ክርስትያን ናይ ዓለምና መብራህቲ ወንጌል እዮም! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ኣብ ግጽው ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክልተ ሰናብቲ ንበዓለ ደብረ ታቦር እንክትውስን ሓደ ካብኡ ካልኣይ ሰንበት ዘመነ ጾመ አርባዓ እዩ። ከምቲ ጐይታ ንሓዋርያቱ ንዕንቅፋት ሕማማትን መስቀልን ንከሰናዱ ብርሃን ደብረ ታቦር ዝገለጸሎም ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ እውን ንቀንዲ ጸገም ጾመ አርባዓ ምናዳ መንፈሳዊ ትህኪት ካብ እንብሎ ንምብርባርን ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ናኣሽቱ ብርሃናት ወይውን ቊልዒ ንምብራህን ሰበት በዓለ ደብረ ታቦር ይዝከር። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቶም ብፍሉይ መንገዲ ዘሰናድዎም ዝነበረ ደሓር ኣዕኑድ ቤተክርስትያን ዝኾኑ ሓዋርያት ንጴጥሮስን ያዕቆብን ዮሓንስ ሒዙ ናብ እምባ ታቦር ደዩቡ ትርኢቱ እንክልወጥ ክብሩን ግርማኡን እንክገልጸሎም ዘደንቅ እኳ እንተነበረ ምሳኡ ኣታሓሒዙ ግን ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ይገልጸሎም። እቶም ንኩሉ ምኽታል ክርስቶስ ዓወት ብዓወት ጥራይ ዝሓስቡ ዝነበሩ ሓዋርያት ሕማማትን ሞትን ትንሣኤ ሙታንን ኢሎም ክዛረቦም እንከሎ ኩሉ ገው ኮይንዎም ትንሣኤ ምውታንከ እንታይ እዩ ተባሃሃሉ። ወረ ሕማማትን መስቀልን ሞትን ንየው በሎ ዝዓይነቱ ምኽሪ ክልግሱ ፈተኑ። እቲ ብዓቢ ኣጀብ ክመጽእ ዝብል ሕልሞም ተቈጽየ። እንተኾነ ብርሃን ደብረ ታቦር ነቲ ድቅድቅ ጸልማት ሕማማትን ሞትን ንምስጋር እዩ ተዋሂብዎም።
ንድቅድቅ ጸልማት ንምስጋር ዝተዋበ ብርሃን!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስከስ ኣብ ደብረ ታቦር ማለት እምባ ታቦር ካብ ምድሪ ሓፍ ዝበለ ቦታ ልዑል ኮረብታ ኰይኑ ብኣምሳል ሰማይን ምድርን ዝራኸበሉ ክንብሎ ብእንኽእል ኣገባብ ምስ ሙሴን ኤልያስን ማለት ሕጋጋት ኦሪትን ነቢትን ይዛተ። ከምቲ ሙሴን ኤልያስን ኣብ እምባታት ህላዌ ኣምላኽ ዘስተማቀሩ ብእንግድዓዑ ብምርኣይ ከኣ ዝተደሰቱ ሎሚ ንወዲ ኣምላኽ ብኣካል ኣብ ጎቦ ክረኽብዎ እንከለው ትርኢት ጐይታ ብኡ ንብኡ ይልወጥ።
መወዳእታ ጸልማት ኣይኮነን!
ኣብ ማእከል ዘመነ ጾመ አርባዓ ንብርሃን ደብረ ታቦር ምዝካርከስ ከምቲ ናይ ሽዑ ምስ ኢየሱስ ኣብ ጎቦ በይንና ብምዃን ንእንረኽቦ ብርሃን ንምስትምቃር እዩ። ዕድመ ዝቀርበልና ዘሎ። ምናዳ ጸገም ከጓንፈና ዘይስገር ዝመስል ጸልማት እንክጋጥመና እቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ መወዳእታና ጸልማት ከምዘይኮነ ከም እንሰግሮ የረጋግጸልና። ሓንሳእ ሓንሳእ ኣብ ሕይወትና ዘይስገር ዝመስል ጸልማት እንከጓንፈና መዋጽኦ ዘይርከቦ ዝመስል ጸገም እንከጓንፈና ኣብ ቅድመና ነቅ ዘይብል ክበድ ከም ሕማም ስቃይ ንጹሓን ሰባት ምሥጢረ ሞት ኣብ ቅድመና ግትር እንክብሉ መዋጽኦ ዘይብሉ ጸልማት ኰይኑ ይስመዓና። ኣብ ጒዕዞ እምነት እውን ጠለፋን ዕንቅፋትን ከጋጥም ይኽእል እዩ። እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ኰይኑ ዝስመዓና ጒዳይ መስቀል እንክኸውን እቲ ወንጌል ዝእዝዞ ተሓድሶ ብሉይ ኪዳን ከም ንጸላእትኻ ምፍቃርን ስለኦም ምጽላይን ንሕይወትካ ክንዲ ንገዛእ ርእስኻ ክትከውን እትከላኸለላን እትዕቅባን ስለኣገልግሎት ካልኦት ኣወፊ ዝብል ትእዛዝን ክኸብድ ይከኣል። ኣብዚ ግዜ እዚ ኢና እምበር ደው ክንብል እሞ ክነስተንትን ዘሎና።
ሓደጋኛነት ደው ምባል!
እንተኾነ እዚ ምስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ኰንካ ጽባቄ ትንሣኤ ብምስትንታን ዝርከብ ሕይወት ብፅዕና ዘጋጥም ሓደጋ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ እዩ ጐይታ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋትናን ዕለታዊ ሕይወትናን ዝርከብ ጋህሲ ዝወስደና።
ኣብ ልቢ ወዲሰብ ዝርከባ ናኣሽቱ ብርሃናት!
ሓዋርያት ምስ ኢየሱስ ኣብ ደብረ ታቦር ጥዑም ግዜ ኣሕሊፎም እንተኾነ ኩሉ ተፈጺሙ ካብቲ እምባ ምውራድ ኣብ ዝጀመሩ ኣብ ንቡር ሕይወት ምስ ተመልሱ ድሮ ምስ ዕለታዊ ሕይወትን ተልእኮኦምን ፊት ንፊት ክገጥሙ ጀሚሮም። ክርስትያን እውን ከምኡ ከምዚ ዓይነት ተመኲሮ ምስ ጐይታ ድሕሪ ምሕላም ከም ክርስትያን ክገብሮ ዘለዎ ተልእኮ ይቅጀሎ።
ካብ ሕሜታ ምጻም!
ብድሕርዚ ቅዱስነቶም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣዕረጉ እሞ! ቀቅድሚ ብቡራኬ ምስንባቶም ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘስተምሃርዎ ኩሉ ንምግባር ምናዳ ከኣ ኣብዚ ግዜ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ወንጌል ኣብ ጅባኹም ሒዝካ ብምንባር ካብ ሕሜታ ምጻም ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።