ዕለት 10 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ፍኖተ መስቀል ዕለት 10 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ፍኖተ መስቀል 

ናይ ር.ሊ.ጳ. መርሓ ግብሪ ሊጡርጊያ ንሰሙነ ሕማማት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓርቢ ስቕለት ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሊጡርጊያ ሕማምቱ ለእግዚእነ ክሰርዑን ልክዕ ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ምሽተ ሰዓት ትሽዓተ ፍኖተ መስቀል ከምቲ ልሙድ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ዘይኮነ

ካብ ሰንበት በዓለ ሆሳዕና ክሳብ ሰኑይ ድህረ በዓለ ፋሲካን ዘሎ እዋን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መርሓ ግብሪ ሉጡርጊያ፥ ነቲ ህልው ኵነት ለብዒ ኮቪድ- 19ን ናይ ምክልኻል ለብዒ ስርዓተ ሕጊ ግብምት ዝገበረ ከምዝኸውንን ሓሙስ ናይ መወዳእታ ድራር ዘእግዚእነ ብጹዕ ካርዲናል ረ ዝሰርዕዎ ሊጡርጊያ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክፍጸም ከምዝኾነን ዓርቢ ስቕለት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ክፍለ ሃገር ኡምብሪያ ማሕበር ዳህሳስያን (scout) ሓንቲ ቁምስና ሮማን ብዘቕርብዎ ኣስተንትኖን ኣብ ሮማ ካብ ክልተ ኣባይቲ ኣለይቲ ስድራ ዝተዋጽኡ ሕጻናት ብዘቕረብዎ ኣሳእል ዝተሰነየ ከምዝኸውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ 12 ወርሒ ኣብ መላእ ዓለም እቲ ናይ ለምዘበን ስርዓተ ሊጡርጊያ ልክዕ ከም ዓሚ ምስቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ናይ ለብዒ ኮቪድ - 19 ናይ መቆጻጸሪ ስርዓተ ሕጊ ዝጸባጸብ ከምዝኸውንን ሰሙነ ሕማማት ኣብ መላእ ዓለምን ኣብታ ናይ ካቶሊካውነት ሕምብርቲ ዝኾነ ሃገረ ቫቲካን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሰርዕዎ ስርዓተ ሊጡርጊያ፡ እቲ ለበዳ ኾሮና ተህዋስ ንምቁጽጻር ኣብ ግብረ ዝውዕል ዘሎ ናይ መቆጻጸሪ ስርዓተ ሕጊ ግምት ዝህብን ዘኽብርን ከምዝኸውንን ስለዚህ ከምቲ ልሙድ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ዘሳተፈ ከምዘይከውንን እዚ ኣገባብ እዚ እውን ካብ ሰንበት በዓለ ሆሳዕና ክሳብ ሰኑይ ድህረ በዓለ ፋሲካ ዘጠቓልል ከምዝኸውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስርዓተ ቡራኬ ቅዱስ ዘይት ቅዱስ ሓሙስን

ነቲ ለብዒ ኮቪድ - 19 ንምቁጽጻር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ስርዓተ ሕጊ ግምት ብምሃብ ለምዘበን 2021 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ክሳብ ሕጂ ክፍጸም ዝጸንሔ ኣብዚ ናብ ፋሲካ ዘሰጋግር ሰሙነ በዓላትን ሰሙነ ሕማማትን በዓለ ፋሲካን ሰኑይ ድሕረ ፋሲካ እውን ነቲ ሕጊ ብምኽባር ቁጽሩ ውሑድ ዝኾነ ምእመናን ኣሳቲፉ ዝካየድ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ሰንበት በዓለ ሆሳዕና ሰዓት 10.30 ኣብ ካቴድራል ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ሓሙስ ዝዓርግ ስርዓተ ሊጡርጊያ ቡራኬ ቅዱስ ዘይትን ሰዓት ዓሰርተ ቅዱስ ኣቦና ዝሰርዕዎ ሊጡርጊያ ክዓርግ እዩ፡ ቅዱስ ሓሙስ ሰዓት ሽዱሽተ ምሸት ስርዓተ ሊጡርጊያ ናይ መወዳእታ ድራር ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብጹዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ዝመርሕዎ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።

ዓርቢ ስቕለት፥ ፍኖተ መስቀል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓርቢ ስቕለት ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሊጡርጊያ ሕማምቱ ለእግዚእነ ክሰርዑን ልክዕ ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ምሽተ ሰዓት ትሽዓተ ፍኖተ መስቀል ከምቲ ልሙድ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ዘይኮነ፡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝፍጸምን ናይ ለዘበን ፍኖተ መስቀል ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ኣስተንትኖ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኡምብሪያ ክፍለ ሃገር ፎሊኞ ቀዳማዊ ዳህሳስያን ማሕበርን ኣብ ሮማ ቁምስና ሰማዕታት ዘኡጋንዳ ዘሰናደውዎ ከምዝኾነን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ጠመተ ሕጻናትን መንእሰያትን

እቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ናይ ክፍለ ሃገር ኡምብሪያ ማሕበር ዳህሳሲያን ፊሊኞ ቀዳማዊ ብጠቕላላ 145 ካብ 8 ክሳብ 19 ዓመት ዝዕድመኦም ምስ 21 መምሃራኖም ብሓባር ካብ ኣድልዎን ውርደትን ካብ ፍትሕን ክሳብ ምትሕብባርን ዝድህስስ ብዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ዝስነይ ከምዝኾነን ካልኦት 500 ሕጻናት ሮማ ናይ እትርከብ ቁምስና ሰማዕት ዘኡጋንዳ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ተመሃሮን ናይ መጀመርታ ቅዱስ ቁርባንን ንምስጢረ መሮንን ዝሰናደዉን መንእሰያት ናይ ለብዒ ኮቪድ - 19 ናይ መቆጻጸሪ ስርዓተ ሕጊ ብዘኽብር ኣገባብ ብምፍንታት ብዘካየድዎ ርክብ ብዘሰናደውዎ ኣሳእል ነቲ ኣስተንትኖ ናይ ፍኖተ መስቀል ቅርጺ ክህብዎ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ሓባራዊ ሓቅነት ናይ ሮማ ቍምስናታት

ኣብ ክፍሊ ከተማ ሮማ ኣድሪያቲኖ ኣብ ዝርከብ ናብ ንብዙሓት ግዱዓት ናይ ዝቐርብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መወከሲ ተባሂሉ ዝንገረሉ ብኣባ ልዊጂ ዲ ኤንሪኮ ዝምራሕ ቁምስና ከምኡ እውን ቤተ ዑቕባ ኣጋር ተባሂሉ ዝጽዋዕን እቲ ቤተ ቤታኒያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ዝተፈላለየ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾና ኣዴታት ምስ ደቃተን ከምኡ እውን ግዳም ሓደር ደቀንስትዮን ዝእለያሉ ማእከልን ሸሞንተ ቁምስናታት ዘጠቓልል ናይ ሮማ ዞባ 22 ንናይ ሰበኻ ሮማ ሊቀ ጳጳሳት ወኪል ምክያድ ሓዋርያዊ መስተናብር ህልው ኵነታት ዘንጸባርቅ ምዃኑ ብሩኒ ሓቢሮም።

እቲ ፍኖተ መስቀል ብሕጻናት ዝቐረበ ኣሳእል ዝስነይ እዩ 

እቲ ህጻናት ብወልደ እግዚኣብሔር ዝተፈጸመ ናይ ምድሓን ታሪኽ ዘውስእ ብደናግል ደቂ እመ መለኮታዊ ፍቕሪ ካብ ዝመሓደር ብናይ መለኮታዊ ፍቕሪ ቤተን ከምኡ እውን እቲ ኣብ 1984 ዓ.ም. ሕጻናትን መንእሰያትን ዘጓፎም ጸገም ንምብዳህ ዝድግፍ ዝቖመ ማሕበር ወለንተይናታት ዘመሓድርዎ ናሕሲ እተሰምየ መእለይ ድኻታት ካብ ዝእለዩ ኣባይቲ ስድራ ዝተዋጽኡ ካብ 3 ክሳብ 8 ዓመት ዝግመቱ ሕጻናት ብዝሰርሕዎ ኣሳእል ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል ክስነይ እዩ ዝበሉ ብሩኒ ኣስዒቦም፥

ቅዱስ ቀዳም

ዕለት 3 ሚያዝያ  ቅዱስ ቀዳም ምሸት ሰዓት ሸውዓተን ፈረቃን ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ዋዜማ ዘፋሲካ ቅዱስ ኣቦና ክመርሑን ዕለት 4 ሚያዝያ ሰንበት ፋሲካ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10 ናይ በዓለ ፋሲካ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ናይ በዓለ ፋሲካ መልእኽቲ ከመሓላልፉን ፍርቂ መዓልቲ Urbi  et Orbi - ንሮማን መላእ ዓለምን ሓዋራዊ ቡራኬ ክህቡን ድሕሪ ሰንበት ዘፋሲካ ዘሎ ሰኑይ ዘመላእክት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ንግስተ ሰላም ከዕርጉ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

24 March 2021, 13:17