ኒጀርን ኣውስትራሊያን ኣብ ልቢ ፍራንቸስኮ

እቲ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ኣብ ኒጀር ዝተፈጸመ ልዕሊ 137 ዜጋታት ንሞት ዝዳረገ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዘሕዝን ሓበሬታ ከምዝበጻሓንን ልበይ ብጓሂ ክምላእ ከምዝገበረን

ዕለት 24 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፡ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ቅድሚ ምስንባቶም፡ ነታ ብተደጋጋሚ ኣድማይ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝወርዳ ንዘላ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኒጀርን ከምኡ እውን ብብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ጸገም ንእትርከብ ሃገረ ኣውስትራሊያን ብፍሉዩ ከምዝሓሰቡን፡ ዕለቱ እውን መዓልቲ ጸረ ዓባይ ሰዓል ምዃኑ እውን ከዝዘከሩን፡  ኣብ ፖላንድ ብሔራዊ መዓልቲ ህይወት እውን ብምዃኑ ንምእመናን ሃገረ ፖላንድ ሰላምታኦም ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጅሃዳውያን ኣድማዪ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ንከቢድ ሓደጋ ተቓሊዓ ንዘላ ሃገረ ኒጀር እናሕሰቡ፡ ዕለት 22 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ክሳብ 200 ዝግመቱ ዜጋታት ንሞት ዝዳረገ፡ ናይ ንያመይ መንግስቲ ነቲ ዝተፈጸመ ሸበራዊ መጥቓዕቲ ኣረመናዊ ተግባር ቢሉ፥ እቶም ኣሸበርቲ ኣልቦ ስርዓተ ሕግን ኣልቦ እምነትን እያቶም እንክብል ከምዝገለጾም ዝዝከር ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም ነዚ ዘስካሕክሕ ናይ ጭካኔ ተግባር እናሓሰብ፡ ንሕዝቢ ኒጀር ናይ ተስፋ ቃል እንከመሓላልፉ፥

እቲ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ኣብ ኒጀር ዝተፈጸመ ልዕሊ 137 ዜጋታት ንሞት ዝዳረገ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዘሕዝን ሓበሬታ ከምዝበጻሓንን ልበይ ብጓሂ ክምላእ ከምዝገበረን ምእንቲ እቶም ኣደዳ ዝኾኑን ስድራ ቤት ምዉታትን ነቲ ኣብ ጸገም ዝርከብ መላእ ሕዝቢ ኒጀር በቲ ዝወረደ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ምኽንያት ሕድሕዳዊ ምትእምማንን ዝፍጽሞ ዘሎ ኪደት ደሞክራስን ፍትሕን ሰላምን ከይጥፍእ ንጸልይ!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም በቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ብዝተፈጥረ ናይ ከቢድን ኣዕናውያን ኩነታት ከባቢ ኣየር ምኽንያት ዝወረደ ብርቱዕ ዝናም ብዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝሳቐይ ዘሎ ሕዝቢ እታ ሃገር እናሓሰቡ፥

ኣብ ኣውስትራሊያ ብዝተፈጥረ ከቢድ ኣዕናዊ ኵነት ከባቢ ኣየር ምኽንያት ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናም ብዝተፈጥሮ ምዕልቕላቕ ማይ ከቢድ መጉዳእቲ ነዘጋጠሞ ናይታ ሃገር ደባዊ ዞባ፥ ግዝኣት ነውጋለስን ተቐማጦን እሓስብ፡ ነቶም ዝተገድኡ ዜጋታትን ኣባይቲ ስድራን ኵሎም ኣባይትን ንብረቶምን ንዝሰኣኑን ብፍሉይ እሓስብ፡ ነቶም ንዝተጐድአ ሕዝቢ ሓገዝ ኣብ ምቕራብን ነቶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ኣብ ምድላዮምን ዝተዋፈሩ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ሓደጋ አተባብዕ፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ቅድሚ ምድጋሞም፡ ዕለት 24 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ዓባይ ሰዓል ምዃኑ ዘኪሮም፥ ስነ ሕክምና ክትባት ጸረ ዓባይ ሰዓል ኣብ ድልያ ስነ ምርምር ዘካይዶ ጻዕሪ ክዕወትን ዓባይ ሰዓል ካብቲ ኣብ ዓለም ብዝለዓለ ደረጃ ናይ ሞት ምኽንያት ተባሂሎም ካብ ዝግለጹ ዓሰርተ ዓይነት ሕማማት ሓደ ምዃኑ ክሕበር እንክለሎ፥

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ዓባይ ሰዓል ንህሙማን ዝቐርብ ክንክን ክብ ክብል ዝድርኽን ነቶም ዝሳቐዩ ዝቐርብ ድጋፍን ምትሕብባርን ዘበራትዕን ክብ ዘብልን ይዅን፡ ንህሙማንን ኣባይቲ ስድራኦምን ጽንዓት ካብ እግዚኣብሔር እምሕጸን!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሕይወት ሓለፋ ዝብል ሕልንና ንምንቕቓሕ

ሕይወት ሓለፋ ዝብል ሕልንና ንምንቕቓሕ

ቅዱስነቶም ዕለት 24ን 25 መጋቢት ኣብ ሃገረ ፖላንድ ብሔራዊ መዓልቲ ሕይወት ምዃኑ ዘኪሮም፡ ንዜጋታት ፖላንድ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ እቲ መዓልቲ ሕይወት ኣብ ዓለም ሕይወት ምክልኻል ዝብል ሕልና ዘተባብዕ ክኸውን እንክምዕዱ፥

ሎሚ ኣብ ሃገረ ፖላንድ እቲ ናይታ ሃገር ሕዝባዊ ባይቶ ኣብ 2014 ዓ.ም. ብዘመሓላለፎ ውሳኔ መሰረት ብሔራዊ መዓልቲ ሕይወት ንኽልተ መዓልቲ ዝዝከረሉ ዕለት እዩ፥ ዕለት 25 መጋቢት እውን ዓመታዊ በዓለ ትስብእቱ ዘእግዚእነ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፖላንድ እውን መዓልቲ ቅዱስ ሕይወት ብምዃኑ በማላድነት ማርያም እመ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ኣባይቲ ስድራን ኣብ  ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ዝኾነ ይኹን ደረጃ ኵነት ይረኸብ ሰብኣዊ ሕይወት ዘለዎ ልዑል ክብሪ ክኽበርን ንሕይወት ሓላፋ ዝብል ሕልና ክተባባዕን ንጸልይ፥

ቢሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ኣፍሊጡ።

25 March 2021, 13:11