ፍቅሪ መኻን ኣይኮነትን! ዘሎካ ብምክፋል ትብርክት። ፍቅሪ መኻን ኣይኮነትን! ዘሎካ ብምክፋል ትብርክት። 

ኣብ ዘመነ ጾመአርባዓ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ዝሳቀዩ ብምርዳእ ጸጋ ንሕፈስ! ር.ሊ.ጳ

ዓመት መጸ ንዘመነ ጾመ ኣርባዓን ብዓለ ፋሲካ ንምብዓል ንምስንዳውን ዘገልግል መልእኽቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ልሙድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ሎምዘመን ብምኽንያት ለበዳስ ይኹን ሰኣን ሕውነት ንዝሣቀ ዘመደ ኣዳም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ኣብ ርእሲ እታ ብዙሕ ትጋዋሕ ዘላ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ንዘመነ ጾመ ኣርባዓ ዝኸውን መልእኽቲ ኣኸቲሎም ብምጽሓፍ ጒዕዞ ጾምን ተጋድሎን ጸሎትን ጾመ ኣርባዓ ምስ ኣሕዋትና ውህደት ዝፈጥር ኰይኑ ልዕሊ ኩሉ ድኻታት ብምርዳእ ከም ምኽሪ ወንጌል ንፍቅሪ ኣብ ፍረ ንምብጻሕ ካብ በላበለው ብምጻም ሠናይ ነገር ብምግባር ንግለጽ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ዘመነ ጾም ዝዝውተሩ እቶም ወትሩ ዝንገሩና ጸሎት ጾም ምጽዋት ምዃኖም ዝገለጸ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንሎምዘመን ግን ብፍሉይ መንፈስ ነቲ ንብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ገርካ ኣፍቅር ዝብል ትእዛዝ ጐይታ በቲ ቅዱስነቶም ኩልና ኣሕዋት ክብሉ ሓደራ ዝበልዎ መምርሒ ሕውነት ዘመደ ኣዳም እንኮ መድሓኒ ዘመንና ምዃኑ ተረዲእና ናብኡ ምልስ ኢልና ክነስተንትንን ነቲ ኣብኡ ዝተዋህበና ለበዋ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ሓወይ ሓውተይ ምባል ጥራይ ዘይኮነ ንድኻታት ከምዝግባእ ምርዳእ ማለት ንግድነቶም መባእ ምትኳብ ጥራይ ዘይኮነ ከምቲ ናይ ጐይታ ርሕራሔ ክነርኢ ድንን ኢልና ኢዶም ሒዝና ክነልዕሎም ብምጽዓር ብመንፈስ ለውሃት ቅርበትና ክንገልጽ በዚ ከኣ ነተን መለኮታውያን ሓይልታትና ዝኾና እምነትን ተስፋን ፍቅርን ዳግም ኣብዚ ዘመነ ጾመኣርባዓ ክንሕድስ ምሉእ ዕድል ኣሎና ኢሎም።

ዘመነ ጾመአርባዓ - እምነትን ተስፋን ፍቅርን ንምሕዳስ ምሩጽ ግዜ!

ቅዱስነቶም መልእኽቶም ብቃል ኣምላኽ ንምኽፋት ነታ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ንርእሱ ኣትሓተ ክሳብ ሞት እኳ ደኣ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ክሳብ ሙማት ተኣዛዚ’ ኮነ ክብል ዝገልጾ ትሕትና ኢየሱስ ብግብሪ ኣሰሩ ንምስዓብ ትሕትና ተላቢስና ጒዕዞ ጾመ አርባዓ ክንጅምር ኣዛኻኺሮም። ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝቀርብ ጻውዒት ተነስሑ እትብል ቃል ንማለቱ ዘይኮነ ኣብዚ ተዋሂቡ ዘሎ ግዜን ጸጋን ናብ መሠረት መንነት ክርስትና ዝኾኑ ጐይታ ዝዓደለና መለኮታውያን ሓይልታት ምልስ ኢልና ብጸሎትን ጾምን ተጋድሎን እምነትናን ተስፋናን ፍቅርናን ክነሕድስ በዚ ከኣ እግዚአብሔር ሓቀኛ ኣሕዋትን ኣሓትን ክርስቶስ ንምዃን ንክሕግዘና ብምፍቃጽ ናብ ሓቀኛ ለውጢ ክንረክብ ንኽእል ኢሎም። እዚ ኩሉ ጒዕዞ ግን ዝጥምቶ ዓቢ ሾቶ ከምዘለዎ እዚ ከኣ ብርሃን ትንሣኤ ክርስቶስ ኰይኑ ንክርስቶስ ንክኽተል ናይ ዝደልን ዝወሰነን ስምዒታትን ዝምባሌታትን ምርጭታትን ይጒስጒስ ኢሎም።

“መንገዲ ድኽነትን ተጋድሎን ማለት ጾምን ዝምዘነሉ ኣብ ዝቈሰለ ብጻይና እነርእዮ ሕያውነት ማለት እንህቦ መባእ ወይውን ሓገዝ ከምኡ እውን ምስ ሰማያዊ ኣቦና እንገብሮ ውሉዳዊ ዘተ ማለት ኰይኖም እዚአን ክልተ ተግባራት እዚኤን ገርሀይና እምነትን ሕያው ተስፋን ተግባራዊት ፍቅርን ዳግም ኣብ ልብና ከምዝውለድ ይገብራ ኢሎም።”

ናይ ክርስቶስ ሓቂ ብኣእምሮ ኣይኮነን ዝህነጽ!

ቅዱሰንቶም ኣብ ንቡር ሕይወት ደቂሰባት ንዝግበር ሃሰሳ ሓቂ ይዝክሩ እሞ እቲ ጽምኢ ሓቂ ዘለዎ ኣእምሮና ብዙሕ እኳ ክመራመርን ክምህዝን እንተኸኣለ ነቲ ሓቂ ብርእሱ ዝኾነ ክርስቶስ ንምርካብ ግን ፍልይ ዝበለ ኣገባብ ከምዘድሊ እዚ ከኣ ኣብዚ ግዜ ዘመነጾአርብዓ ካብ ኩሉ ውጽእ ኢልና ህድእ ኢልና ንሓቂ ክርስቶስ ኣብቲ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ቃሉ ክንደልዮ ቃል ኣምላኽ ክንሰምዕ ክነንብብ ኣዕይንቲ ልቦናና ከፊትና ነቲ ኣነ ሓቂ እየ ዝብል ክርስቶስ ክንቅበሎ ክንሰምዖ ክንእዘዞ እዚ ቃል ኣምላኽ እዚ ከኣ በታ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናኣመሓላለፈትልና ዘላ ቤተክርስትያን ኣቢሉ ምዃኑ ኣዘኻኪሮም። ብዙሕ ግዜ ከም ደቂ ሰባት ዘዕግበና ትንተናን እከለ በለ እከለ በለ ዝብል ኣብ ኣተሓሳስባን ኣበሃህላን ቁሩባት ሊቃውንቲ እንገብሮ ዘይኮነ ብዓይኒ ልቦናን ጸጋ እግዚአብሔር ጥራይ ክንኣምኖ እሞ ነቲ ንዓና ክብል ስጋ ዝለበሰ ክርስቶስ እሞ ንሱ ብኣካሉ ኣነ ሓቅን መንገድን ሕይወትን እየ ዝበለና ተቀቢልና ኣብ ምልኣት ሕይወት ክንበጽሕ ንኽእል ኢሎም።

ካብ በላበለውን ወረን ክንጸውም ኣሎና!

ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል ትርጉም ጾም ብመሠረቱ ካብቲ ልሙድ ዕለታዊ ናብራ ፍልይ ብዝበለ ካብ ብዙሕ ነገራት ንርእስኻ ብምግታእ መንነትካን ባህርኻን ንምልላይ ዝግበር ጻዕሪ ምዃንይ ይገልጹ እሞ፡ ጾም ማለት ብብቅዓትን ብተግባርን ምስ ድኻታት ድኻ ብምዃን ነቲ ዝተቀበልካዮ ሃብቲ ፍቅሪ ምስ ካልኦት ብምክፋል እዩ ኢሎም። ቅዱስ ቶማስ ዘኣኲኖ ነዚ ብዝምልከት ንዝበሎ ብምጥቃስ ማለት ‘ፍቅሪ ክበሃል እንከሎ ንካልኦት ምሳኻ ሓደ ከምዝኾኑ ጌርካ ንምሕሳብን ከም ገዛእ ርእስኻ ገርካዮም ንምርኣይን ኣተናኻ ናብኦም ክትገብር ዝደፋፍእ ሓይሊ እዩ’ ይብሉ። ብካልእ ኣዘራርባ ጾም ማለት ንገዛእ ርእስኻ ካብ ዘየድሊ ሰዀም ምልቃቅ ቊሩብ ፍዂስ ክበለካ እሞ ነጻ ኰንካ ምስ ፈጣሪ ንምዝታይ እዚ ከኣ ካብ ጣዕምን ምቾትን ካልእ ዘየድሊ ነገራትን ጀሚርካ ምናዳ ወረ ካብ ምምእራር ሓቂ ይኹን ሓሶት ብዘየገድስ ሓራ ኰንካ ማሕደር እግዚአብሔር ጥራይ ክትከውን ምቅላስ የድሊ ኢሎም።

ዘመነ ጾመ አርባዓ ተስፋ ንምድንፋዕ ዝተወሰነ ግዜ እዩ!

ቅዱስነቶም መልእኽቶም ብምቅጻል ካብ ቃል ወንጌል ነታ ምስ ጐይታ ክተዕልል ጸጋ ዝተዓደለት ሳምራዊት ሰበይቲ ብምዝካር እዛ ሰብ እዚኣ ኢየሱስ መን ምዃኑ ከይፈለጠት በታ ማይ እንዶ ግዳ ኣስተይኒ እትብል ሕቶ ዝጀመረ ነዊሕ ዕላል ኣብ መወዳእታትስ ምንጪ ማይ ሕይወት ንሱ ምዃኑ እቲ ማይ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ይገልጸላ። እዚ መንፈስ ቅዱስ እዚ ከኣ እቲ ንሱ ኣብ ዝስዕብ ተልእኮኡ ንሓዋርያት ከተስፍዎ ዘሎ ድሕሪ ንሰማይ ዕርገቱ ከኣ ዝሰዶ መንፈስ ቅዱስ ከምዝኾነ የብርሁ። እዚ መንፈስ ቅዱስ እዚ ንሓዋርያት ስዒቡ ነቶም ዝቅበልዎ ኩሉ ዝህቦ ዝዓበየ ነገር ተስፋ ብምዃኑ ተስፋ ኣቦ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ። እዚ ተስፋ እዚ ናይቲ ቃሉ ዘይክሕድ ኪዳኑ ዘይጠልም እግዚአብሔር ተስፋ ስለዝኾነ ምንም ክንጠራጠረሉ ዘይብልና ጉዳይ እዩ። ስለዝኾን ይብሉ ቅዱስነቶም ስለዝኾነ ከኣ ተስፋ ክርስትያን ምስ ጐይታን ብጸጋኡን ተስፋ ምግባር ኰይኑ እዚ ከኣ ታሪኽ ብጌጋታትና ከምዘይዕጾ ብዓመጽናን ፍትሒ ምጒዳልናን ንፍቅሪ ናብ መስቀል ዘብጽሕ ሓጢኣትናን ከምዘይፍጸም ይገልጽ። ብፍቅሪ ዝተወግኤ ልቢ ጐይታ ኣብ ዘውሕዞ ጸጋ ክንጥምትን ካብኡ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ክንሓፍስን የዘኻኽር። ጠመተና ካብዚ ክንኣሊ የብልናን እንተዘይሎ ልቢ ደቂሰባት ክኸብድ ይኽእል` ኢሎም።

“ኣብ ናይ ዘመንና ሃውሁ ብእንነብሮ ዘሎና ሻቅሎት ከምኡ እውን ተኣፋፍነትና ተጋሂዱ ኩሉ ዘጠራጥር ኣብ ዝመስለና ግዜ ብዛዕባ ተስፋ ምዝራብ ክብድ ክብል ይኽእል። እንተኾነ ከምቲ ኣብ ስቡሕ ኣንተ ላውዳቶ ሲ እትብል ሓዋርያት መልእኽቲ ዝተገልጸ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ተስፋ ንምድንፋዕ ዝተገብረ ግዜ እዩ። እዚ ከኣ ሽሕ እኳ ንሕና እንተዕኖና ንሱ ግን መጠን ብዘይብሉ ትዕግስቱ ንፍጥረቱ ካብ ምሕላይ ዓዲ ዘይውዕል ትዕግዝቲ እግዚአብሔር ጠመተና ንግበር ኢሎም።”

ምሕረት እግዚአብሔር ናይ ሕውነት ፋሲካ ክንትስፎ የኽእለና!

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብቲ ምንጪ ኩሉ ዝኾነ ምሕረት እግዚአብሔር ክነስተንትን የዘኻኽሩ እሞ ከምቲ ጐይታ ንኩሉ ክፍኣትናን ሓጢኣትናን ምሒሩ ስለና ሕይወቱ ዘወፈየ ብዝለዓለ መንገዲ ከኣ ምሕረቱ ዝገለጸ ንሕና እውን ንዝቈሰለ እነጸናንዓሉ ከምዚ ዓይነት ናይ ምሕረት ስራሕ ንምዝውታር ሻቅሎትን ምትሕስሳብን ዝመልኦ ዘተ የድልየና። ምሕረት እግዚአብሔር ብኣና ኣቢሉ ማለት ብቃላትናን ብተግባራትናን እንክግለጽ ናይ ሕውነት ፋሲካ ከምእነብዕል ክገብረና ይኽእል። ኣብዚ እውን ከምቲ ኣብ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያት መልእኽቲ ዝተልጸ ሕውነት ንምድንፋዕ ነዚ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ክንገብሮ ዘሎና ዕዮ ገዛ እንታይ ኮን ይኸውን እንተበልና ኣብ እንዛረቦ ነገራት ጥንቁቃት ክንከውን ንኣብነት ዘጸናንዕን ዘተባብዕን ቃላት እንተተዛረብና ሓይሊ ይህቡ የጸናንዑ ገለ ሰናይ ነገር ንምግባር ይደፋፍኡ። ብኣንጻሩ ዘዋርዱ ቃላት እንተተዛረባና የሕዝኑ የበሳጭው ዋጋ የስእኑ ወዘተ። ሓንሳእ ሓንሳእ ተስፋ ንምሃብ ሕያዋይን ስሩዕን ሰብ ምዃን እኹል እዩ። ሚሕርካ ዘኽእል ጸጋ ንክትረክብን በዚ ንክትብርትዕን ኣስተንትኖን ብሱቊታ ጸሎት ምዕራግን ሓገዝቲ እዮም። እዚኦም ኣገባባት እዚኦም ከኣ ብግዲኦም ብስውር ነቲ ኣቦ ለውሃትን ሕያውነትን ዝኾነ ኣቦ ንክትረኽቦ የኽእሉ ኣብኡ ከኣ ጸጋ ተስፋ ከም ተገልጾን ውሳጣዊ ብርሃንን ትዕደለና እሞ ንዘጓንፉና ግድላትን ኣብ ተልእኮና ክንገብሮም ንዘሎና ምርጫታትን የብርሁልና’ ኢሎም።

ናይ ፍቅሪ ሥራሕ መኻን ኣይኮነትን  ብጻይካ ክዓቢ ኣብ ምርኣይ ትሕጐስ!

 ናይ ፍቅሪ ሥራሕ እንክንደግም ‘ምእንታኻ ንሰብ ኩሉ ከም ነፍሰይ እፈቱ’ እንክብል እንህቦ ቃል ብተግባር እንክግለጽ ምግባረ ሠናይ ወይውን ረድኤት ኰይኑ ንጽጉማት ዝቀርብ ሓገዝ እዩ። ነዚ ሓገዝ በየናይ መንፈስ ክንገብሮ ከምዘሎና ንምግላጽ ቅዱስነቶም ምናዳ ኣብዚ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ኣሰር ኢየሱስ ተኸቲልና ንነፍሲወከፍ ሰብ ብፍሉይ ኣተኲሮ ጠሚትና ክንክእል ፍሉይ ርሕራሔን ለውሃትን ክነርኢ ምስ እንኽእል ናይ እምነትና ተስፋናን ዝለዓለ መግለጺ ይኸውን ኢሎም። በዚ ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም ብሓቂ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ዝደግም ሰብ ሓው ብጻዩ ክዓቢ እንከሎ ብዓይኒ ፍቅሪ ይጥምት እሞ ደስ ይብሎ ብኣንጻሩ ካልእ ሰብ ክሳቀ ብብሕትውና ክወሓጥ ክንዓቅ ክሽገር ክርኢ እንከሎ ከኣ ይሳቀ። ፍቅሪ ኸስ እዚ እዩ።

“ናይ ፍቅሪ ሥራሕከስ ካብ ገዛእ ርእስና ክንወጽእ እሞ ንዘሎና ኩሉ ምስ ኣሕዋትና ንክማቀልን ምሳኦም ውህደት ንክንፈጥርን ዝደፋፍእ ሓይሊ እዩ።”

ቅዱስነቶም እንደገና ናብ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ዝገልጽዎ ሓይሊ ፍቅሪ ክርስትና ምልስ ይብሉ እሞ ‘ፍቅሪ ክርስትና ብዘለዎ ኩለንትናዊ ምንቅስቃስ ሓዲስ ዓለም ክሃንጽ ይኽእል ምኽንያቱ ከኣ እዚ ሓይሊ እዚ መኻን ስምዒት ዘይኮነ ንምዕብልና መላእ ዘመደ ኣዳም ዝኸውን ብሉጽ ኣገባብ እዩ’ ኢሎም ነሮም። በዚ ከምዚኸስ ኣብ ጸገም ዝርከብ ማንም ሰብ ኣባል ስድራቤትና ኰይኑ ከም ዓኪ ሓው ሓውቲ ክንቅበሎ ነታ ዘላትና ቁሩብ ቊራቦ ብፍቅሪ ምሳኦም ምስ እንካፈሎ ፈጺሙ ኣይውዳእን እኳ ደኣ ናብ ዘይውዳእ መኽዘን ሕይወትን ታሕጓስን ይልወጥ።

ናይ ሎምዘመን ጾመኣርባዓ ብለበዳ ኮቪድ 19 ንዝሳቀ ንምክንኻን ይኹነና!

ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ነተን ናይ ጽድቂ መጋበሪ ዝኾና ጾምን ጸሎትን ምጽዋትን እንደንፍዓሉ ግዜ እዩ። ሎምዘመን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ እቲ ምጽዋትን ሰናይ ተግባርን ነቶም ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝሳቀዩ ምናዳ በይኖም ንዝኾኑን ኣብ ስቃይ ዝርከቡን ንምክንኻን ክንጥቀመሉ ሓደራ ዝበሉ ቅዱስነቶም ነዚ ከኣ ንምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይሩስ ብጥንቃቄ እናተኸታተልና ክንገብሮ ኣዘኻኺሮም። ካልእ ዘመነ ኮቪድ ዘስዓቦ ጸገም እምነት ምጒዳልን ሻቅሎት ብዛዕባ መጻእን ብዛዕባ ኩሉ ምጥርጣርን ስለዝኽዕነ ቀንዲ ናይ ምሕረት ስራሕ ኣብ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ነቶም ተስፋ ዝቈረጹ ንምምካር እግዚአብሔር ከም ውሉድ ከምዘፍቅሮም ክነረጋግጸሎም። ፍሉይ ኣተኩሮ ኣብ ድኻታ ብምግባር ከኣ ክብሮም ዳግም ለቢሶም ኣብ ማሕበረሰብ ክወሃሃዱ እሞ ኩልና ኣሕዋት ምዃኑ ዳግም ክነረጋግጽ ኣሎና ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ ‘ነፍሲወከፍ ስድሪ ሕይወት ንምእማንን ተስፋ ንምግባርን ንምፍቃርን ዝተዋህበና ግዜ እዩ’ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
13 February 2021, 09:33