ድለ

ኢንዶነዢያ፥ ፍራንቸስኮ ምእንቲ እቶም ኣብ ካቴድራል ዝተቐትሉ ይጽልዩ

ዓለም ኣብ መቐራቕሮ ዘእተወን ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ዘስዕብ ዘሎን ለብዒ ኮቪድ -19 ኣብነት ናይታ ኣብ ስቓይን መከራን ናይ ተስፋ መብራህቲ ዝዓቀበት ኣደ ክርስቶስ ማርያን ብምስዓብ ክንብድሆ ሓደራ

ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 28 መጋቢት 2021 ዓ.ም. በዓለ ሆሳዕና ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ኢንዶነዢያ ከተማ ማካሳር ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ለኪምካ ምጥፋእ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ንዝወረዶም ዘኪሮም፡ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ -19 ካብ ዝኽሰት ካልኣይ ዓመቱ ዘቑጽር ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብነት ናይታ ኣብ ስቓይን መከራን ናይ ተስፋ መብራህቲ ዝዓቀበት ኣደ ክርስቶስ ማርያም ክንስዕብ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ብዓመጽን ብዝተፈላለየ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ንሞትን ንዝተፈላለየ ሓደጋን ዝቃልዑ ኵሎም እናሓሰቡ፥

ብፍላይ ሎሚ ንጐሆ (ዕለት 28 መጋቢት 2021 ዓ.ም.) ምእንቲ እቶም ኣብ ኢንዶነዢያ ኣብ ከተማ ማካሳር ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኣደዳ ዝኾኑን ንጸልይ

እታ ቅድመ ዝኾነ ቅድስተ ድንግል ማርያን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናብ ካልኣይ ዓምት ዝሰጋገር ዘሎ ኣብ መላእ ዓለም ዝተኸስተ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ መቐራቕሮ ዘእተወን ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ዘስዕብ ዘሎን ለብዒ ኮቪድ -19 ኣብነት ናይታ ኣብ ስቓይን መከራን ናይ ተስፋ መብራህቲ ዝዓቀበት ኣደ ክርስቶስ ማርያን ብምስዓብ ክንብድሆ ሓደራ፥

ስለምንታይ ንኣይ ቢልና ክንሓስብን ክንሓትትን ንኽእል፥ ደሓር ግና ስለ ዝግብኣና ዘይኮነ  ብናጻ ዝተዓደለና ጸጋ ክምዘሎን በዚ ጸጋ እዚ እውን ከምእተተንከፍና ነስተውዕል!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 March 2021, 14:55