መስቀል ክርስቶስ ዘየሰሓሕት ምልክት ተስፋና እዩ! ኩሉ ስቃይና ዋጋ ኣለዎ! ር.ሊ.ጳ

‘እንሆ፡ ባርያይ በእምሮ ኼስልጥ፡ ኪኸብር ልዕል ኪብል፡ ኣዝዩውን ኪዐዝዝ እዩ። ብዙሓት ብኣኻ ኸም እተገረሙ፡ - ትርኢቱ ኻብ ካልኦት ሰብ ሕሱር ነበረ። መልክዑ ድማ ካብ ካልኦት ደቂ ሰብ ሐመቐ። -ከምኡ ኸኣ ንብዙሓት ኣህዛብ ኬገርሞም እዩ። ነቲ ዘይተዘንተወሎም ኪርእይዎ፡ ነቲ ዘይሰምዕዎ ድማ ኬስተውዕልዎ እዮም እሞ፡ ነገስታት ኣብ ቅድሚኡ ኣፎም ኪሕዙ እዮም’ (ኢሳ 52,13-15)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

እነሆ ድሮ ኣብ ጥርዚ መንፈስ ሶሙን ሕማማት በጺሕና ኣብ ዋዜማ ሣልስቲ ፋሲካ በጺሕና ኣሎና። ካብ ጽባሕ ሓሙስ ክሳብ ሰንበት ሕመረት ዓመት ሥርዓተ ኣምልኾና ዝኾኑ ዕለታት ምሥጢረ ሕማማትን ሞትን ትንሣኤን ጐይታ ክንሠርዕ ኢና። ነዚ ዓቢ ምሥጢር እዚ ቅዳሴ ኣብ እንሰርዓሉ ግዜ ወትሩ ሕያው ንገብሮ። ናብ ቅዳሴ እንክንከይድ ክንጽሊ ጥራይ ኣይኮናን እንኸይድ እንታይ ደኣ ነዚ ምሥጢር እዚ ከም ብሓዲሽ ህያው ገርና ምሥጢረ ፋሲካ ንምንባር እዩ። ልክዕ ናብ ቀራንዮ ከም እንኸይድ እዩ። ከመይ እቲ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝቀርብ መሥዋዕቲ ብሓዲስ እዚ ምሥጢረ ፋሲካ እዚ እዩ።

ብምሸት ጸሎተ ሓሙስ ዝጅምር ሣልስቲ ፋሲካ ድራር ጐይታ ብምሥራዕ ነቲ ኣብ መወዳእታ ድራር ጐይታ ዝተፈጸመ ዳግም ንነብሮ። መወዳእታ ድራር ምሸት ጸሎተ ሓሙስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንተኸተልቱ ኪዳን ፍቅሩ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ዝሓደገሎም እዚ ከኣ ከም ማንም ዝኽሪ ዘይኮነ ሕያው ተዝካር ኰይኑ ንኩሉ ግዜ ምሳኦም ዝነብረሉ ፍጻሜ እዩ። ከምቲ ኣቀድም ኣቢለ ዝበልክዎ ኣብ እንሠርዖ ነፍሲወከፍ ቅዳሴ እዚ ምሥጢረ ድሕነት እዚ እዩ ዝሕደስ። ኣብዚ ምሥጢር እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ልሙድ መሥዋዕቲ እንስሳ ንገዛእ ርእሱ ከም መሥዋዕቲ ብምቅራብ ብቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ገቢሩ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዝገብር ድሕነት ሂቡና። እዛ ምሸት እዚኣ ነንሕድሕድና ብኣገልግሎት ክንፋቀር ነዚ ከኣ ከምቱ ንሱ ኣእጋር ሓዋርያቱ ብምሕጻብ ዝፈጸሞ ክንገብር ይዕድመና። እዚ ተግባር እዚ ቅድመ መግለጺ ናይቲ ኣብ ዕጸ መስቀል ክፍጸም ዝነበሮ ጨካን ወፈያ መስዋዕቲ ገዛእ ርእሱ ነበረ። ከም ሓቁ ከኣ ኣእጋር ኪሓጽብ ዘይኮነ ሓጢኣት ዓለም ክሓጽብ ልብታትን ሕይወትን ሓዋርያት የንጽሕ። እዛ መሥዋዕቲ እዚኣ ንኩሎም ብምግልጋል እትውፈ መሥዋዕቲ እያ ከመይ በቲ ንኩልና ዘቅረቦ መሥዋዕቲ ኣገልግሎት እዩ ንኩልና ዘድሓነና።

