ካብ ዕለት 5 – 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕ ካብ ዕለት 5 – 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕ 

ር.ሊ.ጳ. ናብ ዒራቕ፥ ደረት ኣልቦ ፍቕሪ ንማሕበረ ክርስቲያን

ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ንምእንጋድ ብውዕዉዕ ስምዒት እዩ ዝጽበይ ዘሎ፡ ሰላምን ምጽንናዕን ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ሕዝቢ፡ ቅዱስነቶም ነቶም ኣሕዋት ኣብ እምነትን ፍቕርን ንኸጽንዑን ኣብ ስቓዮም ከጸናንዕዎምን እዮም፡ ንማሕበረ ክርስቲያን ደቂ እታ ሃገር ናይ ተስፋ በሪ ዘርህው ምብጻሕ

ካብ ዕለት 5 መጋቢት ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብዳሕ ኣማእኪሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሩኒ፥ ዒራቕ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክትብጻሕ እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀዳማይን ታሪኻውን እዩ እንብሉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመላኺቶም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ተስፋን ሕውነትን ዝብላ ክልተ ቃላት ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ኣብ ዒራቕ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ብዝበለጸ ይጽምራ፡ ቅዱስነቶም ዕለት 8 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መግንስታት ተቐቢሎም፥ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 እውን ግምት ብምሃብ፥ “ሕውነትን ተስፋን እቲ ምስ ክትባት ብማዕረ ሕዝቢ ዓለም ዘድልዮ ፈውሲ እዩ” እንክብሉ ንዝገለጽዎ ሓሳብ ምልስ ቢሎም እውን ብምዝካር እዘን ክልተ ቃላት እዚኣተን ናይቲ መገሻኦም መሰረታዊ መልእኽቱ መግለጺ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ሓልዮት ንማሕበረ ክርስቲያንን ኣገዳስነት ዘተን

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዒራቕ ናይ ምብጻሕ ድላይ ደረት ኣልቦ ናይ ዝኾነ ፍቕሪ መግለጺ እዩ፡ ዝበሉ ብሩኒ ኣስዒቦም፥ እዚ መገሻ እዚ ናይ ቅዱስነቶም መበል 33 ዓለም ለኻዊ መገሻ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም ባዕሎም ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ሰነ ናብታ ሃገር ክበጽሑ ድላይ ከምዘለዎም ኣብ ቅድሚ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክስቲያን ዝሓልያ ማሕበራት ጥምረት ኣብ ሮማ ድሕሪ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ንተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ገሊጾም፡ ሓልዮት ነቶም ኣብ ዒራቕን ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡን ማሕበረ ክርስቲያንን እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምትሕልላይን ዘተን ኣገዳስነቱ ንምምስካርን ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም ከምዝነበሩን፡ ነዚ መልእኽቲ’ዚ ኣብ ዒራቕ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሓ ግብርታቶም መሰረት ዕለት 6 መጋቢት ኣብ ከለዳዊ ዑር ተረኺቦም ዝነብርዎ መንፈስ እውን ከምዝኸውንን ስለዚህ ፍራንቸስኮ ኣብዚ ጉዕዞኦም’ዚ ነሕዋት ንኸናድዩን ናይ ኩሉ ሓው ክኾኑን ነዚ እውን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከባ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሓባር ብዘካይድዎ ርክብ ምስ ዝኽሪ ኣብርሃም ኣተሓሒዞም ኵላትና ደቂ ሓደ ኣቦ - ኣሕዋት ምኽናን ክምስክሩ ምዃኖም ሳባቲነሊ ብሩኒ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሰን የመላኽታ።

ናይ ዒራቕ ሃይማኖታዊ ሃብቲ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ዋና ሓላፊ ኣብቲ ዕለት 2 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ዒራቕ ካብተን ናይ ስልጣነ ማሕጸን ተባሂለን ዝንገረለን ሃገራት ብቐዳምነት እትጥቀስን ናይ ብዝሓነት ቕንስልን ኣዚዩ ብዙሕ ዝኾነ ጥንታውያን ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ዘለዋን ብጀካ ማሕበረ ክርስቲያን ዞሮኣስትሪያንን ባሃይን ያዚድን ዝርከብዋን እዞም ኩሎም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ኣብታ ሃገር በቲ ገዛእ ርእሱ መንግስተ እስላም ቢሉ ዝሰመየ ኣሸበርቲ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዳዒሽ ብኢሰብኣዊ ተግባራቱ ኣቢሉ ንኣሳዶን መቕተትልትን ከምእተቓልዑን፣ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ዒራቕ 32 ሚእታዊ ሱናውያን እቶም 37 ሚእታዊ ሺዓውያን ዝሓቁፍ ኮይኑ፡ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ካብ 60 ክሳብ 65 ሚእታዊ ዝሽፍኑ እውን ከምዝኾኑን ናጃፍ ንሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ቅዱስ ስፍራ ከምዝኾነትን ናይ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ድሕሪ መካ እታ ዝዓበየት መንፈሳዊ ንግደት ዝፍጽሙላ ንያማኖት ምስልምና ቅዱስ ስፍራ ከምዝኾነትን፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 6 መጋቢት ኣብ ናጃፍ ምስ ዓኣያቶላሕ ኣል - ሲስታኒ ክራኸቡ እውን ከምዝኾኑ ብሩኒ ከምዝሓበሩ ሳባቲነሊ ገሊጸን።

