ካንታላመሳ፥ ኣብ ክርስቶስ ዝኣምን ተስፋ ኣይቆርጽን ካንታላመሳ፥ ኣብ ክርስቶስ ዝኣምን ተስፋ ኣይቆርጽን 

ካንታላመሳ፥ ኣብ ክርስቶስ ዝኣምን ተስፋ ኣይቆርጽን

ብጹዕ ካርዲናል ካንታላመሳ ኣሲዒቦም ከምቲ ኣስተንትኖ ሰብኣውነት ክርስቶስ ኣሞርኵይዞም ኣብ ካልኣይ ሰንበት ዘስብከት ዓቢይ ጾም ዘቕረብዎ፡ ኣብ ሳልሳይ ሰንበት ዝብከት ዓቢይ ጾም ሃምነናዊ መለኮትውነት ክርስቶስ እንከረድኡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባያቲ ምሕደራ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዘካይድዎ ሱባኤ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላመሳ ብዘቕርብዎ ሰሙናዊ ስብከት ቀጺሉ ዕለት 12 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ፥ ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩ ምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም፧ በሎም (ማቴ.16,15) ኣብ ዝብል ናይ ኢየሱስ ቃል ኣሞርኲይዞም ሳልሳይ ስብከት ከምዘቕረቡን ብጹዕነቶም “እምነት ኣብ ናይ ክርስቶስ መለኮታውነትን ኣብ ናይ ምድሓን ሓይሉን” ዝብል ሓሳብ ብሰፊሕ ከምዘተኮሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ካንታላመሳ ዝሓለፈ ሰንበት ካልኣይ ስብከት ዘዓቢይ ጾም ኣብ ሰብኣውነት ክርስቶስ ኣማእኺሎም ሰፊሕ ኣስተንትኖ ከምዘቕረቡ ክዝከር እንከሎ፡ እቲ ናይ ሳልሳይ ስንበት ስብከት ዘዓቢይ ጾም ኣብ ናይ ክርስቶስ መለኮታውነትን ኣማእኪሎም . . . ኣብቲ ተኸታታሊ ዘቕርብዎ ዘለዉ ስብከት ዘዓቢይ ጾም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘተኮረ ኮይኑ፡ እዚ ኸኣ ክርስቶስ ከምዘየለ ኮይንካ ምንባር ንዝብል ዝምባለ ቤተ ክርስቲያን እትህቦ መልሲ እንታይን ከመይንክኸውን ከምዘለዎ እንከመላኽቱ፡ ዓለም ንምእማንን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጌጋታት ብምሕባርን ንኸተእምን ምፍታን ዘይኮነ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ብምሕዳስን ብዕምቆት ብምቕራብን እዩ ክኸውን ዘለዎ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ካንታላመሳ፥ ኣብ ክርስቶስ ዝኣምን ተስፋ ኣይቆርጽን
ካንታላመሳ፥ ኣብ ክርስቶስ ዝኣምን ተስፋ ኣይቆርጽን

ሃምነናዊ መለኮታውነት ክርስቶስ

ብጹዕ ካርዲናል ካንታላመሳ ኣሲዒቦም ከምቲ ኣስተንትኖ ሰብኣውነት ክርስቶስ ኣሞርኵይዞም ኣብ ካልኣይ ሰንበት ዘስብከት ዓቢይ ጾም ዘቕረብዎ፡ ኣብ ሳልሳይ ሰንበት ዝብከት ዓቢይ ጾም ሃምነናዊ መለኮትውነት ክርስቶስ እንከረድኡ፡ እዚ ሃመንናዊ ድንጋገ እምነት ኣብ ቀዳሞት ዘመን ቤተ ክርስቲያን ዝተወሃበን ደሓር እውን ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዳግም ዝተረጋገጸን ምዃኑ ኣዘኻኪሮም . . .

