ንቕሎ ር.ሊ.ጳ. ካብ ዒራቕ፥ ቅዱስነቶም ታሪኻዊ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ባቕዳድ ናብ ሮማ ኣብ ዝገብርዎ ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ናይ በረራ ዶባተን ንዘቛረጹለን ሃገራት ንዒራቕ ብቐዳምነት ኣስዒቦም እውን ንቱርክን ግሪኽን ኣልባኒያን ኢጣሊያ ርእሳነ ብሔር ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዕለት 5 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ዝጀመረዎ መበል 33 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዕለት 8 ምጋቢት 2021 ዓ.ም. ዛዚሞም ባቕዳድ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰዓት 07.54 ደቓይቕ ነቒሎም ፍርቂ መዓልትን ዕስራን ደቓይቕ ሮማ ኣብዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ፊውሚቺኖ ከምዝኣተዉን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ብናይ ረፓብሊክ ዒራቕ ርእሰ ብሔር ባርሕም ሳሊሕን ክብርቲ በዓልቲ  ቤቶም ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ተገይሩሎም ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ደቓይቕ ክሌኣዊ ርክብ ብናይ ዝተፈላለያ ህይማኖታት መራሕትን በርገሳውያን ላዕለዎት ኣካላትን ብዝቐረበሎም ምዉቕ ናይ ስንብታ ሰላምታን ክቡር ዘበዐይና ንክብሮም ብዘቕረቦ ሰላምታን ተሰናቢቶም ናይ ነፋሪት ጉዕዞኦም ጀሚሮምን ናይ ራፓብሊክ ዒራቕ ርእሰ ብሔር ሳሊሕ ኣብቲ” ፥ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ነቶም ዓቢይ ናይ ሰብእውን ምትሕብባርን መልእኽቲ ሒዞም ኣብ ባቕዳድን ናጃፍን ዑርን ነነዌን ዔርቢልን ምብጽሕ ንዘካየዱ ጋሻና ኮይኖም ንዝጸንሑ ቅዱስነቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላምታና ነቕርብ፥ ህላዌኦም ወትሩ ኣብ ልቢ ዒራቓውያን ተሓቲሙ ዝተርፍ ዓቢይ ናይ ሰላምን ፍቕርን ምልኽቲ ሒዞም ዝበጽሑና ኣዮም  ዝብል መልእክቲ ከምዝፈነዉ ዜናቫቲካን ይሕብር።

ናይ ተለግራም መልእኽቲ ንናይ ኣየር በረራ ዶባተን ንዘቛረጹለን ሃገራት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ባቕዳድ ናብ ሮማ ኣብ ዝገብርዎ ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ናይ በረራ ዶባተን ንዘቛረጹለን ሃገራት ንዒራቕ ብቐዳምነት ኣስዒቦም እውን ንቱርክን ግሪኽን ኣልባኒያን ኢጣሊያ ርእሳነ ብሔር ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ፡ ነተን ሃገራት ብፍላይ ንዒራቕን ሕዝብን በረኸትን ቡራኬን እግዚኣብሔር ከም እተማሕጸኑን ነተን ሃገራት ጸሎቶም ምእንቲ ሰላምን ሓድነትን ብልጽግናን ከምዘረጋገጹን ምስ ማሕበረ ክርስቲያንን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብትን መራሕትን ብሓባራዊ መንፈስ ኣብ ጉዕዞ ዘተን ስኒትን ብሓባር ንምዕያይ ምስክርነት ዝቐረበሉ እውን ምዃኑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ የመላኽቱ።

08 March 2021, 17:43