ምስ ናይ ሕዝቢ “ስቓይ” ምርኻብ

እቲ ሳልሳይ ናይቲ  ሓዋርያዊ መገሻ ትርጉም፥ ርክብ ምስ ዒራቕን፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ቀረባ ዓመታት ኣዚያ ምስ እተሳቐየት ሃገርን ናይተን ጐረባብታ ከም ሶሪያን ሕጂ እውን ኣብ ውግእ ዘላን ከምኡ እውን ኢራንን ቱርክን ከይረሳዕካ፡ ምስ ናይ ሕዝቢ ስቓይ ምርኻብ ዝብል ምዃኑ ብሩኒ ሓቢሮም፥ ኣብቲ ዞባ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ዝተኣሳሰረ እዩ፡ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ንምእንጋድ ብውዕዉዕ ስምዒት እዩ ዝጽበይ ዘሎ፡ ሰላምን ምጽንናዕን ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ሕዝቢ፡ ቅዱስነቶም ነቶም ኣሕዋት ኣብ እምነትን ፍቕርን ንኸጽንዑን ኣብ ስቓዮም ከጸናንዕዎምን እዮም፡ ንማሕበረ ክርስቲያን ደቂ እታ ሃገር ናይ ተስፋ በሪ ዘርህው ምብጻሕ ከካይዱ እዮም ከምዝበሉ ሳባቲነሊ የመላኽታ።

ምጉዳል ብዝሒ ክርቲያን ኣብ ዒራቕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢራቕ ዘካይድዎ ምብጻሕ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ-19 ምኽንያት ኵሉ ሓዋርያዊ መገሻታቶ ኣቋሪጽምዎ ድሕሪ ምጽናሕ ንፍለማ ግዜ ድሕሪ 15 ኣዋራሕ ዝፍጽምዎ ኮይኑ፡ ዒራቕ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ተወላዲ እታ ሃገር ዝኾነ ማሕበረ ክርስቲያን፡ ኣዚዩ ብቑጽሪ እናተሓተ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋንን ተተሓሒዙ እውን ማሕበረ ክርስቲያን ናብ ቃርቖሽ ኣብ ዝምለሰሉ እዋንን ኣብ 2014 ዓ.ም. ዒራቓዊ ማሕበረ ክርስቲያን መብዛሕቲኡ ብዳዒሽ ከምእተሰጐን ብውሑዱ 40 ሺሕ ክርስቲያን ሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖታትን እውን ዝርከብዎም ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 7 ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ዝተሰጉ ምዃኖም ከምዝገለጹ ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን።

ብቅድስቲ ማርያም ዘሎረቶ ዝተሰነየ ጉዕዞ

ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ቅዱስ ኣቦና ብናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪን ኣብ ዒራቕ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ዘገልገሉ ናይ ቅዱስ መቓብር ዘኢየሩሳሌም ማሕበር ዓቢይ መምህር ብጹዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳያት ሓላፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጽዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻር ጋላገርን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶትን ክስነዩ ምዃኖምን  ቅዱነቶም እውን ንፈለማ ግዜ ንዒራቕ ክበጽሑ ዘለዎም ድላይ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልያ ማሕበራት ሕብረት ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስሞዎ መደረ ከምዝገለጹ እውን ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ዘካይድዎ ጉዕዞ እውን ናይቲ ማሕበር ወኪል ብረጂና ልይንኽ ከሰንየኦም ከምዝኾናን፡ ከምኡ እውን ንናይ ሃገረ ቫቲካን ሰራሕተይናታት ወኪሎም ናይ ክንክን ጥዕና ጉዳይ ሰራሕተይና ከምዘሰንይዎምን እቲ ጉዕዝ ቅዱስነቶም ብምኽንያት ቅድስተ ማርያን ናይ ነፈርቲ ኣብረርት ሓላዊት ቅድስቲ ተባሂላ ዝተኣወጀሉ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምኽንያት ብናይ ቅድስቲ ማርያም ዘሎረቶ ቅዱስ ምስሊ ዝተሰነየ ከምዝኸውን ብሩኒ ከምዝሓበሩ ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን።

ኣብዚ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስነቶም ሸውዓተ መደረ ከስምዑ እዮም

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ዒራቕ ኣብ ዘክይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ  ሸውዓተ መደረ ብቋንቋ ጣልያን ከስምዑ ከምዝኾኑን ኣብቲ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ኣሸበርቲ መጥቓዕቲ ፈጺሞም ክልተ ካህናት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 48 ምእመና ክርስቲያንን ብዓሰርተ ዝቑጸሩ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝርከብዎ ዝቐተልሉ ናይ ደም ሰማዕትነት ኣብ ዝተኸፍሎ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካቴድራል እመ መድሓኔ ዓለም ምስ ብጹዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ክራኸቡን፥ ኣብ ባቕዳድ ኣብ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍ ንፈለማ ግዜ ብከለዳዊ ስርዓት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም።

ኣብ ሞሱል ምእንቲ ግዳያት ናይታ ሃገር ዝዓርግዎ ጸሎት

ሰንበት ዕለት 7 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዒራቓዊ ርእሰ ምምሕዳር ኩርድስትና ቃራቆሽን ዔርቢልን ከምኡ እውን ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌን ተረኺቦም ምእንቲ እቶም ኣደዳ ዝኾነ ዒራቓውም ናይ ጽሞና ጸሎት ከዕርጉ እዮም፡ እቲ ዘዕርግዎ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብቲ ስፍራ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ፊት ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ከምዝኸውን ዝሓበሩ ብሩኒ ኣስዒቦም፥ ዔርቢል ኣብ ዝርከብ ፍራንስዋ ሓሪሪ ናይ ስፖርት ሜዳ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጉም ምስ ኣብቅዑ ተሰናቢቶም ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ንኽምለሱ ናብ ሮማ ክነቕሉ እዮም ከምዝበሉ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

03 March 2021, 22:49