ር.ሊ.ጳ.፥ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ዒራቕ ናብ ሕውነት ዝግበር ስጉምቲ

“ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣሕዋት ንኸናድዩን ሓዊ ንኽኾኑን ናብ ዒራቕ ክኸዱ እዮም”

ዕለት 3 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ቃል ሰላምታ ኣስምዖም ቅድሚ ምፍናዎም ኣብታ ዮሓንስ ጳውልስ ዳግማዊ  ክበጽሕዋ ሃረር ዝብልዋን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ዘይበጽሕዋን ሃገረ ዒራቕ ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ከካይድዎ ዝኾነ ምብጻሕ እናሓሰቡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ዒራቕ ከካይድዎ ዝኾነ ምብጻሕ ናይ ሰለስተ መዓልቲ መንፍሳዊ ንግደት እንክብሉ ገሊጾም፥

ካብ ርሑቕ እዋን ኣትሒዙ ነቲ ብዙሕ ዝተሳቐየ ሕዝቢ ዒራቕን ነቲ ኣብታ ናይ ኣብርሃም ምድሪ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ሰማዕታት ክበጽሕ ድላይ ከምዝነበረንን፡ እነሆ ምስ ናይ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር ኮይንና ኣብ መንጐ ምእመናን ምእንቲ ሕውነት ንቕድሚት ክንስጉም ኢና፡ ነዚ ሓዋርያዊ ጉዕዞ እዚ ብዝበለጸ ኣገባብ መታን ክፍጸም እቲ ዘድሊ ፍረ እውን ከፍሪ መታን ብጸሎት ከተሰንዩኒ ሓደራ!

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ኣስዒበን፥ ቅዲስነቶም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብ ዒራቕ ምብጻሕ ንኸካይዱ ዝነበሮም ዓቢይ ሃረርታን ዘይተፈጸመን ብዙሕ ዘጉሃዮምን ምዃኑ ዘኪሮም፥

ሕዝቢ ዒራቕ ይጽበይና ኣሎ፡ ንዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ይጽበይ ነይሩ፡ ናብቲ ዝጽበዮም ዝነበረ ሕዝቢ ንኽበጽሑ መኸላእታ ተገይሩሎም ከይበጽሕዎ ተረፉ፡ ነዚ ሕዝቢ እዚ ንኻልኣይ ግዜ ምጉሃይ ኣይግባእን፡ ስለዚ እዚ ሕዋርያዊ መገሻ ብጽቡቕ ክፍጸም ንጸልይ!

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

እቲ መበል 33 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዒራቕ ሓደ ር.ሊ.ጳ. ናብታ መሬት ኣብርሃም ክበጽሕ እዚ ናቶም ቀዳማይ ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ዝዝከር ከምዝኸውንን፡ ዕለት 2 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ብዛዕባ እዚ ሓዋርያዊ መገሻ`’ዚ ኣማእኪሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሓብዎ መገለጺ፡ እቲ ጉዕዞ ንማሕበረ ክርስቲያን ዘለዎም ፍቕሪ ደረት ኣልቦ ምዃኑ ዝምክስር እዩ እንክብሉ ከምዝሓበሩ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. ንናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልያ ናይ ረድኤት ማሕበር ጥርናፈ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ንዒራቕ ክበጽሑ ብርቱዕ ድላይ ከምዘለዎም ገሊጾም እውን ከምዝነበሩን ነቶም ኣብ ዒራቕን ኣብቲ ዞባ ንዝርከብ ማሕበረ ሰብ ክርስቲያን ብምዝካር ንምትብባዕን ናይ ሓባራውነትን ዘተን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘተባብዕን ምስታ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣዚያ ምስ ዝተሳቐየት ሃገር ንምርኻብን ዝሓቀነ ሓዋርያዊ መገሻ ምዃኑን፥ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣሕዋት ንኸናድዩን ሓዊ ንኽኾኑን ናብ ዒራቕ ክኸዱ እዮም”፡ ቕዱስነቶም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ኣዋጅ ቅድስተ ማርያም ሓላዊት ኣብረርተ ነፈርቲ፥ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዘሎረቶ ክስንዩ እዮም ከምዝበሉ ሳባቲነሊ የዘኻኽራ።

03 March 2021, 23:08