ኢየሱስ ሰብ እምበር ውሩይ ተዋሳኢ ውጅሂ ለበስ ሰብ ኣይኮነን ኢየሱስ ሰብ እምበር ውሩይ ተዋሳኢ ውጅሂ ለበስ ሰብ ኣይኮነን 

ኢየሱስ ሰብ እምበር ውሩይ ተዋሳኢ ውጅሂ ለበስ ሰብ ኣይኮነን

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሺሕ ዓመታት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ኤቅለሳውያን ኣማኸርትን ኣበው ቤተ ክርስቲያንን ኢየሱስ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ኣብ ዝብል ጥልቂ ሓሳብ በጺሖም፥ ኣካል - ሰብ እዩ እንክብሉ ተኣምኖተ እምነት ተናዚዞም እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባያቲ ምሕደራ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዘካይድዎ ሱባኤ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላመሳ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዕለት 26 መጋቢት 2021 ዓ.ም.፥ “ኢየሱስ ህያውን ምስኡ ናይ ፍቕሪ ግላዊ ርክብ ክብ ብምባል ብምንባር ምስኡ ኣብ በዓለ ፍሲካ ተሓዲስናን ብሉጻት ኮይንና ብፍላይ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ለብዒ ንተንስእ፥ ዝብል ምዕዳን ዘቕረበሉ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ናይ 2021 ዓ.ም. ስብከት ዓቢይ ጾም ከምዘቅረቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዝዓበየን ክትበጽሖ ዘይከኣል ምስጢር እግዚኣብሔር ሓደን ሰላሴን ዝብል ሓቂ ዘይኮነ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ ዝብል ምዃኑን እዚ ኸኣ ኣፍቀረናን ገዛእ ርእሱ ምእንታና ኣሕሊፉ ሃበ እዩ፥ ነቲ ዘይብቑዕን ዘይግብኦም ሰብኣዊ ፍጥረት ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ንምሃብ ዝደረኾ ፍቕሪ እዩ፡ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ! . . . ኢየሱስ ከም ሓደ ባህርያዊ ገጽ ዝተላበሰ ውሩይ ሰብ ዘይኮነ ምስ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ርክብ ዝኣተው እዩ ዝብል ሓሳብ . . . እቲ ብጹዕ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላመሳ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ናይ ዘቕረብዎ ናይ መወዳእታ ራብዓይ ስብከት ዓቢይ ጾም ሕመረት ክኸውን እንከሎ፥

ኢየሱስ፥ ህያው ኣካል እምበር ህልዮ ወይ ናይ ትውሳኤ ገጸ ባህርይ ኣይኮነን

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሺሕ ዓመታት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ኤቅለሳውያን ኣማኸርትን ኣበው ቤተ ክርስቲያንን ኢየሱስ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ኣብ ዝብል ጥልቂ ሓሳብ በጺሖም፥ ኣካል - ሰብ እዩ እንክብሉ ተኣምኖተ እምነት ተናዚዞም እዮም፡ እዚ ሓሳብ’ዚ እውን ኢየሱስ ሓደ ጽንሰ ሓሳብ ወይ ታሪኻዊ ሕቶን ናይ ትውሳኤ ገጸ ባህርይ ዘይኮነ ሰብን ሕያው ሰብ ምዃኑ ዘርጋግጽ ናይ እምነት ሃምነን እዩ፡ እዚ እምነት ክርስቲያን ናብ ህልዮ ከይወርድን ወይ ከኣ ቲዮሎጊያዊ ስነ ሓሳብ ኰይኖ ከይተርፍ ዝመርሕ ተኣምኖተ ቃል እዩ።

ብዛዕባ ኢየሱስ ብዙሕ ተባሂሉን ተጻሒፉን ጠመቓዊ ትምህርቲ ቀሪቡን ብዙሕ ሓራጥቃዊ ትምህርቲ እውን ቀሪቦምን እዮም እዚ እውን ብዛዕባ ኣምር ኢየሱስ ዝምልከት ኮይኑ፡ ኢየሱስ ከም ህያው-ሰብ ኣብዚን ሕጅን ዝብል ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ፥ እዚ ኢየሱስ ንምፍላጥ ኣብ ስነ ምርምርን ስነ ታሪኽን ቲዮሎጊያን ዝግበር ኪደት ምስቲ ዝተሰብአ ኢየሱስ ዘራኽብ ኣይነበረን፡ ስለዚህ ኣብዚ ስነ ምርምር እዚ እቲ ኣብ ጐደና ደማስቆ ዝተነብረ ተመክሮ ምንባር ግድን ይኸውን፥ ስነ ምርምራዊ ፍልጠት በቲ ናይ ደማስቆ ተመክሮ ዝማላእ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ምስ ኢየሱስ - ሰብ - ህያው ምርኻብ ዝከኣል፡ ካብዚ ወጻኢ ፍካሬ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ፥ ግላዊ ርክብ

