ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መግሻ መለለዪ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መግሻ መለለዪ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መግሻ መርሓ ግብሪ

ቅዱስነቶም ዕለት 5 መጋቢት ካብ ሮማ ዓለም ሓቆፍ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ባቕዳድ ክነቕሉን ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ብናይ ዒራቕ መራሔ መንግስቲ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም ንኽብሪ እታ ሃገርን ሕዝብን ናብ ናይ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ምብጻሕ ከካይዱን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ 2019 ዓ.ም. መወዳእታ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ሓዋያዊ መገሻ ከምዘየካየዱ ክዝከር እንከሎ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ባጋዳድን ኣብ ናጃፍን ሰጣሕ ጎልጎል ኡርን ኤርቢልን ሞሱልን ቃራቖሽን ኵላትኵም ኣሕዋት ኢኻትኵም ብዝብል ቃል ዝምራሕ ነቶም ናይ ውግእን ዓመጽን ጸሎት ዘዕርጉሉን ኣርባዕተ መደረ ዘቕርብሉን ካብ ዕለት 5 መጋቢት ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነርባዕተ መዓልቲ ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ መደብ ከምዘለዎምን፡ ድሕሪ 15 ኣዋርሕ ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ 19 ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ ብመደብ ተታሒዙ ዝነበረ ተሰሪዙ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እነሆ ብናይ ረፓብሊካዊት ዒራቕ መንግስትን ኣብ ዒራቕ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዘቕረብሎም ዕድመ መሰረት ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።

ቅዱስነቶም ኣብ ዒራቕ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ባቕዳድን ኣብቲ ምስ ታሪኽ ኣብርሃም ዝተተሓሓዘ ታሪኻዊ ስፍራ ሰጣሕ ጐልጐል ኡርን ኣብ ከተማ ኡርቢልን ሞሱልን ቃርቆሽን ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌን ከበጽሑ ምዃኖም ዝሓብረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ናይቲ መገሻኦም ወግዓዊ መርሓ ግብሪ ድሮ ከምእተሓንጸጸ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ዕለት 5 መጋቢት ካብ ሮማ ዓለም ሓቆፍ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ባቕዳድ ክነቕሉን ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ብናይ ዒራቕ መራሔ መንግስቲ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም ንኽብሪ እታ ሃገርን ሕዝብን ናብ ናይ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ምብጻሕ ከካይዱን ወግዓዊ ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ፡ ንናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንግስትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ልዕለዎት ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብ ዒራቕ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መግንስታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ዓውደ ርክብ ቀዳማይ መደረ ከስምዑን፡ ኣስዒቦም እውን ኣብ ዒራቕ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ካህናትን ደናግልን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን መምሃራት ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም እኖ ድሕነት  ክራኸቡን ቃሎም ከምስዑን በዚ ስነ ስርዓት’ዚ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም መርሓ ግብሪ ክዛዝሙ ምኻኖምናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕለት 6 መጋቢት ብናይ ካልኣይ መዓልቲ ናይ መገሻኦም መደብ መሰረት ኣብ ናጃፍን ናሲርያን ሰጣሕ ጐልጐል ኡርን ክበጽሑን ምስ ናይ ዒራቕ ዓቢይ ኣያቶላሕ ሳይድ ዓሊ ኣል ሙሳይሚ ኣል ሲስታኒ ክራኸቡን ኣብኡ እውን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕልዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ተራኺቦም መደረ ከምስዑ እዮም ዝበለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ባቕዳድ ክምለሱን ናይ ከላዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲኢያን ቅዱስ ዮሴፍ መስዋዕተ ቅድሴ ከዕርጉን ስብከት ክልግሱን ሰንበት ዕለት 7 መጋቢት ናብ ዒራቓዊ ዞባ ኩርድስታን ብምኻድ ምስ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ክራኸቡን ድሕሪ እዚ ርክብ’ዚ ናብ ሞሱል ብምኻድ ምእንቲ እቶም ብውግእ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ኵሎም ጸሎት ከዕርጉን ኣብ ቃራቖሽ ምስ ማሕበረሰብ  ካቶሊክ ክራኸቡን መደረ ከስምዑን ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምስ ኣዕረጉ ብቐጥታ ናብ ዔርቢል ብምኻድ ኣብ ፍራንሶ ሃሪር ናይ ስፖርት ሜዳ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ካብኡ ተሰናቢቶም ንምሕዳሮም ናብ ባቕዳድ ክኸዱን ንጽብሒቱ ዕለት 8 መጋቢት ባቕዳድ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ብወግዒ ተሰናቢቶም ናብ ሃገረ ቫቲካን ክነቕሉ ምዃኖም የሕብር።

ናይቲ ሓውርያዊ መገሻኦም መለለዪ፥ እቲ መርሕ ቃል ካብ ማቴዎስ ወንጌል ዝተወስደ ኵላትኵም ኣሕዋት ኢኻትኵም ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ናይቲ መገሻ መለለዪ ኵላትኵም ኣሕዋት ኢኻትኵም ዝብል ቃል ብቋንቋ ዓርብን ኩርድ ከለዳውን ቋንቋ ዝተጻሕፎን ድሕረ ባይታ ናይ ዒራቕ መልክኣ ምድሪ ዝገበረን ቅዱስነቶም ነታ ሃገር ሰላምታኦም እንከቕርቡ ዘርእይን ጨንፈር ኣውሊዕ ዝሕዘት ምስሊ ጻዕዳ ርግቢት ንትእምርቲ ሰላም ዝተንብሮን ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ረፓብሊካዊት ዒራቕ ሰንደቕ ዕላማ ዘለዎን ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።   

09 February 2021, 16:04