ካንታላመሳ፥ ኣብ ክርስቶስ ዝኣምን ተስፋ ኣይቆርጽን
ካንታላመሳ፥ ኣብ ክርስቶስ ዝኣምን ተስፋ ኣይቆርጽን

ኣብ እዋን ሕዳሴ ፕሮተስታንት እቲ ሃምነናዊ ትምህርቲ ዘይተቐየረ እውን እንተኾነ እቲ ማእከላውነት ግደኡ ክደልድልን ተገይሩ እዩ፡ ናይ ፕሮተስታንት መራሕቲ ክርስቶስ ንውልቀ ሰባት ዘለዎ ጥቒሚ መሰረት ብሓደ ሸነኽ ብዛዕባ ክርስቶስ ብምንዝዝ ዘቅረብን ኣብ ሃምነናዊ ሓቅን ዘሎ ፍልልያትን በቲ ኻልኣይ ሸነኽ ከኣ ውልቃውን ካብ ውሳጣዊ ምቅርራብን ንዝነቐለ ፍልጠት መገዲ ከፊቱ እዩ።

ንስኻኸ መን እዩ ትብለኒ?

ኢየሱስ እቲ ዓለም መን እዩ ዝብሎ ዘይኮነ እቶም ናቱ መን ኮን ከምዝብልዎ እዩ ዘተሓሳስቦ። እቶም ሰዓብቱ ብዛዕባኡ ዘለዎም ርእይቶ እዩ ዘገድሶ፡ ኣብ ወንጌል ንሰዓብቱ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም፧ እንክብል እዩ ዝሓቶም፡ ካርዲናል ካንታላመሳ ናይቲ ዘቕረብዎ ስብከት ሳልሳይ ሰንበት ዘዓቢይ ጾም ሕመረት እቲ ኢየሱስ ንሰዓብቲ ዘቕርቦ ሕቶ ገይሮም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ወንጌል ገጽ ብዛዕባ ናይ ኢየሱስ መለኮታዊ ሰገርነት ቃል ብቓል ይንገር፡ ናይ ዮሓንስ ወንጌል ብቐንዱ ነዚ ሓሳብ’ዚ ዝሓቑፍ እዩ፡ መንነት ኢየሱስ ዘብርህ እዩ፡ . . .

እምነት ኣብ ናይ ኢየሱስ መለኰታውነት

ሎሚ ካብ ቀደም እምነት ኣብ መለኰታውነት ክርስቶስ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኢየሱስ እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ መግለጺ እምነት ምንባር ዝብል እዩ፡ ኣብዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓቅነት’ዚ እምነት ምንባር ነቲ ነፍሲ ወከፍ በዓል ቤት ብዛዕባ ኢየሱስ ንዘለዎ እምነት የበርትዕ፡ እምነት ካብቲ ደሓር እትነዛዞ ብቐዳምነት ኣብ ልቢ እዩ ዝውለድ።

ናይ ክርስቶስ መለኰታውነት ናይ እምነት ጫፍ እዩ፡ ናይ እምነት ኤቨርስት ክትብሎ እውን ይከኣል . . . እዚ ንናይ ንቅያ ድንጋገ ሃምነናዊ እምነት መሰረት እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ሰብኣውነት ክርስቶስ ዝጠራጠር ብዙሕ የሎን ስለዚህ እቲ ኣመንቲ ካብ ኢኣምንያን ዝፈልዮም ኢየሱስ እግዚኣብሔር እዩ ዝብል እምነት ኣብ መለኰታውነት ኢየሱስ እዩ፡ . . . ናይ ክርስቶስ መለኰታውነት፡ ነዚ ኣሜን ኣብ ምባል እዩ . . .

ትርጉም ሕይወት

ካንታለመሳ ንእዋናዊ ሻቕሎት ሰብኣዊ ፍጥረት ኣተኵይሮም፡ እቲ ዓቢይ ሕቶ እምበኣር ኣብቲ ክርስቶስ እግዚኣብሔር እዩ ዝብል ሃመነናዊ ድንጋገ ብምእማን ዝርከብ ግላዊ ረብሓ እዩ፡ እዚ ኸኣ ንናይ ሕይወት ትርጉም ዝምልከት ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ብዓቢይ ዝቃላሕ ጉዳይ እዩ። . . .

ኣብ መልኰታውነት ክርስቶስ እምነት ምግባር ነቲ ሕይወት ትርጉም የብሉን ንዝብል እዋናው ፈተና ንኸነሰንፍን ኣይፋል ንኽብልን የብቅዓና፡ ምኽንያቱ ኸኣ ክርስቶስ “ሓቀይና ኣምላኽ” ስለ ዝኾነ፥ “ዘለኣለማዊ ሕይወት” ስለ ዝኾነ “ዘለኣለማዊ ሕይወት” ስለ ዝህብን” . . . ብዝብል ሓሳብ ዘቕረብዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

13 March 2021, 23:11