ኣካል ዝብል ኣብ ስላሴ ዝብል ሓሳብ ኣብ ስላሴ ውሽጢ፥ ብጹዕ ካርዲናል ካንታላመሳ ነዚ እንከብርሁ፥ እግዚኣብሔር ማለት ርክብ - ተራኻብነት ማለት እውን እዩ፡ ኣብ ርክብ ዘሎ ኣካል፡ እዚ ነቲ ሰለስተ መለኮታዊ ኣካል ቅድስቲ ስላሴ ዝምልከት እዩ፡ ፍጹምን ንጹሕን ርክብ፡ . . . ስለዚ ኢየሱስ ንምፍላጥ ምስ ኢየሱስ ግላዊ ርክብ ክህልወካ ግድን እዩ። አነን ንስኻን ዝብል ቀጥታዊ ርክብ እዩ ክኸውን ዘለዎ፥ ካብዚ ወጻኢ ኢየሱስ ሓሳብ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ . . .፥ እቶም 86 ዓመት ዝዕድመኦም ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን ብጹዕ ካርዲናል ካንታላመሳ ንብዙሓት ማሕበረ ክርስቲያን ኢየሱስ ውሩይ ገጸ ባህርይ ለበስ እምበር ሰብ ኣይኮነን፥ ናይ ዝተፈላለየ ሃምነናውን ዝተፈላለየ ሃራጥትቃውን ውሳኔ ውዱዕን ብስርዓተ ሊጡርጊያ ተዘክሮ ዝግበረሉ ድዩ ወይ ከኣ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ብሓቂ ህያው ዝኾነ ኣካል እዩ?  ንብዙሓት ኢየሱስ ካብ ማእከልና ወጻእን ግላዊ ርክብ ዘይንበሮን ኮይኑ ልብናን ኣእምሮናን ከየማሞቐ ዝተርፍ እዩ ዝመስል፡ ምእንቲ እዚ እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳኖም፥ ኵላትና ምስ ኢየሱስ ዝተሓደሰ ግላዊ ርክብ ክህልውና ዝዕድሙ፡ እዚ ተመክሮ ግላዊ ርክብ ምስ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ሕይወትና ዝልውጥ፡ ድሕሪ ምስ ኢየሱስ ግላዊ ርክብ ዝጽገው ምልዋጥ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ይኸውን . . .

ናይ ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ቅድስቲ ስላሴ ጠመቓዊ ትምህርቲ ኣብቲ ቅዱስ ዮሓንስ “እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ” እንክብል ኣብ ዘረጋግጾ ሓቒ ዝጸንዔ እዩ፥ ቅድሚ ፍጥረትን ደሕሪ ፍጥረትን ወትሩን ዘለዓለማውን ፍቕሪ ምስ ሰብኣዊ ፍጣረት ዝሓዞ እዩ፥ እግዚኣብሔር ካብኡ ወጻኢ ካልእ ቅድሚ ምህላዉ ወይ ምፍጣሩ ኣብ ውሽጡ ቃል ዝነበሮ እዩ፡ እቲ ቓል ከኣ ወዱ ኢየሱስ እዩ፥ እዚ ኸኣ ኣብ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ እግዚኣብሔር ብዙሓነት-ስላሴነት ንናይ እግዚኣብሔር ሓደነት ዝጻረር ኣይኮነን ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ስለ ዝኾነ፥ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ።

ሰብኣዊ ክብረትን ጸበባን

ዛዕባ ሰብኣዊ ክብረትን መሰልን ካብቲ ሰብኣዊ ፍጥረቲ ናይ እግዚኣብሔር ኣርኣያን ኣምሳልን ኣብ ምዃኑ ሒዝዎ ዝነብር እዩ፡ ናይዚ ሓሳብ እዚ ኣናስር፡ ኣብ ናይ ቅድስቲ ስላሴ እንታይነት እዩ፡ እዚ እንታይነት እዚ ኸእ ፍቕሪ እዩ፡ መንነትና ከም ሰብ መጠን እነጥርዮ ምስ ካልኦት ሰባት በቲ ገዛእ ርእስኻ እቲ ካልእ ገዛእ ርእሱ ክኸውንን ካልእነቱ ኮይኑ ንኽነብሩ ኣሕሊፍካ ክሳብ ምስዋእ ስንድው ምዃን ኣብ ዝብል ሱታፌ ፍቕሪ እዩ፡

ከምቲ ኣብቲ መለኮታዊ ፍቕሪ ኣብ ህላዌ ደቂ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ልክዕ ከም ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ክርስቶስ ኣብ ዝተገልጸሉ መስቀል። ስለዚ ክርስቶስ ኣምላኽ ንዓይ - ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ገዛእ ርእሱ ብምሃብ ኣፍቀረኒ - ኣፍቀረናን ዝብል ሓቂ እዩ።

ስለዚ ምስ ክርቶስ ዘሎና ውልቃዊ ርክብ ንናይ ፍቕሪ ርክብ መሰረት እዩ፡ ብክርስቶስ ምፍቓርናን ንኽርስቶስ ኣብ ዘሎና ፍቕሪ ዝጸንዔ እዩ፡ እዚ ርክብ’ዚ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ስቓይን መስጐጒትን ጥምየትን ዕርቃንን ሓደጋ ወይ ሰይፊ ዝኣመሰለ ጸባባ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ኣይክፈልየናን እዩ፡ ሓዋርያ ኣሕዛብ ንውሽጣዊ ሕይወት ዝተጠቀመሉ ሜላ፥ ነቲ ዅሉ ጸባበን መከራን እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ብኮቪድ - 19 ምኽንያት ተኸሲቱ ዘሎ ጽንኵር ኩነት እውን፡ ኣምላኽ የፍቅረኒ እዩ ብዝብል መንጽር ክንርእዮ ዝዕድመና ሜላ እዩ ከመይሲ ኣምላኽ ምሳናን ንኣናን እንተድኣ ኮይኑ መን እዩ ኪቃወመና ዝኽእል? እንክብሉ ብጹዕ ክርዲናል ካንታላመሳ ዘቕረብዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

27 March 2021, 22:34