ድለ

ቀንዲ ትርጉም ጾመ አርባዓ ልብኻ ንርሕራሔ ጐይታ ምኽፋት እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 14 መጋቢት 2021 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቀቅድሚ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምድጋሞም ኣብቲ ‘ብርሃን ናብ ዓለም መጸ ደቂሰብ ግን ግብሮም ክፉእ ስለዝኾነ ክንዲ ንብርሃን ንጸልማት መረጹ’ ዝብል ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም እግዚአብሔር ብርሃን ብዓንዱ ርእሱ ኰይኑ ንሕና እውን ደቂ ብርሃን ኰና ሠናይ ነገር ንምግባር ናብ ብርሃን ክንመጽእ ይዕድመና በዚ ኸኣ ብጌጋና ተጣዒስና ምሕረት ምስ እንሓትት እሞ ናብ ብርሃን ምስ እንመጽእ ኣብ ዘለዓለማው ሓቀኛ ታሕጓስ ክንኣቱ ኢና ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ድሮ ራብዓይ ሰንበት ዘመነ ጾመ አርባዓ ብምብጻሓ ከምቲ ናትና ሰንበት ዘኒቆዲሞስ እንብሎ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣብ ዘተ ኒቆዲሞስን ኢየሱስን ዘተኮረ ካብ ዮሓ 3.16 ዝተወስደ ኰይኑ በቲ እግዚአብሔር ዝገለጸልና ፍቅሪ ንሓዱ ወዱ በጃ ክሳብ ምሃብ ዝገለጸልና ፍቅሪ ክንሕጐስ ነቲ ንሱ ዘተስፈወና ድሕነት ክንቅበል ዝዕድም ነበረ። ከመይ ነቶም ዝተቀበልዎ ዘለዓለማዊ ሕይወት መሰል ውሉድነት ስለዘልብሶም። እዚ ከኣ ንነፍሲወከፍ ኣማኒ ክርስትያን ደስ ዘብል ስለዝኾነ ሰንበት ናይ ታሕጓስ ዝብል ስም እውን ይወሃቦ።

እግዚአብሔር ንወዱ ስለኩልና ኣወፈዮ!

ጉዳይ ድሕነቱን ድሕነት ድኹምን ሓጢኣተኛን መላእ ዘመደ ኣዳምን ዘሻቀሎ ዓቢ ምሁር ኣይሁዳውያን ዝነበረ ኒቆዲሞስ ብስቱር ናብ ኢየሱስ ከይዱ እስኪ ንገረኒ መንገዲ ሓብረኒ ቀትሪ ከይመጽእ ሓፊረ ብዝዓይነቱ ቋንቋ ናብ ኢየሱስ ብለይቲ ጸልማት ተጐልቢቡ ብምኻድ ነቲ ኩሉ ነቢያት ዝበልዎ ዘማላእ ንኩሉ ምልክታት ሕቶ መሲሕ ዝምልስ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ምዃኑ ንምምስካር ዚኣክል ከኣ ካብ ላዕሊ መምህር ኰንካ ከምዝመጻእካ ንኣምን ኢና እንተኾነ ዘይበርሃለይ ነገራት ኣሎ እሞ ኣብርሃለይ ክብል ምሥጢረ ድሕነት ክርዳእ ነቲ ኣብ ልቢ ነፍሲወከፍ ዘመደ ኣዳም ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዘዕገርግር ሕቶ ክንዲ ገዛእ ርእሱን ክንዳናን ኰይኑ ሓተተ።

ርግጽ ኒቆዲሞስ ከም ኩሎም ምምጻእ መሲሕ ይጽበ ነበረ። እዚ ትጽቢት እዚ ኣብ ልቢ ደቂሰባት ሳዕሪሩስ ሎሚ እውን ብዙሓት ክንዲ ኣብ ህልው ዝነብሩ መጻኢ እናተጸበዩ ካብ ዝነብሩ ጀሚርካ ክሳብ እቶም ክሳብ ለይቲ ሎሚ ገና መሲሕ ክመጽእ እዩ ኢሎም ዝጽበዩ ዘለው ኣይሁድ ምጥቃስ ይከኣል። እንተኾነ ኢየሱስ ኣሕጽር ኣቢሉ እቲ ዝዓበየ ፍቅሪ እግዚአብሔር ክሳብ ንወዱ በጃ ምሃብ ከምዝበጽሐ በዚ ከኣ እቲ ዝተቀበሎን ዝኣመኖን ክድሕን እንተ እቲ ዘይኣምን ግን ንብርሃን ክርስቶስ ክቅበለሉ ዘይደልየሉ ምኽንያት ክፍኣተ ግብሪ ስለዝወረሶ ንጸልማት ስለ ዝሓረየ ባዕሉ ንገዛእ ርእሱ ከምዝኰነነ ይገልጸሉ።

ትጽቢት ኒቆዲሞስ ዝነበረ ‘ሓደ ሓያል መሲሕ መጺኡ ነዚ ዓለምና ብዓቢ ሓይልን ሥልጣንን ክፈርዶ ምዃኑ’ እዩ ዝነበረ። እንተ ኢየሱስ ነዚ ትጽቢት እዚ ሠለስተ ቀንዲ ነገራት ብምቅራብ ኣብ ቅልውላው የውድቆ። ቀዳማይ ወዲሰብ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ክኸብር ምዃኑ ካልኣይ ወዲሰብ ናብ ዓለም ዝተላእኮ ዓለም ብኣኡ ምእንቲ ክድሕን ምዃኑ ብሣልሳይ ደረጃ ከኣ ብርሃን ንመንገዲ ሓቅን ሓሶትን ስለዝፈሊ ምርጫ ደቂሰባት ወሳኒ ምዃኑ ከመይ እቶም ገበርቲ እከይ ግብሮም ምእንቲ ከይረኤ ጸልማት ከምዝመርጹ እቶም ደቂ ብርሃን ግን ግብሮም ምስክርነቶም ንባዕሉ ብርሃን ከምዝኾነ ንጹር ትምህርቲ ይህቦ ነቲ መምህር ኣይሁድ ዝኾነ ሊቅ ኒቆዲሞስ።

ኢየሱስ ኣብ መስቀል ከበረ!

እቲ ንኦሪትን ነቢያትን ፍጽምና ክህብ ዝመጸ ክርስቶስ ንምሁር ኣይሁድ ኒቆዲሞስ በቲ ንሱ ዝርድኦ ቋንቋ ማለት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ እናጠቀሰ እቲ ብኣምሳልን ትንቢትን ኣብ ኦሪት ዝቀረበ ብምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስ ምልኣት ከምዝረክብ ንምግላጽ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ንተመን ኣስራዚ ኣብ ባላ ዝሰቀሎ ወዲሰብ እውን ኣብ ዕጸ መስቀል ተሰቂሉ ብጃ ኩሉ ኪሓልፍ እሞ ኣብ ክብሩ ገሊጹ ንኩሎም ከኣ ናብኡ ክስሕቦም ምዃኑ ይገልጸሉ።

ከምቲ ኣብ ኦሪት እቶም ብምጒርምራሞምን ምጥርጣራቶምን መርዛማት ኣትማን ዝዓደሙ እስራኤላውን ብኣማልድነት ሙሴ ካብ መርዚ እቶም ኣትማን ብምጥማት ጥራይ ዘድሕን ብኣሥራዚ ዝተሰርሐ ምስሊ ተመን ኣብ ባላ ብምጥማት ጥራይ ካብ ቀታሊ መርዚ ዝድሕኑ ዝነበሩ ወዲሰብ እውን ኣብ መስቀል ተሰቂሉ እቲ ብኣኡ ዚኣምን ዘበለ ካብ መርዚ ሓጢኣት ሓውዩ ሕይወት ከምዝረክብ ገበረ። ተልእኮ ኢየሱስ ድሕነት ኩሉ ዘመደ ኣዳም ምዃኑ ገለጸሉ።

ተልእኮ ኢየሱስ ድሕነት ኩልና እዩ!

ታሪኽ ድሕነት ዘመደ ኣዳም ብሰፊሑ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተገሊጹ ከምዘሎ ዝለዓለ መግለጺኡ እግዚአብሔር ነቲ እንኮ ወዱ ስለድሕነት ዓለም ምውፋዩ እዩ።

“እግዚአብሔር ንዓለም ክሳብ ክንድዙይ ኣፍቀሮ! ንሓደ ወዱ በጃ ክሳብ ምሃብ ኣፍቀሮ ይብል። ነዚ ብቀዳምነት ብምሥጢረ ሥጋዌ ከማና ሰብ ብምዃን ቀድሊ ከኣ ንሞት ኣሕሊፉ ብምሃብ ፈጸሞ። ናይዚ ወፈያ እዚ ዕላማ እግዚአብሔር ንደቂሰባት ዘለዓለማዊ ሕይወት እዩ። ስለዝኾነ ከኣ የሓንስ ወንጌላዊ ‘እግዚአብሔር ወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኸ ንክኹንኖ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ኩሎም ብኢየሱስ ምእንቲ ክድሕኑ እዩ’ ይብል። ስለዚ ተልእኮ እየሱስ ንድሕነት እዩ እምበር ንኩነኔ ኣይኮነን እዚ ድሕነት እዚ ከኣ ንኩሉ እዩ። ብርሃን ኰይኑ ከኣ መጸ።”

ኢየሱስ ብርሃን እዩ!

ካብቲ ንኢየሱስ ዝወሃብ ኣስማት ብሳልሳይ ደረጃ ዝቀርብ ብርሃን እዩ። ብርሃን ናብ ዓለም መጸ እንክብል ከኣ ብወገን ኣምላኽ ኩሉ ከምዝተገብረን እቲ ምርጫ ንዘመደ ኣዳም ከምዝተዋህበን ይገልጽ። እቲ ምርጫኸስ ንመንገዲ ብርሃን ወይውን ነታ ኣንጻራ ዝኾነት መንገዲ ጸልማት ምምራጽ እዩ።

“እቲ ንጸልማት ዝመርጽ መንገዲ ኩነኔ ከጓንፎ እዩ። እንተ እቲ ንብርሃን ዝመርጽ ፍርዲ ድሕነት ክህልዎ እዩ። ፍርዲ ኩሉ ግዜ ንነጻ ምርጫ ነፍሲወከፍ ዝስዕብ እዩ። ሕማቅ ዝገብር ኩሉ ግዜ ጸልማት ይመርጽ ከመይ ክፍኣተ ግብሪ ወትሩ ክሕባእ ክሽፈን ምስ ደለየ እዩ። እንተ እቲ ንሓቂ ዝገብር ግን ናብ ብርሃን ይመጽእ እሞ ብርሃን ኰይኑ ንሕይወት የብርህ። ኣብ ብርሃን ዝጐዓዝ ናብ ብርሃን ዝቀርብ እንትርፊ ሠናይ ነገር ካልእ ክገብር ኣይክእልን እዩ። ነዚ ብርሃን እዚ ተቀቢልካ ንምሕረትን ድሕነትን እግዚአብሔር ምስትምቃር ሓቀኛ ታሕጓስ ይህብ።”

ኣብ ምሕረት ሓቀኛ ታሕጓስ ኣሎ!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ኣስተምህሮኦም ኣብታ ንሾመንተ ዓመት ምስ መመላእታ ዝደጋገምዋ ቤተክርስትያን እውን ንልዕሊ ክልተ ሺሕ ዓመት ዝሰበኸታ ኢየሱስን ኩሎም ቅዱሳት ጽሑፋትን እውን ዘጋውሕዋ መልእኽቲ ምሕረት ኣምላኽ ምልስ ይብሉ እሞ ዕብየት ፍቅሪ እግዚአብሔር ብምሕረቱ ከምዝግለጽ እዚ ከኣ ሓቀኛ ታሕጓስ ዝዕድል ፍጻሜ ኰይኑ ንልባትና ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ ኣምላኽ ከፊትና ነቲ ብርሕራሔ ዝመልአ ምሕረትን ሕያውነቱን ኣብዚ ምሩጽ ግዜ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ንብርሃን ክርስቶስ ኣብ ሕልናና ብምቅባል ነስተማቅሮ እንክብሉ ከምቲ ደጋጊሞም ዝበልዎ ምሕረት ኣምላኽ ወትሩ ስንድው ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ነዙይ ኣይትረስዑ እግዚአብሔር ንሕና ብትሕትና ምሕረት እንተሓቲትናዮ ወትሩ ይምሕረና እዩ። በቃ! ምሕረት ምሕታት ጥራይ ንሱ ከኣ ወትሩ ይምሕር። ከምዚ ብምግባርና ከኣ ነታ ሓቀኛ ሓጐስ ክንረኽባ ኢና በዚ ከኣ ነታ ሕይወት እትውሕዝ ምሕረት እግዚኣአብሔር ክነስተማቅራ ኢና ኢሎም።”

ንኩሉ ጸገማትና ናብ ኢየሱስ ክንወፊ ከምዘሎና ብምንም ክንጭነቅ ከምዘይብልና ነዚ ካብዚ ሒዙና ዘሎ ቅልውላው ጥዕና ምእንቲ ክንሓውን ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ክኸውንን ንእኖና ድንግል ማርያም ከማልደልና ንለምና ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
15 March 2021, 12:02

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >