ር.ሊ.ጳ. ጸረ ማፊያ-ናይ ገበን ጉጅለታት እነካይዶ ጻዕሪ ነበራትዕ

ሎሚ ዕለት 21 መጋቢት ኵሎም እቶም ብግብረ ጉጅለ ማፊያ ዝተቐትሉ ዜጋታት እንዝክረሉ ዕለት ጸረ ማፍያ ጻዕርታትና ኩሉ እንሕድሰሉ ዕለት ይኹን!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ብማፍያ ናይ ገበን ጉጅለ ዝተቐትሉ ንጹሓን ዜጋታት ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም ጸረ ማፍያ እነካይዶ ጻዕሪ ኩሉ ከነሕድስን ከነበራትዕን ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኢጣሊያ ዕለት 21 መጋቢት ብብሔራዊ ደረጃ ብማፍያ ናይ ገበን ጉጅለ ዝተቐትሉ ዜጋታት ኣብ እትዝክረሉ ዕለት፥

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዘለዉን ናይ ገበን ጉጅለታት-ማፊያታት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ብብላዕ ኣቢሎም መሀብተሚ ገይሮም ይጥቀምሉ ኣለዉ

ቢሎም ኩሉ ከከም ሓላፍነቱን ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታት - ማፊያ ዘካይዶ ጻዕሪ ከበራትዕ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

መዓልቲ ዝኽሪ ኣደዳ ማፊያ-ናይ ገበን ጉጅለታት

ናይ ኢጣሊያ ሕዝባዊ ባይቶ ኣብ 2017 ዓ.ም. ወርሒ ግንቦት ዕለት 21 መጋቢት ብብሔራዊ ደረጃ መዓልቲ ዝኽሪ ኣደዳ ናይ ገበን ጉጅለታት-ማፊያ ክኸውን ዝቐረበ ሓሳብ ኣጽዲቑን ካብታ ዓመት እቲኣ ኣትሒዙ በቢ ዓመቱ ዕለት 21 መጋቢት ዝኽሪ ኣደዳ ማፍያ ብብሔራዊ ደረጃ ተዘኪሩ ዝውዕል ጥራሕ ዘይኮነ በታ ዝኽሪ ኣደዳ ማፍያ መዓልቲ ኵሉ ዜጋ ከከም ሓላፍነቱን ኣብ ዘገልግለሉን ዘበለ ስፍራ ኩሉ ሕጋውነት ከተባብዕን ክነብርን ጸረ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ክተግህን ዘተሓሳስብን ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ናይ ሓባር ናብራ ዝመርሕ ሕግን ስርዓትን ብምኽባር ዝኾነ ይዅን ዓይነት ናይ ገበን ጉጅለ ክቃለስ ጻውዒት ዘቕረበሉ ዕለት እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቅዱስነቶም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ገበን ጉጅለታት ማፊያ ናይ ሞት ባህሊ ዝነብሩ እያቶም እንክብሉ ከምዝኾነንዎምን፡ በነዲክቶስ መበል 16 እውን ብወገኖም ናይ ሞት ፍኖት እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ኣዘኻኺሮም፥ “ናይ ገበን ጉጅለታት-ማፊያ ናይ ሓጢኣት መዋቕር ጸረ ናይ ክርስቶስ ወንጌል እምነት ናብ ጣዖታውነት ዝቐየሩ እንክብሉ ገሊጾም፥

ሎሚ ዕለት 21 መጋቢት ኵሎም እቶም ብግብረ ጉጅለ ማፊያ ዝተቐትሉ ዜጋታት እንዝክረሉ ዕለት ጸረ ማፍያ ጻዕርታትና ኩሉ እንሕድሰሉ ዕለት ይኹን!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ማፍያ ካብ ሕብረተሰብ ምሒኻ ምውጋድ ዝከኣልን ኣገዳስን እውን እዩ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ካብ ዞባታትና ኩሉ ናይ ገበን ጉጅለታት ምሒና ምስ እነወግድ መዓልቲ ዝኽሪ ኣደዳ ናይ ገበን ጉጅለትት ማፊያ ብኽብሪ ዘኪርናዮ ክንብል ንኽእል” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናጻ ናይ እተሰምየ ሕጋውነት ዘነቓቕሕ ማሕበር መስራት ኣባ ቾቲ፥ ጸረ ማፍያ ጻዕርታትና ነሐይል

ናይቲ ናጻ እተሰምየ ጸረ ዘይሕጋውነት ባህሊ ዘነቓቕሕ ማሕበር መስራቲ ኣባ ልዊጂ ቾቲ ምስቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላት፡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ጃዝ ቤት ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ሕንጻ ናይኵሎም ብማፊያ ዝተቐትሉ ኣስማት ኣብ ዝተነበረሉ እምነ መቓብር ፊት ቁንን ዕንባባ ኣንቢሮም፥ ኣብቲ እምነ መቓብር 640 ኣስማት ከምእተነብረን ኣብዚ እዋን እዚ እቶም ብናይ ገበን ጉጅለ ዝተቐትሉ ዜጋታት ብዝሒ ናብ 1031 ክብ ከምዝበለ ዘኪሮም፡ ሎሚ እውን ናይ ገበን ጉጅለታት ናይ ንጹሓን ዘጋታት ሕይወት ካብ ምቕንጻል ኣየቋረጹን ቢሎም፥ እቲ ኣብቲ እምነ መቓብር ዝተኽተሙ ኣስማት ሕልናና ዘበራበሩን ኣብ ጉዝዕዞ ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታት ክንተግህ ሓደራ ዝብል እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

22 March 2021, 13:48