሣኤ ብምስትንታን ዝርከብ ሕይወት ብፅዕና ዘጋጥም ሓደጋ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ እዩ ጐይታ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋትናን ዕለታዊ ሕይወትናን ዝርከብ ጋህሲ ዝወስደና።

“ምናዳ ካብ መንፈሳዊ ትህኪት ክንሕሎ ኣሎና። እዚ መንፈሳዊ ትህኪት እንብሎ በቲ እንገብሮ ቁሩብ ቁራቦ ማለት ጸሎታትናን ሥርዓታትናን ይእኽለና ኢልና ክንቀስን የብልናን። ገና ናብቲ እምባ ክንድይብ ኣሎና። ነቲ ኩነት ክንቅብሎ ኣሎና ክንዝንግዕ የብልናን። ጸሎት ምግባር ካብ ድኻምን ጻዕርን ሕይወት ሓራ ይገብረካ ማለት ኣይኮነን። ብርሃን እምነት ንጽቡቅ መንፈሳዊ ስምዒት ኣይኮነን ዘገልግል። ነተን ናእሽቱ ቊልዕታት ብርሃን ኣብ ልብታትና ዘለዋ ክነስተብህለለን የድሊ።”

ኣብ ልቢ ወዲሰብ ዝርከባ ናኣሽቱ ብርሃናት!

ሓዋርያት ምስ ኢየሱስ ኣብ ደብረ ታቦር ጥዑም ግዜ ኣሕሊፎም እንተኾነ ኩሉ ተፈጺሙ ካብቲ እምባ ምውራድ ኣብ ዝጀመሩ ኣብ ንቡር ሕይወት ምስ ተመልሱ ድሮ ምስ ዕለታዊ ሕይወትን ተልእኮኦምን ፊት ንፊት ክገጥሙ ጀሚሮም። ክርስትያን እውን ከምኡ ከምዚ ዓይነት ተመኲሮ ምስ ጐይታ ድሕሪ ምሕላም ከም ክርስትያን ክገብሮ ዘለዎ ተልእኮ ይቅጀሎ።

“ምስ ኢየሱስ ክንራኸብ ንተመኲሮ ዝተጸዋዕና ኢና። ምኽንያቱ ከኣ በቲ ምሳኡ ብምርኻብና እንረኽቦ ብርሃን በሪህና ነቲ ብርሃኑ ናብ ኩሎም ክነብጽሖ ኣብ ኩሉ ቦታ ከኣ ክነንጸባርቆ ስለዝድለ እዩ። በዚ ከምዚ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ናኣሽቱ ብርሃናት ከምዝበርሃ ንገብር በዚ ከኣ ፍቅርን ተስፋን ዘጐዓዕዙ ናኣሽቱ ብርሃን ወንጌል ንኸውን። ተልእኮ ነፍሲወከፍ ክርስትያን ከኣ እዚ እዩ ኢሎም።”

ካብ ሕሜታ ምጻም!

ብድሕርዚ ቅዱስነቶም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣዕረጉ እሞ! ቀቅድሚ ብቡራኬ ምስንባቶም ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘስተምሃርዎ ኩሉ ንምግባር ምናዳ ከኣ ኣብዚ ግዜ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ወንጌል ኣብ ጅባኹም ሒዝካ ብምንባር ካብ ሕሜታ ምጻም ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ብዛዕባ ጾም ሓደ ምኽሪ ክህበኩም! እዚ ጾም እዚ ጥሜት ኣይገብረልኩምን። ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ካብ ሕሜታን ሕማቅ ምዝራብን ምጻም እዩ። ነፍስወከፍና ‘ኣብዚ ግዜ ጾመ ኣርባዓ ብዛዕባ ካልኦት ሕማቅ ኣይዛረብን ኣብ ሕሜት ኣይውሰኽን’ ዝብል ቊርጺ ፍቃድ ኩልና ክንገብሮ ንኽእል። እወ ኩልና። እዚ ጾም እዚ ብጣዕሚ ጽቡቅ ጾም እዩ። ከምኡ እውን ኣብ ገግዜኡ ሓደ ክፍሊ ወንጌል ምንባብ ጽቡቅ ከምዝኾነ ብምዝካር ኣብ ጅባኻትኩም ኣብ ሳንጣ ወንጌል ተማልኡ ሽዑ ግዜ ኣብ ዝረኸብኩምሉ ክፍት ኣብልዎ እሞ ዝኾነ ክፍሊ ኣንብቡ ኢሎም። እዚ ኣገባብ እዚ ልብና ንጐይታ ክፉት ከምዝኸውን ይገብሮ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
01 March 2021, 13:34

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >