ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ሙራድ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ሙራድ  

ናዲያ ሙራድ፥ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕ ንውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይ ተስፋ ትእምርቲ

ኣብ 2018 ዓ.ም. ምስ ቅዱስነቶም ተራኺበን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ያዚዳውያን ዝጸሞ ጃምላዊ ቅትለትን ኣብ ልዕሊ ያዚዳውያን ደቀንስትዮን ሕጻናትን ዝፍጸም ዓመጽን ዘማእከለ ዘተ ከምዘካየዳ ሓቢረን፡ ታሪኸይ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ልቦም ከንብርዎ ብሓቂ ሓጐስ ይስምዓኒ፡ እዚ መልእኽቲ`ዚ ካልእ ኩሉ ናብ ዒራቕ ንኽበጽሑ ዝድርኾም ምኽንያት ከምዘሎ ኮይኑ ታሪኸን ናብ ዒራቕ ንኸምጽሑ ካብ ዘለዓዓሎም ሓደ ምኽንያት ምዃኑ ሓሴት ይፈጥረለይ

ኣብ 2018 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት ዒራቓዊት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተማጓቲት ናይ ያዚድ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣባል፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 5 መጋቢት ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣማእኪለን ምስ ዜና ቫቲካን ዕለት 19 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘካየደኦ ቃለ አምሕትት፥ እቲ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ንናይ ዒራቕ መጻኢ ተስፋን ንውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ትእምርቲ ተስፋን እዩ እንክብላ ገሊጸን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሙራድ ነቕ ብዘይብል ትቦዓተን ናይ ዒራቓውያን ያዚድ ክፍሊ ሕብረተሰብን ንዅለን ደቀንስትዮ ሃገረንን ኣብ ውግእን ዓመጽን ኣደዳ ዝኾኑን ኵሎም ጠብቓን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተማጓቲት ኣብ ዒራቕ ናይ ዘይጉነጻዊ ቃልቲ ትእምርቲ ተባሂለን ዝግለጻን ኣብ 2014 ዓ.ም. በቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ብዝሰመየ ዳዒሽ ኣሸባሪ ሓይሊ ሰሜን ዒራቕ ምስ ተቖጻጸረ ንመላእ ማሕበርሰብ ያዚድ ንስቓይን ንስደትን ዳሪጎምን ዓሌት ናይ ምጽናት ተግባር ኣብ ዝፈጸምሉ እዋን ተታሒዘን ናይቶም ኣሸበርቲ ጊላ ኮይነን ንብዙሕ ስቓይን መከራን ዝተቓልዐ በቲ ግብረ እከይ ከይተደሃላ ድምጸን ዘስምዓ ኣብ 2018 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት ንምዃን ዝበቕዓ፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. እውን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺበንን እታ “ናይ መጠረሽታ ጓለንስተይቲ” ዘርእስታ መጽሓፈን ከምዝለገሳሎምን ክዝከር እንከሎ፡ እቲ ምስ ሙራድ ዘካየድዎ ርክብ እውን ልቦም ከምዝተንከፎም ቅዱስነቶም ናይ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ኣብ ምምላሶም ንዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት ገሊጾም፡ ሎሚ እውን ኣብ ኢድ ጅሃዳውያን ጆሆ ኮይነን ዘለዋ ያዚዳውያን ደቀንስትዮ ናጻ ክልቐቓ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣበርቲዑ ክዓዩ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ብብዙሓት ናይ ዓለም መራኸቢ ብዙሓን ታሪኻዊ መገሻ ተባሂሉ ይግለጽ፡ ድሕሪ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ኣብ ልቢ ዒራቓውያን ተሓቲሙ ዝተረፈ እንታይ እዩ ትብላ? እቲ ምብጻሕ ንገዛእ ርእሱ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ዒራቕ ካብቲ ንዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ ግጭትን ውግእን ጃምላዊ ቅትለትን ሃይማኖታዊ ኣሳዶን ኣብ ዝላቐቐሉ ዘሎ እዋን ዝተፈጸመ ብምዃኑ ታሪኻዊ እዩ፡ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ምብጻሕ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ናይ ሰላምን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ዑቕር ሓይሊ ጉሊሑ ክርአይ ዝገበረ እዩ፡ ኵሎም ዒራቓውያን ሃይማኖታውን ዓሌታውን ፍልልያቶም ብዘየገድስ ናይ ክብርን ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ማዕርነት ዝግብኦም፥ ኣብ ሰብኣውነት ሚዛን ማዕረ እያቶም ዝበለ ምብጻሕ እዩ፡ ናይ ዒራቕ ማሕበራዊ ኣካሊት ሕውነት ካብቲ ናይታ ሃገር ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ - ከም ያዚድ ዝኣመሰሉ ናይ ዓመጽን ምንጻልን ኣዳዳ ዝኾኑ ካብ ምድጋፍ ዝብገስ ምዃኑ እውን ብኣጽንዖት ገሊጾም እዮም።

