ድለ

ጸሎት ልብና ንእግዚአብሔር ከምዝኽፈት ገሩ ምሥጢረ ቅድስት ሥላሴ ከም እነስተማቅር ይገብረና! ር.ሊ.ጳ

‘[ኣሕዋትና]ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ….መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና። እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።’ (ሮሜ 8.14-15, 26-27)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ጸሎት ኣብ እንገብሮ ጒዕዞ ትምህርተ ክርስቶስ ሎምን ዝመጽእ ዘሎ ሶሙንን ምስጋና ንኢየሱስ ክርስቶስ ይኹን ጸሎት ከመይ ገቢሩ ንምሥጢረ ሥላሴ ገሊሁ ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ባሕሪ ፍቅሪ እግዚአብሔር አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ከምዘጥሕለና ክንምልከት ኢና። ነዚ ዝገበረ ንሱ ባዕሉ እዩ። ነዚ ምስ እግዚአብሔር ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝግበር ርክብ መንገዲ ከፊቱልና። እዚ ማለት ከኣ ከምቲ ሓዋርያ ዮሓንስ ኣብ ፍጻሜ መባእታ ወንጌሉ ‘ንእግዚአብሔር ዝረኣዮ ማንም የለን እንትርፎ እቲ እንኮ ወዱ ንሱ ከኣ እግዚአብሔር ዝኾነ ኣብ ሕጽኒ ኣቦኡ ዝነብር ንዓና ከኣ ንሱ እዩ ገሊጹልና’ (ዮሓ 1,18)ይብል። ኢየሱስከስ መንነት እግዚአብሔር ገሊጹልና እዚ መንነት እዚ ከኣ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንሕና ከመይ ገቢርካ ከምዝጽለ ኣየኖት ቃላት ከም እንጥቀም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከመይ ቢልና ከምእንቈውምን ኣይንፈልጥን ነበርና። ንእግዚአብሔር ዝግባእ ኣቋም ኣየናይ ምዃኑ እውን ኣይንፈልጥን ነበርና። ኣብ ዝሓለፍ ትምህርተ ክርስቶስ ደጋጊምና ዝዘከርናዮ እታ ንኩልና ደቂሰባት ኣብ ልብና ኰይና እትቊስቊስ ሕቶ ቀዳሞት ሓዋርያት `ጐይታ ጸሎት እንዶ ግዳ መሃረና’ (ሉቃ 11,1) እትብል ሕቶ ነቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ወዲሰብ ናብ ፈጣሪኡ ክበጽሕ ዝጸዓሮ ግን ከኣ ዝፈሸለ ፈተናታት መዝዘሚ ገሮምሉ።

ኩሉ ጸሎታት ማዕረ ኣይኮነን! ኩሉ ጸሎታት ምቹእ ኣይኮነን! ቅዱስ መጽሓፍ ብዙሕ ጸሎታት ብሕማቅ ፍጻሜ ከምዝተዛዘመ ወይውን ዘይተሰምዔ ጸሎታት ዝተነጽጉ ጸሎታት የቅርበልና። ሓንሳእ ሓንሳእ እግዚአብሔር ብጸሎትና ኣይተሓጐሰንደ ኮይኑ ይኸውን ንሕና ከኣ ኣይርደኣንን ይኸውን ዝብል ሓሳብ ይቅጀለና። እንተኾነ እግዚአብሔር ኩሉ ግዜ ንኣእዳው ዝጽልዩ ምስጠመተን እዩ። ነዘን ኣእዳው እዚኤን ንከንጽሔን ክሓጽበን ኣየድለን እንተኾነ ሕማቅ ካብ ምግባር ክጾማ ይሓተን። ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ‘ኦ ጐይታ ማንም ሰብ ስምካ ክጽውዕ ብቊዕ ኣይኮነን’ ይብል ኣብ ማሕሌት ሓው ጸሓይ ዝብል ጸሎቱ።

እንተኾነ ምናልባት ልብና ዘንቀሳቅስ ድኽነት ጸሎትና ዝገልጻ እተን በቲ ንእገልጋሉ ከሕውየሉ ንኢየሱስ ዝለመነ ሮማዊ ሓለቃ ሚእቲ ዝተገልጻዶ ይኾና (ማቴ 8.5-13)።  እዚ ሓለቃ ሚእቲ እዚ ምንም ዓይነት ብቅዓት ከምዘይብሉ ይስምዖ ነበረ! ብቀዳምነት ዕብራዊ ኣይነበረን ዝገደደ ከኣ ናይቲ ንዕብራውያን ጐቢጡ ሒዙ ዝነበረ ሠራዊት ሮም በዓል ሥልጣን ነበረ። እንተኾነ ብዛዕባ እቲ ኣገልጋሊኡ ዝነበሮ ሕሉፍ ሻቅሎት ‘ጐይታየ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተይ ክትኣቱ ብቊዕ ኣይኮንኩን እንተኾነ ሓንቲ ቃል ተዛረብ ኣገልጋሊየይ ከኣ ኪሓዊ እዩ’ በለ። እዛ ሓረግ እዚኣ ንሕና እውን ዕለት ዕለት ኣብ ግዜ ቅዳሴ ቀቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ምቅባልና ንደግማ ኢና። ምስ እግዚአብሔር ተዋሲእካ ምኽኣል ጸጋ እዩ። ርግጽ እዩ ንሕና ብቊዓት ኣይኮናን ኣብ ጥቃኡ ክንቀርብ ምንም ዓይነት መሰል የብልናን! ስለዝኾነ ከኣ ብዝኾነ ናብኡ ገጹ እነዕርጎ ቃላትስ ይኹን ሓሳባት ወትሩ ምስ ሓንከስና ኢና። እንተኾነ ኢየሱስ ነዛ ዘተ ምስ እግዚአብሔር ዝኸፍተልና ማዕጾ እዩ።

ንምዃኑ ወዲሰብ ስለምንታይ እዩ ብእግዚአብሔር ዝተፈቅረ ፍጡር ዝኾነ! ብቚዕ ምኽንያታት የብልናን ከመይ መመዛዘኒ የለን። እቲ ወዲሰብ ከም ዓቅሚ ነዚ ምሥጢር እዚ ንምግላጽ ዝመሃዞም ብሚቶሊጂ ዝፍለጡ ልበወለዳዊ ጽውጽዋያት ብዛዕባ እግዚአብሔር እንክዛረቡ ብዛዕባ ወዲሰብ ዝሻቀል ኣምላኽ ኣየቅርቡን። ኩሉ ንክተንብቦ ኣድካምን ኣሰልቻውን ኮይኑ ብዛዕባ ሰብ ኣይግደሱን ክንብሎም ንኽእል። ኣብ ኦሪት ዘዳግም እግዚአብሔር ብተደጋጋሚ ንህዝቡ ዘቅርባ ሓረግ ‘ሕሰቡ እስኪ! ኣየናይ ሕዝቢ እዩ ከምዚ ኣነ ኣብ ጥቃኹም ዘሎኹዎ ገቢሩ ኣማልኽቱ ኣብ ጥቃኡ ምሳኡ ኣብ ጐድኑ ዘለዎ!’ እዚ ቅርበት እዚኸስ ተገልጾ እዩ። ገሊኦም ፍላስፋታት ‘እግዚአብሔርሲ ክሕሰብ ጥራይ እዩ ዝከኣል። ስለዚ ንሕና ኢና ነቲ መለኮት ኣብ መንጎና ንክህሉ ኣብ ቅድሚኡ ከኣ ሞገስ ክንረክብ ብገለ ኣብ መንጎና ከምዘሎ ዘዘኻክር ነገር ንገብር። ካብዚ ግድነት ሥርዓታት እምነት ገርና መሥዋዕትታትን ወፈያን ኣምልኾን እናኣቅረብና ነዚ ምንም ዘይሰምዕ ጸማምን ዓባስን ዝኾነ ብዛዕባና ምንም ፋዕራ ዘይብሉ ኣምላኽ ነምልኽ’ ይብሉ። ኣብዚ ምንም ተዋስኦ የለን። እንትርፎ እቲ ኣቀዲሙ ብሙሴ ዝተግልጸና ቀጺሉ ከኣ ብኢየሱስ ዝተገልጸልና ጒዕዞ ዘተ ምስ እግዚአብሔር ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ጥራይ ንረኽቦ።  ከም ሓቁ ከኣ እታ ‘‘ሕሰቡ እስኪ! ኣየናይ ሕዝቢ እዩ ከምዚ ኣነ ኣብ ጥቃኹም ዘሎኹዎ ገቢሩ ኣማልኽቱ ኣብ ጥቃኡ ምሳኡ ኣብ ጐድኑ ዘለዎ!’’ እትብል ቅርበት ምስ እግዚአብሔር ንምዝታይ መንገዲ ትኸፍተልና።