ዓርቢ ስቅለት ዕለተ ንሥሓ ዕለተ ጾም ዕለተ ጸሎት እያ። በቲ እንፍጽሞ ሥርዓተ ኣምልኾን ብእነንብቦ ቃል ኣምላኽን ነቲ ኣብ ቀራንዮ ዝተፈጸመ ንድሕነት ዝቀረበ ሕማማትን ሞትን ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግም ንነብሮ። ኣብቲ ምሉእ መዓልቲ እንፍጽሞ ሥርዓት ኣብ ፍጻሜ መስቀል ክርስቶስ ክብሪ ክነቅርበሉ ክቀርብ እዩ። ንመስቀል ክርስቶስ ክብሪ ክነቅርብ እንከሎና ነቲ ምእንቲ ድሕነትና በጃ ዝኾነ ንጹሕ በጊዕ እግዚአብሔር ዝፈጾሞ ጒዕዞ ዳግም ንነብሮ። ነዙይ እንክንገብሮ ንቃንዛ ሕሙማትን ንስቃይ ድኻታትን ካብዚ ዓለም ዝተገለሉን ኣብ ልብናን ኣእምሮናን ሒዝና ብምጒዓዝ ነቶም ናይ ሎሚ ንጹሓት ገንሸላት ኰይኖም ዝስዉኡ ዘለው ግዳያት ውግእን ኣምባገነናትን ዕለታዊ ጭቆናን ምውራድ ጽንስን ወዘተ ንዝክር። ኣብ ቅድሚ ምስሊ ዝተሰቅለ ኣምላኽና ብጸሎት እናስተንተንና ኣምልኾና እንክነቅርብ ነቶም ክብኡ ጥራይ ምጽንናዕን ትርጉም ስቃዮምን ክቅበሉ ዝኽእሉ ሎሚ ዝስቀሉ ዘለው ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ነቅርብ። በዚ ኣገባብ እዚ ዝሳቀዩ ሎሚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ይበዝሑ። ነዞም ሎሚ ዝስቀሉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣይረስዕ። እዚኦም ናይቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ኢየሱስ ስቁል ህያው ምስሊ እዮም።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኩሉ ቊስልታት ዘመደ ኣዳምን ነታ ተፍርሆ ሞትን ናብ ገዛእ ርእሱ ምስ ወሰዶ ፍቅሪ እግዚአብሔር ምድረበታትና የልምዕ ንጸልማታትና ከኣ የብርህ። ከመይ ዓለምና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ዓለምና ዝፍጸም ዘሎ ውግኣት ንዘርዝር ብጥሜት ዝሞቱ ሕጻናት ንሕሰብ ምንም ዓይነት ትምህርትን ኲስኰሳን ዘይረኽቡ ሕጻናት ንጸብጽብ ብውግእን ብፈጠርቲ ራዕድን ዝዓነው ሕዝብታት ንመልከት። ነቶም መሲልዎም ካብ ጸገም ንምህዳምን ከም ግልግልን ቀታሊ ንዝኾነ ዕጸ ፋርስ ዝወስዱ ንመልከት ወዘተ። እዚ ኩሉ ደርቂ እዩ ምድረበዳ እዩ። ርግጽ እዩ ኣብዚ ምድረበዳ እዚ ከም ናኣሽቱ ደሴታት ክንምልከቶም እንኽእል ኣመንቲ ሕዝበ እግዚአብሔር ማለት ክርስትያንስ ይኹን ዝኾነ እምነት ዘዘውትሩ ኣለውና። እዚኦም ኣመንቲ ብልቦም ዝሓሹ ሰባት ንክኾኑ ብልቦም ይምነዩ። እስኪ እቲ ሓቁ ክንድርጉሖ። ኣብዚ ስቃይ ዝመልኦ ዳግማይ ቀራንዮ ክንብሎ እንኽእል ጒዕዞ እዚ ሎሚ እውን ኢየሱስ እዩ በቶም እሙናት ተኸተልቱ ገሩ ዝሳቀ ዘሎ። ወልደ እግዚአብሔር ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎት ተልእኾኡ ንብዙሓት ሕይወት ብምሃብ ሕሙማት ብምሕዋይ ሓጢኣት ብምምሓር ምውታት ብምትንሣእ ምሉእ ኣገልግሎት ሂቡ እዩ። እንተ ብዓርቢ ስቅለት በቲ ዝለዓለ መሥዋዕቲ ነቲ ካብ እግዚአብሔር ኣቦ ዝተዋህቦ ተልእኮ ንምፍጻም መወዳድርቲ ኣልቦ ስቃይ ይቅበል ንሕሰም ዓለምና ምሉእ ብምሉኡ ይለብሶ ነዚ ከኣ ንከድሕነናን ንክልውጠናን ገበሮ። ንነፍስወከፍና እውን ካብ ሓይልታት ጸልማትን ካብ ትዕቢትን ብእግዚአብሔር ዝተፈቀርካ ካብ ምዃን ዝጻረር ኩሉ ተቃውሞን የውጽኣና። ነዚ ከኣ ፍቅሪ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ ክገብሮ ዝኽእል። ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ንምግልጻ ‘ብቅንዋቱ ንሕና ኩልና ሓወና’ (1ጴጥ 2,24) እንክብል ኩልና ዳግም ከምዝተወለድና ይገልጽ። ነቲ ንድሕነትና ኣብ ዕጸ መስቀል በይኑ ዝተሰቅለ ጐይታ ምስጋና ይኹኑ ማንም ካባና ኣብ ድነ ሞት በይኑ ኣይኮነን። እዚ ፈጺሙ ኣይከውንን። ከመይ ንሱ ወትሩ ኣብ ጐድንና ኣሎ። ካባና ትድለ ልብና ምኽፋትን ብኣኡ ክንሓዊ ምፍቃድን ጥራይ እዩ።  

ቀዳም ሥዑር ኩሉ ጸጥ ዝብለሉ ናይ ጸጥታ ዕለት እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዓቢ ጸጥታ ኣሎ። እዚ ሱቊታ እዚ በቶም ቀዳሞት ሓዋርያት ብብኽያትን በቲ ዘደንጹ ሕማማትን ሞትን ኢየሱስ ተዳሂልካ ብምብትታንን ተፈጺሙ። ኣብ ቀዳም ሥዑር ቃል ኣምላኽ ጸጥ በለ ምንጪ ሕይወት ዝኾነ ኣብ መቃብር ምስ ተነብረ ኩሎም እቶም ኣብኡ ዝትስፈው ዝነበሩ ኣብ ብርቱዕ ፈተና ይወድቁ ዘኽታማት ኰይኑ ይስምዖም።  እዚ ቀዳም እዚ ቀዳም እኖና ድንግል ማርያም እውን እዩ። ንሳ እውን ብብኽያት ተሕልፎ እንተኾነ ልባ ብእምነትን ተስፋን ፍቅርን ምሉእ ነበረ። ኣደ ኢየሱስ ዝኾነት ድንግል ማርያም ንወዳ ኣብቲ ስቃይ ዝመልኦ ጒዕዞ ቀራንዮ ስዒባቶስ በይና ኣብ እግሪ መስቀል ነቲ ከም ሰይፊ ልባ ዝስንጥቅ ሓዘን ተቀበለት። እንተኾነ ኩሉ ዝተወድአ ኣብ ዝመስለሉ ዝነበረ ግዜ ንሳ ትጽሊ ነበረት ነቲ ካብ እግዚአብሔር ዝተዋባ ተስፋ ኣብ ልባ ዓቂባ ትጽበ ነበረት። እግዚአብሔር ካብ ሞት ከተንሥኦ ትጽበ ነበረት። በዚ ከምዚኸስ ኣብቲ ዝጸልመተ ግዜ ዓለምና እኖ አመንትን እኖ ቤተክርስትያንን ምልክት ተስፋን ትኸውን። ምስክርነታን ኣማልድነታን ክበድ መስቀል እንክብርተዓና ንነፍስወከፍና ደገፍ ይኾነና።

ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ቀዳም ሥዑር ድሕሪ ዓራርቦ ብሥርዓት ዋዜማ ደስታን ብርሃንን ይቅልቀሉ ብሃሌሉያ ናይ ትንሣኤ ብሥራት ከኣ ይገሃዱ። ኣብዚ ብእምነት ምስቲ ካብ ሞት ዝተንሤ ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብ ይኸውን። እዚ ታሕጓስ እዚ ከኣ ንሓምሳ መዓልታት ክሳብ ርደተ መንፈስ ቅዱስ ይቅጽል።  እቲ ዝተሰቅለ ካብ ሞት ተንሲኡ! ኩሉ እቲ ሕቶታትን ዘይርጉጽነትን ምጥርጣራትን ፍርሃትን በዚ ግልጸት እዚ ይበኑ። እቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ሠናይ ነገር ኣብ ልዕሊ ክፍኣት ከምዝዕወት ርግጽነት ይህበና። ንሞት ሕይወት ወትሩ ከም እትስዕራ ሕይወትና ካብ ውርደትን ሓዘን ብሓዘን ካብ ምዃንን ከምዝገላገል እሞ ንላዕሊ ከምዝድይብ የረጋግጸልና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኩሉ ኩሉ ሓቁ ከምዝኾነ ዘረጋግጸልናኸስ ትንሣኤኡ እዩ። እዚ ከኣ እቲ ክንዮ ሞት ሕይወት ኣሎ ሓጢኣት ዝምሕር እውን ንሱ ምዃኑ ዝምህሮን ዝገብሮን ዝነበረ እዩ። እቲ ጸገም እቶም ሓዋርያት ወትሩ ምስ ተጠራጠሩ ነበሩ ኣይኣምኑን ነበሩ። ንትንሣኤኡ ንመጀመርያ ዝተቀበለትን ዝኣመነትን ማርያም መግደላዊት ነበረት። በዚ ከኣ ሓዋርያ ትንሣኤ ኰይና ንኢየሱስ ከምዝረኣየት ነቲ ብስማ ዝጸዋዓ ክትነግር ብኡ ንብኡ ተበገሰት። ብድሕሪኡ ኩሎም ሓዋርያት ምስ ረኣይዎ ኣመኑ። ኣብዚ ግን ኣነ ክብሎ ዝደሊ ብዛዕባ እቶም ነቲ መቃብር ዝሕልው ዝነበሩ ወተሃደራት እንክሓስብ ካብቲ መቃብር ሓንሳብ እኳ ዘይተፈልዩ ሓዋርያት ለይቲ መጺኦም ከይሰርቅዎ ኣብ ሓለዋ ቀጽል ዝነበሩ ብርግጽ ካብ ሞት ክትንሥእ ርእዮሞ ኣለው። እቶም ጸላእቲ ርእዮሞ እንከብቅዑ ከምዘይረኣዩ ክኾኑ ዝደለዩሉ ምኽንያትስ እንታይ ኮን ይኸውን እንተበልና ገንዘብ ስለዝተኸፍሎም እዩ። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክምህር እንከሎ ‘ኣብዚ ዓለም ክልተ ጐይቶት ኣለው። ልዕሊኡ ወይ ትሕቲኡ ኣይኮነን ክልተ ጥራይ። እግዚአብሔርን ገንዘብን። ንገንዘብ ዝግዛእ ተጻይ እግዚአብሔር እዩ` ኢሉ ነሩ። እነሆ እምበር ገንዘብ ንኩነታት ክቀያይር ንዕዘብ። ነቲ ዘደንቅ ተኣምር ትንሣኤ ርእዮም እንተኾነ ሱቊ ንክብሉ ተኸፍሉ። ነቶም ብናብራኦም ትንሣኤ ክርስቶስ ንከይምስክሩ ሱቊ ንክብሉ ብገንዘብ ዝተታለሉ ክርስትያን እስኪ ንሕሰብ። ከም ክርስትያን ነቲ ክርስቶስ ክንገብሮ ዝኣዘዘና ኣይፈጸሙን።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ሎምዘመን ኣውን ሥርዓታት ፋሲካ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ለበዳ ኮቪድ 19 ነሕልፎ ኣሎና። ብዙሕ ሥቃይ ኣሎ። ብፍላይ ነቲ ስቃይ ዝጾሩ ሰባት ስድራቤታቶም ከምኡ እውን እቲ ብድኽነት ዓጸቦን ግጭታትን ዝደሃኽ ዘሎ ብዙሕ ክፍሊ ሕብረሰብና ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ኰይንዎ ኣብ ዘሎሉ ግዜ እንኮ ምልክት ተስፋ መስቀል ክርስቶስ ስለዝኾነ ነዛ ከም ኣብ ማዕበል ትርከብ መርከብ ኰይና ዘላ ዓለምና ናብ መርሶ ድሕነት የመልክተልና። መስቀል ክርስቶስ ዘየሰሓሕት ምልክት ተስፋ እዩ። ኣብ መደብ ድሕነት እግዚአብሔር ማንም ነጥቢ ንብዓትስ ትኹን ማንም ቊዘማ ሓዘን ብከንቱ ኣይጠፍኣን እየን ይብለና።  ንክነገልግሎን ንክነለልዮን ጸጋኡ ክህበና ብዛዕባኡ ንከይንዛረብ ገንዘብ ካብ ምቅባል ከኣ ንክስውረና ንለምኖ።

ብድምጺ ንምክትታል!
31 March 2021, 22:38
ንኩሉ ኣንብብ >