ር.ሊ.ጳ. ካብ ዒራቕ እንክምለሱ ምስቶም ዘሰንይዎም ዝነበሩ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ንዒራቕ ንኽበጽሑ ካብ ዝደረኽዎም ሓደ እታ “ናይ መጠረሽታ ጓለንስተይቲ” ናይ እትብል መጽሓፍክን መልእኽቲ ምዃኑ ይሕብሩ፡ ኣብቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ እውን ምስ ናይታ ሃገር ሰበ ስልጣናት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ናይ ያዚዳውያን ስቓይ ዘኪሮም ንውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ድጋፍ ሓደራ ከምዝበሉ ይዝከር . . . ኣብ 2018 ዓ.ም. ምስ ቅዱስነቶም ተራኺበን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ያዚዳውያን ዝጸሞ ጃምላዊ ቅትለትን ኣብ ልዕሊ ያዚዳውያን ደቀንስትዮን ሕጻናትን ዝፍጸም ዓመጽን ዘማእከለ ዘተ ከምዘካየዳ ሓቢረን፡ ታሪኸይ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ልቦም ከንብርዎ ብሓቂ ሓጐስ ይስምዓኒ፡ እዚ መልእኽቲ`ዚ ካልእ ኩሉ ናብ ዒራቕ ንኽበጽሑ ዝድርኾም ምኽንያት ከምዘሎ ኮይኑ ታሪኸን ናብ ዒራቕ ንኸምጽሑ ካብ ዘለዓዓሎም ሓደ ምኽንያት ምዃኑ ሓሴት ይፈጥረለይ፡ ንያዚዳውያን ክከላኸሉን ምእንታኦም ክጣበቑን ምስማዕ ንናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብነት ይገብሮም፡ እዚ ኸኣ ኣብ ምክልኻል ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ውሁዳን ሃይማኖታትን።

ሎሚ ንስኽን ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት ኢኽን፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሰናይ ድላን ልእኽትን ደቀንስትዮ ኣደዳ ዓመጽ ዝኾና ንምሕጋዝ ዝዓዪተበግሶታት ናድያ ዝብል ማሕበር እውን መስሪትክን፡ እቲ ዘጓነፈክን ግብረ ክፋን ኣብ ልዕለኽን ዝወረደ ዓመጽ ካብ ስቓይ ናብ ሓይሊ ቀይርክን ካልኦት ንምሕጋዝ ዘብቕዕ ሓይሊ ካበይ ረኺበዮ ትብላ? ኵሎም ያዚዳውያን ናይ ተጻዋርነትን ጽንዓትን ሓይሊ መስከርቲ እያቶም፡ ዝተራእየ ሓቂ እውን እዩ፡ መላእ ማሕበረሰብ ያዚድ ብዙሕ ክተገልጾ ዘይከኣል ጸገምን ሳዕቤናቱን ኵሉ ሰጊሩ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ካብቲ ዘጋጠመ ኵለ መዳያዊ ዕንወት ተላቒቕና ዘድሊ ሕንጸት ንምርግጋጽ በይንና ዝከልአና ኣይኮነን፡ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሓገዝ የድልየና፡ እቲ ማሕበር ናዲያ እውን ናይ ሕንጸት መሳለጢ ኣብ ምእካብን ኣብዚ መዳይ ገበርቲ ሰናይን መንግስታትን ንምንቕቓሕ ይዓዪ ኣሎ፡ እቲ ቅርበት ንውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ጭቡጥ መታን ክኸውን።

እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግቲ ቢሉ ዝሰመየ ዳዒሽ ሓይሊ ኣሸበርቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ምሉእ ብምሉእ ተሳዒሩ እውን እንተኾነ ሎሚ እውን ናጽነት ዝጽበያ ኣብ ጊልያነት ዘለዋ ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣለዋ፡ ናጻ ንኸይወጻ ዘሰናኽል እንታይ እዩ ትብላ፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበርሰብ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብላ? ሎሚ እውን ልዕሊ 2,800 ዝግመቱ ሕጻናትን ደቀንስትዮን ያዚዳውያን ሃለዋቶም ኣይፍለጥን፡ ሸውዓተ ዓመት እውን ሓሊፉ እዩ፡ እዚ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ምኽባርን ምክንኻንን ናይ ደቀንስትዮ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ንምርግጋጽ ዝሃቀነ ተግባራዊ ድላይ ፖለቲካ ስንኩፍ ምዃኑ ይምስክር፡ ናይ ወሲብ ዓመጽን ጊልያነትን ዝብል ጉዳይ ብዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ማእከልነት ከምዘይተወሃቦን ጽኑዕ ኣተኵሮ ይግበረሉ ከምዘየሎ እዩ ዘነጽር፡ ብዝሓ ጉድናውነት ዝኾነ ደቀንስትዮን ሕጻናትን ካብ ጊልያነት ናጻ ምውጻእ ዝብል ጥራሕ ሸቶ ዝገበረ ናይ ዕማም ሓይሊ ምቛም የድሊ እዚ ህጹጽ ጉዳይ ክኸውን ዘለዎ ኢለን።

ኣብ ታሪኸን ዘጓነፈን ስቓይን ክፋእን ኣደዳ ምዃን ኣብዛ መሬት ናይ መወዳእታ ጓለንስተይትን፡ ኩሉ በቲ ኣባይ ዝተፈጸመ ዘብቅዕ ክኸውን እምነይ ትብላ፡ ሎሚ ነተን ብውግእን ዓመጽን ንዝሳቐያ ደቀንስትዮ እንታይ ትብላ? ኣደዳ ስቓይን ዓመጽን ምዃንክን ካባኽንን ወይ ብኣኽንን ብኽፍኣትክንን ኣይኮነን ዝተረገምክን ስለ ዝኾንክን ኣይኮነን፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ መላኺ ስርዓት ተባዕትዮ፥ ጓለንስተይቲ ክትጭቆን ዝገብር እዩ ተሓታቲ፡ ስለዚህ በቲ ዝወርደክን መከራን ሓሳርን ገዛእ ርእኽን ምኽንያት ኣትይግበራ እብል፡ ኣስዒበ እውን ኣብዚ ቃልሲ’ዚ በይንኽን ኣይኮንክንን እብል፡ ብሳልሳይ ደረጃ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ናይ ወሲብ ዓመጽ ይፍጸም እዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ ወሲብ ዓመጽ ከም ቅቡል ንኽንወስዶ ዘይኮነ ከምዘሎ ኣፍሎጦ ብምሃብ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ንምውጋኡን ለውጢ ከምጽእ ንዝግበር ጻዕሪ ንምትብባዕ እዩ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

20 March 2021, 22:17