ንአምር ናይዚ ንወዲሰብ ዘፍቅር እግዚአብሔር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተዘይገልጸልና ንሕና ብምንም ተአምር ናይ ምፍላጡ ዓቅምን ትብዓትን እምበይምሃለወናን። ንኢየሱስ ምፍላጥከስ ነዚ ከምእንርዳእ ገሩና ማለት ነዚ ሓቂ እዚ ገሊጹልና። እዚ ከኣ እቲ ኣብ ወንጌለ ሉቃስ 15 እንረኽቦ ክልተ ምሳሌታት ማለት ንሓንቲ ዝጠፍአት በጊዕ ክደሊ 99 ሓዲጉ ዝጐዓዝ እሞ ካብተን ዘይጠፍኣ 99 በታ ጠፊኣ ዝተረኽበት ሓንቲ ዝሕጐስ ከምኡ እውን ነቲ ጥፉእ ወዱ ሓንጐፋይ ኢሉ ብምሕረት ዝቅበል ንክትርድኦ ስግንጢር ዝኾነ ዕንቅፋት እውን ዝኾነ ምሳሌ ጥራሕ ከኣ እዩ ነዚ ፍቅሪ እዚ ዝገልጾ። ንኢየሱስ እንተዘይንረክብ እዚ ዓይነት ዛንታ እዚ ፈጺምና ክንርድኦ ዋላውን ክንሓስቦ እምበይምኸኣልናን። እስኪ ሕሰቡ ኣየናይ ኣምላኽ እዩ ስለ ደቂሰባት ዝመውት! ኣይተፈቀርኩን ኢሉ ከየማረረ ወትሩ ብዓቢ ትዕግሥቲ ዘፍቅር ኣየናይ ኣምላኽ እዩ! ኣየናይ ኣምላኽ እዩ ከምቲ ምሳሌ ጥፉእ ወዲ ቅድሚ ዝኣገረ ብጽሒት ውርሻኡ ወሲዱ ዝዀብለለ እሞ ንኩሉ ኣጥፊኡ እንክምለሶ ብምሕረት ዝቅበል (ሉቃ 15.12)።

ነቲ ርሕሩሕ ልቢ እግዚአብሔር ዝገለጸልናኸስ ኢየሱስ እዩ። በዚ ከምዚኸስ ኢየሱስ ብሕይወቱ እግዚአብሔር ኣቦነቱ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ይገልጸልና። ከማኡ ዝበለ ኣቦ ፈጺሙ የለን። እዚ ኣቦነት እዚ ቅርበት ርሕራሔ ለውሃት ሓልዮት እዩ። ነዘን ሰለስተ ቃላት እዚአን ኣይንረስዕ።  ቅርበት ርሕራሔ ሓልዮት። ኣቦነቱኸስ በዚ ከምዚ እዩ ዝገልጸልና። ኣብ ጐድንና ኣሎና ይርሕርሓልናን ይምሕረናን ይኣልየልና ይሓልየልና። ኣብ መንጎ ቅድስት ሥላሴ ዘሎ ዕብየት ፍቅሪ ኣብ መንጎ ኣብን ወልድን መፈስ ቅዱስን ዘሎ ሕድሕዳዊ ርክብን ፍቅርን ሓልዮትን ክንርድኦ ኣጸጋሚ እዩ። ኢቆና ምስራቃውያን ነዚ ምሥጢር እዚ ከም ምንጭን ሓጐስን ናይ መላእ ፍጥረት ገሮም ይገልጽዎ።

ልዕሊ ኩሉ ግን እዚ መለኮታዊ ፍቅሪ ንሕና ብእንርድኦ መንገዲ ተጀሊሑ ኣባና ክቀርብ ዕምቈቱ ክንርዳእ ዝመሳሰሎ ኣብ ምድሪ ክንረክብ ኣይከኣልናን።  ነዚ ዓቢ ምሥጢር ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያ ኣብ ቊ.2664 ‘ብዘይካ ክርስቶስ ካልእ መንገዲ ጸሎተ-ክርስትና የልቦን። ጸሎትና

ማኅበራዊ ይኹን ውልቃዊ፣ ድምጻዊ ይኹን ውሽጣዊ ስቱር፤ ናብ እግዚኣብሔር-ኣቦ ኪበጽሕ ወይ ኪቐርብ ዚኽእል፤ “ብስም” ኢየሱስ እንተጸለና ጥራሕ እዩ። እቲ ናይ ኢየሱስ ዝተቐደሰ ሰብኣዊ ባሕሪኡ፣ እምበኣር፤ ናብ እግዚኣብሔር-ኣቦ ንምጽላይ፤ መንፈስ በኣኡ ገቢሩ ዚምህረና መንገዲ እዩ’ እንክብል ይገልጾ። ጸጋ እምነትናኸስ እዚ እዩ። ልዕሊ እዚ ጸዋዕታ እዚ ማለት ልዕሊ ሰብኣውነት ኢየሱስ ክንትስፎ ኣይንኽእል። እግዚአብሔር ብኢየሱስ ቀረባና ኮነ በዚ ከኣ ነታ ሕይወት ቅድስት ሥላሴ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ጋህ ኣቢሉ ዝኸፈተልና ማዕጾ ብምዃን ኣብኣ ንክንሳተፍ ኣኽኢልና እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
03 March 2021, 19:47
ንኩሉ ኣንብብ >